Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ኣድጊ ተማህሊላ በላዒዓ ኣውረደት” –

 ክቡራት ኣንበብቲ ቅድሚ ሎሚ “ተቐማጦ ዓዲ ጋዕቤን ሰማዒ ስኢና ንግፋዕ ኣሎና”ብዝብል ብሬድዮ ኣሰና ናብ ህዝቢ ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ኣነ ሓደ ካብቶም ስቅያትን መግፋዕትን ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝተሰማዓኒ “ኣድጊ ተማህሊላ በላዒዓ ኣውረደት” ዝብል ኣርእስቲ ብምምራጽ

 ክቡራት ኣንበብቲ ቅድሚ ሎሚ “ተቐማጦ ዓዲ ጋዕቤን ሰማዒ ስኢና ንግፋዕ ኣሎና”ብዝብል ብሬድዮ ኣሰና ናብ ህዝቢ ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ኣነ ሓደ ካብቶም ስቅያትን መግፋዕትን ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝተሰማዓኒ “ኣድጊ ተማህሊላ በላዒዓ ኣውረደት” ዝብል ኣርእስቲ ብምምራጽ ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ብግዜ ባዕዳዊ መንግስቲ ማለት ብግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተበየነሎም ሕጋዊን ርትዓዊን ፍርዲ ምስ’ዚ ብሕጊ ዘይቕየድ፣ፋሉል፣ብሃውሪ ዝገዝእ ዘሎ ውልቀ-መላኽ መንግስቲ ብምንጽጻር ፣ንነበርቲ ዓዲ ጋዕቤን ዝሓለፈ ባዕዳዊ መንግስቲ ከም ዝሓይሽ ንምግላጽ ዝኣክል ኢየ።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ነበርቲ ዓዲ ጋዕቤን ምስ ሓንቲ ቁሸት ማለት ካብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ብሳዕሪ ብላዕ መጺኦም ከም ደንበ ዝሰፈርዋ ገባራት ብርቱዕ ነገር ነይርዎም።
እዞም ከም ደምበ ሰፊሮም ሓደ ወለዶ ዘይገበሩ ነቶም ደቀባት ደቂ ጋዕቤን ክሒዶም ርስትና ኢዩ ስለ ዝበልዎም፣እቲ ባዕዳዊ ዝበሃል መንግስቲ ጉዳዮም ብደቂቕ ብምጽናዕ፣ብምስክርነት ዝተደገፈ፣እዞም ሳዕሪ ብላዕ ዝመጹ ሰባት ነብሲ ወከፎም ናይ መበቆሎም ዓዲ ስለ ዘለዎም ነቲ ብሳዕሪ ብላዕ ዝሓዝዎ ረስቲ ዓዲ ጋዕቤን ለቒቖም ነናብ ዓዶም ክኸዱ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ክቡራት ኣንበብቲ፣ብፍርዲ ዝተወሰነ ጉዳይ ክሰዓር እንተድኣ ኮይኑ፣እቲ ተወጺዐ ዝብል ኣካል ብይግባይ እንተ ዘይኮይኑ ከምዚ ብዘይ ሕጊ ዘማሓድር ዘሎ ናይ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ብኣዋጅ ወይ ኢለካ ኢየ፣ብማለት ነቲ ደቂ ዓዲ ጋዕቤን 47 ስዉኣትን 23 ስንኩላትን ኮይኖም ምስ ህዝቦም ተቃሊሶም ዘምጽእዎ ነጻነት ፍትሕን ርትዕን ስኢኖም ወለዲ ናይቶም ነጻነት ዘምጽኡ ስዉኣትን ኣብ ምምጻእ ነጻነት ዝሰንከሉን ከይተረፉ ሰማዒ ስኢኖም ብወዲ እቶም ክለቁ ዝተፈርዱን ብወይጦታት ደገፍቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ።
ሓንቲ ሃገር ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ፣ህዝባ መሰሎም ተሓልዩ ሰላም ረኺቦም ቀሲኖም ዝነብሩ እንተድኣ ኮይኖም ዝተዓደሉ ህዝቢ ዝረኽብዎ ነጻነት መዋዳድርቲ ዘይብሉ ህያብ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብዚ ስማዊ ነጻነት ዘሎ ምምሕዳር ግን ትርጉም ነጻነት ካብ ባርነት ሓሊፉ ንደቂ ዓዲ ጋዕቤን እንታይ ኢዩ? እታ ሽማግለታቶም ብጸሎትን ምህልላን መንእሰያቶም ብመስዋእትን ስንክልናን ዘምጽእዋ ነጻነት ፍዳኣ ንደቂ ጋዕቤን ርስቶም እትነቅል ነበርታ ክሳብ ደቂ 80 ዓመት ከይተረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናተሳቐዩ ዝነብሩላ እንተ ኾይና፣ “ኣድጊ ተማህሊላ በላዒዓ ኣውረደት” ዝብሉሉ ኩነታት’ዶ ኣይኮነን??
ኣነ ንደቂ ዓዲ ጋዕቤን ክብሎ ዝደሊ “ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን(ትሓቅቕ) እምበር ኣይትስበርን” ስለ ዝኾነ እታ ብእግራ ተቐቢራትኩም ዘላ ሓቂ ብርእሳ እትወጸሉ ግዜ ርሑቕ ኣይክኽውንን’ዩ።ንስኻትኩም ግን በዞም ወይጦታት ናይዚ ገፋዒ መንግስቲ ካብ ሓቅነትኩም ንምልጋስ ንዝወርደኩም ዘሎ ተጽዕኖታት በዲህኩም ኣብ ሓቅነትኩም ጽንዑ።ነዚ ፍትሒ ኣልቦ መንግስቲ ብብረት ክትዋግእዎ ስለ ዘይትኽእሉ፣
“ግዜ ክሳብ ዝወጻለይ ባርያ ኣቦይ ይግዛኣኒ” ኢልካ ኣብ ሓቅነትካ ጸኒዕካ ብትዕግስቲ ምጽባይ’ዩ።
ስቅያት ነበርቲ ዓዲ ጋዕቤን ዝስመዖ፣ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde June 28, 2017

    ‘..NEZI FITHI ALBO MENGISTI BBRET KITWAGE’EWO SILEZEYTKI’ELU…’ why not?,everybody is armed,did anybody try to pull the trigger to show defiance,blow away the security goons when they trespass your homestead,isn’t how our forefathers kept their enemies at bay and defended the land they entrusted us.What is the difference?If every village that was violated under this outlaw regime tried that,the cowards will think twice before approaching Adi Gaben or Adi Grotto.My grandfather did’t earn the title ‘HANETAY’ for nothing.Otherwise,I concur with the empathy of the writer.

  • Sol June 30, 2017

    Eritreans as a people,we wittingly became donkeys for long years in front of heaven lies of a single socially sick dictator. And as a consequence of our naive character we are paying dearly in our existence as humans.

  • Sol June 30, 2017

    Correction
    Read as….in front of cheap lies. ……

Post a Reply to Sol Cancel Reply