Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገናዕ ወደብቲ መደብ፡ ‘መዓልቲ ልደት፡ ምስ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ሎንዶን’

ኣገናዕ ወደብቲ መደብ፡  ‘መዓልቲ ልደት፡ ምስ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ሎንዶን’ ካብ ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ፡ ሎንዶን፡ 22 December 2014   መርሓባ ደቂ ኤረ!   ደስ ዘብል ቅዱስ መደብ’ዩ!   ኩሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ፡ ብዘይኣፈላላይ ወገን፡ ዓሌት፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን፡ ክንሳተፎ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደ ንኹልና ኤርትራውያን

ኣገናዕ ወደብቲ መደብ፡  ‘መዓልቲ ልደት፡ ምስ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ሎንዶን’

ካብ ሓውኹም ዮውሃንስ ጸጋይ፡ ሎንዶን፡ 22 December 2014

 

መርሓባ ደቂ ኤረ!

 

ደስ ዘብል ቅዱስ መደብ’ዩ!

 

ኩሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ፡ ብዘይኣፈላላይ ወገን፡ ዓሌት፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን፡ ክንሳተፎ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደ ንኹልና ኤርትራውያን ጎዲሉና ዘሎ ዓበይ ነገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድላት ብዘይምህላዉ ኢዩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ ደቅና፡ ንሓድሕዶም ከም ኤርትራውያን ንከይፋለጡ ተሓሪሞም፡ ብሓባር ንከይሓስቡን ንከይምዕብሉን ባይታ ስኢኖም፡ ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ናብ ዘይተደልየ ሕማቕ ኩነታት ዝወድቁ ውሑዳት ኣይኮኑን።

 

ንሕና ኤርትራውያን፡ ንፖለቲካ ካብ ማሕበራዊን ሃገራዊን ሃብትና ምፍልላዩ ምኽኣል ስኢንና፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና እንርከብ ዘሎና። ብሰንኪ ፖለቲካ፡ ኩሉ’ቲ ናይ ሕብረተሰብና ንቡርን ክቡርን ማሕበራዊ ምትሕቑቛፍና ተዘሪጉ፡ እቶም ዝዓበና፡ ንደቅና ለኪምናዮም ንጠፍእ ኣሎና። ህግደፍ ድማ ብቀንዱ፡ ምስቲ ንዕኡ ጥራይ ዘሳሲ ኤምባሲታቱን፡ ፈላላዪ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሕዛኡን፡ ነቲ ዘኹርዕ ሃገራዊ ልምድናን ማሕበራዊ ክብርታትናን ክሳብ ናብ ውሽጢ ሕመረት ስድራቤት እናኣተወ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ንእንነብር ኤርትራውያን፡ ፋሕ-ብትን! ከብለና ካብ ዝጅምር ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን፡ በዚ ጉዳይ’ዚ ክንነቅሕ ይግባኣና። ሃገራዊን ማሕበራዊን ልምድናን ምትሕቑቛፍናን፡ ካብ ፖለቲካዊ መርገጺታትና ፈሊና ክንርእዮ ይግባኣና። እዚ ስልጡን ባህሊ’ዚ ከነታኣታቱ ድማ ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወይ ግደ የድሊ።

 

እሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ስድራቤታዊ ምዝንጋዕ ብምሕሳብኩም፡ ነቲ ክኹስኮስ ዘለዎ ጽቡቕ ባህሊ ኣዝዩ ሓጋዚ ስለዝኾነ፡ ደጊመ ኣገናዕ ይብለኩም።

 

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ፡ ብኩለን ኣብ ሃገረ-ስደት ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን፡ ዓቢ ኣተኩሮ ክወሃቦ ይግባእ። እተን ዘለዋ ማሕበረኮማት፡ ብናይ ኩልና ንጡፍ ተሳትፎ፡ ንረብሓና፡ ማለት ንረብሓ ናይቲ ክግልገለለን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ (ብዘይ-ኣፈላላይ) ከምዝውክላ ክንገብረን ኣሎና። ከምዚአን ዝኣመሰላ ማሕበራውያን ኮማት፡ ነቲ ኣብ ሃገረ-ስደት ንኤርትራውያን ዝገጥሞም ዘሎ በዳሂ ኩነታት፡ ብሓባር ንምግጣሙን ሓድሕዳዊ ምትሕብባር ንምምዕባልን ኣዚየን ኣገደስቲ ኢየን። ከም ማሕበረሰብ መጠን ድማ፡ ብዘይ ሻራ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ለባማትን ሞያውያንን፡ እናዓደማ፡ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ፈስቲቫላት፡ ህዝቢ ከምዝመሃር ክገብራ ሓላፍነት ክስከማ ኣለወን። ንመናእሰይ ኤርትራውሃን ብፍላይ ከኣ፡ ከምዝላለዩን፡ ነብሶም ንምምዕባል ብሓባር ክሰርሑን፡ ክደጋገፉን ክመኽራን ዕድል ክፈጥራሎምን ይግባእ። ኪኖ’ዚ ድማ፡ ኤርትራውያን እንተሓቢርናን እንተሰሚርናን፡ ህይወትናን ህይወት ዓድናን ንከነማዕብልን  ከነማሓይሽን ክንክእል ኢና። ስለዚ፡ ማሕበረ-ኮማትና ኣስተናዒቕና ኣይንርኣየን።

 

ኮማዊ ንትፈታትና፡ ሃገራዊ መንነትናን ባህልናን እንኹስኩሰሉ፡ ኣገዳሲ ባይታ ስለዝኾነ፡ ኩልና ደቅና ሒዝና ብንጥፈት ክንሳተፎን ክንዓስሎን ይግባእ።

 

ካብ ሓውኹም:-

 

ዮውሃንስ ጸጋይ፡

ሎንዶን   22 December 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Yacob December 23, 2014

    Thanks you Yohans:
    I agree, this is the start of a good thing for us Eritreans. It is everyone responsibility to encourage and enrich this activity. All of us as Eritreans lets try to cultivate the good thing so more good things come to our way.

Post a Reply to Yacob Cancel Reply