Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይንደጉል “ኣይትተሃመል … ኢና በጺሕና” – ብ ሃንቀውታ ወዲ ሃንስ (ካብ ኣስመራ)

ኣይንደጉል “ኣይትተሃመል … ኢና በጺሕና”   ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ይርከብ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ መግዛእቲ ህዝባዊ ግንባር (ስርዓት ኢሳይያስ) ዝኽተሎ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ ዝቕጽለሉን እቲ ቀዳማይን ዘሎ ኣገባብ መግዛእቲ ዝዕንድረሉ ክኸውን እንከሎ በቲ ካልእ

ኣይንደጉል “ኣይትተሃመል … ኢና በጺሕና”

 

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀራና መንገዲ ይርከብ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ መግዛእቲ ህዝባዊ ግንባር (ስርዓት ኢሳይያስ) ዝኽተሎ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜላ ዝቕጽለሉን እቲ ቀዳማይን ዘሎ ኣገባብ መግዛእቲ ዝዕንድረሉ ክኸውን እንከሎ በቲ ካልእ ሸንኽ ድማ ዲማክራሲያዊ ወይ`ውን ብበለካ ለኽዓካን ሰበይ ሰብካን ምትካልን ምህናጽን መንግስቲ እቲ ካልኣይ ምርጫ እዩ። ምእንት`ዚ እዚ ኩነት ተኣፋፍን ተሃዋጽን ስለዝኾነ ጥንቑቕ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ከድልየና እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ረብሓናን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምእንቲ ክነውዕሎ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ሓላፍነታዊ ተራ ክጻወት ምግንዛብ ዘድልዮ ኣዋጅ ኣይኮነን። ነዚ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብግቡእ ኣንቢብና ህዝብና ካብ መርገም፥ መሓዩርን መቑሕ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ክፍታሕ ምእንቲ ሓቐኛ ቃልሲ ይሓተና ኣሎ።

 

ህዝብና ካብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ብዝኸፍአ ኣገባብ ይጭፍለቕን ይሳቐን ከምዘሎ ህልው ባይታ ዘረጋግጾ ጭብጥን እኹል ኣብነትን`ውን እዩ። እዚ ሜላ ማኬቬሊ ስነ-ሓሳብ (Machaveilli Principle) ዝኽተል ስርዓት ሓደገኛ ጥራይ ዘይኮነ ኣረሜናዊ ኣገባብ ተኸቲሉ ህዝብና ክህልቕ ናይ መወዳእታ ዕላማ ሒዙ ዝንቐሳቐስ ብሓደ ወልቐ-ሰብ ዝምራሕ ጉጂለ ዝፈጠረ ስርዓት ድማ እዩ። ሓደ ካብ ናይ ማኬቬሊ ዝወሰዶ ስን-ሓሳብ “ንወዲ ሰብ ካብ ብፍቕሪ ክትገዝኦ ብዓመጽ ክተመሓድሮ ይሓሽ፥ ምኽኒያቱ ወዲ ሰብ ብባህሪኡ …” ዝብል እዩ። ካልእ`ውን ንህዝቢ ንምድህላል እትገብሮ ስልቲ በዓላት ምብዛሕ እዩ። እዚን ካልእን ብሉይ ኣገባብ ምሕደራ ኣብ “The Princes” እትብል መጽሓፍ ማኬቬሊ ሰፊሩ ይርከብ።

 

እዚ ስርዓት ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቐመሎም ሜላታት ብዙሓት እዮም። እኹል ጭብጢ ብዛዕባ`ዚ ምእንቲ ክህልወና ቐንዲ ዝጥቐመሎም ሜላ “እንዳሓቖንካ ምውሳድ” ዝብል ኣምር እዩ። እዚ ብስርዓት ማኦ ጸቲንግ (Mao Tsetung) ኣብ ሃገረ ቺና ዝተፈተነ ዕሉል ጨፍላቒ ሜላ ኣገዛዝኣ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንህዝቢ ብኹሉ ነገሩ እንዳኣጽበብካን እንዳኣጨነቕካን ዝግበር ኣተሓሕዛን ምሕደራን ኮይኑ ህዝቢ ርጉእ ህይወት ንኸይህልዎ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ምኽኒያቱ ወዲ-ሰብ ብባህርኡ ጠላቢ (Demanding) ስለዝኾነ፥ ሓንቲ ምስ ዝረክብ ካልእ ክረክብ ስለዝመጣጠር፥ ነዚ ምእንቲ ክኹለፍን ህዝቢ ርጉእ ህይወት ንኸይህልዎ እዚ ሜላ ፍቱን ኮይኑ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጨፍላቕን ዓማጽን ሜላ ምሕደራ እዩ። ጸባ ምስ ዝርግእ ጥራይ እዩ ካልእ ጠቐምቲ ዝብሃሉ ነገራት ክሕፈሱ ዝከኣል`ሞ፥ ዝረግአ ህይወት ድማ ኣገዳሲን ዕውት ስራሕን ክዓምም ዝኽእል። እንተኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ኤርትራ ክትምዕብል ዘይኮነ ሕልሙ፥ ካልእ ውሽጣዊ ትምኒት ንምስሳይ ስለዝሰርሕ ዘሎ ነዚ ቀዳማይ ዕላምኡ ክውን ንምግባር እዚ ሜላ ኣዋጻኢ ኢሉ ዝሓሰቦ ስለዝኾነ ኤርትራያውያን ኣብ ሓደ ጋቢያ (Cage) የእቲዩ ንምጥፍኣና ይሰርሕ ኣሎ።

 

እዚ ዝኽተልዎ ዘለዉ ሜላ ድማ ኣውያትን መረረ ህዝቢ ኣብ ጥርዚ ምስ በጽሐ ኩነታት ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ከይከውን ምእንቲ ጥራይ ዘይኮነ ዘምጽኦ ሳዕቤን ድማ ከቢድ ዕንወት ከይውርድ ብምፍራህ፥ ነዚ ነትጕ ንምግታእ ካልእ ኣገባብ ብልሓት ኣለዎም። እዚ ድማ ከምቲ እሳተ-ጎመራ ብስነ-ፍልጠት ስነ-መሬት ክግለጽ እንከሎ፥ ኣብ ክልተ ቦታታት መሬት ይነቱግ። እቲ ሓደ ኣብ መተንፈሲ ዘይብሉ መሬት ዝነቱግ እሳተ-ጎመራ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ድማ ዘውርዶ ሳዕቤን እዚዩ ከቢድ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ብገለ ንእሽቱ ከፋታት መሬት ረኺቡ ተኒኑ ክውጽእ ይጅምር`ሞ፥ እቲ ነትጕ እሳተ-ጎመራ ክወጽእ ሃሳዪ ኣይኸውንን። ነዚ ዓይነት እሳተ ጎመራ ድማ ክንቖጻጸሮን ክትመሓድሮን ቀሊል ጥራይ ዘይኮነ ሃሲያ ከይወርደ ኣብ ሰብ ድማ ጉቡእ ክትትል ክትገብረሉ ዘይጸግም ድማ እዩ። እዚ ካብ ተፈጥሮ ዝተወሰደ ኣምር ናይ ጨፍለቕቲ ኣዕንዱ ኣገባብ ግዛእት እዩ። ስርዓት ኢሳይያስ ህዝቢ ናይ መወዳእታ መረርኡ ኣብ ዝስምዕሉ ዝኽተሉ ብልሓት ብጭቡጥ ኣብነታት ክቐርብ ይከኣል እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ኩነታት ታሪኹ ምስ እንዕዘብ እዚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ኣገባብን ብልሓትን ስርዓተ ግዝኣት ተኸቲሉ ፖለቲካዊ ሕቕታት ኣብ ረብሑ የእቲዎም። እዚ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ዓመተ-ምህረት ዝጀመረ ምቑጽጻር ሕቕታት ብስም ትምህርቲ ካድር ዝፍለጥ ሓደ ናይ`ዚ ሜላ ተርእዮ እዩ። እዚ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ምሁራት ተጋደልቲ ንለውጢ ዲሞክራሲ ዝማጎቱን ኣብ መንጎ ኢሳይያስ ዝተፈጥረ ግጭት እንተተዓዚብና ኣብ መወዳእታ ብቕትለት ናይ`ዞም ንጹሃት ተጋደልቲ ተፈጸመ። ናይ`ዚ ሒቕታ ንምግታእ ምእንቲ ክከኣል ቤት ትምህርቲ ካድር ብምጅማር ተጋዳላይ ዘለዎ ቅሬታ ምእንቲ ከውጽእ ዝተጠጅአ ሜላ ነቲ ዝፍራሕ ናይ ለውጢ ናዕቢ ንምቑጽጻር ዝተተለመ ብልሓት ብቐንዱ እዩ። ሕጂ`ውን እንተኾነ እዚ ጎራሕ ሜላ ካብ ምጥቓም ኢሳይያስ ዓዲ ኣይክውዕልን እዩ። ስለዚ እዚ ውዱብ ካብ ኣካይድኡ ይንሃር ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ እዩ።

 

ካብ`ዚ ግዜ ንነጀው እዚ ጨፍላቒ ስርዓት ክዕንድርን ኣብ ኣተሓሕዛ ተጋዳላይ ድማ እዚ`ዩ ዘይብሃል ክፋእን መሪር ተመክሮ ክሕልፍ ተገደድ። ወረ ክሳብ ብዙሓት ተጋደልቲ ካብ ሰውራ ከይተረፈ ንኽሃድሙን ሰውርኦም ጠንጢኖም ናብ ስደት ከምርሑ ክሳብ ዝኾኑ ምረት መግዛእቲ ኢሳይያስ ገበሮም። እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይ ድማ ምናልባት ኣብ ልዕሊ`ዚ ውድብ ዘለዎ ጽልኣት ብግልጺ`ኳ እንተዘይገለጸ፥ ብስንኪ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ሸትኡ ክሃርም በቲ ሓደ ወገን ካልእ`ውን ድሮ ብዙሓት ብጾቱ ስለዝተሰውኡ ሰውራ ምሕዳግ ማለት ንብጸትካ ምጥላም ከይስምዕ ምእንቲ ምግዳሎም ቀጸሉ። ኢሳይያስ ግን ነዚ ምጽማም ተጋዳላይ ኣብ ሓደ እዋን ዘይተሓስበ ለውጢ ከይመጽእ ጥራይ ዘይኮነ ዲሞክራሲ ስርዓት ከይትከልን ብምስጋእ፥ እታ እከይ ብልሓቱ ብምህንዳስ ኣብ 1986ዓ.ም. ካብ ማሕፍድኡ ኣውጺኡ ተጠቐመሉ። እዚ ብ ‘ሓለፋታት’ ዝፍለጥ ሰሚናር ብኢሰይያስ ኣፈወርቂ ዝተኻየደ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት (ማለት ኣብ ደጀንን ግንባርን) ብኣልማማ ተኻየደ። ናይ`ዚ ቀንዲ ዕላማ ድማ ተጋዳላይ ዘለዎ ሒቕታን መረረን ከምዘተንፍስ ምግባር እዩ። እዚ ነቲ ዝወርድ ነትጕ ንምቑጽጻሩን ምእንቲ ክጥዕም እዩ። ካልእ`ውን መን`ዩ ዝቓወምን ሓቐኛ መስመር ዝኽተልን ንምፍላጥን ብድሕሪኡ ድማ ግቡእ ንምግባር ዝዓለመ ሜላ እዩ። ኣብዚ ግን ተጋዳላይ ብገርሁ ብድላይ ጽቡቕ ምንዮት ነቲ ዝነበረ ኣተሓሕዛን ኣካይዳ ሓለፍቱ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ክፍኡ ብምልክዕ ነቐፌታ ኣብቲ ሰሚናር ኣውረድዎ። እቲ ዝተጠጅአ ብልሓት ብግቡእ ስለዘይንበብዎን ስለዘይፈለጥዎን ብግርህና ነቲ ኩነታት ከምዘለዎ ብምስትብሃል ብምርዳእን ጥራይ ዘይኮነ ኣራሚ ስጉምቲ ይውሰድ`ዩ ብዝብል ተስፋ ኩሉ ኣሎ ዝብሃል ሓበሬታ ሃቡ። እንተኾነ ንተጋዳላይ ኣዴኻ ከምዝለኣኸትካ ዘይኮነ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ኮኖም። ድሌታቶምን ሃረርትኦምን በኒኑ ተረፈ። ነቲ ዕላማ ስለዘይንበብዎ እምበር፥ እቲ ነገር ንለውጢ ዘይኮነ ሒቕታ ምጉዳልን ነትጕ ምቑጽጻርን እዩ። በዚ ድማ ናይ ምትላል ሜልኦም ክሳብ ዕለት ነጻናአት ሰርሕሉ።

 

እዚ ከም`ዚ ዓይነት ኣገባቦም`ውን ድሕሪ ነጻነት ኣይሃደግዎን። ንኣብነት ንምጥቓስ፥- ድሕሪ 3ይ ወራር ኢሎም ዝሰመይዎ ግዜ ኣብ 2001 ዓ.ም. ዝተገብረ ጽዑቕ ሰሚናራት ተኻየደ። እዚ ድማ ህዝቢ ብዛዕባ ናይ ኣልጀሪስ ስምምዕ ከዕዘምዝም ምስ ሰምዑ፥ እታ ናይ ቀደም እከይ ሜልኦም ካብ መዝገብ ኣውጺኦም ተጠቐምሉ። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ድማ ህዝቢ ብኻ ብዘስምዕ ቃና ነቲ ናይ ኣሜርካን ርዋንዳን ተቐቢልና፥ መንእሰያትና`ውን ኣይመህለቕናን ንዝብል ዝነበረ መረረ ንምህዳእ ዝተገበረ እከይ ውጡን እዩ።

 

እቲ ካልኣይ ዝደገምዎ ናይ`ዚ ዓይነት እከይ ስልቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ነበረ። እዚ ድማ ምእሳር ናይ`ቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብ 2001 ዓም ዝተግብረ ጥጁእ ስትራተጅኦም እዩ። እዚ ብምስምስ ህዝባዊ ግንባር ካድራት ምቕያርን ኣሰራርሓን ምሕደራን ምምሕያሽ ብዝብል ኣጀንዳ ሰፊህ ዘመተ ሰሚናር ኣከምዝካየድ ተገብረ። እዚ ድማ መቐጸልታ ናይ`ቲ ክፉእን ነውራም ግዛእቶም ንምውሓስን ንምቕጻልን ዝተተለመ ውጡን እዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እንተተመልኪትና ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአን መጻብቦ ዝብዝሖ ህይወትን ስቕያትን ኤርትራዊ የሕልፍ ኣሎ።

 

ሕጂ ድማ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ብዘምስል ኣገባብ እቲ ልሙድ እከይ ብልሓት ይጥቐሙ ኣለዉ። እዚ ሰሚናራት ንምንታይ ይግበር ኣሎ እንተተባህለ፥ መልሱ ንማንም የዋህ ከደናግር ኣይክእልን እዩ። እዚ እቲ ናይ ዓንተቦ ብልሓት፥ ህዝቢ መረርኡ ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ ኢሎም ስለዝገመቱ፥ ነዚ ሕርቓንን ቑዛሜ ህዝቢ ጸገም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ከይምጽእ ንምቑጻዩን ንምቑጽጻሩን ዝዓለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዘምጽኦ ፋይዳ ከምዘየለ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ እዞም ጎሓላሉ ንምፍላጡ ኣይሽግርን። እንተኾነ ሒጂ`ውን የዋህ ከይዝንጋዕ ምእንቲ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ብግቡእ ኣንቢብና ‘ኣይትተሃመል … ኢና በጺሕና’ ምባል እኹል እዩ።

 

ብ ሃንቀውታ ወዲ ሃንስ (ካብ ኣስመራ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • "Ghebsi June 22, 2014

    There is no more damage control, the mafia regime has already accomplished the mission divided you.Listen Eritreans the Italians used your human resources as Askeri in libya, ethiopia , the british , haile selassie , mengistu and now the worst who speaks your language black mussolini.You enjoy to be divided and agree not to unite that what you have used since 1940s, come on find vaccination for this virus.

  • abraham June 23, 2014

    Eritreans plz as soon as posibly
    If we Need to get rid our Problem,kill Isias Afewerki.
    Otherwise no way Eritrea will dispersed.

    Abraham

    • Suleman June 24, 2014

      Abraham, you must be the brightest and most intelligent Eritrean. Can you imagine no one has, as of yet knew the solution to the Eritrean problem. Bingo!!! now you have come with the best remedy and that is “..kill Isias Afewerki” and Eritrea will be safe. Waw!!!! hey guys did you get the message…please put it into action as soon as possible. Oh by the way, abraham, who is this assignment given to??? who is going to be in charge?? Please give us the instruction how to execute it too..

  • gomera June 23, 2014

    The dictator must be dessised .Enough 23 years of dictatorship.

  • sina June 23, 2014

    ብዛዕባ ሓቁንካ ግዛእ ኣተሓሳስባ ማኦ ቁሩብ ክውስኸሉ። ማኦ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበሩ ኣመራርሓ ኮሚንስት ፓርቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ሚሂርዎም።
    ኩሎም እቶም ሓለፍቲ ኣኣብቅድሚኦም ኣብሳንዱቅ ተዓጽየን ዘለዋ ኣናጹ ኣብክሻ የእቲዮም ኣብማዕዶ ኣብዘሎ ካልእ ሳንዱቅ ወሲዶም የእቲዮም ክዕጽውወን ኣዘዞም። ሓዲኦም’ዃ ሓንቲ ኣንጭዋ ከብጽሑ ኣይከኣሉን። ምኽንያት ኣብክሻ የእትዮም ክወስድወን ከከዉ ነቲ ክሻ ብስነን በሲዐን ስለዝሃደማ። ኣናጹ ኣብ ዝሃድአ ሃዋሁ መህደሚእን ክሓስባ ስለዝኽእላ። በዚ ዝጎሃየ ማኦ ኣብታ ናቱ ሳንዱቅ ዘለዋ ኣናጹ ኣብክሻ የእትዩ እንዳሕቆነ እንዳሕቆነ ናብቲ ካልእ ሳንዱቅ ሓንቲ ኣንጭዋ ከይጥፈአ የእቲዊወን። ኣብዘይህዱእ ሃዋሁ ኣናጹ መህደሚአን ክሓስባ ስይክእላን እየን።
    ሲናባይ

  • Tamrat Tamrat June 23, 2014

    One of the most powerfull picutres in eritrean politics is the above Picture where Patriarch Abune Antonios of Eritrea blessing the president. Where is the beshop now? From the reality of Eritrea by now it was the presidant who was supposed to be in prison while the bishop doing his Godly duties entitled by the rules and culture of orthodox crhristianity.

    Why did he do this? I mean why did he bow for the cross? Did he do it to pretend that he is christian or did he do it to show eritreans he is not only the leader of eplf who gave freedom for Eritrea by destroying super Power USA and its alies, Soviet Uniouns and its alies, and the largest and heavly armed african army of Ethiopia but also he is a human being who can bow to the cross like millions othodox do. The firs one is also Dangerous when a leader does it but the second one attitude is the worst one because we are talking about the devil himself alive. The frightning part is that he blives in what avarage People blieve in but he thinks he is above people’s God and he bows just to show them he can. Otherwise he can put the bishop too in prison. Who is not impressed by this un earthly super star who destroyed two supperpowers bowing to the cross like any ordinary man? Not at least thsoe who live in Eritrea and who are under 35 years of age and brain washed by pfdj propaganda. And Eritrea like any underdevloped nation has its majority People of 35 years old or less. This propaganda was so intens pfdj People dont know the difference between isaias and Eritrea. You do try to separate this two knowingly or by mistake you end up inprison or exile before you know it what wrong you have done.

    • Hagi June 23, 2014

      Tamrat Tamrat, wedi Adi Grat cadre Weyane when are you going to mind your Weyane survival instead of talking about Eritrea Business day in day out.

      • Tamrat Tamrat June 23, 2014

        I expect from People like you more juicy explanation hour you defend youor diabilos leader but you fail as usual.

  • Hidat June 23, 2014

    HANKEWTA WEDI HANS KAB MEKELLE DIKA ADDIS ABEBA

    HIGI EMO HILUF HALIFKUM NETI AB TIHTI AMLAK TAMIRT ZISERHE SEWRA ERITRA MIKIFAEN MIKLALIN TETHAHIZKUMO ALEKUM ABEY EMO KEITIBEXEHUN MEN KE KISEMAKUM? IGRI MIS KETENEN SHIM MIS WEXEN MELASI YEBLUN YIBLU ABOTATNA HANSAB SHAEBIA NIZELALEM SHEBIA SHIMU ZIBLLO YELEN.

    • Saba June 23, 2014

      ወይ ጉድ ህድኣት፡ ናትኪ እንበር ጨነቐና። ካብ ወርሒ ዝመጽኻ ትመስልስ እስኺ ኢኺ። ንስኺኸ ካበይ መጺኺ ወዲ ሃንስሲ ታሪኹ ይፈልጥ፡ ብትግርኛ ይጽሕፍ፡ ኣየናይ ትግርኛኸ። ኣብ ወጻኢ ትነብሪ ትኾኒ፡ ወይ ዘመድ እቶም ንህዝቢ ዝጭፍልቑ ትኾኒ እንበር ንወዲ ሃንስ ወዲ ካልእ ሃገር ካብ በልኪ።

  • oromay June 23, 2014

    Look at the hairstyle at the picture please. hahahahakikikikiki. Teenager! what a funny!

  • ERITREAN UNCLE June 23, 2014

    “IT IS TIME FOR COMPROMISE”
    Hello Young People ,
    Without giving in at the expense of your core believe,this is the time to compromise.BECAUSE WHEN ARMED WITH CONSCIOUS & CLEAR AGENDA THAT DEALS WITH YOUR PRIMARY OBJECTIVE,other issues are secondary.
    You have clear guidance & you have potential power.Now, the ball is in your court,it is your future,..I can not say it better than the Document “MOVEMENT FOR SALVATION OF ERITREA” said it.
    Use it or lose it ! It is as easy us that.
    The document consists of..
    — forgiveness
    2__ Responsibility
    3__ Rights for all Eritreans…And it is a very powerful road map.I do not believe you will get another opportunity as Eritreans are on 11th hour..
    Young people ,It is your call…I HAVE CALLED OUT ON BULLSHIT…AND THIS DOCUMENT IS LITERALLY LIFE SAVER..Itnot only guides you how to reach to the boat without holes ,but also where to take the boat.
    Mesinas was right when he decided to take a break ,because he is extremely impressed, well count me in.I SECOND THE DOCUMENT WITH ALL MY HEART.
    GBU

  • Tamrat Tamrat June 23, 2014

    In the 60s in a country where only 2-3 thousands the brightest of brightests choseen out of 25 million ethiopians includin eritreans to join university and collages means the highst honerable achivement. But joining university is a risky business at that time because all these 2-3 thousand choosen from all corners of ethiopia (pfdj tells us the university was only for amaras and this is preached by the university drop out leader himself) can not be graduate. Only few hundreds could make it. Those who were sucseeded their honer and future is secured. But the drop outs suffer 100 times than those who couldnt make it at the final exam of high shcool. The Whole world fails under their feet. People loose their respect among the socity specially from Family. Where can one goo specially if one comes far from addis. When a fellow countryside came With honerable degree the drop out wouldnt be welcome With open arms. So imagine isaias and the likes, what could he do? isaias saw his birght life when he first set his feet in Addis Abeba’ university. And he lost it when he failed the tough comptition. With this wonded self ego he joined elf, the messenger of Egypt. He knew how it felt to be a looser (the university drop out disrespect is the result of the socio economics of the socity, it is not isaias who created it)and he wouldnt affored to repeat it again. University is the one thing which imbarrased him as man and he would never respect it thoug it gave him a live experience. Those who succeed With thier degrees were respected and secure their future. The eritreans who succeeded and serv their socity are labeled by pfdj as elite eritreans who sold Eritrea for amara. So you succeed With Your education and be a bank manager or a doctor and earn Your sallery you are mother Eritrea seller for mother ethiopia or be a drop out and have no Choice but join isaias then you are the liberator. Thanks to pfdj now at least Asmara university students dont be exposed for such trauma, one there is a better alternatives from droputs and second the university is closed becasue pfjd knows better.

    One ethiopian prophesor has said this to his students. Addis Ababa university students are the brightest students and his justification was ‘look all aau drop out goo to abroad and become professors’. What the propheser did not see is the motive and the drive factor. There is no chance failling again after you see Your life in Your hand and it disappear into thin air.

  • aba-chegora June 24, 2014

    I hate pfdj. but this article is useless with no content.

Post a Reply to oromay Cancel Reply