Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣያ ዘይብላ ጓል በኻይት – 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣያ ዘይብላ ጓል በኻይት   ኤርትራዉያን  ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ን30 ዓመት ዝወሰደ መሪር ተጋድሎ ንኹሉ ባህርያዊ ጸገማት ትጻዊረን ዓቐብን ቁልቁለትን ወሪደን  ብመዓልቲ ከቢድ ሙቖት ብለይቲ ቁሪ ኣሳሒታ ከይዓጀበን፣ ነቲ ዘይካኣል ዝመስል ዝነበረ ሓያል

8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ኣያ ዘይብላ ጓል በኻይት

 

ኤርትራዉያን  ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ን30 ዓመት ዝወሰደ መሪር ተጋድሎ ንኹሉ ባህርያዊ ጸገማት ትጻዊረን ዓቐብን ቁልቁለትን ወሪደን  ብመዓልቲ ከቢድ ሙቖት ብለይቲ ቁሪ ኣሳሒታ ከይዓጀበን፣ ነቲ ዘይካኣል ዝመስል ዝነበረ ሓያል መግዛኣትዊ ስርዓት ደርጊ ደምሲሰን ህያዉ ዝገበራ ጀጋኑ ስዉኣትና ክንዝኽር ከለና፡ ኣህግራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ  8 መጋቢት  ፣ከም ዝኾነ ብዓል ዘይኮነ፣ መስል ደቂ ኣንስትዮ ብመስዋተን ዝረጋገጽእ ኮይኑ፣ክብሪን ሞጎስን ይግበኣን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዉዕለተን ዝረኽባሉ ፣ ሃገር ሰላም ኮይኑ ስድራ ቤት ዝተኣኻከብሉ ንገድ  ነጋዳይ፣ ሕረስ  ሓረስታይ ዝብል ኣዋጅ  ከበስረና፣ ምስ ጎረባብትና  ብሰላም ክንነብር፣ ኩናትን ወረ ኩናትን ክጠፍእ ኣዩ ነይሩ ናይ ኩሉና  ትምኒተን። ድሕሪ ናጽነት ግን  ናይ ጀጋኑ ዋዕሮታት  መስዋኣተን ተጠሊሙ፣ ዉዕለተን  ተደምሲሱ፡ ሞያኤን   ጅግንነተን  ግን ንስልጣን ህግደፍ  መሸቀጢ ኮይኑ ኣሎ፡፡  ን ህዝብና  ኣብ ከርፋሕ ናብራ ኣስፊሩ፣ ንኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊዑ፣ሰብአዊ ክብርና ተቐንጢጡ፣ንሃገርና  ኣብ  ቤት ማኣሰርቲ ቀይሩ፡ ብሕሱም  ምሕደራ ህግደፍ ተቖሪና፣ ንህዝቢን ሃገርን የብርስ ኣሎ።

ኣደታትና ብመስዋኣቲ  ዉላደን ዝተረከበ ናጽነት ተደቢሰን ‘’ዓወት ንሓፋሽ  ኢለን’’ መቕሊ ምርካበን ንፈጣሪ ኣመስጊነን።ነቶም  ብሕድሪ ዝተቐበልኦም  ደቂ ስዉኣትን፡  ብርሃን ናጽነት ዝርአዩ ዕሽላት ደቀን ክማሃሩ፣ብሰላም  ክዓብዩ፡ ክምርዓዉን ኽወልድን፡ ደቀን ደቂ ደቀን ክሓቑፋ ዝነበረ ተስፈኤን፣ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰያስ ዝጻሕተሮ  ኩናት ባድመ፣ የመን፣ ሱዳንን ጁቡትን፡ዘይተደለየ  ዳግማይ መስዋእቲ ክንከፍል ዝገበረና  ስርዓትዩ።  ኤርትራዉያን አደታት ዝነበረን ተስፍኤን ሓጎሰን ክይወድአ ሃንደበት ብዝተባረዓ ብኩናት ተስፍኤን  በኒኑ ፡ ብኹቱር ጓሂ  ንስዉኣት እንዳ ዘከራ ‘’ ጀጋኑ ወልድና  መኺና፣ ዘርእና  ጸኒቱ፡ ማይ ቤትና ጠፊኡ፣ ሓድጊ ዘይብልና ተሪፍና፣  ምስ ነብሰን ከማርራ ከለዋ፣  ሓልፋይ  ዘይብልና፡  መንዩኸ  ኪኣልየና፡  ኽንደይ ተማህሊልና  መቕልና  ረኺብና  ንፈጣሪና  ኣመስጊና፡ ክልተ ግዜ ከይንዛረብ ቃል ኣቲና።   ርኢና ዘይጸገብናዮም  ዕሸላት ደቕናን ኣሕዋትናን ተዘሚትና። ነዚ ድዮም ደቅና ተሰዊኦም፣  ኣካሎም ሰንኪሉ፣ እንታዩ  ጉዱ፣   ኣደታት ንብዓተን እንዳፈሰሰ ክበኽያ ሓባሲ  ዘይብለን፣  ብጸላም ተጨዉዮም፣ ሃለዋትም  ዝጠፊኡ  ወይ  ተኣሲሮም፣ እንታዮም  በዲሎም ዘይተነገሮም፣  በዚ ጨካን ስርዓት እህህ  ኣናበላ ወትሩ  ዝነብዓ ወላዳት  መዩ ዘኪሩ ኣጆ\ኪ ዝበለን፣ ነትን  ዋዓሩ ጀጋኑ ቁዋም ኽትግበር፡ ፍትሒ ኽነግስ ዝሓተታ  ኣብ ዉዕይን ዝሑሉን መጓዕዝተን ዝነበራ ጀጋኑ  ይዝክረኣንዶ፣ ን– ተጋዳሊት  ኣስተር  ፍሳሓጽየን፣ ን– ተጋዳሊት  ምርያም  ሓጎስ፣ ን  ተጋዳሊት  ኣስተር  ዮዉሃንስ፣   ን  ተጋዳሊት  ሰናይት ደበሳይ  ካልእዕት ሓርዉበኛታት  ብጾትኽን እንታዩ በደለን ኽንሃተለን ይግብአና  ወይ 8  መጋቢት  ግልቢጭ  ተቖኒነን፣ ተወሪቐኽን ፡ ተወላዊለን ኣብ ቅድሚ ህግደፍ  ሸንዳሕዳሕ  ክትብላ  የምሕረልኪንዶ።  ነዚ ጨካን ስርዓት ደም ዝንበዓና  ክትዉድሳ፣ ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና ደዉ በለልና  ኽሳብ መዓስ፣    ኣደታት  ደም ዘምበዓ፣ ሕድሪ  ስዉኣት ዝጠለመ፣   ንአካለ ስንኩላን   ማይ  ሓባር  ብአድራጋ  ጠያይት ዝረሸነ፣ ንዕሸላት ደቅና  ኣብ  ባሕሪን  ምድረበዳ  ሳሃራን  ዘጥፈአ።   ኣብ ቅድሚ ዓይንኽን ኣብ ባሕሪ ሲሲልያ ዛሕዛሕ  ኣናበሉ፣ ኣዉያቶም  ንዓለም ዘሰንበድን ዘጨነቐ  ከም  ኣደታት ኣይነባዕኽን ዲኺን,፣  ኣብ ዕዶም ቅሳነት ሲኢኖም ብዘይ ልቦም  ሃጽ ኢሎም ዝዉጽኡ ደቅኺ፣  ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ድዩ ነይሮም ፣ ንቡር  ሓመድ ኣዳም ከይለብስ፣ ሬሳ ሰማእታት ንሃገር ከይእቱ  ሎሚ ኣምቢ እንተበለ  ጽባሕ ብኽብሪ ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦትኡ ኽሕዝዩ።  ሕጂ ግን ይአክል ባርነት፣ ይአክል  ስደትን ፣ ይአክል ማእሰርቲ፣ ፍትኡ  ይንገስ፣ ክንብል ኣምበር ሕድሪ ስዉኣትና ክኽበር  ስቅያት ህዝብና ከብቅዕ ድምጽና  8 መጋቢት ህግደፍ ኣይዉክለና መጸዋዕታና።

ኣያ ዘብላ ጓል በኻያት ከም ዝባሃል፣  ብመስዋእቲ ኣሕዋተን ዝተረከበ ናጽነትከቢረን ክነብራ፡ ኽማሃራ ኽምዕብላ፡ ማዕረ ኣሕዋተን ተሰሪዔን ሃገር ኽሃንጻፕ  ከም ኩሉ ዜጋ ኽሳደን ኣቕኒዔን  መሬት ዓደን ክረግጻ፡  ዝአነበረ ትምኒተን  ህያዉ ኽገብራ፣ ሕድሪ ስዉኣት ከኽብራ፡ ንሃገራዊ ኣገልጉሎት ብሓጎስ ተቐቢለን እናዘለላ ንሳዋ ዝወረዳ። ኣደኻ ከምዝበልትካ ኣይኮነን ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ከም ዝባሃል፡ ኣብ ኩሉ ጉዕዘኤ ብመኮንናት ህግደፍ ዝወረደን ኣደራዕ ጽዊኻ ዝዉዳእ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ጉቡኤን ዝፍጽማ፡ ኣደራዕ መሪርዎን ዝበኸያ ኣሓትና  ‘’ጓል ኣንስተይቲ ምኻነን ከቢድዎን ‘’፣ ብዘይ ድሌትና ተዓሚጽና፣ ኣምቢ ተብልካ ንሂውትና ፈሪሕና፣ ዓገብ ዝብል ኣያ ሲኢና፣ ዝመክርን ዝተባብዕን  ዝገንሕን ኣሕዋት ሲኢና። ዓንዲ ሕቖና ተሰይሩ፣ ከድምቲ ሰብ ጹሩራ ተቐይርና ፣ መርወይ ስሚት ኣዘዝቲ ኮይና፣ ድቂ ኣብ ማህጸና ሰፊሩ፣ ሚስጢር ከይተዉጽኢ ኣዝዩ ከቢዱና፡ ንስማዒኡ ዘስደምምዩ፣  ብመስዋእቲ  ጀጋኑ ኣሕዋትና  ተደፊርና። ኮይኑ ግን  ኣያ ዘይብላ ጓል በኻኣይት ከም ዝባሃል፣ ብሑሱም መግዝእቲ ህግደፍ ዝወረደና  ግፍዒ፡ ንስደት ከይፈተና ተቃሊዑና፣ 8 መጋቢት  ከነብዕሎ ፡ ኣስከ  ንገርና፣ ናይ መንያ እዛ ኽብርቲ ዕለት፣ ናይተን  ሕድሪ  ስውኣት  ዝጠለማ ፡ ኣድን እግር ናይ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝስዓማ፡  ወርቅን ጨርቅን ኮይነን  ግልቢጭ ዝተቖነና፡   ወይስ ናይተን ጸጒሪ  ርእሰን  ዝደርመማ ኣደታት፣  ለይትን ቀትርን  ወትሩ ብጸሎትን ጾምን ምሕረት ዝልምና፣ እተን ብጓሂን ሓዘንን  እናቆዘማ ልበን ዝሓመሳ ወለዲ፣ እተን  ራህዋ ዝጽበያ ሓርበኛታት ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተዳጎና ካብ ሕልናና ኣይተፈለያን ።  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ   ንስደት ከም ቀዳማይ  ኣማራጺ እናወሰደ  እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽኢሉ  ይስደድ እንተሎ ።  ጠንቂ ናይዚ  ኩኩ  ሕሰምን መከራና ኮይኑ ንዘሎ ስርዓት  ህግደፍ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓግሒግና  ብምድርባይ  ኣብ  ገዛና ብሰላምን ቅሳነትን ክንነብር ይግባኣና።

ኣቦ ዘለዎ  ዝበኪ ነቦ ዘይብሉ ክብኪ  ከም ዝባሃል፣ ዕሸላት ቆልዑት  ፍቅሪ ወለዶም ዝሳኣኑ ወትሩ ኣማዕዮም ዝጥምቱ  ሎሚዶ ጽባሕ ኣቦኦም (ወላዲ) ኽመጽኡ ብተስፋ ይጽበዩ።  ምፍላይ ወላዲ ኣብ ሕልንኦም ዝፈጥሮ  ጭንቀት  ኣዚዩ ከቢድዩ ‘’ኣቦይ ኣበይ ኮን ይህሉ፣ ጸላም  ተጎልቢቦም ካብ ገዛኖ ወሲዶም፣ ኣብይከ  ኣትዮም፣  ኣሎድዩ ሞይቱ  ዝፈልጦ የለን፣ ድሕሪ ኣቦና  ኩሉ ደፊሪና፣  ኩሎም ከዘይፈልጡና ብጎቦ ዓይኖም ይጥሙትና፣ ይርሕቑና፣  ንሕና ኣንታዩ አበሳና፣  ኣቦና  ኣንተዝነብር ምኸበርና፡ ሓቚፉ ምስዓማና፣ መዛወረና፣  ለካለካ  መዓደገልና ፣ ኣብ ፈስታ በጊዕ መግዝእልና፣ ሓድሽ ክዳንን  ጫማ መዓደገልና፣  ኣቦ ዘይብልና ተሪፍና፣  እንተ በኸና ኣደና ናዓና እናራኣየት  ትበኪ ትሓዝን፣  ነብሳ ተደዊኑ፡ ኣጆኪ ዝብላ ኣያ ሲኢና፣  ኩሉ ጠሊሙዋ ድሕሪ ምጥፋእ  ኣቦና፣ እዚዉን ኽ ሓልፍዩ ማዓስዩ፣ ኣቦታትና  ነዚ ድዮም ተጋዲሎም፣  ቁዋም ኽትግበር፡ፍትሒ ኽነግስ  ሰለ ዝሓትአቱ፣ ሃለዋቶም ጠፊኡ።   ሰለምንታዩ ዳግማይ  ኩናት ተወሊዑ፣ መንዩኸ ነዚ ኩናት ወሊዕዎ፣  ካብዚ ኩናትዚ መንዩ ረቢሑ፣ ሳዕቤን ናይዚ ደማዊ ኩናት  ሞት፡ ማኣስርቲ፣ ስደት፡ ፍርሒ ገኒኑ፣ ስድራ ቤት ተበታቲን  ዝኽትምና  ዓቢዩ።   በዚ ኩናት ዝረብሐ፣ ስርዓት ህግደፍን ጭፍሩኡ ኢዮም፣ ከም ድላዮም ክገብርኡ ስልጣን ቢሒቶም፣  ድላዮም ክዕምጹ፡ ኽአስሩን፣ ጉልበት ኣጎልጉሎት  ክምዝሙዙ፣  መንእሰያት መሪርዎም  እግርም ናብ ዘምርሖም ኽስደቱ፡ ናዉቲ ኣካላቶም ከም መቀያየሪ ክሽየጥ፣ ቆልዑት ብዘይ ምስጋና ይብጽሓየን።  ኮይኑ ግን ሓቂ  ተዛሪብና  እንገልጽ ኽፋ ተግባራት ህግደፍ፣ ሓሳረ መከራ ትብዓትክን’ዩ  ኣደታት፡ ዓጋቲ ዘይብሉ ንምኳሓት  ጸላእቱ ዘርዓዶም።  ኣብ ሩሱን ኲናት ዓሊሉዩ  ለውሃትክን፡ ናይ ልብኽን  ቅያ ዝሰራኽን። እዚ  ኣረሚናዊ  ስርዓትዚ ሕላገቱ ሓሶት፣ ምድንጋር፣ምትላል፣ ስም ንጹሃት ምብላል፣ ሓሰዉቲ ምዉፋርኢዩ።   ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ጠንቂ ናይዚ ኹሉ! ብርሰት። ነተን ሓቀኛ ትርጉም ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንምትግባር ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ ጸኒAን ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣደታት። እደ ስዉእ፣ ሰበይቲ ስዉእ! ደቂ ስዉእት ዉጽዓት ደቂ ኣንስትዮ ፣ ራህዋን ሰላምን ክርከብ፡ ስርዓት ህግደፍን ጭፍርኡን ኽጠፍእ ኣለዎ።

ዓወት ንሓቀኛ 8 መጋቢት

ሞት ንስርዓት ህግደፍን ኣጫፈርቱን

 

ጉድሳት ነበርቲ ሚላኖን

ደለይቲ ፍትሒ

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Zufana A. March 8, 2015

    Equality for women is progress for all indeed. However, we need to tackle difficult questions such as : how can we increase the number of young women in leadership positions. And why don’t young women have the same access to important and participation in decision-making as young men!
    We have massive challenges in Eritrea, but we take this day to celebrate and recognize the contribution of women to our society, and must keep making progress toward equality. I know that inequality isn’t just a developing world problem, how many female leaders are there around the developed world? Not many unfortunately. Last but not least, let’s say loudly on behalf of our sisters, “A promise is a promise : time for action to end violence against women”, at home and internationally respectively.

  • Mesinas March 9, 2015

    ሸሞንተ መጋቢት!

    ናይ መን ኢኺ እስከ ግለጽልና?
    ናይተን ውጹዓትዶ ሰላም ዝሰኣና?
    ወይ ናይተን ሰብ ግዜ፡ ዓለልቲ ኣብ ጥፍኣትና?
    ናይተን ሕዙናትዶ *ከሊ ዝተኸድና? *ጸሊም ክዳን ሓዘን
    ወይ ናይተን ሳዕሳዕቲ ግልብጭ ዝተቖና?
    ናይ መን ከም ዝኾንኪ እስከ ንገርና!

    እወ ተዛረቢ ሸሞንተ መጋቢት
    ፍለይየን ንጭርናዕ ካብ ረጋቢት
    ኣብ ስቓይ እንከላ ኤርትራዊት
    ናብ ጓይላ ዝጎያ ናብ ሳዕስዒት
    ይኣክል በልየን ናይ ጥፍኣት ጣቒዒት!

    ውሑዳት ኣብ ስደት ውላደን ሓቚፈን
    ሕሰምን መከራን ፍጹም ዘይተንከፈን
    ምስ’ዚ ኣጽናቲ ስርዓት ሎሚ ተሰሊፈን
    ህዝቢ ብመላኺ ብራዕዲ ክዕፈን
    ገንዘብ ተተኾባ ካብቲ ዝተረፈን
    ሃገራውያን ዝመስለን ሓለፋ ኣሕዋተን
    ዓገብ’ዩ በልየን ጽዩፍ ተግባራተን!

    ወረ ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት?
    ናይተን ተሰዲደን ብምቾት ዝነብራ
    ውሉደን ሓቊፈን ቀሲነን ዘምህራ
    ኣብ ሬሳ ዕሸላት ጓይላ እናዓንደራ
    ኣብ ውሑስ ሰፊረን ሃገር ዝዝምራ
    ንመክት ዝብላና ፍጹም ከይሓፈራ
    ዝተዃዕተ ዒላ ወትሩ እናቘጸራ
    ‘ማዕቢላ!’ ዝብላና ናይ ህግደፍ ኤርትራ!

    ወይስ ናይተን ብመላኺ ደቀን እንተመንዝዓ
    ክንዲ ዘምስልኦም ብሕጸ ብመርዓ
    ‘ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ሞይቶም’ ዝሰምዓ
    ሓዘነን ዘይዓጸዋ ብተስካር ኣርብዓ
    ብናፍቖት ደቀን ቀጻሊ ዝነብዓ
    ኣብ ጸላም ዝነብራ ብጨለምታ ሽምዓ!

    ናይ መን ኢኺ ሸሞንተ መጋቢት? እስከ ንገርና!
    ናይተን ሕድሪ ስውእ ዝጠለማ
    ኣእዳው ናይ መላኺ እናሰዓማ
    ወርቅን ጨርቅን ኮይነን እተሰለማ
    ወይስ ናይተን ጸጒሪ ርእሰን ዝደርመማ
    ለይትን ቀትርን ወትሩ እናቘዘማ
    ብጓህን ሓዘንን ልበን ዝሓመማ
    ራህዋ ዝጽበያ መቐረት ናይ *ጣዝማ! *መዓር ጽገናይ

    ሸሞንተ መጋቢት፥

    ብስም ሃማደኤ ኣምሰልቲ ኣጣይሱ
    ምልኪ ንስልጣኑ ብስምኪ ኪሕሱ
    ሸሞንተ መጋቢት ትርጉምኪ ሃሲሱ
    ኤርትራዊት ኣደ ገጻ ተደምሲሱ
    ኣዒንታ ብሓዘን ንብዓት ደም ኣፍሲሱ!

    ኣትን ወዓራሩ ኣደታት ኤርትራ
    ክሳዕ መዓስ ኢኽን ኣብ ሓዘን ክትነብራ
    ምጻሩ ስኢንክን ሓሳረ መከራ
    ጅግና ካብ ተሳእኖ ናይ ምልኪ ምሕደራ
    ንስኻትክን’ንዶ ሓዲኡ ግበራ?

    ሓቂ ተዛሪብና ክንገልጽ ድኽመትና
    ተለጒሙ እንከሎ ብረት ኣብ ቅድሜና
    *እልበት ከይንፈትሕ ናብ መላኺ ኣቕኒዕና *ሓሳረ መከራ
    ትብዓት ካብ ተሳእኖ ፈሲሱ ሓሞትና
    ስረና ዓጢቕክን ጀጋኑ ኣደታትና
    ተኣምር ክትሰርሓ ንምሕጸን ኣለና!

    ትብዓትክን’ዩ ኣደታት፡ ዓጋቲ ዘይብሉ
    ጸላእቱ ዘርዓደ ኣብ ኲናት ዓሊሉ
    ለውሃት ናይ ልብኽን *ደማሒ ኣስተውዒሉ *መላኺ
    *ኣብሊስ ከይሽሕጠክን ከም ወትሩ ኣታሊሉ *ሰይጣን
    ነዚ ምስሉይ *ባልዋ ኣይትዳህለላሉ *ኣርሓ መፍለስ
    ካብ ሃገርና ይጥፋእ ሮዖኡ ጠቕሊሉ
    ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ጠንቂ ናይዚ ኹሉ!

    ዓወት ነተን ሓቀኛ ትርጉም ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ኤርትራ ንምትግባር፡ ብጽንዓት ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኤርትራውያን!

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/03/2015

POST A COMMENT