Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዓባይ ብሪጣንያ

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ- 08ን 09ን/10 2011 ድሕሪ ቀጻሊ ጻዕሪ ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ ምቅናዕ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚርና ከይተሓለልና ምስ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ሎንደንን በርሚንግሃምን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝድለ ዘሎ

ውጽኢት ምርጫ ናይ ሕጹያት ንውክልና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ- 08ን 09ን/10 2011
ድሕሪ ቀጻሊ ጻዕሪ ንልዕሊ ዓመት መመላእታ ካብ ምቅናዕ ሃገራዊ ዋዕላ ጀሚርና ከይተሓለልና ምስ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣብ ሎንደንን በርሚንግሃምን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝድለ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሸቶ ክዉን ንምግባር ጽዒርና።
ስራሕና ኣብ ግብሪ ንምርግጋጽ ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሽማግለታት ኣቝምና። ስራሓት ሽማግለታት ብምክትታል ኣብ ምክያድ ሰሚናራት፣ ህዝባዊ ኣኼባታትን ርኽክባትን ብምጽዋዕ ነቲ ብፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ዝተዳለወ ንድፊ ሰነዳት ንጉባኤ፣ ወፈያታትን ኣስተዋጽኦን ገንዘብ ንመመውሊን መደገፍን ንጉባኤ ምእካብ፣ ህዝቢ ወዲብና ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ተመሪጾም ምድላው ዝኣመሰሉ ዘጠቓለለ ንጥፈታት ኣካይድና።
ብተሳታፍነት ህዝብን ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣብ መስርሕ ምርጫ ብምርግጋጽ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ስርሐን ዛዚመን ይርከባ ኣለዋ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጨንፈር ለንደን ነዞም ዝስዕቡ 7 ዝውክልዎም መሪጾም ኣለዉ፣-
1.    ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ
2.    ሓሚድ ዑመር ኢዛዝ
3.    ጸጋይ ዮውሃንስ
4.    ረድኢ ዓይቡ
5.    ዓሊ ሂንዲ
6.    እድሪስ ባርያይ
7.    ቡሰይና ናስር

ካብ 9 ንዓባይ ብሪጣንያ ዝተማቓርሐ ብጽሒት በርሚንግሃም 2 ወከልቶም መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፣-
1.    እስማዒል ገበይታ
2.    ኣሕመድ መሓመድ ሳይቕ

መስርሕ ምርጫ ብዲሞክራስያዊ፣ ግሉጽነትን ነጻነትን ኣገባብ ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ኣባላት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ለንደንን ኢዩ ተኻይዱ።
ኣብ መወዳእታ ደጊምና ዕማም ሽማገለታት ከም ዝተዛዘመ እናበሰርና ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ከይትሓለለ ክሰርሕን ክደጋገፍን ንጽውዕ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Teazeb October 17, 2011

    I agree with you Longdream!
    We see two posts on the name of the commission, one from London and the other from Britain. The london one claims that they are from opposition groups but label themselves as the London part of the Commission. Are these the one who fought to postpone the congressional meeting? I think Assenna has to make clear the sources of the posts. It is purposely done to confuse the ppl who are not aware of what is going on in Britian!

    Assenna please make sure we get the right message from the right source and leave the rest for the reader to analyse the content. Thanks!

POST A COMMENT