Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣይስወጠኩምንድዩ!? (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 4ይ ክፋል)

ኣይስወጠኩምንድዩ!?   (መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 4ይ ክፋል)   ግደ ሓቂ፡ እዚ ፈጺሙ ዘይተጸበዮን ዘይገመቶን፡ ብሃንደበት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም መግዛእቲ ወዲቑ ዘሎ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዝኸፈሎ ናይ እልፊ ኣእላፍ መስዋእትን ዘሕለፎ ውርደትን ሕስረትን፡ ሎሚ ሓለፋ ኹሉ

ኣይስወጠኩምንድዩ!?
 
(መኸተ ኣንጻር ጓይላ ህግደፍ ኣብ ቦሎኛ፡ 4ይ ክፋል)
 
ግደ ሓቂ፡ እዚ ፈጺሙ ዘይተጸበዮን ዘይገመቶን፡ ብሃንደበት ኣብ ኣዝዩ ሕሱም መግዛእቲ ወዲቑ ዘሎ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዝኸፈሎ ናይ እልፊ ኣእላፍ መስዋእትን ዘሕለፎ ውርደትን ሕስረትን፡ ሎሚ ሓለፋ ኹሉ ህዝቢ ዓለም፡ ሓርነትን መሰልን ዘሎዎ ህዝቢ’ዩ ክኸውን ኔሩዎ። ብሰሪ’ዚ ብዘይካ ጉዳይ ስልጣኑን ነብሱን ካልእ ዚኾነ ይኹን ፋዓራን ሰሃሮን (ግዳሰን ሓልዮትን) ዘይብሉ ንጉስ መለኽቲ ዓለም ዚኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገሩን ካብ ሃገሩ ወጻእን ካብ እንስሳ ንታሕቲ ሓሲሩ ይርከብ ኣሎ! ምኽንያቱ፡ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመንስ ይትረፍ ቀደምውን ሰብ ብወግዒ ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ እዋን እንተኾነ፡ ብኸምዚ ሕጂ ኣብ ህዝብና ኪፍጸም ንርእዮን ንሰሞዖን ዘለና ቆርበቱ ጠቢሕካ፡ማዓዉ (ናውቲ ከብዱ) ብምውሳድ፡ ዝተረፈ ክፍሊ ኣካላቱ ንቐለብ ኣራዊት ዝድርበ እንስሳ ስለ ዘየለ። ብዘይካ እዚ ብሰንኪ ህግደፍ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ሓሲሩ ዘሎ ኤርትራዊ!
 
እቲ እንኮ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ኣስካሕካሒ ግፍዒ ዝፍጸመሉ ዘሎ ዜጋ ከኣ እዚ ብህግደፍ ከም ሕሱም ዝግዛእ ዘሎ ‘ኣነ ክስዋእ ንስኻ ጽናሕ’ እናበለ ናጽነቱ ብቕልጽሙ ክውን ዝገበረ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑ፡ ዘይፈልጥን ዘይርድኦን ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን! ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ’ዮም እቶም ገጾም ልባብ (መሸፈን ገጽ ፈረስ) ዚሸፈኖ የዋሃትን ሰብ ፍሉይ ረብሓን ከም ወትሩ ግዳይ ምልኪ ንኽኾኑ፡ ብምኽንያት 40 ዓመት ዝኽሪ ቦሎኛ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንቡር ቀብሪ ዝሓረሞ ሬሳ ዜጋታቶም ጓይላ ንኽገብሩ ዝሸባሸቡ ዘለዉ። ካብዚ ዝዓቢ ዘነውርን ዘሕፍርን ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) የለን! እዚ ፍጹም ቅብጸት’ዩ!
 
በቲ ካልእ ወገንውን ማዕረ ማዕረ እቲ ንህላወኡ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) ዝገብር ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ፡ ገለ ውሑዳት ሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ንምቕንጣጥ ዝዓበየ ሓላፍነት ዘሎዎም መንእሰያትውን ኣብ ክንዲ ምስ ኣሕዋቶም ተሳንዮም ብምዝታይ፡ ህዝቢ ካብኣቶም ዝጽበዮ መንቲ (ቁውም ነገር) ዝገብሩ፡ ሓላፍነቶም ስሒቶም፡ ነቲ ህግደፍ ንዕስራን ሰለስተን ዓመታት ህዝቢ ዘላደየሉ ጓይላ፡ ኣብ ቦሎኛ ንኽደግሙ ይሻባሸቡ ብምህላዎም ዘሐዝን ተርእዮ እዩ። ከምቲ እዚ ኣጽናቲ ስርዓት ኣብ ቦሎኛ ጓይላ ንኽገብር ጥሩምባ ዝነፍሓሉ ዘሎ፡ ንሳቶምውን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣሓዋቶም ጓይላ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ልቢ ኣዕብዮም፡ ዝኽርን ዘተን ኣካይዶም፡ ንጓይላን ፈንጠዝያን ህግደፍ ክኹንኑ በዚ ኣጋጣሚ እላቦ። “ሰብ ብቃል ኣምላኽ’ምበር ብእንጌራ ኣይነብርን’ዩ” ኪብሃል ሰሚዕና ኣለና። ስለዚ፡ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርኩም ሰባት ብምዃንኩም ከም እንስሳ ፍንጭራዕ ምባል ገዲፍኩም ከም ሰብ፡ ሕዙናት ከተጸናንዑ’ዩ ዘምሕረልኩም!
 
ኣይስወጠኩምንድዩ!?
 
ሰብዶ ኣታ ኣይኮንኩምን ፍጡራት ስላስየ
ኣብ ጓይላ እትዘሉ ህዝቢ እናበኸየ
ወጊሑ ኣሎ ትብሉ ምድሪ እናመሰየ
ነዚ ሓርገጽ ስርዓት ህዝብና ዘድመየ
ወጊድ ዘይትብሉዎ ኪወግሕ እዚ ግዜ!
 
መን ወዲ መን’ዩ ኣታ *ኛኙ ውርደተኛ        *ላህዛዝ፡ ቋሕማም
መንፈስ ዝሃደሞ ናይ ሕልና ዳኛ
ክንዲ ዓገብ ዚብል ነቲ ዓመጸኛ
ናብ ዳስ እዚ *ፋኖ ዕሉል ገበነኛ              *ቀይዲ በተኽ
ናብ ህግደፍ ዚኸይድ ናብ ጓይላ ቦሎኛ!
 
እቶም ብሕርያኹም ዝኾንኩም እንስሳ
ንተዂላ ዝሸምኩም ናይ ኣባጊዕ ጓሳ
ሓመድ ከይለበሰ ናይ ኣሕዋትኩም ሬሳ
ብህዝብን ሃገርን ንምዋት ቃርሳ
ገበን ክትፍጽሙ ዘይምለስ ብጣዕሳ
ንጓይላ ኣብ ቦሎኛ ትብሉ ኣለኹም *ፎርሳ!   *ተላዓል፡ ቀልጥፍ
 
ኣታ! ኣቲ! ኣቱም! እንታይድዩ ፍጥረትኩም!?
 
ሰባት ከይንብለኩም ከም ሰብ ዘትይሓስቡ
ጥሪት’ዮም ከይንብል ቋንቋና ትዛረቡ
ዕሸላት ከይንብለኩም ጸባ ኣደ ዘይትጠቡ
መሃይማን ከይንብል ጽሒፍኩም ተንብቡ
ኣብ ጓይላ *መቓፍር ወትሩ እትጋልቡ                  *ተካል ዚመጋብሩ ሰብ
ካብዚ *ሃልፋጽ ስርዓት እንታይ ኢኹም ክትረኽቡ!?       *ኣመና ስሱዕ፡ ስቡዕ
 
ሓደራ ስምዑዎ ምኽሪ ናይ ህዝብኹም
እንስሳ ኣይትኹኑ ከምቲ ዝሓስብኹም
ወትሩ ዞኽዞኽ ትብሉ ናብ ዝጸውዑኹም፡
ኣብ ናይ ጥፍኣት ዳሶም ፍንጭራዕ ገዲፍኩም
ብቃልስን መኸተን ኣኽብሩ’ሞ መሰልኩም
ጓይላኹም ደሚቑ ሻቡ ከምሕረልኩም!
 
ህዝቢ እናጠፍአ ብመሬትን ባሕርን
ንቡር ከይረኸበ ፍትሓት ነብስን ቀብርን
ኣብ ዝባንኩም ከሎ መከራን ሽግርን
ክንዲ ጸሎት ምግባር ምህለላን መዝሙርን
ኣብ ጓይላ ክትዕንድሩ ብዋጣን ክራርን
ናይዞም ጳጳሳትና መጠንቀቕታን ምኽርን
ኣይስወጠኩምንድዩ ቃል ረብን ፈጣርን!
 
ኣብ ዓዲ ፍትሕን መሰልን ኣብ ራህዋ ሰፊርኩም
ነቲ ኣብ ሲኦል ዘሎ፡ እቲ ውጹዕ ወገንኩም
መክት ክትብሉዎ ቊሩብ ከይሓፈርኩም
ከም ብተይ ክትዘሉ ወትሩ እናጋለብኩም
ጓይላ ከይገበርኩም እንተ ደኣ ሓዲርኩም
ልብኹም ይህወጽ ትንፋስ ይሓጽረኩም
ከም ሰብ ዘይትኾኑ እንታይ እዩ ጸገምኩም!?
 
ሬሳ ዜጋታትና ሓመድ ከይለበሰ
ሓዘን ወለድና እንከይተደበሰ
ዛረዪ ንብዓቶም ገና ከይሓበሰ  
ጓይላ ንኽገብር ሰቲ እናነስነሰ
ንጓይላ ቦሎኛ ምልኪ እንተ ጎስጐሰ
በጊዕ መዓስ ኮይነ ዝኸይድ ተጐሲሰ
መሰለይ ከኽብር’የ ኣነ ተቓሊሰ!
 
*ሓበሬታ፥
 
ኣቐዲመ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ብድሕሪ’ቲ ንድቁስ ዘይኮነስ ንምዉት ከተንስእ ዚኽእል ሕሉፍ፣ ህሉውን መጻእን ኩነታት ሃገርና፡ ከም ማእዘር (ናብ ኩሉ ማኣዝን ዘንጸባርቕ ብርሃን) ብኹሉ ወገኑ ኣንጸባሪቑ ዚገለጸ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብዝርከቡ “ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንሓርነት ኤርትራውያን” ብዚብል ስም ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝለኣኹዎ ጽሑፍ ድሕሪ ምንባበይ፡ ኣነ ከም ተራ ስነ ጥበበኛ፡ ልዕሊኦም ጽሒፈን ተዛሪበን ዘይነቕሑ ከንቅሕ፡ ዘይተረድኦም ከረድእ ስለ ዘይክእል፡ ህሉው ኩነታትናን ጸገምናን ንምርዳእ ዝገብሮ ዝነበርኩ ኣበርክቶ ከም ዘቋረጽኩ እገልጽ።
 
በዚ መሰረት ከኣ እዛ ጽሕፍቲ’ዚኣ ናይ መወዳእታይ እያ። ስለዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ብሞራል፣ ብምትብባዕ፣ እርማትን ርእይቶን ብምሃብ ኣጆኻ ዝበልኩሙኒ ወለዲ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡውን ኩላትኩም ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ነዚ ዕድል’ዚ ዚኸፈተልና ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ዘይሕለል ተባዕ ተቓላሳይ! ሓው ኣማኑኤል እያሱን ነታ ኣብ ኢትዮጵያ ብምህላዋ ጥራይ ብገርሀኛታት ኤርትራውያን እናተጐንየት ወይ ድማ ከም ራድዮ ወያነ እናተራእየት ክነሳ ብኣዝዮም ምኩራትን ውፉያትን ጋዜጠኛታት፡ ብዘይምሕላል ሓለፋ ኩለን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ንጃንዳ ህግደፍ ዘሸገረትን ዝመከተትን መርበብ ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ሳሊናን ራድዮ ወጋሕታን ልዑል ልባዊ ምስጋናይ አቐርብ። የቐንየለይ ኣሰና! የቐንየለይ ሳሊና!
 
እዚ ማለት ግን ምጽሓፍ ኣቋሪጸዮ ማለት ኣይኮነን። ንምዕባለ ቋንቋናን ባህልናን ዝምልከት ጽሑፋት፡ ከም ወትሩ ዓቕመይ ዚፈቕዶ ከበርክት ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እፈቱ። ደጊመ ብልቢ ዘመስግነኩም ሓውኹም ተ/ማርያም ገረሱስ (መሲናስ) እየ። የቐንየለይ።
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Awet Nihafash June 26, 2014

    THANK YOU MESINAS…..YOU ARE TALENTED WITH FULL COURAGE.. KEM LOMI NI AMETA GITM-TATKA AB ASMARA KETENB-BELNA EKA
    EMRI MILKI AHTSIRNA- BISHENHOT KINEBR ENA (THANK YOU MESINAS AGAIN)
    HAWKA – DELAYI FITHI

  • Semhar June 26, 2014

    Thank you Mesinas,
    You know Mesinas, that flag belongs to the monster Isayas. Could you please write a good poem for our liberation flag. The flag of our martyrs, the flag of our forefathers, the flag that started from the beginning all the way to the end. We should all respect our flag that’s the flag that stood for justice, freedom, equality and liberty. It was the monster Isayas in 1993 brought it down and replace it by his own flag without the consent of our people. 1993 he dissolved the EPLF and replaced it with his own HIGDEF, PFDJ and DEMHIT. He dissolved both ELF in 1981 and EPLF in 1993. He changed our flag in 1993 and replaced with his own flag. So the present flag belongs to him and his blind followers HIGDEF, PFDJ and DEMHIT so lets be clear to pick up our national liberation flag.

  • Semhar June 26, 2014

    hank you Mesinas,
    You know Mesinas, that flag belongs to the monster Isayas.
    Could you please write a good poem for our liberation flag, SEMAYAWIT BANDERANA. The flag of our martyrs, the flag of our forefathers, the flag that started from the beginning all the way to the end. We should all respect our flag that’s the flag that stood for justice, freedom, equality and liberty. It was the monster Isayas in 1993 brought it down and replace it by his own flag without the consent of our people. 1993 he dissolved the EPLF and replaced it with his own HIGDEF, PFDJ and DEMHIT. He dissolved both ELF in 1981 and EPLF in 1993. He changed our flag in 1993 and replaced with his own flag. So the present flag belongs to him and his blind followers HIGDEF, PFDJ and DEMHIT so lets be clear to pick up our national liberation flag.

  • Semhar June 26, 2014

    Thank you, Thank you Mesinas,
    You know Mesinas, that flag belongs to the monster Isayas.
    Could you please write a good poem for our liberation flag, SEMAYAWIT BANDERANA. The flag of our martyrs, the flag of our forefathers, the flag that started from the beginning all the way to the end. We should all respect our flag that’s the flag that stood for justice, freedom, equality and liberty. It was the monster Isayas in 1993 brought it down and replace it by his own flag without the consent of our people. 1993 he dissolved the EPLF and replaced it with his own HIGDEF, PFDJ and DEMHIT. He dissolved both ELF in 1981 and EPLF in 1993. He changed our flag in 1993 and replaced with his own flag. So the present flag belongs to him and his blind followers HIGDEF, PFDJ and DEMHIT so lets be clear to pick up our national liberation flag.

  • ERITRAWIT June 26, 2014

    Mesinas,
    Kubur haw naybehakey tesfana eka nerka b getmka neskorkuren n hgosen nerna kab wesenka gen tekebelnayo alena dehayka aytfana.
    Haftka ERITRAWIT.

  • tegerime June 27, 2014

    ኩቡር ሐዊ መሲናስ
    አነ ብሙሉኡ ጽሕፍካ ተከታቲሎዮ ናይ በሐቂ ድማ ዓቢ አበርኩቶ ጌርካ በሊሕ ኤርትራዊ ኢካ አነ ካብቶም ብልቢ ዘድንቀካ ወዲ ህዝቢ ኢካ ኢለ ይአምን አባካ ዘለኒ አክብሮት ምዕቀኒ አይረክበሎን እዩ። አነ ግን ሐንቲ ሪኢቶ አላትኒ ከማካ ዝአመሰሉ ቡሱል ዝኮነ ጽሑፋት ዘቅርቡ ውሕዳት እዮም ብዘይ ቀልዓለም፣ ስለዚ ልብካ ይዓቢ እንታይ እዩ ክብል ደልየ ዘለኩ ነብስካ አላልየና ማለተይ ቶሞኩሮካ ወይ ምስ አሰና እንተርቢው ግበር ወይ ድማ ብጹሑፍ ብሕጽር ዝበለ ዕድሜካ ሃገራዊ ፍቅርካ ካበይ ናበይን እዚ ኩሉ ቶሞኩሮ ብልሕካ ምክንያቱስ እቶም ለባማት ደቂ ሃገር ከነላልዮኩም ንደሊ አለና ሕጅ ተፋሊጥና እንተደይ ጸኒሕና ጽባሕውን ጎሐላሉ ከይጻወቱልና ናይ ዝቀደመ ዝታዓሾናዮ ይአክለና።

  • afro June 27, 2014

    EZOM PAPAGALO ZRDE’OM AYKONEY MS DONGALA MZRAB YHAYESH.YEHWATOM ENDA AS ERERELOM, ENDA KETELELOM SDRA BETOM ENDABETENE ENDA RE’AYU KEMZEYRE’AYU ENDA SEM’U KEMZEYSEM’U ZKEDU BETKI, FERAHAT EYOM.MSANA ZW’ELU ZEMSYU SLEZKONU NFELTOM ENA.EZI GN BETI DELAY FTHI ERITREA KIKYER MUKANU FLUT EYU.NSU NHNA, NHNA NSU KEMZEYSERH GN KIRDE’OM ALEWO GZI’U Z’AKELE YMESL.

  • Mesinas June 27, 2014

    ባንዴራና!

    ዝኸበርኪ ማማ ሰምሃር፡ ብመጀምርያ ነቲ ዝሃብክኒ ሞራልን ምትብባዕን ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ቀጺለ ናብቲ ዘቕረብክለይ ሕቶ ማለት፡ (You know Mesinas, that flag belongs to the monster Isayas. Could you please write a good poem for our liberation flag) መሰረት፡ ሕቶኺ ንምምላስ ሓንቲ ሓጻር ግጥሚ ክጽሕፍ’የ። ብቕድሚኡ ግን ብዛዕባ’ዛ ንዛረበላ ዘለና ርያ (ባንዴራ) ሓጺር ድሕረ ባይታ ክገልጽ ፍቐድለይ?

    ሕብሪ ባንዴራና ኣርባዕተ ኮይኑ፡ ቀይሕ፡ ነቲ ንመንነትናን ባንዴራናን ንምምላስ ዝተኻየደ ሓያል ቃልስን ዝፈሰሶ ደምን ኪገልጽ ከሎ፤ ቀጠልያ ከኣ ነታ ብመስዋእቲ ዝረኽብናያ ሃገር፡ ብልምዓት ሓምላይ ከም ንቕይራ ዝእምት ምልክት ለምዕን ጠጥዕን’ዩ፤ ሰማያዊ ኸኣ ምልክት እቲ ንሃገርና ተቐኒቱ ዘሎ ሃብታም ባሕርና’ዩ፤ እተን ኣብ ማእከል ዘለዋ ብጫ ዝሕብረን ክልተ ሸሞንተ ጨናፍር ዘሎወን ኣውሊዕ ድማ እቲ ብጫ ሕብሪ ድሕሪ’ዚ ኹሉ ሓሳረ መከራ ብቓልስና ንዝተጓናጸፍናዮ ሰላም፡ ምልክቱ ንሱ ኪኸውን ከሎ፤ እተን ክልተ ኣውሊዕ ከኣ ንኽልቲኡ ዓበይቲ እምነትና ማለት፡ ኣስላምን ክስታንን ተወሃሂድና ከም ንነብር’የን ዝገልጻ፤ እቲ ሸሞንተ ጨናፍረን ምስታ ድሒራ ዝተወሰኸተን ኣብ ማእከል ዘላ ሓንቲ ጫንፈር ድማ ንትሽዓቲአን ብሄራትና’የን ዝገልጻ። በዚ መሰረት ከኣ እታ ዝጸንሐት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ኣብዛ ሓዳስ ናይ ሰማእታትና ባንዴራ ብምልእታ ኣትያ ኣላ ማለት’ዩ።

    ማማ ሰምሃር፡ ‘እዛ ሓዳስ ባንዴራ ናይ ውልቀ መላኺ ባንዴራ’ያ! ገላጺት መንነትና ኣይኮነትን!’ ብምባል፡ ነዛ ብህይወት ኣእላፍ ጀጋኑ ደም ከፊልና ዘምጽእናያ ህልውቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ውቅብቲ ባንዴራና ጒሒፍና፡ ነዛ ብዕለት 2/12/1950 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወሃበትና ሰማያዊት ናይ ፈደረይሽን ባንዴራ ዝነበረት’ሞ ደሓር ዳግም ብፍቓድን ደገፍን ሓያላን ሃገራት ብሓይሊ ዝተመንዘዐት ርያ (ባንዴራ) ክንጥቀም ኢኺ ትሓቲ ዘለኺ። እዚ ግን ብዚኾነ ይኹን መገዲ፡ ኣብ መስዋእቲ ኣእላፍ ጀጋኑ ኤርትራ ዝኣምንን ሕድሮም ዝተቐበለን ኤርትራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይመስለንን። እታ እንኮ ብድሕሪ ሓመድ ድበ መላኽን ስርዓቱን ብህይወት እትቕጽልን ኣብ ኩሉ እተምበልብልን ከኣ ንሳ እዛ ጀጋኑ ሰማእታትና “ዓወት ንሓፍሽ!” እናበሉ ዝተሰውኡላ ባንዴራ ጥራይ እያ። እምበኣርከስ ዝኸበርኪ ማማ ሰምሃር፡ ካብዚ ገሊጸዮ ዘለኹ እንታይነትን ክብርን ሓዳስ ባንዴራና ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ጀጋኑ ስውኣትና ኢልኪ ዝግባእ ክብርን መጐስን ብምሃብ ክትቅበልያ እናተላበኹ ናብታ ዝሓተትክኒ ንኣኺ ኢለ ዝጸሓፍኩዋ ሓጻር ናዕታ ከብለኪ፥

    ባንዴራና!

    እዛ ህያብ ሰማእታት ክብርቲ ባንዴራ
    ረዚን’ዩ ትርጉሙ ኣርባዕቲኡ ሕብራ
    ብሄርናን እምነትናን ኣብ ሓደ ጠሚራ
    ኣቃሊሳትና እንድያ ንኽንወጽእ ሓራ!

    እዛ ባንዴራና’ወ መዘና ዘይብላ
    ኣብ ሰንደቕ ዓላማ ተሰቒላ
    ትንፋስ ስውኣትና ወትሩ እናንበልበላ
    ኣብ ኩሉ ትርከብ ንስምና ወኪላ!

    ኣብቲ ባይቶ ዓለም ኣብቲ መጋባእያ
    ብኽቡር መስዋእቲ ምስ ኣንበልበልናያ
    ሃገርና ኣልሚዕና ክንገብራ ቀጠልያ
    ሓድነትና ኣትሪርና ኢደይ ኢድካ ኢልናያ!

    እንተኾነ፥

    ዝዓነወት ሃገር ክንሃንጽ ብብቕዓት
    ሰብኣይ ሰበይትና እንከለና ኣብ ልምዓት
    ብቕዋም ዝምራሕ ከይንተክል ስርዓት
    ኲናት ከፊቱልና መላኺ ንጥፍኣት!

    ነዛ ኣርማ ሰላም ብጫ ሕብሪ ኣውሊዕና
    እዚ ጉጅለ ህግደፍ ሕሱም ገዛኢና
    እናተራጸመ ምስ ጎረባብትና
    ትርጉሙ ኣጥፊኡዎ ሕብሪ ባንዴራና
    ብሰንኪ መላኺ ብሕፍረት ደኒና!

    እቲ ቀይሕ ክፍሊ ሕብሪ ባንዴራና
    ምልክት ቃልሲ’ዩ ዝፈሰሰ ደምና
    ኣብ ዘንጋ ክትስቀል ኣብ ባይቶ ዓለምና
    ህይወት ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ ከፊልና!

    እዛ ተፈታዊት’ወ ወርቃዊት ባንዴራ
    ምልክት ባሕሪ’ዩ ሰማያዊ ሕብራ
    ካብ ዝመጸ መጺኡ ዓማጺ ከይደፍራ
    ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣሎዎ ሓደራ!

    የቐንየለይ።

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 27-06-2014

    • Semhar June 28, 2014

      Dear መሲናስ
      Sorry you don’t seem to know the history and the meaning of our National Liberation Flag.
      Our liberation flag often tell a story about the past, present, and future hopes of a population.
      For many years’ countries fought to establish national flag and it became a source of national pride.
      Isayas’ flag came in 1993. It doesn’t tell a story about the past, present and the future of our people. 

      Isayas’ flag tells about the tyrant Isayas how he came to power, how he dictates the nation and how cruel he is, how he sells our land enslave our people.
      If the tyrant Isayas’ flag is the source of your national pride then follow Isayas and his blind followers, the PFDJ.
      If you respect our martyrs and our heroic revolutionaries then keep our original flag, our original flag SEMAYAWIT BANDERANA the flag of our fathers, the flag of our martyrs, the flag of our heroes.
      The number one thing we should all do is raising our original flag; the flag of our fathers, the flag of our martyrs and keeps our original provinces. The liberation flag represent our people, our culture, our land and our identity. Our original flag is the only one that tells our past, present and future hopes of our people. Our original flag represent our people, our culture, our land and our identity. Our original flag is the only one that tells our past, present and future hopes of our people. 


      
 መሲናስ
      What did we do when Ethiopia took down our national flag?
      What did we do when Ethiopia took our land, our provinces?

      Our people started revolution by raising our national liberation flag. They raised our liberation flag during our revolution till our final victory 1991,and again after victory in 1991 to 1993 till the tyrant dictator took it down and replaced it by his own flag.
      Our people started revolution by uniting all our provinces. They liberated our land village after village, provinces after provinces till our final victory 1991,and again after victory in 1991 to 1993 till the tyrant dictator took it down and replaced it by his flag.
      መሲናስ
      When we start our revolution what was the flag that represented our national liberation? Our Original flag.
(Semayawit Banderana).
      When we start our revolution what were the provinces that represented our national liberation? Our Original eight provinces.
      መሲናስ
      What flag represented the ELF and EPLF till Eritrea was liberated 1991? 
Our Original flag.
      What provinces represented the ELF and EPLF till Eritrea was liberated 1991? 
Our Original provinces.

      Which flag was all over Eritrea 1991 to 1993? 
Our Original flag. 
(Semayawit Banderana)
      Which provinces were in Eritrea 1991 to 1993? 
Our Original provinces.

      Which flag represented Eritrea from 1952 to 1993? 
Our Original flag. 
(Semayawit Banderana)
      Which provinces represented Eritrea from 1952 to 1993? 
Our Original provinces.

      What did we do when Isayas took down our national flag? You said its okay.
      What did we do when Ethiopia took down our national flag? Our people started revolution and raised our national flag during revolution and after victory in 1991 to 1993.
      Our people didn’t start our revolution by raising the Ethiopian flag and the Eritrean flag. They raised only one flag, our liberation flag.
      Our people supported it and victory was achieved.

      What did we do when Isayas changed our original provinces by his zobas? 
You said its okay.
      What did we do when Ethiopia took our provinces, our land, our country Eritrea? Our people started revolution by uniting all our provinces during revolution and after victory in 1991 to 1993.
      Our people didn’t start our revolution by forming new zobas or new provinces. They started revolution united with all the original provinces
      Our people supported it and victory was achieved.

      What did you do when Isayas took down our national flag and replaced our original provinces by his zobas? 
You said its okay.
      That’s why nobody wants to follow you.

      What did the G15 do when Isayas took down our national flag and replaced our original provinces by his zobas? They said its okay. 

      Where are they now?
      That’s why nobody wants to rescue them.
      Where are they now?
      That’s why nobody wants to rescue them.

      What did the G13 do when Isayas took down our national flag and replaced our original provinces by his zobas? 
They said its okay. Where are they now?
      That’s why nobody wants to rescue them.

      What did you do when Isayas took down our national flag and replaced our original provinces by his zobas? 
You said its okay.
      You cannot have two flags, Isayas’ flag and our liberation flag and you cannot change provinces and replace them by zobas.
      You must choose before it’s too late.

      The only solution to victory is to untie all our original provinces and raise our original flag. We did it in our struggle for independence and we succeeded.

      • Semhar June 28, 2014

        Dear መሲናስ

        The only way to victory is to untie all our original provinces and raise our original flag, (SEMAYAWIT BANDERANA).
        We did it in our struggle for independence and we succeeded.
        We will do it again!
        Our victory is certain!

  • Mesinas June 28, 2014

    ዝኸበርካ ክቡር ሓው “ተገሪመ” ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ ሕውነታውን ሞራላውን ምትብባዕ ካብ ልቢ እመስግነካ። ብሓቂ ከምቲ ዝገለጽካኒ ዓይነት ሰብ ንኽኸውን ድማ ዝከኣለኒ ክጽዕር’የ። ኣብ ጽሩይ ዘይተበከለ ባሕሪ ዚነብር ዓሳ፡ ወትሩ እናሰወደ ከም ዚኸይድ ጥርጥር የብሉን። ስነ ጥበበኛ ኸኣ ዓሳ ናይ ሕብረተሰቡ እዩ። ክቡር ሓው ዘቕረብካለይ ጠለብ ማለት፥ “አነ ግን ሐንቲ ሪኢቶ አላትኒ ከማካ ዝአመሰሉ ቡሱል ዝኮነ ጽሑፋት ዘቅርቡ ውሕዳት እዮም ብዘይ ቀልዓለም፣ ስለዚ ልብካ ይዓቢ እንታይ እዩ ክብል ደልየ ዘለኩ ነብስካ አላልየና ማለተይ ቶሞኩሮካ ወይ ምስ አሰና እንተርቢው ግበር ወይ ድማ ብጹሑፍ ብሕጽር ዝበለ ዕድሜካ ሃገራዊ ፍቅርካ ካበይ ናበይን እዚ ኩሉ ቶሞኩሮ ብልሕካ ምክንያቱስ እቶም ለባማት ደቂ ሃገር ከነላልዮኩም ንደሊ አለና ሕጅ ተፋሊጥና እንተደይ ጸኒሕና ጽባሕውን ጎሐላሉ ከይጻወቱልና ናይ ዝቀደመ ዝታዓሾናዮ ይአክለና።” እያ ትብል ኔራ።

    ጽቡቕ ኣለኻ ክቡር ሓው። ምስ መን ከም ትዛረብ ከም ዘለኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ክትላለየኒ ምሕታትካ ቅቡል’ዩ። እንተ ኾነ እዛ ቃለ መሕተት ዝብሉዋ ነገር፡ ኣብቲ ኣብ ኩለን ማዕከናት ዜና ህግደፍ ጽሑፋተይ ብቐጻሊ ኣብ ዘውሕዘሉ ዝነበርኩ እዋንውን፡ ሓንቲ ካብተን ምስ ጋዜጠኛታት ህግደፍ ዘይተቃድወኒ ዝነበረት ሕቶ እዛ ናይ ቃለ መሕተት ጉዳይ እያ ነይራ። ምኽንያቱ፡ ስነ ጥበበኛ ወትሩ ጀማሪ ብምዃኑ ‘እዚ ሰሪሐ፣ ከምዚ ፈጺመ፣ ወዘተ.’ ኢሉ ፍርያቱ ብምጽብጻብ፡ ብምህርቱ ኪዓግብ የብሉን ዚብል ርእይቶ ስለ ዘሎኒ። ወትሩ ነብሰይ ምንም ከምዘይሰረሐትን ንክትሰርሕ ግን ኣመና ከም እትህንጠን’የ ዝፈልጣ።

    ንመንነተይ ብዝምልከት ግን ወለደይ ካብ ዓዶም ዓዲ ጸጓር ወረዳ ማይ ጻዕዳ ሰራየ መጺኦም፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰምበል ሓማሴን ይቕመጡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፡ ብዕለት 21-05-1984 እዮም ኣብታ መዘና ኣልቦ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ምስ’ዛ ዓለም ኣላሊዮሙኒ። ተ/ማርያም፡ ገረሱስ፡ ምሕረትኣብ፡ እምባየ ድማ ይብሃል። እዋኑ ምስ ኣኸለ ኸኣ ታሪኸይ፣ ምንጪ ፍርያተይን መንነተይን ምስ ህዝበይ ከላልዮ እየ። ተመኩሮይውን ነዊሕ ኣይኮነን። ሓጺር’ዩ። ማለት ድሕሪ ናጽነት’የ ጀሚረ። ግዜየይ ግን ልዕሊ’ቲ ንመነባብሮይ ዘጥፍኦ ኣብ ስነ ጥበብ’የ ዘጥፍኦ። ብፍላይ ኣብዚ ብገዛእቲ ሓይልታት ዝሓመመን ኣብ ግዜ ሰውራ ብህግሓኤ ዝተፈወሰን ሎሚ ድማ ብህግደፍ ዚቕበር ዘሎ ቋንቋናን ባህልናን ንምድሓን፡ ኣዝየ እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ክቡር ሓው ተገሪመ፡ ንሕቶኻ መሊሰዮ ክኸውን ተስፋ እገብር። የቐንየለይ።

    ሓውኻ መሲናስ 28/06/2014

  • Mesinas June 28, 2014

    “Our original flag is the only one that tells our past, present and future hopes of our people.” ማማ ሰምሃር፡ ብርግጽ ንታሪኽን ገድልን ህዝቢ ኤርትራ ንስኺ ልዕለይ ከም ትፈልጥዮ ኣይጠራጥርን’የ። ግን ታሪኽ ኣብ ጽሑፍ’ምበር ታሪኽ ኣብ ግብሪ’ኮ ብህይወት ኣይነብርን’ዩ። ስለዚ፡ ሕሉፍ ታሪኽና ብምሉኡ ኣብ ባንዴራና ተወሪቑ ኪረአ ኣለዎ ክንብል የብልናን።

    “መሲናስ
    When we start our revolution what was the flag that represented our national liberation? Our Original flag.
(Semayawit Banderana).” ማማ ሰምሃር፡ ናይ ግድን’ዩ በታ ሽዑ ዝተዋሃበትና ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ተበጊስና ንምሉእ ሓርነት መስዋእቲ ክንከፍል። ነታ ብፍትሒ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዋሃበትና’ሞ ፍትሕና ምስ ተጓዕጸጸ ኸኣ መጀመሪት ቃልሲ ዝኾነትና ሰማያዊት ባንዴራ ክንጅምር። ደም ከፊልና ፈደረሽን ዘይኮነስ ናጽነት ከም ዝተጓናጸፍና ከደኣ ብምንታይ እዩ ኪግለጽ? ነዛ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ምጥቃም ማለት’ኮ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ከምዘይተከፍለ ምቑጻር ማለት’ዩ። ንውልቀ መላኽን ስርዓቱን ስለ ዝጸላእና ጥራይ ነታ ጀጋኑና ዝወደቁሉ ሰንደቕ ዕላማ፡ ብደም ዝተረኽበት ምልክት መስዋእቲ ክንክሕዳ ኣይግብኣን’ዩ።

    “መሲናስ
    What flag represented the ELF and EPLF till Eritrea was liberated 1991? 
Our Original flag.” ማማ ሰምሃር፡ እዛ ሕጂ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሃገርና ወኪላ ኣብ ኒውዮርክ ተንበልብል ዘላ ንክልቲኤን ኣርማታት ውድብን መስዋእቲ ጀጋኑን ዝሓቘፈት ርያ (ባንዴራ) እያ ሃገራዊት ባንዴራና።

    “Which flag represented Eritrea from 1952 to 1993? 
Our Original flag. 
(Semayawit Banderana)” ካብ 1952-1991 ኤርትራ ትብሃል ሃገር ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ስለ ዘይነበረት፡ ንኤርትራ ሃገርና ዝውክላ ባንዴራውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይነበረን።

    “What did you do when Isayas took down and replaced our original provinces by his zobas? 
You said its okay.
    That’s why nobody wants to follow you.” ኣይፋል! ጽቡቕ ኣይበልኩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንዕኡ ዚቃወፍ (ዚቃወም) ኣቐዲመ እዚ ዚስዕብ ግጥሚ ጽሒፈ ኔረ’የ።

    “ኣንታ ወዲ ሰንሒት ፍሩታ መወጽካ
    ጎይታ ስቡሕ መሬት ወዲ’ዚ ጋሽ ባርካ
    ኣንታ ሰረወታይ ጻዕዳ ጣፍ እቶትካ
    መንደላይ ነጊሱ ኣብዛ *መረበትካ *ዓድኻ፡ ጤሳኻ
    መርዙ እናነደፈ እንሆ አጥፍኣካ!

    ኣንታ ደንከለታይ ባሕሪ ዝቕናትካ
    ኣንታ ወዲ ሰምሃር ምጽዋዕ ወደብካ
    ኣንታ ኣከለታይ ሃብታም ቅርስታትካ
    ዲያብሎስ ነጊሱ ኣብ ሓዳስ ሃገርካ
    እኖሆ ናብ ስደት ይበታትነካ!

    ኣንታ ወዲ ሳሕል ሰውራና ዘዕቖብካ
    ኣንታ ሓማሴናይ *ቃቤላ ሃገርካ *ዓንዲ ማእከል
    ኣስመራና ጻዕዳ ሓበን ዝንያትካ
    *ኣሰለት ብሓይሉ፡ ነጊሱ ኣብ ማይ ቤትካ *ዓብዪ ገበል
    ለይቲ ምስ መዓልቲ ይመጺ ኣሎ ደምካ!” ወዘተ. ብምባል ተቃዊመዮ ኔረ’የ።

    What did we do when Isayas took down our national flag? You said its okay. ኢሳያስ ነታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራና ፈጺሙ ኣይደርበያን። ሓንቲ ነታ ንፍትሒ እተንጸባርቕ ሚዛን ጥራይ እዩ ኣጉዲሉላ’ምበር ከም ዘላታ ምስቲ ብድሕሪኡ ዝተኸፍለ መስዋኣቲ ኣዋሃሂዱ፡ ኣወቂቡ’ዩ ኣውጺኡዋ። ስለዚ፡ ኢሳያስ ፍትሓዊ ስለ ዘይኮነ ነቲ ኣርማ ፍትሒ ኣልዩ ነቲ ካልእ ከም ዘለዎ ኣብዛ ሓዳስ ባንዴራና ኣንጸባሪቑዎ ስለ ዘሎ፡ ‘ንኹላ ደርብዩዋ’ ኢልና ዘይገበሮ ጌሩዎ ኢልና ብኹሉ ክንውንጅሎ ቅኑዕ ኣይመስለንን።

    “You cannot have two flags,You must choose before it’s too late.” ብርግጽ ክልተ ባንዴራ ክህልወና የብሉን። እቲ ፋህም (መስተውዓሊ፡ ለባም) ዚኾነ ኤርትራዊ ኸኣ ጀብሃን ሻዕብያን ኢሉ ከይፈላለየ፡ ነታ ካብ ክልቲኡ ውድባት መስዋእቲ ዝኸፈሉላ ሃገር፡ ነታ ክቡር ደሞም ዘሎዋ ባንዴራኦም’ዩ ምርጫኡ። ማማ ሰምሃርውን ጽልእን ቅርሕንትን ደማሒ (መላኺ) ንኣዒንትኺ መታን ከየዕውሮ፡ ንመላኽን ስርዓቱን ረሲዕኪ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣርማ ስውኣትና ዝኾነት ውቅብቲ ባንዴራና እናጽለልኪ፡ ንሓርነትክን ንሓርነት ህዝብኽን ኣበርቲዕኪ ክትቃለሲ በዚ ኣጋጣሚ እላበወኪ።

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply