Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይጽመሞን!!!

ኣይጽመሞን!!!        ፍሥሐየ መብራህቱ መኣስ’ሞ ፈትየ ወግሐ ጸብሐ ቍዘማ ቃንዛ ኣካል ቀላል ምጽማማ ቍስሊ እምሮ ረኺሳ ለጊማ ስንብራታ ሕቡእ ማዕቡባ ጸለማ ክዉል መድኃኒታ መን’ዩኸ ሓኪማ? በዲዶ ተላገብ ጥፍኣት ብላኼማ። ኣነዶ’ሞ መሪጸ ሕይወት - ወትሩ ልቕሶ ድግድጊት ዓጢቐ ዕላማይ ከንግሶ ከም ሓጺን ጸኒዐ ወድኖይ ከዳዕሶ ንስሩት መትከለይ

ኣይጽመሞን!!!

       ፍሥሐየ መብራህቱ

መኣስ’ሞ ፈትየ ወግሐ ጸብሐ ቍዘማ
ቃንዛ ኣካል ቀላል ምጽማማ
ቍስሊ እምሮ ረኺሳ ለጊማ
ስንብራታ ሕቡእ ማዕቡባ ጸለማ
ክዉል መድኃኒታ መን’ዩኸ ሓኪማ?
በዲዶ ተላገብ ጥፍኣት ብላኼማ።

ኣነዶ’ሞ መሪጸ ሕይወት – ወትሩ ልቕሶ
ድግድጊት ዓጢቐ ዕላማይ ከንግሶ
ከም ሓጺን ጸኒዐ ወድኖይ ከዳዕሶ
ንስሩት መትከለይ መን’ዩ ዝምቍሶ
ዓይነይድየ ኪዕምት መሰለይ ንገሃሶ
ኢደይ ተቐሚደስ ሕጂ’ውን ክዕሾ?
ከማይ እንዶ’ይኮነን ዝተሓርሰ ተጠኒሱ
መን ካብ መን በሊጹ ዝንኽንኽ ርእሱ
መን ካብ መን ንኢሱ ብሰብ ዝጣቖሱ
ኣነ ዚገርመንስ ናይቶም እግሩ ዝልሕሱ
ጸዶርን ጎፋርን ንዓጽሚ ዚናኸሱ
ዋና ምሰ’እከለ ሓመዶም ዚልሕሱ።

ኣይጽመምን ካልእ – ይትረፍዶ ሓርነተይ
መሰል ክብረት’ዩ – ርእሲ ኵሉ ሃብተይ
በዓል ዕሸ-ምሸ እንተፍረሱ ቤተይ
ዓወት ቆጺሮሞ ሃጊሮም ንብረተይ
ደም ዝጠለለት ጽምእቲ መሬተይ
ክዲና ሰቲራ ጕልባብ መዳኅንተይ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mesinas October 17, 2014

    ሓበሬታ ብዛዕባ ግጥሚ “ኣይጽመሞን!”

    ዝኸበርካ ክቡር ቀናዪ (ገጣሚ) ሓው ፍሳሃየ መብራህቱ፡ ሓጺርን ዓቢ ትርጉም ዘሎዎን መኣዛ ሓዘል ናዕታ ብምጽሓፍካ ኣዝየ አድንቐካ። ብፍላይ ድማ ነቶም ሰኣን ተጠቃሚ ከምዘይነበሩ ተቐቢሮም ብምትራፎም፡ ህዝቢ ድኽነት ናይ ቃላት ከም ዘሎዎ፡ ኣብ ሓደን ተደጋጋምን ናይ ጎደና ቃላት፡ ብቐጻሊ ዕንክሊል ከይብል ምእንቲ፡ ቋንቋና ኣዝዩ ሃብታም ሙዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዝተፈላለዩ ዘይዝውቱራት ቃላት ብምጥቃምካ ኣዝዩ አሐጒሱኒ። በዚ ኸኣ ልዑል ምስጋናይ አቕርበልካ፤ የቐንየለይ። ከምዚ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ፡ እዞም ተጠቒምካሎም ዘለኻ ገለጽትን ቆጠብትን ዘይዝውቱራት ቃላት ትግርኛ፡ ብዘይካ ቀዳሞት ወለድናን ሓደ ሓደ ብቋንቆኦም ዝግደሱ መንእሰያትን እንተዘይኮይኑ መብዛሕትና ብግቡእ ስለ ዘይንፈልጦም፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ድሕሪኦም ትርጉሞም እናጸሓፍካ እንተተላልየና ኣፍልጦና ንኪሰፍሕ ኣዝዩ ምሓገዘ ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። ብዝተረፈ ነዛ ሓጻርን ምቅርትን ግጥምኻ ብተመስጦ ክነባ ከለኹ ዝረኸብኩወን ብወገነይ ክእረማ ኣለወን ዝበለኩወን ሓደ ሓደ ቃላት ክእርም ንኽትፈቕደለይ ብትሕትና እናሓተትኩ፡ ገለ ትርጉሞም ዘይፈልጦም ቃላትውን ንከተብርሃለይ ክውከሰካ ፍቐደለይ?

    ማዕቡባ እንታይ ማለት’ዩ?
    መኣ’ስሞ፡ መዓስ’ሞ ተባሂሉ ኪእረም?
    እምሮ፡ ኣእምሮ ተባሂሉ ኪእረም?
    ለጊማ፡ ተንኲላ ማለት ሙዃኑ ትርጉም ኪግበረሉ?
    በዲዶ፡ በሰላ ዚገድፍ ብርቱዕ ተላጋቢ ሕማም ሙዃኑ ትርጉም ኪግበረሉ
    ዝምቊሶ፡ ዚምንቊሶ ተባሂሉ ኪእረም?
    ንገሃሶ፡ ንዝገሃሶ ተባሂሉ ኪእረም?
    ተቐሚደስ፡ ተቐሽሚደስ ተባሂሉ ኪእረም?
    ዝንኽንኽ ርእሱ፡ እንታይ ማለት’ዩ?
    ዚገርመንስ፡ ዝገርመንስ ተባሂሉ ኪእረም? ዚ ንሳልይ ኣካል ኮይኑ ንንጽል ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ።
    ጾዶርን ጎፋርን፡ ስም ኣኽላባትድዩ? ትርጉም እንተ ዚግበረሉ?
    ዚናኸሱ፡ ዝናኸሱ ተባሂሉ ኪእረም?
    ዕሸ-ምሸ፡ እንታይ ማለት’ዩ?
    ቆጺሮም፡ ቈጺሮም ተባሂሉ ኪእረም?
    ክዲና፡ ከዲና ተባሂሉ ኪእረም?
    መዳህንተይ፡ መዳሕንተይ ተባሂሉ ኪእረም?
    ጒልባብ፡ ጉልባብ ተባሂሉ ኪእረም? ብምባል፡ ተሳትፎኻ ንኺዓዝዝ እናተላበኹ፡ ኣጆኻ በርትዕ! ቀጽል! ክብለካ ፍቐደለይ? ሓውካ መሲናስ።

    • FM October 18, 2014

      ዝኸበርካ መሲናስ፡ ኣቐዲመ ግጥመይ ኣንቢብካ ብደገፍካን ብዝለገስካልይ ምኽርን ኣመስግን፣ ቀጺለ ድማ ገለ መብርሂ ንኣኻን ንኻልኦት ኣንበብትን ክህብ እፈቱ፡ 1. ኣጠቓቕማ ቃላት -ትግርኛ፡ ርግጽ ቋንቋ ትግርኛ ሃብታም’ዩ ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ-ጽሑም ዘለዎ ኣብ ጥንታዊ ቋንቋ ግዕዝ ዝተመስርተ ኪኸውን እንከሎ – ቃለ-ትውፊት (ኦራል ትራዲሽን) ድማ ብመክዕ ደርፍን ማሰን መልቀስን ምስላን ያታቱ ስለዝዕቅብ – ከምኡ ድማ ካብ ካልኦት ብሔራት ኤርትራ በቢዞባኡ ስለዝልቃሕ። ኣነ ዘዘውትሮ ዝጥቀመሉ ቃላት እምበኣር ንገለ ሰባት ሓደስቲ ኪመስሉ ይኽእሉ ኣብ ገለ ትግርኛ ዝዝረበሉ ዞባታት ግን ኣብ ዕለታዊ ዘረባ ዚዝውተሩ’ዮም። ከም ጸሓፋይ መጠን ትርጉም ምድላይ ናብ ኣንባቢ ድኣ እገድፎ እምበር ሓደ ሥነ-ጥበባዊ ከምዚ ማለተይ’የ ኢሉ ኪገልጽ ኣይግባእን። እዚ ትብሎ ዘሎኻ ቋንቋ ክተምህር ከሎኻ ይድለ ይኸውን ኣብ’ዚ ግን ቦታኡ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። 2. መብዛሕቲኦም ዝሓበርካኒ መኣረምታት ጌጋ ኣይኮኑን – ን.ኣ. ማዕቡብ – ውሽጣዊ ማይሰቲ ወይ ሕማም ከስምዕ ይኽእል፡ መኣስ ጌጋ ኣይኮነን (እም እዜ – ካብ ዝብል ክልተ ቃላት ግዕዝ ዚሰረጸ’ዩ)፡ እምሮ’ውን ከምቲ ዝሓበርካኒ ኣእምሮ ኪጸሓፍ ይከኣል ከምጸሓፋይ መጠን ግን ብኽልተ ዓይነት ኪውሰድ ይከኣል – እምሮ (ዝውቱር ኣዘራርባ ናይ ኣእምሮ – ካብ አእመረ ዝወጸ ግዕዛዊ ቃል`ኳ እብተኾነ አመረ – ኣመልከተ ዝብል ቃል’ውን ኣሎ) ስለዚ ኣብዚ ጌጋ የልቦን። ለጊማ – ተንኵላ ኪኸውን ኢልካ እዚ ናይ ጸሓፊ ምርጫ ቃል ይኸውን ንዘይበርሃሉ ግና ኣንበብቲ ከብርህሉ እሞ ናይ ሥነ-ሓሳብን ቋንቋን ኣርስተ-ዘተ ከለዓዕል ይኽእል – ነቲ ትርጉሙ ዘህፈልጥ ዝነበረ ብቓላት ተሃብትሞ ኣሎኻ ማለት’ዩ፡ ናይ በዲዶ ትርጕም’ውን ኣብ ኣንበብቲ እገድፎ። 3. ዝምቍሶ (ም ምስ ን ኪጋጠም ከሎ እናሓንሳብ ይወሓሓጥ’ዩ እዚ’ውን ጌጋ ኣይኮነን ንገጣማይ ድማ ቤት ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ሜላታት’ዩ)። ንገሃሶ ጌጋ ኣይኮነን (ንብዙሓት የስምዕ) ገሃሲ (ከም ነጋዶ) ብሓበሬታኻ ግን ትርጕሙ ይቕይር። ተቐሚደ-ነዲደ፡ ተሃሪመ ከስምዕ እንከሎ ቀመደ ብሠልስተ ፈደላት ዚቖመ ቅንዕ ቃል’ዩ ቀምሸደ ግን ዞባዊ ቃል ኮይኑ መብዛሕቲኡ ንምንዳንድ ከስምዕ ይኽእል። ምንኽናኽ- ምንቕናቕ ተወራራሲ ትርጉም ስለዘለዎ መግለጺ ኣየድልዮን። ብልክዕ ዚገርመኒ ግድፈት እኳ እንተመሰለ ኣየናይ ሕጊ ብምጥቃም ኢኻ ጌጋ እትብሎ – ይገርም እንተበለካ እጸሓሕፋይ ልክዕ’ዩ። እገርም እንተበልካ ድማ እርማትካ ቅኑዕ’ዩ። ናይ ኣኽላባት ስም ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብልን እንተ ሃሎ ካብቶም ዚፈልጡ ይመሃር። ዚናኸሱ ቅኑዕ – ይናኸሱ ስለዝብል (ዝይናኸሱ = ዚናኸሱ)። ዕሸ-ምሽ (ዓሻ ምስ ዓሻ – ዓያሱ) ማለት’ዩ ብሓጺሩ – ናይ ገጣማይ ምትዕጽጻፍ’ኳ እንተመሰለ ዝውቱር ዞባዊ ኣበሃህላ’ዩ። ቆጺሮም ልክዕ ብቈጺሮም ይእረም ከመይ ቍጽሪ ቢልና ስለ’ንጽሕፍ – ምስቲ ሕገ-ወጥ ፊደል ይሳነ፣ ከምኡ’ውን ክዲና ናይ ኣጸሓሕፈ ግድፈት ሰለዝኾነ ከዲና ብምባል እእርሞ። 4. መዳኅንተይ እምበር መዳህንተይ ዝብል ሰለዘየሎ እቲ ቅኑዓጸሓሕፋ ሰለዝኾነ ድማ ናብ መዳሕንተይ ኢልካ ምቕያር ጌጋ’ዩ፡ ከመይ መድኅን መድኃኒት ከምኡ ድማ መድኃኔ-ዓለም ተባሂሉ ክንበብ ይግባእ – ኣብዚ ተዛረብቲ ትርግኛን ኣምሓርኛን ክንግንዘቦ ዘሎና ነገራት ኣለው – ተደጋገምቲ ፊደላት’ዮም ኢልካ ምቍርራጾም ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ – ንኣብነት ሐ ሀ ኀ – ጸ ፀ – ሰ ሠ ጰ ፐ ኣጠቓቕማኡ ፈሊኻ ብዘይምፍላ ነቲ ተደጋጋሚ ዚመስል ፊደል ተጻህዩ ይእለ – እዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ዘይሰነ-ፍልጠታዊ ስለዝኾነ ናይ ቋንቋን ባህልን ምሁራን ይሕሰቡሉ፡ ኮይኑ ግና “ገረብ ብሓኽላ ትጠፍእ” ከምዝበሃል ባዕላትና ባህልና ነድክን ነብርስን ኣሎና፡ ብኣንጻሩ ግን ላቲናዊ ፈደላት ዝጥቀሙ እዚ ዓይነት ስጕምቲ ኣይወሰዱን ንኣብነት – k,q, c, s, g, j ድምጹ ተመሳሳልይ ኢሎም ኣይነከዩዎም፣ ኣይናይ ቃል ብምንታይ ከምዚጸሓፍ ድማ ይትረፍዶ ዋናታቱ ንሕናውን ኣይገሃስናዮን። ናይ መወዳእታ እርማትካ ግና ኣብ ጕልባብን ጉልባብን ዘሎ ፍልልይ ግን ክሓተሉ’ዩ ብዝመስል ግን ልክዕ ኣሎኻ በሃላይ’የ። ብዝሃብካኒ ዕድለ ኣዚይ ኣመስግነካ።

      • FM October 18, 2014

        Dear Mesinas,

        Though I tried to respond to your suggestions to make corrections, I have realized that there are a lot of typo errors in my response. My apologies – it is not deliberate rather not going over again to edit my typos. Please read it in the spirit of the meaning not the letters.

        Take care,
        Fm

POST A COMMENT