Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ

መምዘኒ ልቦናን ቅንዕናን ናይ ሓደ ውድብ ወይ ውልቀሰብ፡ ምስ ብመትከልን ስነሓሳብን ዘይቃዶወካን ዘይሰማምዓካን እናበዳህካን እናተዓጻጸፍካን ዝመደብካዮ ዕላማ ኣብ ተግባር ምውዓል’ዩ። ትረብሓሉ ዕድላት እንተሎ ድማ ማለት ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራታትካ ዘውሕድን ግዜኻ ዝቁጥብን እንተኾይኑ፡ ዋላ’ውን ምስ ደመኛ

መምዘኒ ልቦናን ቅንዕናን ናይ ሓደ ውድብ ወይ ውልቀሰብ፡ ምስ ብመትከልን ስነሓሳብን ዘይቃዶወካን ዘይሰማምዓካን እናበዳህካን እናተዓጻጸፍካን ዝመደብካዮ ዕላማ ኣብ ተግባር ምውዓል’ዩ። ትረብሓሉ ዕድላት እንተሎ ድማ ማለት ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራታትካ ዘውሕድን ግዜኻ ዝቁጥብን እንተኾይኑ፡ ዋላ’ውን ምስ ደመኛ ጸላኢኻ ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪብካ ንመሰረታዊ ድሌትካ ብዘይጻረር፡ ዋጋዕዳጋ ክትገብርን ዘሎ ፍልልያት ከተጽብብን ውሕልነት’ዩ። ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ’ቲ መሬትና ገቢቱ ህዝብና ዝኣስር፡ዝቀትል፡ ባህልናን ክብረትናን ዝብርዝ፡ ንብረትና ዝራስን ዘዕኑን ዝነበረ ስርዓት ደርጊ’ውን ብሓይሊ ብረት ጥራይ ኣይኮናን መሰልና ንምርግጋጽ ንቃለስ ኔርና። ማዕረ-ማዕረ’ቲ ዕጥቃዊ ገድሊ፡ ዕድመ ስርዓት ደርጊ ንምሕጻር፡ ንሰላም ኣእዳውና ዝርጉሕ ምዃና ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምንጻርን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ተፈላጥነትና ንምዝያድን፡ ብኣንጻሩ ከኣ ተንኮላት ጸላኢና ንምምካንን ዝነበሮ ኩለንተናዊ ብልጫታት ንምህሳስን፡ ገጽ-ንገጽ ኣብ መኣዲ ዘተ ዓወትና ንምቅልጣፍ ንጽዕት ኔርና። እቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዝተኻየደ ንሓርነት ህዝቦም ዝወጹ ኣሽሓት ጀጋኑ ዘህለቀ፡ ናጽነትና ዘናውሐ፡ ንህዝብና ደም ዘንብዐ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ዘባኸነን ንጸላኢና ጸባ ዘስተየን ልቦና ዝጎደሎ ሓድሕድ ኩናት’ውን፡ “ብረትና ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ክቀንዕ ኣለዎ፡ ፍልልያትና ብዘተ ንፍትሓዮ” ብምባል ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሓንቲ ኣደን ሃገርን ዝነበረ ዘይምቅድዳውን ካልኣዊ ግርጭትን ብሰላም መዕለቢ ንኽግበረሉ ጻዕርታት ይካየድ ነይሩ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ “ተቃወምቲ ህግደፍ” ዝብል ስም ዘለዎም ገለ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ድማ ኣብ ግዜ ኩናት ሓድሕድ ምስ ህዝባዊ ግንባር ወይ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ብኣካል ዝነበሩ’ዮም። እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ብልሓት፡ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ንምንጋስን ፍልልያትና ንምጽባብን ክንጥቀመሉ ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ’ዩ።

ሎሚ፡ ብስም ተቃወምቲ ህግደፍ ዓሰርተታት ውድባትን ጉጅለታትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ይንቀሳቀሳ ኣለዋ። ዓቅሚ ኣወዳድባን ራእይን ናይዘን ውድባትን ጉጅለታትን ብዘየገድስ ንመልኣከ ሞትን ጸላኢ ህዝብናን ህግደፍ ዝብድሃ ክሳብ ዝኾና ህላወአን ክንክሕደንን ክንፍንፍነንን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ነቲ ብሓይሊ፡ ብገንዘብን ብስለያን ንግዚኡ ጉብዝና ዝስምዖ ዘሎ ህግደፍ ንምብዳህ፡ ተጠርኒፍካ ምስጓምን ዘለካ ፍልልያት ምጽውዋርን እምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀዳማይ ጸላኢኻ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ እንከሎ ንሓድሕድካ ክትመናጨት፡ ንህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ህዝብና ከጽንቶ ሓገዝ ምሃብን’ዩ። ብዓቢኡ ድማ ህዝብና ነዚ ኣብ መንጎ ተቃወምቲ ዝጎልሕ ዘሎ ምፍልላይ ተዓዚቡ፡ ሞራሉ ከውድቅን ሕልናኡ ኣዕሪቡ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተማእዛዚ ክኽውን ምድፍፋእ’ዩ። ብተወሳኺ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን ነዚ ኣንጻሮም ኣብ ደገ ዝጎሃሃር ዘሎ ምንቅስቃስ ሓፋሽ “ኣይጠቅሙን’ዮም” ኢሉም ከምዝሕጭጩ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ መርበባት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ተስፋ ዝህብን ሞራል ዘውድቅን ርእይቶታትን ምዝርጋሕ ብርቂ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ “መድረኽ ሃገራዊ ምምኽኻር” ብዝብል ወከልቲ ዝተፈላለያ ወድባት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ዝተኻየደ ግን ብዙሕ ከዛርብ ቀንዩ። ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ ብመስራትን ኣሰናዳእን ድምጺ ኣሰና ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ኣብ ኣኼባ መድረኽ ሃገራዊ ምምኽኻር ዘለዎ መርግርጺ ትዕዝብትን ነቀፌታን ዝርዝራዊ ጽሑፍ ኣቅሪቡ። ካብ መግለጺ ኣቶ ኣማኑኤል ተበጊሶም፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ደገፍን ተቃውሞን ርእይቶታት’ውን ሂቦም። መሰልን ክብርን ካልኦት ሰባት ክሳብ ዝሓለወ፡ ርእይቶታት ምሃብን ሓሳብካ ምግላጽን መሰረታዊ መሰል ሰብ ስለዝኾነ ኣይጽላእን’ዩ። እቲ ዘሰክፍን ስርዓት ህግደፍ ንህዝብና ክረግጾ ዕድል ዝህቦ ዘሎን ጸገም፡ ቅድሚ ኣጀንዳና ናብ ህግደፍ ምቅንዑ፡ ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ዘሎ ቅርሕንቲ፡ ዘይምጽውዋር፡ ሓድሕድ ዘይምትእምማን፡ ዘይምንጻህ፡ ውድድርን ንጹር ዕላማ ዘይምህላውን’ዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ መድረኽ ሃገራዊ ምምኽኻርን ንመግለጺ ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱን መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ፡ ንዕኡ ምርኩስ ብምግባር ነዚ ብኤርትራውያን ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ክሕግዝ ዝኽእል ርእይቶም ከቅርብ እፈቱ።

  1. እንተድኣ ብርግጽ ንናጽነት ህዝብናን ድሕነት ኤርትራን ክንቃለስ ተበጊስና፡ ብግዳም ክንጽሎን ኣጀንዳ ካልኦት ተሰኪምና ክንጓዓዝን ኣብ ሓሸውየ ምጥሓል’ዩ። መሰረታዊ ዕላማና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ርእሱ ዝውንኖ መንግስቲ ምምስራትን ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓርነት ንምጭባጥ እምበር፡ ብጎረቤት ሃገር፡ ብምዕራብ ወይ ብሃይማኖት ዝምወል ወይ ዝሕብሐብ ስርዓት ክንምስርት ድሌትና ኣይኮነን። ነዚ ኢልና’ውን ከቢድ መስዋእቲ ኣይከፈልናን።
  2. ምስ መሰረታዊ መትከልናን ክብርናን ብዘይጋጮ፡ ምስ ከባቢናን ዓለምን ብሰላም፡ ምትሕግጋዝን ፍቅርን ክንነብር ከምዘሎና ዘማትእ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ንምምሓውን ኣብ ሃገርና ንህዝብና ዝውክል ፍትሓዊ መንግስቲ ንምትካልን፡ ንወጽዓ ህዝብና ብመትከል ኣሚኑ ንዋታዊ፡ ሞራላዊ፡ ገንዘባውን ዲፕሎማስያውን ሓገዝ ንዝህበና ሃገር፡ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ሓላል’ዩ።
  3. ስቃይ ህዝብና ከብቅዕ እንተኾይኑ ብቀንዱ ህዝባዊ ሰረት ክህልዎን በቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተቆሪኑ መዘና ዘይብሉ ሓሳረ መከራ ዘሕልፍ ዘሎ ሓፋሽ ጥራይ ከምዝመጽእ ክንኣምን ኣሎና። ግዳማዊ ደገፍን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ ድማ ደራኺ ዓወትን መመላእታን እምበር መተካእታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣይኮነን።
  4. 4. ካብ ሃገራዊ ረብሓታት ህዝብና ከይገለሉን ኣብ መሰልና ዋጋ ዕዳጋ ከይሃቡን፡ ነመኻከር ሓቢርና ንሰርሓሉ ብልሓት ንፍጠር ኢሎም ተበግሶ ንዝወሰዱ ኤርትራውያን ከም ኣወንታ’ዩ ክውሰድ ዝግብኦ። ኣሎ ንዝብሃል ድኽመታት ንምእራምን ንምውሓዱን ድማ ቀዳማይ ምርጫና ሃናጺ ምኽሪ ምልጋስን ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ምውንጃልን ፍርዲ ምሃብን ግን ንህግደፍ ዓወት ንህዝብና ድማ ተስፋ ምቁራጽ’ዩ።
  5. ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታት ንምኽያድን ዕምሪ ህግደፍ ንምሕጻርን፡ ኣብ መንጎ’ተን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባትን ጉጅለታትን፡ ምጽውዋር፡ ግሉጽነትን ምትእምማንን ክህሉ ኣለዎ። ሃንቀውታ ህዝብና ዘየርዊ ምንቅስቃስ እንተኾይኑ ድማ እከይ ተግባራቱ መምዘኒ እንታይነቱ መሕጸሪ ህላወኡን ስለዝኾነ ፍርዲ ንሓፋሽ ክግደፍ ኣለዎ።
  6. ሓደ ካብቲ ጠንቂ ምልሕላሕ ሓድነትናን ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ክረግጽ ዕድል ዝህቦ ዘሎን ጉዳይ፡ “ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት፡ ልኡኽ ህግደፍ ዕሱብ ኢትዮጵያ” ዝብሉ ኣስማት ብምጥማቅ፡ ኤርትራውያን ዓይንን ሓመድን ንኸውን ስለዘለና’ዩ። ኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ስለዝኾኑ ተኻፈልቲ ጸገምን ሓዘንን ህዝብና’ዮም፡፡ ኣብ ዝግበር ምንስቃስ ንለውጢ ድማ ብመልክዕ ውድብ ወይ ውልቀሰብ ዝያዳ ቅሩባት እንተኾይኖም ረጎደ። “ኣብ ዝሓለፈ ተቋማጢዕኩም ኢኹም ኢድኩምን እግርኽሙን ኣክቡ” ኢልካ ምንጻል ግን ግቡእ ኣይኮነን። ብፍላጥ ይኹን ብተንኮል ንህዝብና ዝበደለ ኤርትራዊ፡ ንህዝበይ ክኽሕስ’የ እንተድኣ ኢሉ፡ መርሓባ ኢልና ኣብ መስመር ሓፋሽ ከነእትዎ እምበር ሕቆና ክንህቦን ጸላእትና ከነብዝሕን ረብሓ የብሉን።
  7. ምስ ኢትዮጵያ ዝህልወና ዓይነትን መልክዕን ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ንሱ ዝወከሉ መንግስትን’ዩ ዝውስኖ። ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ቁጠባናን መንነትናን ዘውረድዎ ሞትን ዕንወትን ሕጂ’ውን ብቀጻሊ በትሮም ምውጥዋጦም፡ ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኤርትራን ሰላሙን ሓልዮም ኣይፈልጡን’ዮም። መራሕቲ ኢትዮጵያ ደለይቲ ሰላም እንተኾይሮም እቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝፈረሙሉ ንምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝተበየነ ውዕል ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ምተገብአ። ብሕጊ ዘይምቅያዶም ከኣ ሓደ ጠንቂ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኖም ከምዘለዉን ምሕንጋድ ናቶም ስርዓት ህግደፍ ክሽቅጠሉ ዕድል ረኺቡ ምህላዉን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ፡ ንገለ ተቃወምቲ ህግደፍ ክሕብሕቡን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መሬቶም ምእንጋዶም ድማ ሓለይቲ ህዝቢ ኤርትራ ከስምዮም ኣይክእልን’ዩ።

ንምጥቅላል፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነጣጠፍ ዘሎ ምንቅስቃስ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ንመሰሉን ክብሩን ተባዕ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝድርኽ ኣቃውማን ባህግን ክህልዎን ስለዝግባእ፡ ድሑርን ውልቃውን ስምዒታት ክውግድ፡ ሓድሕድ ምጽውዋርን ምትእምማንን ከማዕብል፡ ንጹርን እዋናውን ዕላማታቱ ከለሊ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ናይ ደገ ምትእትታው ክነጽግን ኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ቀዳምነት ሂቡ ብሓባር ክሰርሕን ኣለዎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (13 ሕዳር 2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ቶሮንቶ December 14, 2015

    Good point i like it

  • hp December 14, 2015

    ካብ ኣበሃህላ ጽላል ወጻኢ? ጣቋ ዘይብሉ ኢዩ።

  • AHMED SALEH !!! December 14, 2015

    Eritrea at this critical time expect problem solvers than our on
    going attempt of complaints day and night . Some time we bring some
    religious or regional issues as an excuse then again to make matters
    worst we bring tegadalay verses civilians , old age verses young age
    kind of excuses to fight against our common interest .
    Unless we free ourselves from the box filled with negatives of past
    experience , we will stay hostage with the same mentality at expense
    of our poor people desire to have peaceful life .
    The foundation of Eritrean opposition needs engineers to reconstruct
    it’s structure and we don’t have choice but to give opportunity for
    everyone who want lend helping hand .

  • Selam December 15, 2015

    I like the ideas and that is how it should be. You hit the nail on the head. Thank you!

  • Eyedebib December 16, 2015

    You introduction, your comment are good, but your conclusions are not wise. The boarder dispute is in the hand of the 2 governments. The opposition’s should not through stone to our neighbors, because we are living in glass house.

POST A COMMENT