Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንተቐማጦ ሎንዶን ዓባይ ብርጣንያ::

ከም ዝፍለጥ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ: ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮማት ተመስሪተን ንነዊሕ እዋናት ንህዝቢ ዝተፈለለዩ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ርኡይ ዝኾነ ኣበርክቶ ከም ዝገበርን ዝዝከር’ዩ። ይኹን’ምበር ምስ ጊዜ:

ከም ዝፍለጥ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ: ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮማት ተመስሪተን ንነዊሕ እዋናት ንህዝቢ ዝተፈለለዩ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ርኡይ ዝኾነ ኣበርክቶ ከም ዝገበርን ዝዝከር’ዩ። ይኹን’ምበር ምስ ጊዜ: እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝለመዶ ናብ ወጻኢ `ውን ኣእዳዉ ሰዲዱ ንማሕበረሰብ ኤርትራ ብስለያዊ ምጽንጻን ንምቊጽጻርን፡ ምእንቲ ህዝቢ ንዝጠራቐመ ገንዘብ ንምዝማት ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን።  እዚ ማለት ዕሱባቱ ናብ ኩለን ኣብ ሎንዶን ዝነበራ ማሕበረ ኮማት እናስሎኸ፡ ነቲ ህዝቢ ንምዕቃብ ባህሊ ሃገር፡ ንትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣብ ስደት ዝተወልዱ ቆልዑን ካልኦት ኣገልግሎታትን ተባሂሉ ዝውሃቦ ዝነበረ ገንዘብ ንምርሳይ ንነዊሕ ሰሪሑሉ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ’ተን ዝነበራ ማሕበረ ኮማት ዝጥርነፉ ደለይቲ ፍትሒ እናበዝሑ ምስ ምምጽኦምን ኣእዳዉ ክእርንብ ብዝተኻየደ ሓያል ጻዕርን፡ እሞ ኣነ ዘይቆጻጸሮን ዘይረብሓሉን ማሕበራት ድኣ ኣይሃሉ፡ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኢሉ ፋሕ ብትን ስለዘእተወለን፡ ኣብ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ከም ኩሎም ካላኦት ማሕበረሰባት ክረኽቦ ዝግብኦ ዕድላት ተነፊግዎ፡ መራኸቢ ቦታ ተሓሪሙ፡ ብፍላይ መንእሰያትና ብዝያዳ ድማ እዞም ካብ’ዚ ኣረሜን ምሕደርኡ ነፊጾም ዝመጹ ሓደስቲ፡ ምኽሪ ዝወሃብሉን መጠርነፊ ዝኾኖምን ቦታ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ብዙሓት ብጭንቀትን ጽመዋን ተዋሒጦም ኣብ ዘይድለዩ ወልፍታትን ልምድታትን ከወድቁ ከለዉ፡ ከም ሳዕቤኑ `ውን ማዕረ ኣብ ነብሰ ቅትለት ይበጽሑ ምህላዎም ኣብ ለንደን እዝኑ ንዝኸፈተን ዓይኑ ቋሕ ዘበለን ኤርትራዊ ዝክታተሎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ስለዚ ኣገዳስነት ኣድላይነትን ካብ ኢድ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ነጻ ዝኾነ ህዝባዊ ማሕበረ ኮም ርዱእ ኮይኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ሰብ ሕልና ክኢላታትን ኤርትራውያን ክትሰርሕሉ እንዳ ኣተሓሳሰብኩ ናብቲ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ እዋናዊ ሓበሬታ ክሓልፍ።

እወ! ኩሉ ኤርትራዊ ይከታተሎ ከም ዘሎ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ምቊጽጻር ክእለቱ ላሕሊሑ ዘሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣገዲዱ ክራስዮ ዝጸንሐ ገንዘብ `ውን ነጺፉዎ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ሕጂ መልክዑ ቀይሩ ነቲ ቀደም ባዕሉ ዝበተኖ ማሕበረ ኮማት በቶም ዕሱባቱን ውሻላቱን ጌሩ ዳግም ክምስርቶ ብታሕቲ ታሕቲ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ሓበሬታ ተረኺቡ `ሎ።

ንሕጂ ተፈሊጡ ከምዘሎ ብኣላይነት ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ሱሌማን ሓሰን (ሱሌማን ማንጁስ) ኣብ ደቡብ ሎንዶን (South London) ንጽባሕ ቀዳም 31/03/2018 በቲ ዋና ኣገልጋሊኦም ዑቑባይ መስፍን ዝተባህለ ደራፋይ ጌርካ እግሪ ንምትካሉ፡ ብኡ ኣቢልካ ክኣ ኣታዊታት ንምኽዕባት መደብ ምሪኢት ተዳሊዩ ኣሎ።

ስለዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ብስም ማሕበረኮም ናይ ምጽንጻን መጻወድያ ኣዳሊኻ ህዝቢ ብስለያ ንምቊጽጻር፡ ማዕሪኡ ድማ ንህዝብና መድሃኽን መጨፍለቕን ዝኸውን ገንዘብ ንምምእራር እቲ ስርዓት ጸልማት ተጎልቢቡ ዝኣልሞ ዘሎ `ውዲት፡ ኩሉ ብህዝበይን ሃገረይን እግደስ ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ ክነቕሓሉን ብጥብቂ ክኹንኖን ኣጥቢቐ እምሕጸን።

ብኣንጻሩ ግን፡ ከምቲ ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎ ካብ ኢድ ማንም ሓራ ዝኾነ ህዝባዊ ነጻ ማሕበር ተመስሪቱ፡ ነዚ ዋና ስኢኑ ዘሎ ኤርትራዊ ከረጋግእን ኣንፈት ከትሕዝን ጻውዒተይ ደጊመ አቕርብ።

ግዱስ ኤርትራዊ

ካብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • MR Y. T. BERHE March 30, 2018

    ግዱስ ኤርትራዊ፥
    እቲ ሓሳብካ ቅኑዕ ኢዩ። ብስም ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝቐውም ዝኾነ ማሕበር፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ወገናዊ ኣፈላላይ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዘሳትፍን ዘገልግልን ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

    ንዓና ኤርትራውያን፡ ሓደ ካብቲ ዓቢ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፡ ከም ህዝቢ፡ ነቲ ዘሎና ናይ ፖለቲካዊ ኣረእእያ ፍልልያት፡ ናብቲ ማሕበራዊ ህይወትና እናምጻእና፡ ፖለቲካን ማሕበራዊ ህይወትናን ፈላሊና ክንሕዞ ዘይምኽኣልና ኢዩ። ንሕና ከም ህዝቢ፡ እቲ ዝዓበየ ክብርታትና ኣብ ባህላዊን ማሕበራዊን ህይወትና ኢዩ ተነዲቑ ዝርከብ። ኣብ እዋን ሓጎስን ሓዘንን ድማ ንመዋእላት ተፈላሊና ኣይንፈልጥን። እንተኾነ፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊን ገባቲን ስርዓት፡ ንሱ ኣብ መላእ ዓለም ተኺሉዎ ዘሎ ግሁድን ስዉርን መርበባት ስለያን ውደባን፡ ንህዝብና ሓቢሩ ከአዋሳእን ብጉዳዩ ከይዝቲን፡ ኣብ ውሽጢ ዜጋታቱ ንዝራኣዩ ኣወንታዊ መዳያት ከሐይል፡ ነቶም ኣሉታዊ ተርእዮታት ድማ ሓቢሩ ኣስተምህሮን ሞዶን ብምሃብ ካብ ዘይተደልየ ሳዕቤናት ንክኣልዮምን፡ ኣይከኣለን።

    ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪተ ከምዚ ዝስዕብ ክብለኩም እደሊ፡ ንኹልኹም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎኹም ኤርትራውያን፥-

    ተመልከቱ ሞ!

    ነፍሲወከፍ ኣብ ከባቢኹም ዝቆመት ማሕበረኮም፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣባል ክኸውንን ብናጻ ክሳተፍን ከምዝክእል፡ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ወግዓዊ ፖሊሲን ብዕሊ ኣብ ዝተመዝገበ ቅጥዒን፡ ንኩሉ ግዱስ ሰብ ከምዝረኽቦ ኮይኑ ኣብ ወብሳይት ናይቲ ማሕበረኮም ሰፊሩ ኣሎ። ዘየሎ እንተኾይኑ ድማ፡ ዝኾነ ንዝሓተተ ሰብ፡ እቲ ማሕበር ቅዳሕ ክህቦ ወይ ክሕብሮ ብሕጊ ናይ ዝተመዝገበሉ ሃገር፡ ይግደድ ኢዩ። ንኣብነት፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (ECUK) ፡ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ሎንዶን ኮይኑ፡ ወግዓዊ ወብሳይት ኣለዎ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክፉት ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ሕግታት ናይቲ ማሕበረኮም ተገንዚቡ፡ ብንጥፈት ኣብ ኩሉ ህይወት ናይቲ ማሕበር ዝሳተፉ ውዱባቱ የዋፍር። እንተኺኢሉ ድማ ክቆጻጸሮ ይፍትን። እቲ ደላይ ፍትሒ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ብኣካል ተሳቲፉ፡ ናቱ ማለት ናይ ህዝቢ ክገብራ ኣብ ክንዲ ዝፍትን፡ “እዚኣ ማሕበረሰብ እዚኣ ናይ ህግደፍ ኢያ ” ብምባል፡ ኣማዕድዩ ይዕዘብ። ህግደፋዊያን ድማ ነታ ማሕበረኮም ይብሕቱዋ ማለት ዩ። እምበኣር እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ። መፍትሒኡ ድማ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብቲ ብስምና ዝቐውም ማሕበረኮም፡ ብንጥፈት ክንሳተፍን ናትና ክንገብሮን ኢዩ ዘሎና። ብከምዚ ኸኣ፡ እንተኸፋአ፡ ህግደፋዊያን፡ ነቲ ማሕበረሰብ ከምድላዮም ከይጨውዩዎ ዕድል ክንከልኦም ኣሎና እብል።

    ወደሓንኩም።

    ዮውሃንስ ጸጋይ
    ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ

    • k.tewolde March 30, 2018

      I concur,any organization whether civil or political got to have checks and balances,its members adhere to the same goal and mission,tight security apparatus whether cyber or physical…this measures keep the thieves,scoundrels and embezzlers out. HGDEF is mafiosi,we have to treat him as such,as long as you leave yourself open,he will encroach and take over your space. Good advice Mr. Yohannes.

POST A COMMENT