Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣየ ናይ ህግደፍ ነገር! ካብ ኣይክሕዘካን ትራፊክ ክሳብ ሓዘካ ሜጀር!

ኤርትራ ከም ተስፋ ኣፍሪቃ ዘተምበሀት ሃገር ዝተባህገትሉን ዝተደንቀትሉን እዋን፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መሪር ጭኮና ባዕዳዊ መግዛእቲ ተናጊፉ ብሓበን ዝተሓጸነሉ ዝሓጸረ ግዜ ኢዩ ነይሩ። እቲ ‘ሕጽኖት’ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ፡ ኣብ ታሕታይ ክፋል ከብሒ ተቐሚጡ ደሮና ክእክብ ዝሓለፈ

ኤርትራ ከም ተስፋ ኣፍሪቃ ዘተምበሀት ሃገር ዝተባህገትሉን ዝተደንቀትሉን እዋን፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መሪር ጭኮና ባዕዳዊ መግዛእቲ ተናጊፉ ብሓበን ዝተሓጸነሉ ዝሓጸረ ግዜ ኢዩ ነይሩ። እቲ ‘ሕጽኖት’ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ፡ ኣብ ታሕታይ ክፋል ከብሒ ተቐሚጡ ደሮና ክእክብ ዝሓለፈ መዋእል ድማ እቲ ብምረቱ መዳርግቲ ዘይተረኽቦ ህዝብና ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዝተዋረደሉ ዘበን ኮይኑ ይስነድ ኣሎ።
ጽጋባታት ልዑላት ኤርትራ
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይተፈጸመ ዓይነት ግፍዒ ይኹን ገበን ስለዘየለ፡ ነዚ ምዝንታው በየናይ ጀሚርካ በየናይ ከምትዓጽዎ ክሕርብተካ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ግን ነቶም ኣብ መንገዲ ቁሸት ደቂ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኮይኖም ቅድድማት መኪና (ካር ረይሲንግ) ዘካይዱ ‘ደቂ ግዜ’፡ንሳቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዝርኣዩሉ ፊልም ጥራሕ ኢዩ።
እዞም ካብ መኪና ክመርሑሉ ዝነበሮም ደረት ፍጥነት ሓሊፎም ስለዝርከቡ ብኣባላት ፖሊስ ትራፊክ ፍቓድ ምምራሕ መኪና ከርእዩ ዝሕተቱ መናእሰይ፡ ኣብ ክንዳኡ ተኣንቲቶም ወረቐት መንነት ኢዮም ዘርእዩ። ዝተሓቱዎ ንሱ ከምዘይኮነ ምስ ተነግሮም፡ “እቲ ስም ዶ ትሪኦ’ለኻ? ኣብ’ቲ ድሕሪት ዘሎ እንታይ ይብል ኣሎ? ኣነ ወዲ ኩስቶ ኢየ” ክብሉ ልዕሊ ዝኾነ ሕጊ ምዃኖም ከምዝኣምኑ ብርእሰ ምትእምማን ይሕብሩ’ሞ፡ እቲ ሕጊ ከኽብር ዝተላእከ በዓል ዩኒፎርም ኣብ ቅድሚኦም ብብስጭት ውርደት ተሰሚዑዎ ርእሱ ከድንን ርእዮም መሊሶም ርእሰ ምትእምማን ወሲኾም ፍንጥራዕ ክብሉ ምርኣይ ዘሰንበዶ ህዝቢ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ ከምዘሎ በቲ ፍሉይ ጎደና ዝመላለሱ ዜጋታት ዝምስክሩዎ ሓቂ ኢዩ።
ዝወረዶ ህዝቢ ደቂ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ብስኽራን ዓቢዶም ብልዑል ናህሪ መኻይን እናመርሑ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ሓደጋ ዘውረዱሉ’ሞ፡ ሃመማ ከምዝቐተሉ መንገዶም ዝቐጸሉሉ ብዙሕ ዘይተሓቱሉ ዝተሰነደ ገበናት ስለዝፈልጥ፡ ካብ መንገዲ እቶም ደቂ ዕሉላት ምርሓቕ ጥራሕ ኢዩ ከም ኣማራጺ ዝወስዶ። ኣብቲ ዝኽእሎ ከኣ ካብኣቶም 1000 ኪሎሜተር ምህዳም ኣይገደፈን። ኣብ ከተማ ከምኡ ኢሎም ክዓብዱ ናብራ መሪሩዎ ዝርከብ ህዝቢ ኣመት እታ ረቃቕ እንጊራኡ ክገብር ድንገት ጎፍ ተበሉዎ ኸ? ህዝቢ ከኣ ካብ ዓዱ ሓሊፉ እሞ ናበይ ኢዩ ክኸይድ?
መከረኛታት ደቂ ዉጹዕ ህዝቢ
ኣብ’ዚ እዋን ነቶም ተዋሲኖም ሻውዓይ ደረጃ ዜግነት ንዘለዎ ሰብ ዝፍቀዱ መሰላት ዝተሓረሙ ደቂ ሓፋሽ ህዝቢ ዝኾኑ መናእሰይ ኤርትራ፡ ስድራ ቤታቶም ክሕግዙ ቁሩብ ፍሕት እንተበሉ ሃዲኑ ዝቕፍድ፡ ሓደ ብ’ሓዘካ ሜጀር’ ዝፍለጥ ናይ ከተማ ጋኒን ፈጢሩሎም ኣሎ። መከረኛታት መንእሰያት ኤርትራ ማኣሪሮም ሒዞሞ ዝኣቱዎ ድራር እለት እንተረኺቦም፡ ብ’ሓዘካ ሜጀር’ ከይተጎብጡ ብሰላም ገዛ ክሳብ ዝኣትዉ እቶም ዝርካቦም ኣባላት ስድራቤቶም ከብዶም ሓቑፎም ክጽበዩዎም ተካሎም ጸጊቦም ይርከቡ።
እዚ ነቶም ተሃደንቲ መንእሰያት ክጸናተዎም ድሕሪ ምጽናሕ ብድሕሪኦም መጺኡ ኣዳህሊሉ ‘ሓዘካ ሜጀር’ ብምባል ከምዝጎብጦም ዝንገረሉ ኣባል ፖሊስ ምስ ሓዞም  “ኣማን ብኣማን ሜጀር!” ዝብል መልሲ እንተዘይሂቦሞ፡ ኣብ ሸላታት ማሕቡስ ከምዝዳጉኖም ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ ‘ሓዘካ ሜጀር በየን ሓለፈ’  ምሸታዊ ንኣእምሮ መንእሰያት ጸሚዱ “ዘበን ተቐይርካኒ ስደተኛ ኮይነ ብስክፍታ ዝነብር ክሳደይ ኣድኒነ ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም ሰንፍ መስተማሰሊ እንዳተጎድአ ዝነብር ኣሰኪምካኒ ቁስሊ” ንትብል ናይ ነፍስሄር የማነ ባርያ ደርፊ ብምስትንታን ክደርፉዋ  ክነብሩ ገዲዱዎም ኣሎ።
ኤደን ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

Sorry, the comment form is closed at this time.