Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን – ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ: በርሚንግሃም (10ይ ክፋል)

  ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      10ይ ክፋል         26/11/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ

 

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     10ይ ክፋል         26/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ 9ይ ክፋል፣ ብዛዕባ የማነ በርሀን ዓሊ ኢብራሂምን ኢየ ተዛሪበ። ነቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ዝጸንሐ ኣብ ታሪኽ ንውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዘይጸንሐ፣ ንዕኡ ንምስዓር ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት ስለዝኾኑ፣ ሰባት ከከም ኣበርክቶኦም ክግለጹ ጽቡቕ ይመስለኒ። በዛ ትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ …

 

ጨንፈር/ ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ካብ ሓይልታት ድሕሪ ምውጽአይ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ (ጨንፈር ትምህርቲ) ከም ዝተመደብኩ ክብ ኢለ ገሊጸ ኣለኹ። ኣብ መጀመርያ ሚያዝያ 1983፣ ኣነ ናብቲ ኣሃዱ ቅድሚ ምምጽአይ፣ እቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ዓበይቲ ተማሃሮ፣ ብገለ ኣባላትን መማህራንን ተሰንዮም ብስም ‘መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ’ ናብቲ ብድሕሪ መስመር ዝፍለጥ፣ ሓውሲ ሓራን ተወራራሲ ቦታታትን ፋሕ ኢሎም ነይሮም። ምምሕዳሮም ድማ ብዞባታት ዝተጠርነፈ ነይሩ። እቲ ዞባታት ነቲ ኣብ መንጎ ቀንዲ ጽርግያታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዝርከብ፣ ጸላኢ ብቐሊሉ ዘይበጽሖ ከባቢታት የጠቓልል። እቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ እምበኣር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተባህለ ጸቢብ ቦታታት ተቐርቂርካ፣ ምስ ወፍሪ ወዶ-ገባን ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ስልኳታትን እናተቖራቖስካ፣ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ጥራይ ዝግበር፣ ፖለቲካ ዝዕላምኡ ወታደራውን ኣካድያሚያውን ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ምስ ብርትዐን ድኻምን ጸላኢ፣ በብግዝይኡ ዝቀያየር’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብኣጠቓላሊ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

ዞባታት- ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት፦

  1. ዞባ ሱዳን፦ እዚ ነተን ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝነበራ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ዝመሃሩለን ኣብያተ-ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ሳሕል፦ ነተን ኣብ ሓራ መሬት ማለት ኣብ ሳሕል፣ ከም ባቕላ፣ ሮራ፣

ኣግራዕ፣ ከባቢታት ናቕፋን ካልእ ከባቢታትን ዝነበራ ኣብያተ-

ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ባርካ፦ ካብ ጽርግያ ከረን ኣፍዓበት ንምዕራብ፣ ካብ መስመር ከረን

ኣቑርደት ድማ ንሰሜን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ማለት ንከባቢታት

ኣስማጥ፣ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን፣ ሸርኢት፣ ሃበሮ ወዘት

የጠቓልል።

  1. ዞባ ጋሽ ባርካ ፦ ንከባቢታት ሸላሎ፣ ተኾምብያ፣ ኣውጋሮ፣ ሃዳሙ፣ ዓዲ ተኽላይ፣

ዓዲ በርበረ ወዘት የኣጠቓልል።

  1. ዞባ ምዕራብ፦ ንከባቢታት ደምበላስን፣ ከባቢታት ማይድማን ትኹልን..

የጠቓልል፣

  1. ዞባ ሰሜን፦ እዚ ድማ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ከረን ንደቡብ ዝርከብ፣ ካብ

ምቁጽጻር ጸላኢ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ማለት ንከባቢታት ላዕላይን

ታሕታይን ዓንሰባ፣ ከምኡ’ውን ንገለ ዓድታት ላዕላይ ባርካ ማለት

ገርገር፣ ጉርዒ፣ ዓዲ-ዑመር፣ ሸበቕ፣ ዴዳ፣ ዒን፣ ክሳብ ከባቢ መንሱራ

ይዝርጋሕ።

  1. ዞባ ደቡብ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ኣስመራ – ዓዲ-ዃላ ንምብራቕ፣ ካብ

መስመር ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ድማ ንደቡብን ምዕራብን ማለት ንከባቢታት መረታ-ሰበነን መረታ ቀይሕን፣ ተድረር፣ ትምዛኣ፣ እገላሓጺን፣ ክሳብ ጾሮና ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ንሰሜን ድማ ንከባቢታት ዓላን ዓደረሶን’ውን የጠቓልል።

  1. ዞባ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንደቡብ ክሳብ ደንከል

ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንከባቢታት ፎሮ፣ ኣፍታ፣ ዙላ፣ ኢዶፋይለ፣ ባዳ፣

ወዘተ የጠቓልል።

  1. ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንሰሜን፣ ካብ

መስመር ከረን ኣፍዓበት ድማ ንምብራቕ ኮይኑ፣ ንከባቢታት

ሸባሕ፣ ሽዕብ፣ ገድገድ፣ መትከል ኣቤት፣ ሰለሙናን ከባቢታት

ሰሜናዊ ባሕርን የጠቓልል።

 

… ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፣ ሓደ ንመዓስከር ስደተኛታት ሰለሙና (እንዳ ህዝቢ) ዝከታተል ኣካል ከም ዝነበረ’ውን ይዝረብ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ኣከፋፍላ’ዚ ናተይን፣ ነዚ ናይ ሕጂ ጽሑፈይ ክሕግዘንን ድኣምበር፣ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይ ጨንፈር ትምህርቲ ከም ዘይኮነን ኣንባቢ ክርድኣለይ እፈቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም እቶም ብህይወት ዘለዉ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብንጹር ዝፈልጡ ኣብ ኤርትራ ስለዘለዉ፣ እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ድማ ክዛረቡ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክረኽቦም ዘይከኣልኩ ኢዮም። ስለዚ ከኣ ኢየ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ከቕርብ ዘይከኣልኩ። ኣብቲ እዋን’ቲ መማህራንን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነትን ምስ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተዘራረብኩሉ ግን ክገልጽ እፈቱ።

 

በብግዜኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዞባታት፦

ነዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዞባታት በብእዋኑ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ (ዋላ’ውን ንሓጺር እዋን) ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣብ ስደት ኮንካ ዝተማልአ ጽፉፍ መጽናዕቲ ከተካይድ ስለ ዘይከኣል፣ ገለ ዝተረስዐ ወይ ጌጋታት ክህሉ ከም ዝኽእል ክገልጽ እፈቱ። እዚ ግን ካብ ናተይን ካብ ገለ መሳርሕተይ ዝነበሩ መማህራንን (ካብ ዝዘከርናዮ ጥራይ) እጽሕፍ ስለ ዘለኹ፣ ንዝፍጠር ሃጓፋት ቦታ ንምግዳፍ ድኣምበር፣ ‘ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ’ ንምባል ኣይኮነን። እቶም በብከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ እምበኣር፦

 

ቃልኣብ ሃይለ፣ ጎይትኦም ተስፋዮናስ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ – ወዲባሻይ- (ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ እስራኤል)፣ ጸጋ ጋይም (ጓል-ሻምበል)፣ ወልደ-ማይክል፣ ሃይለ ኣልኣዛር፣ ሓኽሊ ዝበሃል (ሕጂ ስሙ ዘይዝክሮ)፣ ሃይለ መብራህቱ፣ ሃይለማርያም ኢዮብ፣ ገብረስላሴ ዮሴፍ፣ ጎይትኦም (ደጎም)፣ ዑስማን ሳልሕ (ናይ ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ መጀመርያ እዋን)፣ ወዘተ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ሓላፍነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ትሰርሕ ዝነበረት’ውን ኣስመረት ሃብተሚካኤል ነይራ። ንኹሉ’ቲ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝካየድ ዝነበረ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ድማ ጴጥሮስ ሃይለማርያምን መሓመድ ኑር ኣማንን ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መማህራን ይዛረቡ። ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘለኹ ሓለፍቲ፣ ብዘይካ ሓኽሊ (ኣቐዲሙ ካብቲ ጨንፈር ዝተቐየረ) ክሳብ ናጽነት ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዝነበሩን፣ ብህይወት ዝኣተዉን ኢዮም።

 

እዞም ክብ ኢሉ ኣስማቶም ተገሊጹ ዘሎ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብኸበሳን መታሕትን ዝፍለጥ ጅኦግራፍያዊ ምክፍፋል ወይ’ውን ንክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትን ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን ብልክዕ ዘንጸባርቑ‘ኳ እንተዘይኮኑ፣ ብውሑዱ ግን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹን፣ ምስቲ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ወፍርታትን ስልኳታት ወዶ-ገባን እናተዓጻጸፉ ነቲ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም። ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ጨንፈር (ጨንፈር ትምህርቲ) ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኢዩ።

 

ድሕሪ ናጽነት

ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣትዩ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ እቲ ብደረጃ ጨንፈር ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካል፣ ክፍሊ ትምህርቲ ተባሂሉ ኢዩ ክጽዋዕ ጀሚሩ። ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ (ሎሚ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተኣሲሩ ዘሎ) ድማ፣ ንዑስማን ሳልሕ ተኪኡ፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ተመዲቡ። በራኺ ብደረጃ ሚኒስተር ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ (ደሓር ሚኒስትሪ) ድሕሪ ምምዳቡ፣ ኣብ ማ/ ቤት ጽሕፈትን ኣብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን ከም ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ሰባት – ኣስማትምን መበቆል ዓዶምን እዞም ዝስዕቡ ነይሮም።

 

ማእ/ቤት-ጽሕፈት

  1. በራኺ ገብረ-ስላሴ = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም — ሚስተር ትምህርቲ
  2. ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም ንቃልኣብ

ሃይለ ተኪኡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን

  1. ሰመረ ሰሎሙን (ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ) = ዓዱ ኣይፈለጥኩዎን —

ንጴጥሮስ ሃይለማርያም ተኪኡ ሓላፊ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ

ሰብን (HRD)

  1. ተስፋሚካኤል ገራህቱ = ሕምብርቲ — ሓላፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ

 

ሓለፍቲ ኣውራጃታት፦

  1. ሃይለ ኣልኣዛር = ጻዕዳ ክርስትያን – ሓላፊ ኣብያተ ትም/ኣውራጃ

ኣስመራ ( ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣስመራ ንበይና ከም ሓንቲ ኣውራጃ

ትመሓደር ነይራ ኢያ)

  1. ኣስጎዶም ካሕሳይ ዳምር = ደቂ-ሸሓይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ

ሓማሴን (ንከተማ ኣስመራ ገዲፍካ ኩለን ዓድታት ሓማሴን)

  1. ነፍሲሔር ሃብቶም ጉዱም = ዓደኮሎም – ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰራየ
  2. ኣብርሃም ርእሶም = ዓዲ-ተከለዛን (ደምበዛን) ሓላፊ

ኣብ/ትም/ኣው/ኣከለጉዛይ

  1. በኹረጽዮን ሃብተሚካኤል = ደርሰነይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትምህርቲ

ኣውራጃ ሳሕል

  1. ግርማይ ገብርሂወት = ነፋሲት፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ደንከል
  2. ኣብርሃም ተኽለ = ዓደልገስ – ሰራየ፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰምሃር
  3. ወልዱ በርሀ = ዓዲ ቀሪጫ (ኣከለ-ጉዛይ)፣ ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ

ኣውራጃ ጋሽን ሰቲትን

  1. ኣብ ከረን ዝነበረ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣው/ሰንሒት ንግዝይኡ ኣይዘከርኩዎን

 

ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።

 

… ይቅጽል

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • Abahani December 2, 2013

    @SAVING YOUNG ERITREANS( ምሕረቱ ሃብተ ድምበዛናይ) ብመጀመርታ ሰላም አምላክ ንአኻ ይኩን መብዛሕታኡ ዝበልካዮ ዝሰማምዓሉ ኮይኑ አብታ( ካብ ሰገነይቲ ከይደ ዝረኽቦ ፍቕርን ፍትሕን ብህዝቢ ሰርብያ ወይ ፊሊፒነስ ዝሐሸ ፍትሒ ከም ዝረክብ ኣይጠራጠርን ።)ዝበልካዮስ ብዙሕ ገሪሙኒን አስደሚሙንን፡እንተኾነ ክምቲ ምስላ ኣቦው (አቦታት ዝብሉዎ እገለስ..ጽቡክ ይስዕስዕ እሞ አብ ምውዓሉ ይጽይቕ)ከም ዝባሃል እቲ ዓዲ ሙሉእ አልዒልካ ክምኡ ምባልካ ዘሕፍር እዩ፡ እቲ ዝበልካዮ ህዝቢ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ፍቅሪን ፍትሕን ዘይብሉ ዘይኮነስ ብፍርሃት እግዚአብሔ ዝነብር ህዝቢ ምኻኑ ከረጋግጸልካ ይፈቱ። ወዳሓንካ አምላኽ ይባርካ

POST A COMMENT