Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኣብ ኣትላንታ ተመስሪቱ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን፡ ሓድነት ሕመረት መፍትሒ ናይ ኩሎም ጸገማትና ምዃኑ ብምእማን፡ ናይ ሓድነት ምትእኽኻብ ንምምስራት ዝተፈላልዩ ኣኼባታትን ልዝባትን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዕለት 8

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ጆርጅያ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን፡ ሓድነት ሕመረት መፍትሒ ናይ ኩሎም ጸገማትና ምዃኑ ብምእማን፡ ናይ ሓድነት ምትእኽኻብ ንምምስራት ዝተፈላልዩ ኣኼባታትን ልዝባትን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዕለት 8 ሰነ 2014 ፡ “ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ” ዝተሰምየ ሲቪካዊ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ብወግዒ መስሪቶም። ኣቐድም ኣቢሉ ነዚ ሎሚ ተመስሪቱ ዘሎ ህዝባዊ ምትእኽኻብ መካየዲ ዝኸውን ዓንዲ-ሕጊ (by-law) እተርቅቕ ካብ ህዝቢ ዝወጸት ሽማግለ ንዝተዋህባ ዕማም ፈጺማ፡ ነቲ ረቂቕ ዓንዲ-ሕጊ ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣኼበኛታት ኣብቲ ዝቐረበ ረቂቕ ብምምይያጥን ኣድላይ ዝበልዎ ምምሕያሻት ብምግባርን ኣጽዲቖሞ እዮም። ኣብቲ ብ 8 ሰነ ዝተገብረ ኣኼባ ድማ፡ ኣኼበኛታት ነቲ ዝጸደቐ ዓንዲ-ሕጊ እተተግብር ሓሙሽተ ቀወምትን (ካብዚኦም ክልተ ደቂ-ኣንስትዮ) ክልተ ተጠባበቕትን፡ ብሓፈሽኡ ሸውዓተ ዝኣባላታ ናይ ስራሕ ሽማግለ መሪጾም።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተግልጸ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ምትእኽኻብ’ዚ፡ ሓድነት ናይ ኣብ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን ብምሕያል፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሲቪካዊ ኣስተዋጽኦ ናይቶም ዜጋታት ንምርግጋጽ እዩ። ብተወሳኺ እዚ ሎሚ ኣብ ኣትላንታ ቆይሙ ዘሎ ምትእኽኻብ ምስ ተመሳሳሊ ራእን ዕላማን ዘለዎም ማሕበራት ይኹኑ ካልኦት ምትእኽኻባት ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ኣብ ዓንዲ-ሕጊ ናይ’ቲ ማሕበር ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብቲ እዚ ሲቪካዊ ፖሊቲካዊ ማሕበር ብወግዒ ዝቖመሉ ዕለት፡ መስራትን ኣዳላውን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ኣመልኪቱ ንኣኼበኛታት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ብዛዕባ ተራ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምህናጽ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ብዝምልከት ስፍሕ ዝበለ መደረ ኣካይዱ።  ብተወሳኺ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ፡ ኣድላይነት ህዝባዊ ምትእኽኻብ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኣብ ንሓድሕዱ ምትእምማን ብምንጋስ ሓቢሩ ክሰርሕን ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓጋዚ ተርኡ ክጻወትን ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን፡ ንመሰሰኒ ኣሰና ዶት ኮም ዝውዕል ኣስታት $3500.00 ናይ ገንዘብ ሓገዝ ገይሮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • rahwa June 13, 2014

    Wow! you are amazing guys! we are all so proud of you. alem balema mber ab hade das asila! thank you brothers and sisters! well done once again! and thank you Mr. Amanuel Eyasu for your dedication. ellll do kiblelkum. gele weruzut s ilenalkum alewa. teawetu!

  • Ruth June 13, 2014

    Finally, our people are coming to their senses. That is opening their mind and see the reality of our country as it is.
    Now, we need to listen and respect each other in the first place. Secondly we need to learn from other people’s history and experiences in order to avoid detrimental mistakes, so that we can build a just and compassionate Society for our selves and for the future generations.

POST A COMMENT