Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኤርትራውያን ድለይቲ ለውጢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

ጽባሕ ዓርቢ 1 ለካቲት ካብ 12፡30-17፡00 ካብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ደለይቲ ለውጥን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ምንቅስቕሳስ ተባዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምድጋፍን፡ ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ለቒቑ ኣብ

ጽባሕ ዓርቢ 1 ለካቲት ካብ 12፡30-17፡00 ካብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን መንእሰያትን ደለይቲ ለውጥን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኻየደ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ምንቅስቕሳስ ተባዓት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምድጋፍን፡ ስርዓት ህግደፍ ስልጣን ለቒቑ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶን ዝጽውዕን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ፡ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ  ከካይዱ ምድላዋት ይገብሩ ‘ለው።

ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ እትርከቡ፡ ብወጽዓን ስቅያትን ህዝብኹም እትግደሱ ኤርትራውያን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺብኩም ድምጽኹም ከተስምዑ ትዕደሙ ‘ለኹም።

ቦታ፡ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ

London, Angel, 96 White Lion street, N1 9OF

Nearest Tube: Angel, Northern line

Buses: 73, 56,48, 19, 476, 341, 41, 43, 153

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገርን ደለይቲ ለውጥን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • abraham January 30, 2013

    Hello to all eritraen people in london us we are ander dictator eseyas to get read off him we have to be on the domenstratin in london to saport the moment in forto asmera and I hope all we going to make it

POST A COMMENT