Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን – ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ : በርሚንግሃም (መበል 14 ክፋል)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 14 ክፋል         10/12/2013   ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 14 ክፋል         10/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ። 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ። 

ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ክፋል፣ በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?”

….. መቐጸልትኡ ይስዕብ

 

ህዝብና ካብዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ይግባእ

ሎሚ እቲ ናይ ምክልኻል እዚታትን ካልእ ቁልፊ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታታትን፣ ብተወለድቲ ሓደ ከባብን ንሳቶም ብዝኣመኑዎም ውልቀ-ሰባትን ዝተዓብለለ ኢዩ። ንሳቶም እቲ ኣሰራርሓ ንሃገር ዝጠቅም ከምዘይኮነ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ’ኳ ኣንተኾኑ፣ ካብኡ ወጺኦም ንምዕራዩ ክሰርሑ ከም ዘይክእሉ’ውን ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝኸውን መሲሉዎም፣ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቶም ዘቲዮም ንምትዕርራዩ ዝፈተኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝወረደ ኣደራዕ’ውን ኩልና ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሳቶም ባዕላቶም ብዝሓረይዎምን ዘሰልጠንዎምን ሰባት ተኻሒዶም፣ ብህይወቶም ከለዉ ከም ምዉታት ኣብ ጎዳጉዲ ክነብሩ ተፈሪዱዎም ኣለዉ።

ኣነ ካብ ዝፈልጦ ጥራይ’ኳ፣ እቶም ‘ዝምቡላት’ ተባሂሎም ምስ ተነቕፉ፣ ኣእዛኖም ኣውዲቖም (ኣብ depression ኣትዮም) ‘ዝን’ ኢሎም ዝኸዱ ዝነበሩ ተስፋማርያም ተኸስተን ተስፋሚካኤል ገራህቱን፣ ሓብሒቡን መኺሩን ንቡር ስርሖም ንኽሰርሑ ዘኽኣሎም ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኢዩ። ሎሚ የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም፣ ነቲ በራኺን ብጾቱን ዘልዓልዎ ሕቶ የናሽዉን ይጭፍልቑን ካብ ዘለዉ ሰባት ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ድማ ንሳዎም ኢዮም። ስለዚ ፖሊቲካዊ መርገጺ ተገማጣልን፣ ምስ ረብሓታት ተኣሳሲሩ ዝኸይድን ካብ ኮነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደድሕሪ’ቲ ተገማጣሊ ረብሓ ውልቀ-ሰባት ክኸይድ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ን30 ዓመታት ዝደመየሉ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ምብትታን ንምብጻሕ ኣይነበረን። ኣብ ዓዓዱ ብሰላም ክነብርን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ድማ ከከም ዓቕሙ ብነጻን ብማዕረን ክጥቀመሉ ትምኒት ነይሩዎ። ሎሚ ግን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ይትረፍ ተጠቃሚ ጸጋታት ናይታ ሃገር ክኸውን፣ ኣብ ዑናታት ኣባሓጎታቱ ቀሲኑ ክነብር’ውን ኣይተፈቕደሉን። ክነብር ኣይተፈቕደሉን ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ሎሚ ኤርትራዊ ደም ዘየጠልቀዮ፣ ኤርትራዊ ሬሳ ዘይተቐብሮ ከባቢታት ዓለም እንተልዩ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ነታ ዝደመየላ፣ ሰዊት ንእስነቱ ዝኸፈለላ፣ ኣቦታቱን ዓበይቲ ኣሕዋቱን ዝሰኣነላን ሃገሩ ገዲፉ ካልእ ዜግነት ክደሊ ናብ እስራኤል፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያን ካልእ ከባቢታትን ንምብጻሕ ረጊጹወን ዝሓለፈ ሃገራት፣ ማያትን በረኻታትን ዓለምና ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ንኹሉ ከኣ ሞባእ እናከፈለ ኢዩ ክሓልፎ ጸኒሑን ዘሎን። ሰብኣዊ ክብሩ ኣረኪቡ፣ ክቡር ሂወቱ ከፊሉ፣ ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከሲሩ ኢዩ ኣብተን ሃገራት ክበጽሕ ዝኸኣለ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማት ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ፣ ንፖሊሲታትን ኣሰራርሓን ናይቲ ስርዓት ዝዳረግ ብቑዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝበቕዐ ግን ኣይመስልን።

ኣርእስተይ ብቐንዱ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምፍልላይ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ። ተጠቀምቲ ናይቲ ኣሰራርሓ’ውን፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ባዕሉን፣ ቁንጣሮ መሻርኽቱ ጥራይ ምዃኖም ብንጹር ገሊጸ ኣለኹ። ሕጂ’ውን ካልእ ኣብነት ምቕራብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እቲ ውልቀ-መላኺ፣ ንሃገራዊ ባይቶን ንላዕለዎት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊትን ከየማኸረ፣ ብኢደ ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ወሊዑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣሽሓት ሂወት ጠፊኡ፣ ብቢልዮናት ዝግመት ንብረት በሪሱ፣ ሓደ ሲሶ መሬትና ናብ ናይ ጸጥታ ዞባ ተቐይሩ። እቲ ካብ ኣቦሓጎታትና ተወሪሱ፣ ነዊሕ ዓመታት እናተነድቀ ዝመጸ ክቡርን ሕፉርን ስም ኤርትራዊ ብሓንሳብ ባይታ ዘቢጡ – ተናዒቑን ተደፊሩን፣ ምስሊ ሃገርና ኣብ ዓለም ተደዊኑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣዴታት ደቕኽን ስለ ዝተሰውኡ ‘ዕልል በላ’ ተባሂለን። ነዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ፕረዚደንት ንዝኣመነ ኣሚኑ፣ ሕጊ ጥሒሱ ብውልቁ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ።  ንሱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝፈጸሞ ክሕደትን በደልን እምበኣር፣ ሓንሳብ ዘይኮነስ ሽሕ ግዜ ንሞት ዘፍርዶ ኢዩ።

እዚ ዘሰንበዶም፣ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ነታ ሃገር ዝተቓለሱላ መዛንኡ ድማ፣ እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ ደው ንምባሉ፣ እዚ ዘይከውን ኮይኑ ምስ ረኸብዎ (ፕረዚደንት ‘ዕጭ ሓምፈፍኩ’ ምስ በሎም) ድማ፣ ኣብቲ ኲናት ዕዉታት ኮይኖም ንኽወጹ ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም። ኣንፈት እቲ ኲናት ንረብሓ ኢትዮጵያ ገጹ ምስ ዛዘወ ድማ፣ ዓለማዊ ሕጊ ተጠቒሞም፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘከራኽር ቦታ ተወሲኑ ደው ክብል ሰሪሖም። ንሳቶም ነዚ ክገብሩ ከለዉ፣ እቲ ብኢደ-ወነኑ ኲናት ዝወለዐ ፕረዚደንት፣ ኣንፈቱ ጠፊኡዎ፣ ሰነዳቱ ካብ ኣስመራ ንሳሕል ልኢኹ፣ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ደንከልን ካብ ብምሉኡ ዞባ ደቡብን ከዝልቕ ኣዚዙ፣ ኣብ ቤት-ገርግስ መህደሚ እትኾኖ ሀሊኮፕተር ቀሪቡ ንህድማ ተዳልዩ ነይሩ።

ኤርትራ ሳላ’ቶም ትእዛዝ ፕረዚደንት ጥሒሶም ብውልቆም ተወፍዮም ዝተዋግኡ  ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፣ ብሱል ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ናጽነታን ክብራን ዓቂባ። እዞም ክልተ ኣካላት እዚኣቶም በብወገኖም ምእንቲ’ታ ‘ናትና’ ዝብልዋ ሃገር ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሖም ናብ ዓወት ገጾም ክቀራረቡ ምስ ረኣየ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ብቐጥታ በትረ ስልጣኑ ንምሕላው ኣብ ምትንዃል ኢዩ ኣትዩ።

እቶም ሃገር ዘውሓሱ መኮነናትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ‘ዝነበረና ድኽመታት ገምጋም ንግበረሉ’ ምስ በሉ፣ እቶም ብዓድን ዓውድን ክኣኻኽቦም ዝጸንሐ፣ ልዕሊ ክብሪ ሃገር፣ ክብሪ ውልቀ-ሰብ ዘገድሶም መኮነናት ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፣ ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ሕቶ ደቚሱዎ። እቶም ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝተዓደሉ መኮነናት ዑቕባ ኮይኖሞ። በቲ ንሓለቓኦም ዝገበርዎ ጉንዖ ድማ ሎሚ ናብ ጎይቶት ተቐይሮም ንርእዮም ኣለና። እቶም ልዕሊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ክብሪ ሃገር ዘቐደሙን፣ ሃገር ዘውሓሱን መኮነናትን ሓለፍትን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም፣ ተሃዲኖምን ይህደኑን ኣለዉ። እታ ንዓመታት ክሰርሓላ ዝጸንሐ ፖሊሲ ድማ ካብ ሞትን ተሓታትነትን ኣድሒናቶ። ኩሉ’ቲ በደላት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። በዚ ከኣ ኢየ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ ዝበልኩ።

ብዛዕባ ፍሽለት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ተዛሪብካ፣ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝጸንሐ ካባ ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት ከየልዓልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፣ ብዛዕባ’ቲ ብኢደ-ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት፣ ምስ ብቕዓት ናይቲ ወታደራዊ እዚ ኣዛሚደ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Tesfom Tesfa Hizbi December 11, 2013

    Well done and well say brother. I like your analysis, because it based on facts and truth. I am sure HIGDEFAWYAN would not like your narratives but time is over for these narrow minded self proclaimed Eritreans.

  • lilay December 11, 2013

    tadese this is great !! yea!!! we people of Eritrea, we need to learn from the past,if not there is high possibility not to see any change but destruction. we don’t have to waste our beautiful country.

  • ahmed saleh December 11, 2013

    Hawna Tadesse , according my belief I think ARROGANCE IS SELF MADE OWN ENEMY .
    It is true to say we create our own enemy and if we could not courageously confront our negative image
    and identify the weakness nothing will change . First we have to change ourselves from negative to
    positive influences of life and learn when to hold on and when to let it go on different circumstances to
    make dignified right decision . Independent person doesn’t need to surrender his/her faith to politics .
    In factour failure doesn’t mean we have been fools but rather an example for learning past experience .
    Only if we keep repeating to compromise with same mistakes then obviously there is reason to be called
    big time fools of lost society .

  • Yohannes December 11, 2013

    Hi Tadesse
    I don’t really understand the flow of your articles but your article consoludates the extreme view of some people. The content of most of your articles is based on your own feelings rather data or doesn’t follow common sense. To tell you frankly by writing this hatred filled articles, you are multipling yourself like ameba and at the end of the day its difficult to discuss with you and your likes. i totally understand the essence of your article and you are targeting people with intention of dehumanizing them and to get a free ride. All those mentioned army comanders have family, relatives and above all you were one of them a while ago. Therefore, what you are doing doesn’t change the statuesque but teaches a good lesson those targeted region to be car full when dealing people like you.

  • MightyEmbasoyra December 11, 2013

    Can you imagine for someone who was your mentor and has gone to a great length to save you from embarrassing moments and repaying him with disrespect and betraying him with very high order of magnitude?
    That’s what ተስፋማርያም ተኸስተ and ተስፋሚካኤል ገራህቱን did to the great ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ. These duos are the lowest of the lowest. May God repay them of what they have done.

  • ተ.መድኅን December 12, 2013

    ዝከበርካ ታደሰ ጽሑፍካ ኣንቢቡ ብልቢ ተረዲኡ ካብዝነበሮ ኣተሃሳስባ ወጹኡ ኣንፈቱን ኣረኣኣያኡን ክቅይር ዝኽእል ድንቂ ጽሑፍ’ዩ።ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ብዙሓት ካብቲ ን ኤርትራ ኣብዚ ኣብጺሑዋ ዘሎ ኣተሃሳስባ ዘይወጹ ወዲ ኦኣደይ ጀነራል፡ወዲ ጎዶቦይ ኮነሬል ብምባል ንጌጋታት ክሽፍኑ ንዝነበረ ከምዘይነበረ ገይሮም ንህልኩም ዓፍራ ዝጽሕፉ ኣለው።ብዙሓት ዝለኦኣለ ቁጽሪ ዘለዎም ከኣ፡ዘይፈለጡዎ ክፈልጡ ወይ ነቲ ዝሃስቡዎ መረጋገጺ ክረኽቡ ንጽሑፍካ ብሃንቀውታ ዝጽበዩ፡ኣንቢቦም ብልቢ ዝርድእዎ ኣለው።……ሰለዚ በቲ ክትብሎ ዝደለካ፡ኣቲ ክከውን ኣይነበሮን ትብሎ ብነጻ ናይ ርእይቶካ ምስፋር ባህርካ ተተባቢብዓ ንቕድሚት ክትቅጽል’ምበር ብናይ ገለ፡ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅልውላው ዘእቱ ኣናሰርሁ ትብሎ ዘሎካ ንሓድነት ኤርትራ ዝጻረር ኣምሲሎም ዝጽሕፉን ዚነቕፉን ኣይትተዓናቐፍ።…..ማደረ ተረዛ ዝብሉዋ ፈላሲት…….ንዝሰራሕካዮ ንጽቡቕካ ዘቋሽሹ፡ዘቆናጽቡ እንተመጹ ወይ ንዝሰራሕካዮ ዘፍርሱ ኣንተመጹ እቲ ጽቡቕ ናይ ምስራሕ መንፈስካ ኣይተሰናኽል።ንስኻ ንሕማቕ ደኣ ኣይኹን’ምበር ስራሕካ ቀጽል ትብል።…..ስለዚ ስራሕካም ኣጸሃሕፋካ ዚነኣድን ትርጉም ዘለዎ መሃሪ ኢዮም ኩራዕ።

  • Ghizie-3 December 12, 2013

    Bro, Tegadalai & Memhit Tadesse, you are really making a great contribution to those of us who want to learn from history and make the future conscious, learne. Please keep the good work up and wish you to be always well and healthy. (Yrs, from London)

  • Truly Truly i say to you December 12, 2013

    As it is written in scripture, “The righteous hate the wicked and the wicked hate the righteous. (Proverbs 29;27)
    There is no wonder if bloodthirsty PFDJ leader and his worshipers hate anyone who is honest, like Beraki G/ Selasie and others honest patriots alike to who advocated and gave them good advice, before a single person sacrificed and a lot of damage and embarrassment caused.
    But it is not their first mistake is bad, but the mistake they doing after to cover up their first mistake is worse.
    Please see and relative these two incidents in contrast.
    and judge yourself what kind of mockery of justice Isayas is doing towards our people and nation.

  • Truly Truly i say to you December 12, 2013

    part 2
    On April 16, 2002 there was a news , “The Dutch (Netherlands) government as has resigned over a report condemning its failure to prevent the 1995 Srebrenica massacre. Imagine! the reason for resign the whole 15 Dutch cabinet members beginning from PM Wim Kok ;it was three out of six brutally massacred Bosnian (Muslims)civilians ; despite begged to the Dutch UN peace keepers soldiers to prevent them, but the Dutch soldiers because stayed passive at the result caused massacre by Serbian soldiers all six helpless Bosnian because died was. Mark it carefully! for six foreign citizens dead when the whole Dutch government resigned.

    Let us see the Eritrean situation in contrast
    Isayas Afeworki, to that from May 30-June 3, 1998— by US-Rwanda presented Peace Plan by rejected alone like brother Tadesse well described, despite the G-15 group (Eritrean ministers) advised him to resolve the conflict peacefully and accept the US peace plan because they were realized the coming danger; unfortunately for third time because ignited the war again , at a result with in two weeks brutal war only 24, 000 innocent Eritreans citizens perished, tens of tausends disabled and millions displaced and we lost territories. Astonishingly instead self take responsible for the caused human lost and distraction and then resign; he imprisoned those 15 Ministers for advocated him to accept the peace plan; by accusing them as traitors and make them guilty and to the US administration for his failure.
    Did you see the contrast what Isayas is making injustice?
    The dutch goverment for six foreign citzens death in abroad when took responsibility and the whole 15 Cabinates member when resigned; but Isayas in contrary for he self caused huge atrocity when contrarly imprisoned to those 15 patriots Ministers for warning and gave him good advice before any damage and human lost caused?

    • Sorobeti December 12, 2013

      Truly Truly i say to you

      Dear brother, DIA was the absolute leader of EPLF/PFDJ. Imagine when the G 15 asked for meeting, he asked them why they are asking for a meeting, Sherifo on a respond said all our comrades are not satisfied on the way of our governance specially the monopoly of decisions by the president. DIA replied, “what is there new, I was the only decision maker since field era.

      Should the people put DIA responsible on all his adventurous wars with neighboring countries like Yemen, Djibouti and Sudan, we should have avoided the devastating war with Ethiopia.

  • wedi asmara December 12, 2013

    Terewai

1 2 3

POST A COMMENT