Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት

ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት ቅድሚ ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት (civic societies) ምግንዛብና፡ ኣብ ዝዀነ ደሞክራሲያዊ ስርዓት መሰል ምቛም ህዝባዊ ማሕበራት፡ ብሃገራዊ ቅዋም ዝተሓለወ ዘይገሃስ ህዝባዊ መሰል (civil right) ምዃኑ ክንረቊሕ ግቡእን ጠቓምን ኢዩ። ኣብ ኲለን ደሞክራስያዊ

ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት

ድሚ ብዛዕባ ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት (civic societies) ምግንዛብና፡ ኣብ ዝዀነ ደሞክራሲያዊ ስርዓት መሰል ምቛም ህዝባዊ ማሕበራት፡ ብሃገራዊ ቅዋም ዝተሓለወ ዘይገሃስ ህዝባዊ መሰል (civil right) ምዃኑ ክንረቊሕ ግቡእን ጠቓምን ኢዩ።

ኣብ ኲለን ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝተኸላ ሃገራት፡ መሰል ምቛም ህዝባዊ ማሕበራት ኣብ ሃገራዊ ቅዋመን ብንጹር ተነጺሩ ዝሰፈረሉ ምኽንያት፡ ህዝባዊ ማሕበራት ብባህረን ደሞክራሲያዊ መትከላት ከይገሃስን ከይጠሓስን ንምክልኻልን ንምውሓስን ዘገልግላ ኣድማዕቲ ማሕበራዊ ውድባት (social organizations) ስለ ዝዀና ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ደሞክራሲ ዝሰፍን፡ እቲ ብመትከል ደሞክራሲ ዝኣምን ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ንተወዳደርቱ ኣሰኒፉ መንግስታዊ ስልጣን ብምሓዝ፡ ደሞራሲያዊ ስርዓት ክተክል ብምብቅዑ ጥራይ ኣይኰነን። ምትካል ደሞራሲያዊ ስርዓት፡ ደሞክራሲ ንምስፋን መንገዲ ዝጸርግ ቅድመ-ኩነት ይኹን ድኣ’ምበር፡  እተን ንመትከላት ደሞክራሲ እናተኸላኸላ ዝዕቅበኦን ንሓፋሽ ህዝቢ እናነቓቕሓ ኣብ ግብሪ ዘውዕለኦን ሃገራውያን ውድባት፡ እተን ንመሳላት ህዝቢ ንምጥባቕን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምሃብን ዝቖማ ህዝባዊ ማሕበራት ኢየን። ኣብ ውሽጢ ሓደ  ሕብረተሰብ፡ ደሞክራሲ ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ከም ባህሊ ዝሰርጽን፡ ብዕሊ ብመንግስታዊ ደረጃ ብምእዋጁ ጥራይ  ዘይኰነ፡  እንታይ ድኣ ፥  ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ምስ ዝሰርሕ ኢዩ። ብዘይ እተን “ኣርካናት ደሞራሲ (pillars of democracy)” ተባሂለን ዝጽዋዓ ህዝባዊ ማሕበራት ከኣ ፡ ደሞክራሲ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ግብሪ ብስሉጥነት (efficiently) ክውዕል ኰነ ብርግጽነት (assertainly) ክሰርሕ ከቶ ዝሕሰብ ኣይኰነን።

ኣብዚ መርትዖ ምቕራብ ዘየድልዮ ርዱእ ሓቂ ተመርኲስካ ክድምደም ከም ዝከኣል፡  ህዝባዊ ማሕበራት  ብዘየማትእ ደሞክራሲ ንምስፋን  ዘገልግላ ኣዝየን ኣድለይቲ ህዝባዊ ውድባት ኢየን።

ይኹን’ምበር፡  ክብርን መዓላን ናይ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ደሞክራሲ ንምስፋን ዘገልግላ ኣድለይቲ ኣርካናት ኢየን ብምባል ጥራይ ዝሕጸር ኣይኰነን።  ልዕልን ቅድምን ኲሉ፡ ህዝባዊ ማሕበራት ከም ኣድልየነቱ ብማሕበረሰብ (community) ደረጃ ቆይመን፡ ንኣባላተን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘወፍያ ኣዝየን ኣገደስቲ ህዝባዊ ትካላት ኢየን። እቲ ኣብ ሕቝፊ ሃገር ዝርከብ ማሕበረሰብ ይኹን፡ እቲ ኣብ ስደት ተዓቚቡ ዝነብር ማሕበረሰብ፡ ንፍሉይ ድልየታት ኣባላቱ ብዕግበት ዘማልኣ ማሕበራዊ ውድባት ምስ ዘቕውም ብዙሕ ረብሓታት’ዩ ዝጕንጸፍ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ስደት ተዓቚቡ ዝነበር ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ምስ ንወስድ፡ እዚ ማሕበርሰብ’ዚ፡ ነቲ ካብ ናይ ከባቢኡ ሕብረተሰብን መንግስትን ክረኽቦ ዘይክእል ፍሉይ ባህላውን መንፈሳውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት ክረክብ ዝኽእልን ዘስተማቕርን፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ፍሉይ ህዝባዊ ማሕበራት ምስ ዘቚውም ጥራይ  ኢዩ።  ኣብ ዝዀነት ሃገር ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረሰብ፡ ፍሉይነት ናይቲ ዝነብረሉ ዘሎ ሕብረተሰብ ብዘየገድስ፡ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ኣባላቱ ምስ ዝገሃስ፡ ወኪልን ዋልታን ኰይኑ ኣብ ክንደኦም ብትሪ ክጣበቕ ዓቕሚ ዝሕልዎ፡ ከምኡ’ውን  መሰላቶም ምስ ዘይሕሎ  ጸግዕን ተሓላቕን ኰይኑ ብተገዳስነት ንክኽበር ክጠልብ ዝኽእል፡ ብሕጊ ዝተፈልጣን ብዕሊ ዝሰርሓን ህዝባዊ ማሕበራት ምስ ዝውንን ጥራይ ኢዩ።

ስለዚ፡ ኣብ ኲለን ደሞራሲያዊ ስርዓት ዝተኸላ ሃገራት ዝርከባ ማሕበርሰባት ኤርትራውያን፡ ምቛም ህዝባዊ ማሕበራት ብወግዒ ብመንግስታዊ ደረጃ ዝፍለጥን  ዝኽበርን  ዘይገሃስ ህዝባዊ መሰል ስለ ዝዀነ፡  ብመንግስቲ ዝተመዝግባ ሕጋውያን ህዝባዊ ማሕበራት ካብ ምምስራት ሰገጥ ኰነ ስኽፍ ዘብል ነገር የብለንን።  ይኹን’ምበር፡ እቲ ዘቚመኦ ህዝባዊ ማሕበራት ዕዉት ስራሓት ከሳልጥ፡ ካብ እግሪ ተኽሊ ኣትሒዙ ካብ ዝዀነ  ግዳማዊ ተጽዕኖ ናጻ  ክኸውን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብግሉጽነትን ብተሓታተነትን ዝመልኦ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ክመሓደርን ክሰርሕን ኣሎዎ። እንተዘይኰነ፡ ማሕበረሰባት ኤርትራውያን  ከምቲ ናይ ትማሊ፡ ሎሚ እውን ውድባዊ ናጽነተን ብጣልቃን ተጽዕኖን ግዳማዊ ሓይልታት (መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን) ክቕንጠጥን ክምንዛዕን ስለ ዝኽእል፡ ወነንትን ተጠቐምትን ናይ ገዛእ-ርእሰን ትካላት ከይኰና፡ ተዘሪፈንን ተወጺዐንን ተዓብሊለንን ክተርፋ ይኽእላ ኢየን። ህዝባዊ ማሕበራት ዝቖማ፡ ባህላዊ ትልሂት ንምቕራብ፣ናይ ገንዘብ ወፈያ ንምክያድ፣ ወይ ከኣ መንግስታዊ ወይ ሰልፋዊ መድረ ንምእንጋድ ጥራይ ኣይኰናን።  ብዓቢኡን ብቐንዱን፥ ንማሕበረሰበን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምውፋይ፣ ንመሰላቱ ንምጥባቕ፣ ንባህልታቱ ንምዕቃብ፣ ንእምነታቱ ንምኽባር፣ ረዲኤት ንምልጋስ፣ ንቕሓት ክብ ንምባል፣ ንሓድሕድካ ንምትሕግጋዝ፣ ኣስተምህሮታት ንምሃብ፣ ከምኡ’ውን ሓበሬታት ንምስናቕ ኢዩ።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝቖማን ክሳብ ሕጂ ከይፈረሳ ዝጸንሓን ህዝባዊ ማሕበራት ዝውንና ማሕበረሰባት ኤርትራውያን እንተልየን፡ ካብ ጣልቃን ተጽዕኖን መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን ሓራ ኰይነን ምእንቲ ክስስና፡ ብሜላን ልቦናን ክሕብሓባ ይግባእ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እንተ ፈሪሰን ወይ ከኣ እንተ ማህሚነን፡ ከም ብሓድሽ ኣጕለዕሊዐን ዘይህነጻሉን ዘይሕደሳሉን ኣብነት የለን። ህዝባዊ ማሕበራት ኤርትራውያን፡ ካብ ናይ ካልኦት ዜጋታት ህዝባዊ ማሕበራት ብዘይፍለ፡ ብቐዳምነት ንፍሉይ ድልየታት ኣባላተን ንምርዋይ ዝነጥፋ ህዝባዊ ውድባት ድኣ’ምበር፡ ንመስግስቲ ኤርትራ ኰነ ንተቓወምቲ ውድባት ዘገልግላ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ክዀና የብለንን። ከም ርእሰን ዝኸኣላ ህዝባዊ ውድባት መጠን፡ ካብ ዝዀነ ዓይነት ተጽዕኖን ጣልቃን ናጻ ኰይነን ክዋስኣ ዝግበአን፡ በቲ ዝመስረተን ማሕበረሰብ ዝውነናን ዝመሓደራን፡ ንረብሓታቱ ኣቐዲመን ዝሰርሓን ዝከላኸላን፡  ናጻ ህላወ ዘሎወን ህዝባዊ ውድባት ብምዃነን ድኣ’ምበር፡ ካልእ ስዉር ምስጢር ስለ ዘሎወን ኣይኰነን። እዚ ክውንነት’ዚ፡ ንነብስወከፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ዋሕ ኢዩ ክበርሃሉ ኣሎዎ።

ዝዀነ-ዀይኑ፡ ህዝባዊ ማሕበራት ከም ርእሰን ዝኸኣላ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ናጻ ህዝባዊ ትካላት መጠን፡ ብዛዕባ ዝዀነ ሃገራዊ ጒዳይ ንጹር መርገጽ ክህልወን መሰለን ዝተሓለወ’ኳ እንተዀነ፡ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ስለ ዘይኰና ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኰነ ናይ ተቓወምቲ ውድባት መተፋነንን መመልመልን መድረኽ ኰይነን ከገልግላ ግቡእን ቅኑዕን ኣይኰነን። ተሓታትነተንን ኣገልግሎተንን፡ ብቐንዱን ብዓቢኡን ነቲ ዝምሰረተን ናይቲ ዘሎዎኦ ከባቢ ማሕበረሰብ ስለ ዝዀነ፡ ወትሩ ናይዞም ዝተረቚሑ ወገናት (መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን) ምእንቲ ጅሆ ከይኰና ፡ ንዝዀነ ንውድባዊ ናጽነተንን  ቀጻልነት ህላወአን ዝጻረር ግዳማዊ ጣልቃን  ዕብለላን ተጻብኦን፡ ብትኲርናን ትብዓትን ክምክተኦ ኣሎወን። ወግሐ-ጸብሐ፡ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ኣብ ውሽጠን ሰሊኾም ንረብሓኦም ዘገልግሉ ሰለይትን ልኡኻትን ብምጥራይ፡ ናታቶም ጅሆ ክገብርወን ካብ ምፍትታን ዓዲ ስለ ዘይውዕሉ፡ ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን ናጽነተን ከይምንዛዕን ሕንፍሽፍሽ ከይኣትወንን ሰለም ከብላ ኰነ ህምል ክብላ የብለንን።

እተን ቅድሚ ሕጂ፡  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝቖማ ገዳይም ህዝባዊ ማሕበራት ይዂና፡ እተን ሕጂ፡ ብሓድሽ መንፈስ ተበጊሰን ክቖማ ወይ ከኣ ክሕደሳ ዝህቅና ዘሎዋ ዕሸላት ህዝባዊ ማሕበራት፡ ንጥፈታተንን ዕማማተንን ብኣድማዕነትን ስሉጥነትን (effectively and efficiently) ከሰላስላ እንተዀይነን፡  መታን ካብ  ዝሓለፈ ጕድለታት ክመሃራን ክልብማን፡ ነቲ  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተደለበ ሃብታም ታሪኽ ህዝባዊ ማሕበራት ነበር፡ ንድሕሪት ተመልሰን ክድህስሰኦን ክምርምሮኦን  ኣሎወን። እተን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ድሕሪ ጸላኢ፡ ኣብ ስደት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ዝቖማ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ብዘይጥርጥር ሓርነታዊ ቃልስና ናብ ዓወት ንኽበጽሕ ዘኽኣላ ኣዝየን ሓያላት ህዝባዊ ውድባት ኢየን ኔረን። እዘን ህዝባዊ ውድባት እዚኣተን፡ እተን ሓርነታውያን ግንባራት (ህ.ግ.ሕ.ኤን ተ.ሓ.ኤን) ኣብ ውሽጠን ሰሊዀን ቀስብቐስ ይወንነአንን ይዓብልለአንን ድኣ’ምበር፡ ፈለማ ክቖማ እንከሎዋ ናጽነተን ዝዓቀባን ብገዛእ-ርእሰን ዝሓድራን ናጻ ህዝባዊ ማሕበራት ኢየን ኔረን።

ነዚ ኲነት’ዚ ብዝምልከት፡ ንኹሉ በዚ ጕዳይ’ዚ ዝግደስን ዝስህርን ሃገራዊ ዜጋ ብንጹር ክመሓላለፍ ዘሎዎ መልእኽቲ ወይ ልቦና እንተሎ፥

“እዘን ህዝባዊ ማሕበራት እዚኣተን፡ ኣብ ዝዀነ ግዜን ኩነታታን ንወርቃዊ ናጽነተን ዓቀበን ክጐዓዛ ዝግበአን ክነሰን፡ ብዓንቶብኡ ማለት ቅድሚ ምጕጻፍ ናጽነት፡ ብንጹህ ግርህናን ክቱር እምነትን፡ ውድባዊ ናጽነተን ኣሕሊፈን ነተን ሓርነታውያን ግንባራት ብምሃብ፡ “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ዝብል ዘብልጭልጭ ስም ተጠሚቐን ሓይልን ጽልዋን ዘይብለን መሳርሒ ናይተን ሓርነታውያን ግንባራት ኰይነን ምትራፈን ኢዩ”። ንኣብነት፡ እተን ብኣድማዕነተንን ጥርናፈአንን ብሉጻትን ህቡባትን ዝነበራ፡ “ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካን” “ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳን” ብዝብል ኣስማት ዝጽዋዓ ዝነበራ ክልተ ሓያላት ህዝባዊ ማሕበራት፡ ከም ናጻ ህላወ ዘሎወን ህዝባዊ ውድባት መጠን፡ ክንዲ  ውድባዊ ናጽነተን ዓቂበን ዝጐዓዛ፡ ኣርሒቐን ንመጻኢ ዕድላተን ከይጠመታን ኣዚረን ከይረኣያን፡  ብየዋህ ሃገራውነት ልበን ተደፊነንን ብክቱር እምነት ዓይነን ዓዊረንን  “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ዝብል መጠበሪ ኣስማት ለቢሰን ብገዛእ ፍቓደን ውድባዊ ናጽነተን ቀንጢጠንኦ ኢየን። እዚ ኸኣ፡ ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ንሳዕቤኑ ብምምዛን ምስ እትግምግሞ፡ ውጹእ ጌጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይሓዊ በሰላ ዝገደፈ ኣበሳ’ዩ ኔሩ።

እዘን “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ዝብል  መጠበሪ ኣስማት ለበሰን ናጽነተን ብገዛእ ፍቓደን ዝቐንጠጣ ህዝባዊ ማሕበራት፡  እናሓደራ ብተጽዕኖን ጣልቃን ናይተን ሓርነታውያን ግንባራት  ብምምህማን ኣማስያኡ ለሚሰን ከም ዝተርፋ’ዩ ተጌሩ። ድሕሪ ናጽነት ብፍላጥን ተንኮልን ምእንቲ ናይ ደምክራሲ መቃለሲ መድረኽ ኰይነን ከይቅጽላ፡ “ኣገልግሎተን ኣብቂዑ’ዩ” ተባሂለን ብኢደ-

ወነናዊ ስጒምቲ “ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ”፡ ንኣባላተን ከይተወከስካን ብዘይወልታአንን፡ ንኽፈርሳ ብምፍራደን ብሓቂ ዘሕዝን ታርኻዊ ዕጫ’ዩ በጺሕወን። እዘን ተጠቒምካ ዝተደርበያ “ናይ ሓፋሽ ውድባት”፡ ናጽነተን ዓቂበን እንተ ዝጸንሓ ኔረን፡ ድሕሪ ናጽነት ንነብሰን ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ንሃገርንን ህዝበንን  መድሕንን መሪሕን ጽላልን ምዀና ኔረን። መብዛሕትአን፡ ኣብ ደሞክራሲያውያን ሃገራት ዝተደኰና ስለ ዝነበራ፡ ናጽነት ዓቂበን ህላወን ከረጋግጻ ብርግጽ ምሉእ ዕድልን ኣኹል ዓቕምን ኔርወን። እንተዀነ፡ እንተ ስኣን ብስለት መራሕተን፡ እንተ ስኣን ንቕሓት ኣባላተን፡ ማዕጾአን ሃህ ኣቢለን ነተን ሓርነታውያን ግንባራት ስለ ዘርሓዋለን — ብሕልፊ ነታ ገስጋሲት ጸጋማዊት ውድብ’የ ብምባል ትንየት ዝነበረት ዓቢ ተኣምንነትን ተሰማዕነትን ክብርን ደገፍን ኣጥርያ ዝነረት ህ.ግ.ሓ.ኤ. — ናታተን መጋበርያ ኰይነን ኢየን ተሪፈን። እዘን ቀዳሞት ህዝባዊ ማሕበራት፡ ውዒለን ሓዲረን በተን ሓርነታውያን ግንባራት ተጠቒዐንን ተጠሊመንን ዝፈረሳን ዝፈሸላን፡ ብዘይገለ ተጕላባን ጕርሕን ብሓያል ሃገራዊ ወኒ ሓኒነን ይጋደላ ብምንባረን ኣይኰናን። እንታይ ድኣ፡ በቲ  ነዊሕ ከይሓከመ ብዓለም ደርጃ ዝፈሸለን ዝተጸየነን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ናይተን ውድባት ስለ ዝተበከላን ዝተዓብለኻን ኢዩ። ከም ናጻ ህላወ ዝውንና ህዝባዊ ውድባት መጠን፡ ኣባላተን ብምሉእ ድምጺ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ብዘየጽደቕዎን ዘይረዓምዎን ስነ-ሓሳብ ክብከላ ኰነ ክዕብለኻ ኣይነበረንን። ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ስለ ዘይኰና፡ ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ናይተን ሓርነታውያን  ግንባራት ይትረፍ ክብከላን ክዕብለኻን፡ ክጽለዋን ክትንከፋን  እውን ኣይግባእን’ዩ ኔሩ።

ንምንታይ ዘይግባእ?

በቲ ዝመስረተንን ዝወከለንን ማሕበረሰብ ስለ ዝውነናን ዝምወላን፡ ንመጻኢ ዕድለን  ክውስኑ ምሉእ መሰል ዝነበሮም ወሰንቲ ኣካላት፡ መራሕቲ ናይተን ሓርነታውያን ውድባት ዘይኰኑ፡ እቶም ወግሐ-ጸብሐ ከይተሓለሉ ዘንቀሳቕስወን ዝነበሩ ተራ ኣባላተን ኢዮም። ኲሉ ከም ዝፈልጦ፡ ቅስመት (destiny) ናይተን ህዝባዊ ውድባት ዝተፈርደ፡ ብመሰረታት ኣባላተን ዘይኰነ፡ በቲ መንግስታዊ ስላጣን ከይተወከለን ከይተመርጸን ዝሓዘ፡ ጸኒሑ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝብል መተዓሻሸዊ ስም ዝተቐብአ  ሰራም ሰልፊ (ናይ ትማሊ ህ.ግ.ሓ.ኤ) ኢዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡  ጸኒሑ ከይድገም ንሓዋሩ ልቢ ክትሰቚረሉ ዝግብኣካ ኣሉታዊ ተሞክሮ ኢዩ።

ብዝዀነ፡ ህዝባዊ ማሕበራት ናጽነተንን ህላወአንን ኣርጋጊጸን ክጐዓዛ ዝኽእላ፡ ካብ ናይ ዝዀነ ወገን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ናጻ ኰይነን፡ ንዂሎም ሃገራውያን ዜጋታት ብዘይ ናይ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ጾታ፡ ከምኡ’ውን ደርቢ ኣድልዎን ሻርነትን፡ ጠርኒፈንን ኣስሚረንን ክሰርሓን ከገልግላን ከቃልሳን ምስ ዝበቕዓ ጥራይ ኢዩ።  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኲለን  ቀዳሞት ህዝባዊ ማሕበራት ብዘይገለ ተረፍ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፋ ዝተደረኻ፡  ብዘየማትእ በቲ ሽዑ ኣብ ሃገርና ነጊሱ  ዝነበረ ሕብረተሰባዊ ሃዋህው (ባዕዳዊ መግዛእቲ) ተደፋፊአን ኢየን። እዚ  ርዱእ’ኳ እንተዀነ፡ ውድባዊ ናጽነተን ቀንጢጠን  “ናይ ሓፋሽ ውድባት”  ዝብል ኣንጸባራቒ ስም ምብሓዝ፡ መሳርሒ ናይተን ሓርነታውያን ግንባራት ዝዀና፡ ብምሉእ ድልየትን ድምጽን ናይ ኣባላተን  ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ብውዲትን መጭወይትን ናቶም ነተን ሓርነታውያን ግንባራት ወኪሎም ኣብ ውሽጠን ብሕቡእ ክዓዩ ዝተላእኩ ልኡኻት (እሙናት ኣባላት ምስጢራዊ ማርክሳዊ ሰልፍታተን — ናይ ሻዕብያ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ፤ ናይ ጀብሃ ኸኣ፡ ሰልፊ ዕዮ ዝነበሩ)

ኢየን። ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ዕጫ ከይበጽሐን፡ ማለት መሊሰን ግዳያት መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባትን ከይኰና፡ ውድባዊ ኣሰራርሓአን ብምጽፋፍን ምትዕርራይን፡ ካብቶም ኣብ ውሽጠን ሰሊኾም ጥዑያት ተመሲሎም ከጥቅኦወንን ክስልይወንን ክዝርግወንን  ዝተላእኩ ልኡኻት፡  ንነብሰን ክዕቅባን ክከላኸላን ክሕርዛን ኣሎወን።

ዝዀነ ሃገራዊ ዜጋ  መን’ዩ ብዘየገድስ፡ ኣባል ናይዘን ህዝባዊ ማሕበራት ኰይኑ ክዋሳእ ምሉእ መሰል ይሃልዎ ድኣ’ምበር፡ ህዝባዊ ማሕበራት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ስለ ዘይኰና፡ ናይ ስነ-ሓሳባዊ እምንቶኡ መዋፈሪ (መዘርግሒ) ማዕከን ጌሩ ክጥቀመለን ቅቡልን ቅንዑን ግቡእን ኣይኰነን። ህዝባዊ ማሕበራት ነቲ ዝመሰረተንን ዝምወለንን ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኣውርኡ ንመላእ ህዝበንን ሃገረንን መድሕንን ዋልታን ጽላልን ክዀንኦ ዝኽእላ፡ ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጽዕኖን ውዲትን ሽርሕን፡ ናጽነተን ዓቂበን ክሕጐዓዛ ምስ ዝበቕዓ ጥራይ ኢዩ። ናጽነተን ዓቂበን ክጐዕዛ ዝበቖዓ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ ብንጹር ቅዋም ዝተቐየደ ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተሞርኰሰን ብተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣድማዕነትን ቅንዕናን፡ ብፍላይ ንረብሓ ኣባላተንን ውድበንን፡  ብሓፈሻ ኸኣ  ንረብሓ ህዝበንን ሃገርን  ብምቕዳም ምስ ዝሰርሓ ኢዩ። ደሞክራሲያዊ  ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ ካብ ዝዀነ ዓይነት ወገናዊ ናይ ብሄርን ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣድልዎን ሻርነትን ሓራ ምዃን ጥራይ ዘይኰነ፡  እንተላይ ካብ ዝዀነ ዓይነት ውድባዊ ሓዲሽን እሉኽን (ንኣብነት፥ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ህ.ግ.ደፍን ሰዓብቱን፣ ከምኡ’ውን  ናይ ተቓወምቲ ሃበስቀደስ ቊርቊስን) ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ዝንባለታትን ማሕለኻታትን ቂምታታትን ህልኻትን ሓራ ምዃን እውን ዘካትት ኢዩ።

ህዝባዊ ማሕበራት፡ ንገዛእ-ርእሰን ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ከይተመሓደራን ከይሰርሓን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ደሞክራዊ ስርዓት ንምትካል እጃመን ከበርክታ ኰነ ናይ ኣባላተንን መላእ ህዝበንን ደገፍን ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ክረኽባ ዘይሕለም ኢዩ። ቅድሚ ጽልወአን ኣብ መላእ ህዝብና ምሕዳረን፡ ብቐዳምነት  ንኣባላተን ክኸስብኦም ስለ ዘሎወን፡  ዝዓበየ ሃገራዊ ዕማም ክዓማ ቅድሚ ምምጥጣረን፡ ንናይ ኣባላተን ፍሉይ ማሕበረሰባዊ ጠለባት ብዘይገለ ጐደሎ ከማልኣ ኣሎወን። ኣባልተን ምእንቲ ብምሉእ ልቢ ክተሓባበርወን ፡ ክሰብከኦምን ክጐሳጒሰኦምን  ጥራይ ዘይኰነ፡ ብኣውርኡ ንማሕበረሰቦም ዝምልከት ፍሉይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምሃብ ከገልግሎኦምን ክጠቕመኦምን ኣሎወን። መወልትን  ወነንትን  ናይተን ህዝባዊ ማሕበራት፡ እቶም ኣባላት ናይ ማሕበረሰበን  ስለ ዝዀኑ፡ እቶም ብቐጥታን ቅድሚ ኹሉን  ብማሕበራዊ ኣገልግሎተን ክረብሑን ክጥቀሙን ዘሎዎም ንሳቶም ኢዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኰነ ተቓወምቲ ውድባት ብማዕዶ ኰይነን ክዝውረአንን ክመልከአንን ግቡእን ቅኑዕን ፍትሕን ስለ ዘይኰነ፡ ንድሕነት ኣባላተንን ውድባዊ ናጽነተንን ቀጻልነት ህላወአንን ክብላ፡ ብዘይንሕስያ ከይተሓለላ   ክምክትኦም ይግባእ።

ብዝዀነ መምዘኒ ይመዘን፡  እቲ ናይ ብሓቂ ዋናን ጐይታን  ናይ  ሃገርና መሬታዊ ግዝኣትን መንግስታዊ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ህዝባዊ ትካላትን (ህዝባዊ ማሕበራትን ውድባትን)፡ ወትሩ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከብ ሓፋሽ ህዝብና ኢዩ።  ክንዲ ዝዀነ፡ እተን መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዛ ኰነ ዘይሓዛ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ንዕድል ሃገርን ህዝብን ኰነ ንቅስመት ህዝባዊ ማሕበራት ክውስናን ክፈርዳን ዲል ክዋሃባ የብለንን። ኣብ ዝዀነ እዋንን ኩነታትን፡ ብዝዀነ ሰበብን ጣቋን ኣብ ብሕታዊ ጒዳያት ህዝባዊ ማሕበራት ብሑቡእ ይኹን ብስቱር፡ ብውሽጢ

ይኹን ብግዳም ኢደን ክመልሳ  ክፍቀደን ፈጺሙ የብሉን። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ስልጣን ይሓዛ ኣይሓዛ፡ ከምተን ህዝባዊ ማሕበራትን ውድባትን ንህዝቢ ከገልግላ ዝቖማ እምበር ብህዝቢ ክግልገላ ዝቖማ ኣይኰናን። ብድልየት ህዝቢ ተማእዚዘን ዝኸዳ ምእዙዛት እምበር ንህዝቢ ክመልካ ዝተምዘዛ  መለኽቲ ኣይኰናን። ከምኡ’ውን ብህዝቢ ክፍረዳ ዝግበአን ኣገልገልቲ እምበር ንህዝቢ ዝፈርዳ ተገልገልቲ ኣይኰናን። ብግቡእ ደንብን ስርዓትን፡ ህዝበን ዘይኰነ ብዓማጺ ተግባራተን እናተሰራጠየ ክሸቚረር ዝግብኦ፡ ብኣንጻሩ ንሳተን ኢየን ንተረግታ ልቢ ህዝበን እናተኸታተላ ክሽቚረራ ዝግባእ። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ኣብ ምስፋን ደሞራሲ ዕዙዝ ግደ ዘሎዎ ኲነት ስለ ዝዀነ፡  ንዂሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘሎ ዜጋ ጒልሕ ኢሉን ኲልዕ ኢሉን ክበርሃሉ ኣሎዎ።

ንምንታይ?

ምኽንያቱ፥ ኣብ መጸውዒ ስም ሰልፍኻ “ደሞክራሲ” ትብል ጥዕምትን ተባሃጊትን ቃል ብምልቃብካ፡ “ደሞክራሲያዊ” ኣይተኸውንን ኢኻ። ወርትግ ደሞራሲያዊ እትኸውን፡ ብትርኢትካ ዘይኰነ ብተግባራትካ ኢዩ —  ከመይሲ፥ ተግባራት ዘየዳሉን ዘየሻሩን፣ ዘየግድዕን ዘይጠልምን፣ ከምኡ’ውን ዘይስረዝን ዘይብረዝን ሓቀኛ ፈራዲ ስለ ዝዀነ።

ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ብርግጽ ህዝባዊ ማሕበራት ኣብ ምዕዋት ሓርነታዊ ቃልስና ክትክሕዶ ኰነ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ዓቢ ኣገዳሲ ግደ እየን ኣበርኪተን።  ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና ከም ዝምስክሮ፡ ሃገርና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ንዝዀነ ባዕዳዊ ሓይሊ ብዘይ ግዳማዊ ደገፍን ዝርያ ርእሰ-ሓያላንን፡ ኣብ ውሱንን ድሩትን ዓቕሚ ህዝብና ተመርኰሳ ክትዕወት ማለት ናጽነታ ክትጐናጸፍ ዝኸኣለት፡ ብሳላ’ቲ ኣብተን “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ተሰምየን ኣብ ጐኒ እተን ሓርነታውያን ግንባራት ዝቃለሳ ዝንበራ ህዝባዊ ማሕበራት ተጠርኒፉ ዝነጥፍ ዝነበረ ህዝብና ኢዩ።    ከምቲ ናይ ትማሊ፡ ሕጂ’ውን ህዝባዊ ማሕበራት፡  እንተ ንዓቕሚ ሓፋሽ ህዝብና ብግቡእ ጠርኒፈን ኣበራቢረንኦ፡ ዓጋቲ ዘይብሉ ነቕ ዘይብል  ነገራዊ ሓይሊ ከተንስኣ ይኽእላ ኢየን። እዚ ተርእዮ’ዚ፡  ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስና ብግብሪ  ዝተረጋገጸ ተወሳኺ መርትዖ ዘየድልዮ ታሪኻዊ ሓቂ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እተን ሓርነታውያን ግንባራት ኣጸቢቐን ዝፈልጠኦን ክሳብ ዝደልዋን ርእሰን ዘልዕላን፡ ዝዓንገለን ዘይነጽፍ ምንጪ ህላወአንን ዓወተንን ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡  ድሕሪ ናጽነት እቲ መንግስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ከይተመርጸን ከይተወከለን ብምሓዝ፡ ክሳብ ሕጂ ብብድዐ ዝገዝእ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ማለት ህ.ግ.ደ.ፍ. (ናይ ትማል ህ.ግ.ሓ.ኤ)፡ ተቐዳዲሙ ነተን  “ናይ ሓፍሽ ውድባት” እናበለ ዝጃሃረለን ዝነበረ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ድንብርጽ ከይበሎ “ኣገልግሎተን ኣብቂዐን እየን” ብዝብል ኣጉል ምስምስ ከፍርሰን ዝተሃንደደ፡ ብዘይንርእዮ ካብ ቅድሚ ዓይንና ዝተኸወለ ምኽንያት ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ኣቐዲሙ ወስ ከም ዝተባህለን ዝጐልሐን፡ ኣብቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ዝሰላሰል ቃልሲ ናይ መቃለሲ መድረኽ  ወይ ባይታ ኰይነን ንኸየገግላ ስግኣት ስለ ዝሓደሮን ስለ ዘይኣመነንን ኢዩ። ዝዀነ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ዝሰላሰል ቃልሲ፡ ብዘይ ናይ መቃለሲ መድረኽ  ወይ ባይታ ክዕወት ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ሓፋሽ ህዝብና፡ “ዓወት ንሓፋሽ!” ብዝብል ባዶ ጭርሖ  ተሓባቢሉ ከይተጠበረ፥ “ንምንታይ እተን  ኣብ ምዕዋት ናጽነት ዓቢ እጃም ዘበርከታ

“ናይ ሓፋሽ ውድባት” ሓርነት ህዝቢ ከይተረጋገጸ፡ ኣባላተን ተገሪሆምን ተሃሚሎምን እንከሎዉ ተጓይኻ ከም ዝፈርሳ   ተጌረን?” ዝብል ኣዋጣሪ ግን ርትዓዊ ሕቶ ከልዕል ኣሎዎ።  ኣብ ዳህሰስኡ፡ ብዘይውልውል መልሲ ናይቲ ዘልዓሎ ርትዓዊ ሕቶ፥

“እቲ ነተን “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ንምፍራስ ዝተወስደ ህንዱድ ስጕምቲ፡ ንሕቶ ቅዋማዊ ደሞክራሲ ከም ዘየገድስን ግዜኡ ዘይኣኸለን ንኡስን ህንጡይን ሕቶ ኣምሲልካ ብምውጋንን ምውንዛፍን፡ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ንምቛም ዘቀላጥፍ  ጥጡሕ መንገዲ  ንምጽራግ ተባሂሉ ኰነ ኢልካ ዝተገብረ ” ምንባሩ ቊልጭ ኢሉ ክበርሃሉ ኢዩ።

በዘ መስረት’ዚ  እምበርከስ፡ ኣቐዲሙ ከም ዝተደርጕሐ እቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ማሕበራት ንወርቃዊ ውድባዊ ናጽነተን ቀንጢጠን ናይተን ሓርነታውያን ግንባራት “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ንክዀና ዝውሰድኦ ስጒምቲ ግጉይ ስጒምቲ‘ዩ ኔሩ።  እተን ህዝባዊ ማሕበራት፡  ውድባዊ ናጽነተን ሰዊአን ናብ “ናይ ሓፋሽ ውድባት” ናይተን ወደብተን ሓርነታውያን ግንባራት ምስ ተለወጣ፡ ብኡንብኡ ነቲ ዝነበረን ድምጽን ሓይልን ጽልዋን ከሲረንኦ ኢየን።  ኣሉታዊ ስምብራት ናይዚ ግጉይ ጕምትቲ’ዚ፡  ክሳብ ሕጂ ኣይሃሰሰን ዘሎ። ኣሉታዊ ስምብራቱ ክሳብ ሕጀ ከም ዘይሃሰሰ፡  በቲ  ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰተ መርኣያታት ምዝሕታል ህዝባዊ ተሳተፎ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ንሱ ድማ፥ ንምቕልቃልን ምስዕራርን ከም  ቅብጸት ተስፋ፣ ወገናዊ ዝምባለታት፣ ምጕጅፋል ሰልፍታት፣ ምልሕላሕ ሓድነት፣ ኣንፈት ምጥፋእ፣ ንሓድሕድካ ምጥልላም፣ ጥቕምኻ ምቕዳም፣ ተሳተፎኻ ምድስካል፣ ብሃበስቀደስ ምክሳስ፣ ከምኡ’ውን ዓገብ እናረኣኻ ምጽቃጥ ዝኣመስሉ ሓደስቲ  ቅንጣብ  ገድላዊ፡ ሃገራዊ፡ ሰብኣዊ፡ ሞራላዊ  ወይ ከኣ ደሞርክራሲያዊ መንፍስ  ዘይብሎም  ተርእዮታት  ዘጠቓልል ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ መንስታዊ ስልጣን ብዓመጽ ጎቢጡ ዝሓዘ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ንመላእ ሃብቲ ሃገር ንበይኑ ገቢቱ ምጕሕጓሕ ከይኣኽሎ፡ ንኹለን ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራዊ ውድባትን፡ ኣብ ምምሕዳር መንግስትን ቊጠባዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከይሳተፋ ብብድዐ ዝኣገደ.፡  ብዘይ ገለ ተሓታትነትን መኻልፋትን ብማፍያዊ ኣገባብ ኣከያይዳ ንዝገዝእን ክምዝምዝን ክጥዕሞ ኢዩ። እዚ ዘይሕጋዊ ዓማጺ መንግስትን ሰልፍን’ዚ፡ ክሳብ ለይተ-ሎሚ ዓገብ ዝብሎን ዝዓግቶን ስኢኑ፡  ገባርን-ሓድግን  ብምዃን ድላዩ ዝገብር ዘሎ፡ ናይ መብዛሕትኡ ህዝብና ደገፍን ተቐባልነትን ዝረኸበን ዘጥረየን ተቓዋሚ  ኣድማዒ  ማሕበራዊ ውድብ ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክንምስርት ስለ ዘይተዓደልናን ዘይበቓዕናን ኢዩ።  ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ፡ ኣብዚ ማሕበራዊ ውድባትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሃገርና፡  ብወገናዊ ዝንባለታትን ብውልቃዊ ጥምሓታትን፡ ተበታቲነን ማህሚነናሉ ዘሎዋ ናይ ደልሃመትን ቅብጸትን ወቕቲ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥጡሕ ባይታ ረኺቡ፡ ከይተበደሀን ከይተሓተተን፡  ዊን ከም ዝበሎ ብቐጻሊ ንድሕነት ህዝብናን ቀጻልነት ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣዕናዊ ስጒምታት ይወስድ ኣሎ። ሓደ ካብቲ  ዝውሰዶ ዘሎ ኣዕነውቲ ስጒታት ንኣብነት፡ እቲ ብናይ ዶብ ግጭት ኣመኻንዩ  ንተቓውሞ መንእሰያት ንምልማስን ንጉልበቶም ንምምዝማዝን ዝበየኖ ገደብ ግዜ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”  ኢዩ። ብሰንክ’ዚ ገደብ ግዜ ዘይብሉ መንግስታዊ ባርነት’ዚ፡ መንእሰያትና ተስፋን መሪሕን ፍታሕን ሓርቢትዎም፡ ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም  ብኣሽሓት  ብምውሓዝ፡  ግዳያት ናይተን ኣካላት ሰብ ዝነግዳ ኣረመናውያን ናይ ማፍያ ጒጅለታት ይኹኑን፡ ኣብ ጒዕዞኦም ብኣጻምእ ምድረበዳ ሰሃራን  ላምፐዱዛዊ ሓደጋታት ማእከላይ ባሕርን፡  መዓልቲ -መጸ ብኸንቱ ብጅማላ ይሃልቁ ምህላዎም ንማንም ስዉር ኣይኰነን።

ክንድምድሞ፡ ኣድልይነትን ኣገዳስነትን ህዝባዊ ማሕበራት ብሰፍሑ ንምብራህ ብርክት ዝበሉ ተደርብቲ  ደገፍቲ ነጥብታት ንምቕራብ  ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ እቶም  ቀንዲ ነጥብታት ኣብዞም ዝስዕቡ ርእሰ-ሓሳባት ዝተኣርነቡ ኢዮም ፦

  •  ቀዳማይ ፡ ህዝባዊ ማሕበራት ቀጻልነት ህላወን ከርጋግጻ፡ ብቐዳምነት ካብ ግዳማዊ ተጽዕኖን ጽልዋን ጣልቃን ናጻ ኰይነን ወትሩ ውድባዊ  ናጽነተን  ዓቂበን ክጐዓዛ ኣሎወን፣
  •  ካልኣይ፡ ህዝባዊ ማሕበራት  ብኣድማዕነት ዕማማተን  ብዓወትን ኣሳልጦን ከቃንዓ፡ ብግልጹነትን ተሓታትነትን ዝመልኦ ደሞርክራሲያዊ ኣገባብ ክመሓደራን ክሰርሓን ኣሎወን፣
  •  ሳልሳይ፡ ህዝባዊ ማሕበራት  ናይ ኣባላተንን ናይ መላእ ህዝብን ደገፍን ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ከጥራያን ክኸስባን፡ ካብ ዝዀነ ዓይነት ወገናዊ ዝንባለታትን እሉኽ ቅርሕንታትን ሓራ ክዀና ኣሎወን፣
  •  ራብዓይ፡ ህዝባዊ ማሕበራት  ምእንቲ  ብመንግስታዊ  ስልጣን ዝሓዘን ዘይሓዘን ፖለቲካዊ  ሰልፊ  ዘይውነንን  ዘይምለኽን  ናጻ  ውድብ  ከቚማ ፡ መሰለን  ብሃገራዊ ቅዋም ዝተሓለወ  ክኸውን ኣሎዎ፣
  •  ሓምሻይ፡  ህዝባዊ  ማሕበራት ቀንዲ  ግቡአን  ንኣብላተን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዕላማኣን ወጺአን ኣብ ኣሰሓሓብን ኣቀያያምን ፖለትካዊ ጒዳያት ብምጥሓል፡ ንሓድነት ኣባለተን ከላሕልሐኦ የብለንን፣
  • ሻድሻይ፡  ህዝባዊ  ማሕበራት ምእንቲ ናይ ኣባላተን ተሳተፎ ከዕዝዛን ብዝሒ ሰዓብተን ከሰስናን፡  ብዝያዳን ፈለማን  ንፍሉይ ድልየታቶም ከማልኣን ንባህግታቶም ከዕግባን ኣሎወን፣ ከምኡ’ውን
  •  ሻውዓይ፡ ህዝባዊ ማሕበራት  ምእንቲ  ንኲሉ ሃገራዊ ዜጋ  ኣብ  ሓደ  ጠጥርኒፈን  ከቃልሳ፡ ካብ ዝዀነ ዓይነት ድሑር ወገናዊ ኣድልዎን ሻርነትን ዝንባለታትን ሕዱር  ገድላዊ ቅርሕንትታትን ውልቃዊ ዓብላሊ ጥምሓታትን ሓራ ክዀና ኣሎወን።

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ahmado salihado April 8, 2015

    In sociology civic society is branded as “third way politics” aimed to policy orientation, building capacity, and encouraging diversity. And yes ultimately, it is the path to the creation of civic sphere- the watch dog to any civic governance. The main constituents of our civic societies must engage as an opposition to “an all powerful state”. Since civic societies are institutionalized as a watch dog to the state, it becomes a goal aimed in principle to deter the power of the state.
    Civic societies are also the engine of mass movement for social change by mobilizing individual citizen to contribute to the need for change. What embitters the Eritrean society is not excess criticism but absence of self-criticism.

  • afroman April 9, 2015

    hei yasin,this is what we we need in diaspora and this is the great idea i ever read about how necessary to creat eritrean community.
    we live in oslo this is what we need, we will keep intouch with u for more ideas.
    keep it up.
    afro man
    from oslo

  • masola April 10, 2015

    YOU said they have to be free ,at the same time you accusing mengisti eritrea.haw is that.

  • Ogbai Ghebremedhin April 16, 2015

    ክቡር ሓው ያሲን ዑመር፡-
    ኣቐዲመ ኣብ ትንሳኤ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ወሳኒ ረቛሒ ዝሕዝ ኣርእስቲ ብንጹርን ምሉእን ዝርዝር ምቕራብካ ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልካ እፈቱ። ሓደ ዕዙዝ ሓቂ ንምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ፍቕሪ ሃገር ከም ዘለና ኢዩ። እንተ ዘይኸውን ፡ ኣብ ውሑድ ቍጽርናን ንኡስ ዓቕምናን ዝርያ ሓያላት ዓለም ንዝሰናዮን ብዕስራ ኢድ ንዝተዓጻጸፈናን ገዛኢ ሓይሊ ኣሰኒፍና ናጽነትና ኣይምጨበጥናን። እዚ ዝተጋነነ ሓቂ ከም ዘይኮነ ኣብ እዋኑ ዓለም ብኣንክሮ ዝተዛረበሉ ዝምስክሮ፡ ብትምክሕቲ ዘይኮነ ብምቕሉልነት እንውንኖ ታሪኽና ኢዩ። ደቅሰብ ፍጹማት ስለ ዘይኮንና ግን፡ ሕይወት ቅኑዕን ጌጋን እናተፈራረቐ ዝጐዓዝ ምዃኑ ኢዩ። በዚ መለክዒ ኸኣ ቃልስና ንናጽነት ዘይሓዊ ስምብራት ሓዲጉ ሳዕቤኑ ክሳብ ሕጂ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ዓበይቲ ጌጋታት ተፈጺሙዎ ኢዩ።
    ኣብ ዘበገስካዮ ኣርእስቲ ሕቶ ህዝባዊ ማሕበራት ብኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብ ኤናሰኣ፡ ኣብ ኤሮጳ ኸኣ ብ ኤናኤ ዝፍለጣ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ጐድኒ ህግሓኤ ዕዙዙ ተራ ዝተጻወታ ብንጹህ ሃገራዊ ስምዒት ዝተመስረታ ናጻ ህዝባዊ ማሕበራት ምንባረን ኢዩ። እንተ ኾነ ግዳ፡ ሃገራዊ ፍቕርና ብህቡብነት ስምዒት ዝተዓብለለ ብምንባሩ ክልተ ታሪኻዊ ጌጋታት ተፈጺሙ፡- 1ይ ጌጋ፡ ናጽነትካ ሰዊእካ ኣካል ግንባር ብምዃን ካብ ሓያል ናጻ ህዝባዊ ማሕበር ናብ ድምጺ ዘይብሉ ጊልያ ማሕበር ምዃን ኣብ ሰ.ኣ.ን ኣብ ኤውሮጳን ተፈጺሙ፤ 2ይ ጌጋ፡ ጌጋኻ ብርትዓዊ ገምጋም ተረዲእካ ኣካልነትካ ስሕኢብካ ናይ ቀደም ናጽነትካ ዓቂብካ ማእከላይ ቦታ ብምሓዝ ኣብ ክንዲ ምቅላስ፡ ስምዒት ዝዓብለሎ ናይ ምኹናን extreme ስጉምቲ ብምውሳድ ፋሕ-ብትን ኣባላት ኣስዒቡ መብዛሕትኡ ናብቲ ናጽነቱ ዘረከበ ሓፋሽ ውድብ ግንባር ተመሊሱ፣እዚ ካብ ተመክሮ ታሪኽ ትምህርቲ ዘይተውስዶ ጌጋ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ሳዕቤኑ ይቕጽል ኣሎ።
    እሞኸ ድኣ ሕጂ እንታይ ይገበር? ነዚ ኣበጊስካዮ ዘለኻ መተካእታ ዘይብሉ ኣገዳሲ ኣርእሲ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ዓቲብካ ምቅላስ ኢዩ። ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መምዘኒ ቅኑዕነት ፍቕሪ ህዝብናን ሃገርናን እዚ ዕማምዚ ኣብ ግብሪ ተርጒምና ከምታ ንናጽነት ሓደ ኣካል ኴንና ተቓሊስና ዝተዓወትና፡ ንሓርነትን ንፍትሕን ብሓድነት ተቓሊስና ትንሳኤ ኤርትራ ምርግጋጽ ኢዩ።
    ካብ ሓውኹም ዑቕባይ ገብረመድህን

Post a Reply to afroman Cancel Reply