Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓጺር ጸብጻብ ውዕሎ 3ይ መዓልቲ

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓጺር ጸብጻብ ውዕሎ 3ይ መዓልቲ                ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ የካቲት 3, 2015 ኣብ ኤርትራ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት፣ ረቡዕ የካቲት 3, 2015 ሰሚናር ኤስደለ፣ ትማሊ ዘይደምደሞ ናይ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት ዝብል ኣርእስቲ ተመሊሱ ዘትይሎም 1ይ. ንኢሰያስ ኣልዩ

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ሓጺር ጸብጻብ ውዕሎ 3ይ መዓልቲ

              

ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ የካቲት 3, 2015

ኣብ ኤርትራ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት፣

ረቡዕ የካቲት 3, 2015 ሰሚናር ኤስደለ፣ ትማሊ ዘይደምደሞ ናይ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት ዝብል ኣርእስቲ ተመሊሱ ዘትይሎም

  • 1ይ. ንኢሰያስ ኣልዩ ገለ ዘይመሰረታዊ ለውጥታት ቀይሩ እቲ ስርዓት ከምዘለዎ ምቕጻል
  • 2ይ. ከምብዙሕነትና ደረጃ ተመቓቒልና ኣብ ሓድሕድ ኵናት ኣቲና ናይ ምብትታን ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኽእል፣
  • 3ይ. ሰላማውን ኣሳታፍን ስርዓት ዝፈቕድ ለውጢ ብዝርዝር ርእዩ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ሰናርዮታት እቲ ኣብ ቍ3 ዘሎ ሰናርዮ ሃገርን ህዝብን  ዘድሕን ምዃኑ ኩሉ ተጋባኣይ ዝርእዮ ምርጫ ይኸውን። እንተኾነ እቲ ካብ ኩሎም ሰናርዮታት ተመራጺ ዝኾነ ተርእዮ ብዙሕ ስራሕን ጻዕርን ዘድልዮ ምዃኑ ፈሊጥና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ርኢና።

ጭዋ ባህልታትን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ፣

ኣብዚ ኣርእስት’ዚ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ዝሃበ ሓውና ዶር. ምስግና ገብረመድህን እዩ። ኣብ ኣስተምህርኡ ዶር. ምስግና ኤርትራ ዝተፈላልየ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዘለዋ ሃገር ኮይና ብምክብባር ንዘመናት ብሓባር ዝነበረ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር’ያ። ጭዋ ባህልታትናን ልምድታትናን ግን ብፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሽኡ፡ ብውድብ ህግደፍ ከኣ ብፍላይ በትረ ስልጣን ብምጭባጥ ንኹሉ ባህልታትና ኣጥፊኡ ሓድሽ ናይ ምንዕዓቕን ናይ ምፍልላይን ባህሊ ኣተእታትዩ ይገዝኣና ስለ ዘሎ፣ ነዚ ተገንንዚብና ብዝቐልጠፈ ሓድነትና ኣስጢምና ጸላኢና ክንምክት ክም ዘለና ኣስተምሂሩ።

መንእሰያትን ተርኦም ኣብ ለውጥን፣

ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ብዘርኢ መንእሰይ ማህር ዑመር ሳልሕ ኣባል መሪሕነት ማእከል መንእሰያት ሱዳን፡ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ መንእሰይ ሮቤል እምባየ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስፍሕ ዝበለ መግለጺታት ኣብ ተራን፣ ድኽመታትን መእሰያት ምስ መዋጽኦታቶም ወሲኾም ትንተናታት ኣቕሪቦም። ኣብ ልዕል’ዚ ተጋባእቲ ተውሳኺታትን ርእሰ-ነቐፌታትን፣ ነቐፌታትን ብምሃብ ኣተባባዒ ለበዋታት ሂቦም።

ካብ መግለጺታት መንእሰይ ማህር ዑመር ሳልሕ፣ በቶም ህይወቶም ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ዘወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታት ዘለዎ ክብሪ ጀሚሩ፣ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብዚ ሰሚናርል’ዚ መላእ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፣ ምሁራትን፣ ናይ ዜና ማዕከናትን…..ወዘተ ክሳተፉ ዝወሰዶ ሰናይ ተበግሶ ናእድኡ ገሊጹ። መጽናዕታዊ ጽሑፍ ማእከል መንእሰያት ሱዳን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዝድህስስ ኮይኑ ካብኡ ድማ፣

  1. ህልዊ ኩነታት መንእሰያት ኤርትራ
  2. ተራ መንእሰያት ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ
  3. ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ብድሆታትን ክበብርዎ ዝግባእ መኸተታትን
  4. ኣገዳሲ ተራ መንእሰያት ኣብ ምህናጽ ሃገር
  5. ቅሳነትን ርግኣትን ዝዓሰላ መጻኢት ኤርትራ ንምህናጽ ህዝቢ ካብ መንእሰያት ዝጽበዮ ተራ የጠቓልል።

መንእሰይ ኣቤል ብወገኑ፣ ንተራ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ኣዳኺሙ ዘሎ ምኽንያታት፣

  1. ዝተጋደሉ እንታይ ረኺቦም ዝብል ቀቢጸ ተስፋዊ መንፈስ ስለ ዝዓስሎም
  2. ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞን ብዝሐ ውድባትን ምትህልላኻቶምን
  3. ብህግደፍ ዝግበር ጸለመ ንጎረቤት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ክድዓት ገይሩ ከም ዝቝጽር ካብ ከባቢ ሃገሩን ህዝቡን ኣርሒቑ ክስደድ ከም ዝሓስብ ስለ ዝገብሮ
  4. ኣብ መንጎ ምግዳልን ንድሕሪት ተሪፎም ዘለዉ ኣረጋውያን ወለዲ ናይ ምሕጋዝን ዘሎ ጸቢብ ምርጫታት ስለ ዘጨንቖ
  5. ብውድባት ዝግበር ምሕብሓባት ስለ ዝጎድልን
  6. ኣብ መዓርፎ ስደቱ ምስ በጽሐ ከኣ ቤቱ ሰቡ ንምሕጋዝ ብናይ ጣዕሳ ወረቐትኣቢሉ ኣብ ዳግማይ ባርነት ናይ ህግደፍ ስለ ዝቝረን.. የጠቓልል።

ሰሚናር ኤስደለ ኣብ መደምተምትኡ  ሓደ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለወን ውድባት ክሰምራ፣ ዝተፈላለየ መደብ ዕዮ ዘለወን ወድባት ከኣ ኣብ ክሊ ዘራኽበን መደብ ዕዮ ተወዲበን ፍልልያተን ኣጻቢበን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝማእከሉ ቃልሲ ከካይዳ ከም ዘለወን ተማኻኺርና ሰሚናርና ዓጺና።

ናይ ዜናን ሓበሪታን ቤት ጽሕፈት

ኤስደለ

የካቲት 3, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • gebrhiwet February 3, 2015

    (ሰናርዮታት ማለት ኣይተረዳኣትንን) ግን ጽቡቅን ሃናጽን ሓሳብ ዩ ኣብተግባር ክውዕል ክኣ ፈጣሪ ይታሓወሶ:
    ብተወሳኺ እቶም ንጽቡቕ ንቃለስ ዘለና ሰባት በጃኹም በቢንኣምኖ ንፈጣሪ ጸሎት ንግበር ኣምላኽ ንሃገርና ኤርትራ ሰላም የውርደላ

  • Dawit February 4, 2015

    ከይ”ኮነ ወግን ከይተ ሰብረ ጸግን፡
    ትርፊ ሕማቕ ምሕደራ ጸይቅን”መይቅን፡
    ጥምረ ሓድነትና፡ፍቕርን፡ዕርቅን፡
    ምእንቲ፡ህዝብን፡ሃገርን፡ፍቲሕን፡ሓቅን፡

    ይሕዋት ደቂ ሃገር ንፍትሒ፡ንድለያ፡
    ኢሂን”ቢሂን ብሓባር፡ሶባያ፡
    እልፉ አእላፍ ሂወት፡ተዎፈያ፡
    ኩቡር፡መስዋእትነት፡ዬብሉን፡አምሰያ፡
    ሰላም ምስ ቅሳነት እታ ንትምነያ፡
    ማዓትና ክቖርር፡ንበል፡ጉያጉያ፡

    አንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ማዓት፡ደበና፡
    ካብቲ ዝሓለፈ፡እንብዛ አመና፡
    ብሓባር ንበገስ፡ግዜ ከይወሰድና

    ገበረኒ፡ክገብር፡ዓዲ፡ነዬጋብር፡
    ላም ፍርቂ ጎና፡አይት፡ሃጥር፡ፍርቂ ጎና አይት፡ዓብር፡
    ጸባ ሒንጉድ፡ላም፡አብ ጋጉድ፡ነይዓቁ፡
    ካብ ጋል፡መንገዲ፡ንጻእ ካብ ሲጊንጢር፡
    ካብ ጉይይ ምዓል፡ክሳድ፡ምሓዝ፡
    ንባላሓት ሜላታትና፡ንምሃዝ፡
    አንፈትና ነማዕሪ ጎጉቡእና፡ንሓዝ፡

    እዚ ዎዳሓንኩም ብዳሓን፡ትረፉ፡
    አይድቅስን፡ዝበለ፡ዓራት ብንጹፉ፡
    ሓመድ ድበ ከይኮነና፡ሓደ አፉ፡ኤእንታና ንወግድ ጸጽያፉ፡
    ሓድነትና”
    እምነ ኹርናዕ
    ዓወትና፡
    ዳዊት፡
    Seattle,wa
    USA,

    ካብህልኻት፡ንጻእ እብከይወሰድና፡

  • Almaz Gual Asmera February 4, 2015

    ዝኸበርኩም ተጋባእቲ፡ ምኩራት ተቓለስቲ፡ ምሁራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ጉባኤኹም፡ ኣብ ሃገርና ኪኖትግ ቀሪቡ ዘሎ መዓትን ኣወዳድድእኡን ኣመልኪትኩም ዘቕረብኩምዎ ትንታነታት ካብቲ ነፍሲ ወከፍና በብውልቂ ንግምቶ ርሑቕ ኣይመስለንን። ሓንቲ ምናልባት ኣሉዋታውን ኣወንታውን ተራ ጎረባብቲ ሃገራት እንተዝውስኽ ጽቡቕ ምኾነ እብል። ብዝተረፈ ኣብታ ሳልሳይቲ ክንወድቕ ጸሎት ናብ ፈጣርን ቅንዕናን ከቢድ ስራሕን ኪሓትት እዩ። እቲ ከቢድ ስራሕ በታ ጉባኤ ከተሳናዱ መአዚዝኩምዋ ዘሎኹም እዩ ዝጅምር። ከምቲ ናይ ቅድሚ ሒጂ ብሌላን ጉሌላን ድዩ ናብቲ ጉባኤ ኪዕደም? ዋላስ ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ሕዝብን ልቢ ብምዕባይ፡ ሰባት ከይተርፉና፡ መን ኣሎ ዝኾረየ፡ መን ኣሎ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተሳተፈ፡ …እዩ ኪብሃል። ከማኹም ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓድን ምሁራትን ዝገበርዎ ናይ ሓድነት መድረኻት…እዛ ኣዳላዊት ኮሚቴ ኪትጥቀምሉን ናብ ረብሓ ሃገር ከተውዕሎ ድያስ…ዋላ ሕጂ ድማ ኣብ ዘሎኻዮ ጋም ማን ምባል እዩ። እቲ ቅንዕናን ከቢድ ጻዕርን በቶም ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዝተፈላለየ መገድታት ኣብ መሪሕነት ዘሎኹም እዩ ዝጅመር። ተጽግበኒ ቅጫስ…ከምዚ ዝብሃል ብተግባርኩም ዚግሃድ ዕላማኹም ርእዩ ኸኣ ሕዝቢ ኪኣምነኩምን ኪስዕበኩምን ይጅምር። ስለዚ ሕጂ ዘድልየና ዘሎ…ከም ቓንጥሻ ስም ውድባት ምብዛሕ ዘይኮነስ…ንመታሕትና ከበሳና፡ ክርስትያንና ኣስላማይና፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትና ብሓባር ኣሳቲፉ …መባእታዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝኸፍተልና ውዳበ እዩ ዘድልየና። ብድሕሬኡ እቲ ሕዝቢ ዋና ብዓል ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ምዕራፉ ከብጽሖ እዩ። ፈውስና ኣብ ሓድነትና እዩ ዘሎ። ኣንጻር ጥቕሙ ዝኸይድ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘሎዎ ፍጡር ጥራይ እዩ። እንስሳ እኳ ጥቕሞም ስለዝፈልጡ እንዳተሓላለዉ ብሓባር እምበር ብውልቂ ብምኻድ ድራር ኣራዊት ኣይኾኑን እዮም። እቶም ማይ ቀጠነ እንዳበሉ ሓድነትና ኣስጢምና ኣብ ዓወት ከይንበጽሕ ዝጽይቑ …ባዕሉ እቲ ሕዝባዊ ማዕበል ኪግልፎም እዩ። ንርእይቶይ ኣብ ግምት ከተእትውዎ ዝላቡ ሓፍትኹም ስለቲ ገድልኹም ምልእ ክብሪ ከምዘሎኒ ይገልጽ። የቐንየለይ።

  • Weldu Birhan February 8, 2015

    ምናልባሽ ኣረገውቲ ጀብሃ ነበርን ትግራይ ትግርኚን ከይኮኑ ዝብል ህዝቢ እውን ኣሎ።

    • AHMED SALEH February 13, 2015

      Areghewti Jebha neber kabzi kemzi khemskhum sheytanawi
      tegbarat ab hizbom zehlefwo yeblomn . Shitarakhum nay
      mitlal kentu abkiou iyu . Ghizye baelu alo zimskr ab wetru
      haki inte mexiEna HALEFLEF hgedifka .

Post a Reply to Weldu Birhan Cancel Reply