Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይትንብዒ ሃገረይ

ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡   ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ  ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡   ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን ኣይፈተኹን ብጽምዋ ተወሪስኪ

ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ

ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ

ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ

ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡

 

ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር

ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር

ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ

 ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡

 

ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን

ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን ኣይፈተኹን

ብጽምዋ ተወሪስኪ ወላድ መኻን ክትኮኒ ኣይጨከንኩን

ብዘይካ ንዓኺ ካልእ ኣየፍቀርኩን፡

 

ሃገረይ፡ ጸልማት ጋሪዱኒ መሬት ብብርሃኑ

ኣእምሮይ ደንቑሩ ምምማይ ስኢኑ

ብስእነት ናትኪ ሰውነተይ ማሲኑ

ልብና ዝመቀሉ ኢዶም ኣይስኣኑ፡

 

ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ማዕጾ ኣርሕውዮ

ቤትና ሰልምዮ ሰቲ ነስንስዮ

ኣብ ሕቑፍኺ ክኣቱ ኣእዳውኪ  ዘርግሕዮ

ጸልማት ክቅንጠጥ ፋኑስ ኣብርህዮ፡

 

ክምለስ’የ ሃገረይ ፍቅሪ ማዕጾ በርቲዑኒ

ካባኺ ምፍልላይ ዓጽመ-ስጋይ ኣሕቂቁኒ

ብስእነት ናትኪ ሰለሎ ኣትዩኒ

ዓለም ብገፍሓ መስተርሆት ሓሪሙኒ፡

 

ሃገረይ ጸሎት ግበርለይ ብሰላም ናባኺ ክምለስ 

                                         ሓይሊን ልቦናን  ሃብኒ ንኣባይኪ ክቃለስ

                                        ንግርማኺ ክከላኸል ብሰማእታት ክምጎስ

                                        ብኩርዓት ክትነብሪ መጻኢኺ ከይውረስ፡

 

                                           ሃገረይ፡ ኤርትራዊ ተሪፉ ስመይ ስደተኛ ይብሉኒ

    ህይወት ብዘይ ሃገር ዕረ ጥዒሙኒ

ጽግዕተኛ ኮይነ  ክብረተይ ተቀንጢጡ

ኩሉ ይጥምተኒ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ፡

 

ሃገረይ፡ ኣነ፡ ኣነ’የ ክኸውን ዝደሊ

ዘይጽዓት ኤርትራዊ ስሙር ሓይሊ

 ንድሕነት ሃገሩ  ቀዳምነታቱ ዘለሊ

ንሱ’ዩ ለባም ኤርትራዊ ፍልልያቱ ብውሕልነት ዘተ ዝኣሊ።

 

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (19 ጥቅምቲ 2015)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • AHMED SALEH October 19, 2015

    In deed xilal Eritrea Kab huburat America . Glad to have you around . Your
    contribution in this forum remind me many patriotic writers of our past .
    Keep it up my brother/sister fellow Eritrean .

  • k.tewolde October 20, 2015

    It expresses my everyday sentiment in melody.Hope a day will come soon where we all can enjoy happiness and joy under under an Eritrean sun.

  • Berhe Tenesea October 22, 2015

    We must work hard to free our people from the cruel mafia gangs.
    Thank you also for your excellent piece of writing.

POST A COMMENT