Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣደ ክራር፡ ወናም ኤርትራዊት ስነጥበበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመታ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ስደት ሃገረ ሆላንድ ዓሪፋ።

ብምቁር ዜማታታ ኣብ ልቢ ሚልዮናት ኤርትራውያን ፍቕርን ሃገራዊ ስምዒትን ዝኾስኮሰት፡ ንያታዊ ዜማታት ትግርኛ ኣብ ምምዕባል ዓቢ ግደ ዘበርከተት፡ ኣደ ክራር፡ ወናም ኤርትራዊት ስነጥበበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመታ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ስደት፡

ብምቁር ዜማታታ ኣብ ልቢ ሚልዮናት ኤርትራውያን ፍቕርን ሃገራዊ ስምዒትን ዝኾስኮሰት፡ ንያታዊ ዜማታት ትግርኛ ኣብ ምምዕባል ዓቢ ግደ ዘበርከተት፡ ኣደ ክራር፡ ወናም ኤርትራዊት ስነጥበበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመታ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ስደት፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዓሪፋ።

እታ ኣብ ሕብረተሰብና ደርፊ ከም ሞያ ስነጥበብ ኣብ ዘይውሰደሉ ዝነበረ መዋእል፡ ኣብ ግዜ ንእስነታ ጸቕጢ ቤተሰብን ሕብረተሰብን ሰጊራ ወናም ሙዚቀኛ ብምዃን ዝተዓወተት ጸሃይቱ፡ ኣብቲ ዝርያ ድራም ማሺንን ኮምፒተርን ዘይነበረሉ መዋእል ብወኒ ዘማዕበለቶ ሞያ፡ ስነጥበብ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ድማ ዜማታት ትግርኛ ኣብ ከባቢናን ዓለምን ዘፋለጠት ህብብቲ ሙዚቀኛ እያ።

ወናም ኤርትራዊት ጸሓይቱ በራኺ፡ ብሓደ መስከረም 1939 ኣብ ሓውሲ ከተማ ኳዓቲት ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ እያ ተወሊዳ። ኣቦኣ ኣብ ግዜ ንእስነታ ብሞት ስለዝተፈልዩዋ ኸኣ፡ ዓቢ ሓዋ ከተናድን ኣብ ከተማ ናብርኣ ከተመሓይሽን ኣብ ግዜ ንእስነታ፡ ምስ ኣዲኣ ሓቢራ፡ ፈልማ ናብ መንደፈራ ቀጺላ ናብ ከተማ ኣስመራ ከይዳ፡ ምስታ ጓል 11 ዓመት ከላ ዝተላለየታ ክራር ዘማዕበለቶ ስነጥበብ ዝዓበየት ብዓልቲ ሞያ እያ።

እተን እንጀራ ብምስንካትን ቁናኖን ዘዕብያኣ ዝነበራ ኣዲኣ፡ ኣብቲ ዝበለጸ ቤትምህርቲ ካምቦኒ ክቡር ገንዘብ ከፊለን የምህራኣ `ኳ እንተነበራ፡ ምስ ሙዚቃ ዝነበራ ፍቕሪ ዝያዳ ስለዝዓሞቐ፡ ትምህርቲ ኣቋሪጻ ኣብ ክራራ ብምዝንባል፡ ገና ጓል 16 ዓመት ከላ ኣብ ኣብ እንዳ ስዋታት ዓማዊል ብምዝንጋዕ በቲ ሞያ ክትሰርሕ ጀሚራ።

እቲ ላዛ ዘለዎ ምዑዝ ዜማኣን ቃና ክራራን ካብ ኣባሻውል ሓሊፉ ኣብ መላእ ኣስመራ ተሃቢቡ ክስማዕ ምስ ጀመረ ድማ፡ ብሓገዝ ናይቲ ዓቢ ሙዚቀኛ መምህር ተወልደ ረዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ደርፍታታ ኣብ 1960ታት ኣብ እንዳ ሙዚቃ ብወግዒ ኣምሊኣቶ። ሞያኣ `ውን ዝሰፍሐ ተሰማዕነትን ህቡብነትን ረኺቡ።

ካብኡ ቀጺላ፡ ኣብ 1972-73 ኣባል ናይታ ብዓል መምህር ተወልደ ረዳ፡ ዑስማን ዓብደሪሒም፡ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ዮኑስ ኢብራሂም ዝነበሩዋ ከዋኽብቲ ኤርትራ እትብሃል ባንድ ኮይና፡ ፍቕሪ ዝገልጽን ሃገራዊ ስምዒት ዘለዓዕልን ዜማታት ኣቕሪባ። ኣብ መጋቢት 1978 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር ከኣ፡ ኣብ ጉጅለ ሙዚቃ ናይቲ ውድብ ተመዲባ፡ ክሳብ`ቲ ተጋድሎ ሓርነት ካብ ሜዳ ዝወጽኣትሉ እዋን 1981 ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ግቡኣ ኣበርኪታ። ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ኣብ ከተማ ተሰነይ ምስ ተጋደልቲ ብጾታ ምርኢት ኣብ እተቕርበሉ ዝነበረት እዋን ብደብዳብ ነፈርቲ ጸላኢ ርእሳ ከምእተሃርመት `ውን ይፍለጥ።

ወናም ኤርትራዊት ሙዚቀኛ ጸሃይቱ በራኺ፡ ካብ 1988 ክሳብ `ዛ ሎሚ ሓሙስ 24 ግንቦት 2018 ዝዓረፈትላ እዋን፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ሃገረ ሆላንድ፡ ተሰዲዳ እያ ክትነብር ጸኒሓ።

ንሳ ብ 1 መስከረም (ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ) ተወሊዳ፡ ሎሚ 24 ግንቦት፡ ኣብ ዝኽሪ ናይቲ ዕጥቃዊ ቃልስና ብዓወት ዝተዛዘመሉ ዕለት ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላያ ድማ፡ ምስተን ክልተ ታሪኻውያን መዓልታት እናተዘከረት ዘንብራ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣሰና፡ ነታ ኣደ ክራርን ያታዊ ሙዚቃን ኤርትራ ዝኾነት፡ ዘይበርስ ስነጥበባዊ ቅርሲ ዝገደፈትልና፡ ወናም ሙዚቀኛ ጸሃይቱ በራኺ፡ `መንግስተ ሰማያት የዋርሳ` እናበለት፡ ንስድራቤታ፡ ከምኡ ድማ ንመላእ ኣፍርቅርቲ ሙዚቃኣን ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ትምነ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Degoli May 25, 2018

    Very sad. The great and beloved Tsehaytu Baraki, ade gWayla, who contributed so much and gave all to the cultures of the Tigrinyas and the Great Agazians has passed.
    Who will forget:

    Mejemerya fQri:

    May you rest in peace

    • k.tewolde May 25, 2018

      Dog,stay away,don’t use the deceased to promote your agenda.This lady is dear to us in so many ways,she is our national shrine,she will be missed by all those lives she touched.

  • Simon G. May 25, 2018

    Rest in Peace, ጸሃይቱ በራኺ
    We have lost a great artist and a proud citizen.
    It is so sad that she has to die in a foreign land.
    ኣነስ ተረጊምና ኢና ምሰለኒ
    መንግስተ ሰማይ ንጸሃይቱ በራኺ: ከምኡ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንስድራቤትን ፈተውትን።

  • Gezae May 25, 2018

    RIP Tsehaytu Beraki !!!!!

    Even your body dies, your soul will continue to live on every Eritrean. You were a wonderful woman and a talented musician.that touched everyone in national ways!

    ‘Grief is the price we pay for love.” Queen Elizabeth II

  • H.k May 25, 2018

    A star has fallen!!
    Rest In Peace my soul sister Tzehaitu.
    I knew TB since 1970 in her Inda Siwa. She was an inspiration and vanguard of women’ Right.
    Awalideye kida ibeda lalai semaido alewo meda. Is one of the most revolutionary songs..
    She will always be missed!!

  • Habtu May 25, 2018

    Rest in Peace, ጸሃይቱ በራኺ!!
    May God accepts you in his Kingdom.

  • መፍቀሬ ኢየሱስ May 25, 2018

    ወ/ሮ ጸሓይቱ በራኺ መንግሥተ ሰማይ የዋርስክን።

    ንናጽነት ደቀንስትዮ ካብተን መራሕቲ
    ንናጽነት ኤርትራ ካብተን ተሰለፍቲ
    ካብተን ዝደረፋ ቀዳመይቲ
    ፍቕሪ ሃገር ዝሕማማ ሓንቲ
    ንስኺዶ ኣብ ስደት ትሞቲ!
    መንግሥተ ሰማያት ይግበረልኪ ርስቲ።

    ወ/ሮ ጸሓይቱ ዝደረፋኦ ደርፍታት ክሳዕ ሎሚ ደጋጊምካ እንተ ሰማዕካዮ ኣይምኖን። ትሕዝቶ ግጥምታት፡ … ካብ ኩሉ ግን ብጣዕመ ዜማን ብቃናን ዝመጽኤ ኣዝየን ጸብለል ዝበላ ኔረ።

    ንቤተሰብን ንመሓዙትን ኣዕርኽትን ጽንዓት ይሃብኩም።

  • meretse May 26, 2018

    ተከዳኒት ዙርያ ተቆናኒት ድፍን
    ደቀይ ኣሰሊፈ ኣነ ኣይተርፍን
    ኢልኪ ዝወጻእኪ ድሕሪ ኣለም መስፉን
    ጓል ኣርባዕተ ዕቑብ ሓሙሻይ ኣመኖ
    ምስ ዕጥቃ እትኣርግ ክሳብ እትፋኖ
    ኣብ’ዚ እኖሆ ታሪክ ኣብ’ዚ እነሆካ ፋኖ
    ኣዳራሻ ዓጽያ ሕድሮ ምስ ኣራዊት
    ካላሽን ዓጢቃ ክራር ኣነቃዊት
    ጓል ማይ-በሎው እንድኪ ጓል እንዳ ስላሴ
    ቤት ኣምላክ ክጸቦም ኣብ ቅርዓት ቅዳሴ
    ጓል ሓጂ ሒደር እንድኪ ጓል ማይ ራህያ
    ጓል ሓጂ መሓመድኑር መሓዛኪ ራቅያ
    መሐበኒት ሃገር ኣብነት ናይ ቂያ
    ዋላ እንተ ኣጋጠመ መውጋእቲ ኣብ ርእሲ
    ዓረር ተሰኪምኪ ቀጻሊት ኣብ ቃልሲ
    መዓልቲ ኣኪሉ ብኣካል ‘ተከድኪ
    ቂያ ጀግንነትኪ ተራፊ ኣሎኪ
    ብሰላም ዕረፊ ! ! !

    • Zimam Sibhatu Weldemichael May 31, 2018

      ስለታ ጽብቕትን ሓቀኛን ብጣዕም የመስግን ።
      ን ጀግንነትን መንነትን ጸሓይቱ በራኺ ዝገልጽ ግጥሚ። ኣነውን ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣርባዕተ ዕቑብ ብ ምኻነይ ብጀግንነት ሓትነይ ይኾርዕ። ሞት ዘይተርፍ እዩ ታሪኽ ገዲፍካ ምኻድ ግን ዳርጋ ዘይሞትካ ዩ።

POST A COMMENT