Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤሪትራዊት ዋዕሮ!!! – (ንስለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ.ኣ.)

ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!! ኤሪትራዊት ዋዕሮ!!! (ንስለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ.ኣ.) *** ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.) መጋቢት 7፡ 2020 ******** ነየናይ ሰጊረ ነየናይ ክዝክሮ ታሪኻ ልዑል`ዩ ሓርበኛ ኤሪትራዊት ዋዕሮ ዘይቕበር ሓቂ ዝባን መሬት ዝነገሮ። *** ንስቓይ ኤሪትራዊት ክትገልጾ ንኹሉ ፍጹም

ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ

ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ

ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!!

ኤሪትራዊት ዋዕሮ!!!

(ንስለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደ.ኣ.)

***

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

መጋቢት 7፡ 2020

********

ነየናይ ሰጊረ ነየናይ ክዝክሮ

ታሪኻ ልዑል`ዩ ሓርበኛ ኤሪትራዊት ዋዕሮ

ዘይቕበር ሓቂ ዝባን መሬት ዝነገሮ።

***

ንስቓይ ኤሪትራዊት ክትገልጾ ንኹሉ

ፍጹም ዘይከኣል`ዩ ቃላት ክትረኽበሉ

ጅግንነታ ዝበለለ  ሕልና ዘይብሉ።

***

 

ዛውያ ቁኖኣ ምስ ኮነ ጎተና

ዝዓጠቐታ ስረ ዘይብላ መዘና

ሽዑ`ያ ዝቐንዐት መኣዝን ቃልስና።

***

ጕየ ምስ ተባህለ መን`ዩ ዘርክባ

ቀዲማ ትወጽእ ናብታ በራኽ ታባ

ዝተኰሰታ ጥይት ዘይትስሕት ምዕላባ።

***

ብኽቡር መስዋእትኺ ዝመጸት ናጽነት

ከም ዘይበሰለት ቅጫ ሓዊ ዝሰኣነት

ቀትሪ ኣቲያ ወጋሕታ ምስ ቀሃመት

ጸልማት ተኻሒስኪ ውሽጣዊ ባርነት።

***

ሰንኪልኪ ኣብ  ዓወት ህዝብኺ ክሓልፈሉ

ቀሲኑ ኪነብር ኣብ ፍትሒ ኣጽሊሉ!

ዝኸሓደ ከይሲ ጻማኺ በሊሉ።

***

ኤሪትራዊት ዋዕሮ ዘይኢዳ ረኺባ

ቀሲና ከይትነብር ወሊዳ ዓምቢባ

ውልቀመላኺ ደፊሩዋ ቀሊዑ ጉልባባ

ኮኒኑዋ ንሓሳር ምስ መሪር ጸበባ።

***

ካብ ገጽ መሬት ከጥፍእ ንህዝቢ ኤርትራ

ንመንእሰይ ከልኪሉ ሓዳር ናብራ

ኲናት ኣዊጁላ ኤሪትራዊት ስድራ

ክትመክን ክትጸነት ከጥፍኣ ካብ ሱራ።

***

ሓቂ ተቐቢራ ፍትሒ ምስ ተዓብሰት

ውሽጢ ሓደ ህዝቢ ፍልልይ ምስ ነገሰት

ናጽነት ጸልሚታ ሃገርና በረሰት።

***

ምክልኻል ሰሚዩ ንወፍሪ ባርነት

ንዝወረደኪ ሓሳር ኣብታ ጸባብ ኣግነት

ክትምስክር ቀሪባ`ላ ዝረኣየት መሬት።

***

ጻማኺ ተጠሊሙ ሕድሪ ምስ ተኻሕደ፡

ብድርብ ጭቆና ልብኺ  ነደደ

ቤትኪ ጸሚዩ ብመስዋእቲ ዝተወለደ

ስዒቡ ምብትታን ንስደት ዝገደደ

ሃገርኪ ትጽበላ ናትኪ ልዑል ግደ።

***

ሓላል መሬት ከይትኸውን ዓውዲ ጐሓላሉ

ይኣክል ካብ በለ ህዝብኺ ተላዒሉ

ድምጽኺ`ዩ ሓያል ዘስምዕ ንኹሉ

ዓወት ኪቀላጠፍ ኢድኪ ሓውስሉ።

***

ኤርትራዊት ዋዕሮ ሓቛፊት መርኣያ

ትልግስ ፍቕሪ ኣደ ሓልዮት ኣሰኒያ

ሕጽብቲ መዓንጣ ሰራሒት ቅያ።

***

ጸዋር ኢኺ ወናኒት ትዕግስቲ

ዝተባህለ ንርስቲ  ይዋጋኣላ ኣንስቲ

ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘለ`ዩ፡ ልቦና ካብ ጥንቲ፣

መርኣያኡ ዝኸፈልኪዮ`ቲ ልዑል መስዋእቲ

ይኣክል በሊዮ ብነድሪ ንጠላም ፋሺስቲ

ንዘልዓለም ኪዓኑ ውሽጣዊ መግዛእቲ።

***

ዓወት ቃልሲ የለን ንስኺ ዘይብሉ

ውልቀመላኺ ኪጐሓፍ ኣሰሩ ጠቕሊሉ

ሻምላኺ ኣልዕሊ ኪወግሕ ንኹሉ።

***

ደጊም ይኣክል ምዃን ኣደዳ ፍርሃት፡ ዘይብልና ቁምነገር

ሕልናና ኣይንሽጥ ብደውና ኣይንቀበር

ሓቂ ኣይነርሕቃ፡ ከይንብል ደምበርበር

ፍትሒ ንትከል፡ ብሰላም ክንነብር

ጽቡቕ ስም ንሕደግ፡ ንወትሩ ክንዝከር።ሕህህህሕ

***

ምዝዛም ጽሐፈይ ኪምዕዝ መቐረታ

ክሓትት`ስከ – እዛ ወትሩ ንዝምረላ ብዓውታ

ደሞክራሲ እንብላ እንታይ`ዩ መንነታ?

ክፍትን ክዝርዝሮ መንገዳ ስርዓታ!

እመስለኒ ግልጺ ኢዩ ጠባያ: ሓቂ’ውን ቅናታ።

***

ፍቕሪ ሓቂ ካብ ልቢ ምስ ፈልፈለ

ዕምቈት ንቕሓት ኣዚዩ ምስ በሰለ

ድንቍርና ምስ ነተጐ ከም ዕንጕለ

ሓድነት ብመትከል ምስ ደልደለ

ባህሊ ምትሕልላይ ዳግም ምስ ማዕበለ

ስልጡን ምኽባር ፍሉይ ርእይቶ ምስ ሓየለ

ግዝኣት ሕጊ ቅዋም ብጽኑዕ ምስ ተተኽለ

ፍትሒ ሓርነት ነጊሱ ሰላም ምስ ዓሰለ

ሽዑ’ዩ ጽምብል ደሞክድራሲ ብምልኣት ዝልለ።

 

ሓርነት ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ንሕድሮም ህያው ዝገብር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!!

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT