Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: ውልቃዊ ትዕዝብቲ – ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም (መበል 13 ክፋል)

  ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 13 ክፋል         08/12/2013  ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

 

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 13 ክፋል         08/12/2013

 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 ኣብ መበል 12 ክፋል፣  “ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም

መቐጸልትኡ ይስዕብ ….

ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ

ዕላማ፦ እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ከም ፖሊሲ፣ ንህዝቢ’ቲ ዝተወሰነ ከባቢ ይኹን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት ንምርባሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ ኣገባብ ኣይኮነን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ዓቢ ረብሓ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት (እቶም ጀነራላት) ብተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዝተዓብለለ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ምስ ተወለድቲ ናይ ካልእ ከባቢ፣ ብሀር ወይ’ውን ካልእ ሃይማኖት፣ ኣብ ህልኽን ውድድርን ይኣቱ። ስለዚ ዋላ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ኣመራርሓ፣ ጸገማትን ዘየሰማምዖ ነገራት’ውን እንተለዎ፣ ዋላ’ውን ነቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ብዓንዳ-ርእሱ ዘይቅበሎን ዘይኣምነሉን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ‘ወገነይ፣ ናተይ’ ዝብሎ ጉጅለ፣ ክሳብ ዕልዋ ዝበጽሕ ተጻባኢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ክሕደት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ’ቲ ዝርእዮን ዘጋጥሞን ጸገማት ከም ቅቡልን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ግዝያዊ ምጉንፋጥን ጥራይ ወሲዱ፣ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ዝፍትን።

ብኸምዚ ከኣ እቶም ብዘለዎም ከባቢያውን ስጋውን ቅርበት ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ነቲ ውልቀ-መላኺ ሓልዮሙሉ ዘይኮኑስ፣ ነንሕድሕዶም ኣሕሊፎም ንኸይወሃሃቡ ጥራይ፣ ካብቲ ካልእ ከም መቐናቕንቲ ዝርእዩዎ ወገን እናሰግኡ፣ ንዝኾነ ምልዕዓል እናጨፍለቑ፣ ከምቲ ዘለዉዎ ክነብሩ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ዕልዋ ምግባር ወይ መንግስቲ ምእላይ ማለት፣ ምቕታልን ምእሳርን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን መኮነናትን ናይቲ ስርዓት ማለት ኢዩ። እቶም ትዓልዎም (ትቐትሎምን ትኣስሮምን) ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ደቂ ዓድኻን ኣዝማድካን እንተ-ኾይኖም ድማ፣ ካብ ክትዓልዎም – ክትቀርቦምን ክትሕልዎምን ይምረጽ። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ንኣዝዮም ውሑዳት ግን ከኣ ኣዝዮም ዝቀራረቡን ነንሕድሕዶም ዝተሓላለዉን መኮነናት ሒዙ፣ ቀሲኑን ተዛንዩን ዝነብር። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ ህግደፍ፣ ልክዕ ከም ንጉሳዊ ስድራ-ቤት ክሳብ ንሓወቦን ወዲ-ሓዉን ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዕድል ስርዓት ዝኾነ። ድሕሪ’ቲ ጥንቁቕ ሕርያ መኮነናትን ሰበ-ስልጣንን ዘሎ ሚስጥር እምበኣር እዚ ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ብዛዕባ ጸይቅታት ናይቲ ስርዓት ብዙሕ ዝዛረቡ፣ ‘ብኸመይ ይተኣለ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ ግን ማንታ ሓሳብ ዝህቡ ምሁራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር ደቂ‘ቲ ከባቢ’ውን ጸገሞም እዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኢዩ።

እቲ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ፣ ኣብ ልዕሊ ወዲ ዓሊን ጉጅልኡን ዝተራእየ መዘና ኣልቦ ጥልመትን፣ ድሕሪኡ በቲ ጠላም ጉጅለ ዝተዋህቦ ስምን (ናይ ኣስላም ምልዕዓል ኢዩ ዝብል) ‘ካብዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ። ብሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ‘ብጀነራላት ዝተወደበ ወታደራዊ ዕልዋ ክግበር’ ዘለዎ ተኽእሎ ‘ፍጹም ዘይከኣል’ዩ (impossible)’ እኳ እንተዘይበልኩ፣ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ ግን ከብርህ እፈቱ። ነዚ ኩነታት’ዚ ድማ ብጥንቓቐ ኢዩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ ዋላ’ውን ቅድሚኡ፣ ነቶም ኣብቲ ሰራዊት ኣብ ሓልፍነት ዝነበሩ ተወለድቲ ናይቲ ካልእ ከባቢ፣ ብደርዘናት ጠርኒፉ ካብቲ ወታደራዊ መሪሕነት ከባርሮምን፣ ኣብ ተራ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ክሰኹዖምን ጸኒሑ። ብዛዕባ’ዚ ነቶም ኣብ ስደት፣ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ናይ ኮሎኔል ማዕረግ ወይ ተመሳሳሊ ስልጣን ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓቲትካ ምርግጋጽ ይከኣል ኢዩ።

ሕጂ’ውን ደጊመ ከነጽሮ ዝደሊ፣ እዞም ውሑዳት ሰብ ድሩራ፣ ንህዝቢ ናይቲ ዝተወልድሉ ከባቢ፣ ብጭቡጥ ዝረአ፣ ሓለፋ ካልእ ከባቢ ዝገበሩሉ ጉንዖ የለን። ህዝቢ ናይቲ ከባቢ’ውን ‘ዓድና ዝበዝሑ ጀነራላት ወይ ኮሎኔላት ኣለዉዋ’ ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ብውሽጡ ዝያዳ ካልኦት ኣሕዋቱ ሓለፋ ዝጽበ ህዝቢ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዝኸውን ነይሩ፣ እቲ ህግደፍ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝወልዖ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ኲናት ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና መኺኑ ኣይምተረፈን። ኣነ’ውን ነዚ ክጽሕፍ ከለኹ፣ ንስዉር ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት ንምቅላዕን፣ ህዝቢ ነቲ ሽርሕታት ከም ዝካታዓሉን ዝዘራረበሉን ንምግባር ድኣ’ምበር፣ ነቶም ኣብ ጎነይ ዝተጋደሉን ዝተሰውኡን፣ ገና’ውን ዝቃለሱ ዘለዉ ብጾት (ደቂ‘ቲ ከባቢ) ናብዚ ደረጃ’ዚ ንምውራድ ኣይኮነን።

ሳዕቤን፦ እቶም ናብ ሓላፍነት ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ዝተመርጹን ብዓዲ ዝቀራረቡን እንተድኣ ኮይኖም፣ በቲ ካልእ ወገን’ውን ተመሳሳሊ ብቕዓት ዘለዎም ተወለድቲ ካልእ ከባቢ/ ብሀር ወይ ሃይማኖት፣ ካብቲ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝውገኑ ስለ ዝህልዉ፣ ፖሊቲካዊ ውደባ ናይታ ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብ ስነ-ሓሳብ (ideology) ዝምርኮስ፣ ሃይማኖታውን ብሀራውን መልክዕ ዝተሓወሶ፣ ናብ ናይ ከባቢታት ህልኽ ይልወጥ። ምኽንያቱ ገለ ወገን ብሳላ’ቲ ዝሓዝዎ ስልጣን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ሕልፊ ካልኦት ክጥቀምሉ ከለዉ፣ እቶም ካብቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝተወገኑ ከባቢታት ድማ ማዕረ ተጠቀምቲ ሃብቲ ሃገር ንምዃን ክቃለሱ ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ነቶም ሰብ ሓለፋ (political elite) ብዝያዳ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ሓሪሱን ሸቂሉን ዝነብር ተራ ህዝቢ ኣብቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ስለዘእትዉዎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውልቀ-ሰብ ንብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ንብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዝገዝእ ወታደራዊ ስርዓት’ሞ ከኣ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ሳዕቤኑ ኣዝዩ ዓሚቚ ኢዩ።

ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ወታደራዊ ኢዩ። ነቲ ወታደራዊ ስርዓት ዝመርሕ ከኣ፣ እቲ ባዕሉ ናይ ፕረዚደንት ማዕረግ ዝሰቐለ ውልቀ-ሰብ ኢዩ። ንሱ ‘የገልግሉኒ ኢዮም’ ንዝበሎም ውልቀ-ሰባት፣ ጀነራል ወይ ሚኒስተር ገይሩ ክሸሞም ከሎ፣ ነቶም ዘየርብሕዎ (ወይ ዘስግእዎ) ድማ የባርሮም፣ ይኣስሮም፣ ይቐትሎም። ስለዚ ናብቲ ንብምሉኡ ጸጋታት ናይታ ሃገር ከም ድላዩ ዘመቓርሕን ዝውግንን ፕረዚደንት እናቀረብካ ክትከይድ ከለኻ (እዚ ከኣ፣ ንዕኡ ብእትህቦ ኣገልግሎት ወይ ብመሳልል ናይ ስልጣን፣ ወይ’ውን ብኽልቲኡ መንገዲ ክኸውን ይኽእል)፣ ኣጻብዕትኻ ኣብ ምምንዛዕ ሃብቲ ሃገር ክዋስኣ ዝቐለለ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጀነራል ምዃን ማለት ተራ ወታደራዊ ስልጣን ኣይኮነን። ከከምቲ ናብቲ ሃብቲ ሃገር ዝውንን ፕረዚደንት ዘለካ ቅርበት፣ ተኻፋሊ ጸጋታት ናይታ ሃገር ምዃን ማለት ኢዩ። ንጉልበት ናይቲ ኣብ ትሕቴኻ ትእዝዞ ሰራዊት፣ ነዳቓይን ሚነዋለን ኮይኑ ናይ ውልቅኻ ገዛውቲ ከተስርሖ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ዝተፈላለየ ኣስማት እናሃብካ ኣብ ዓበይቲ ሕርሻታት ከተስርሖን፣ ብዛዕባ እቶት ናይቲ ዘፍረዮ ግን ከም ዘይሓትትን ኣፉ ከም ዝዓብስ ክትገብሮን ምኽኣል ማለት ኢዩ። ናይ ዓድታትን ውልቀ-ሰባትን መሬት መንጢልካ፣ ኣብ ደስ ዝበለካ መዓላ ከተውዕሎ ምኽኣል ማለት ኢዩ። መካይንን ንብረት መንግስትን፣ ብዘይ ገደብ ብግልኻ ክትጥቀመኩ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ካብ ሕግታት ግምሩኽ ወጻኢ፣ ብዓበይቲ ወታደራዊ መካይን ንሸቐጥ ዝኽውን ንብረት ከተመላልስ ምኽኣል ማለት ኢዩ። ንዘይተደልዩ ሰባት ብትሕጃ ንዓመታት ክትሕይሮም ምኽኣል ማለት ኢዩ። ሎሚ ጀነራላት ኤርትራ፣ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ከፍርሱ፣ ክእዝዙ፣ ክእግዱ፣ ከባርሩ ስልጣን ኣለዎም። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ጀነራላት ካብ ሓደ ከባቢ ምስ ዝኾኑ ድማ፣ እቲ ኩነታት ካብ ተራ ፖሊቲካዊ ሕቶ፣ ቀስ እናበለ፣ ናብ ‘ተበዲልና’ ዝብል ስምዒትን፣ ከባቢያዊ ጽልእን ቅርሕንትን ክምዕብል ዝቐለለ ኢዩ።

ብኸምዚ ድማ እቶም ውሑዳት ሰብ- ሓለፋ፣ እሞ ከኣ ደቂ ሓደ ከብቢ ብዓብላሊ ደረጃ ሰበ-ስልጣናትን መኮነናትን ብምዃን ዝቆጻጸርዎ መንግስቲ፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ደስ ብዝበሎም መንገዲ ኣብ ውልቃዊ ረብሕኦምን ጥቕሚ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን ከውዕልዎን ከባኽንዎን ከለዉ፣ እቲ ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ፋሕ ኢሉ ዝነብር ተወላዲ ዝተፈላለያ ብሀራትን ኣውራጃታትን ድማ፣ ካብ ጸጋታት ናይታ ሃገር ርሒቑ፣ ጓናን ተዓዛብን ኮይኑ ክነብር ይግደድ። እቲ ውልቀ-መላኽን ተኸተልቱን ድማ፣ እዛ ረብሓ’ዚኣ ንኸይትኸዶም፣ ነቲ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ህዝቢ ዘሎ ካልኣውን ዘይመሰረታውን ግርጭታት እናኣባልሑን (ነዚ ድማ ብዙሕ ገንዘብ የፍስስሉ ኢዮም) ኣብ ነንሕድሕዱ እናተሃላለኸ ከም ዝነብር ይገብሩ። ገለ ካብዚ ዝተጠቕሰ ሎሚ ዘይክረአ ይኽእል ይኸውን። ስርዓት ህግደፍ ብኸምዚ ሒዙዎ ዘሎ መንገዲ ክኸይድ ግዜ እንተ-ተዋሂቡዎ ግን ግድን ክህሉ ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ህዝብና ኣቐዲሙ ክፈልጦን ክጥንቀቐሉን ዘለዎ።

እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?

ክሳብ ሕጂ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ዕላምኡን ሳዕቤኑን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ንገለ ካብ በሰላታቱ ከም ኣብነት ከቕርብ ኢየ።

… ይቕጽል

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • hanti Ertra December 8, 2013

    ab mewedatus hamasien zeybila ertra kinmisrt kitibil ika mesleni. who are these generals that you are refering to now and then? and what is their relevance to the ordinary Hamasienay mr Tadese? trust me nothing nothin nothing! any way accept the hatred from many Hamasien…………..i could read b/n lines and i am able to see your ambigue message….try to come up with new and creative idea for a radical change that ousts HIGDEF……you are teaching me new lessons on how to handle people like u….i advise you to struggle for unity and bringing a forum of rule of law in Eritrea….then we can bring all criminals in the court of law…

    • Haile Zeru December 8, 2013

      Tadesse acounts are his experiences which corrispond to the accounts of many people who have similar experiences. If the wrong doer is Hamassenay, well no need to be politacally correct about it. Instead of being against Tadesse you should be against the bad story that he is detailing. You should be against the bad behaviour and individuals that he is explaining in detail.

    • lilay December 8, 2013

      hi hanti eritrea, i think you need to understand tadese he is up to. He is not against of any region. look his introduction… ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ። and then…እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ” … you want more እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ከም ፖሊሲ፣ ንህዝቢ’ቲ ዝተወሰነ ከባቢ ይኹን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ውልቀ-ሰባት ንምርባሕ ተባሂሉ ዝተመርጸ ኣገባብ ኣይኮነን። ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ዓቢ ረብሓ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት (እቶም ጀነራላት) ብተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ዝተዓብለለ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ከም ሓደ ጉጅለ፣ ምስ ተወለድቲ ናይ ካልእ ከባቢ፣ ብሀር ወይ’ውን ካልእ ሃይማኖት፣ ኣብ ህልኽን ውድድርን ይኣቱ። ስለዚ ዋላ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሞ ኣመራርሓ፣ ጸገማትን ዘየሰማምዖ ነገራት’ውን እንተለዎ፣ ዋላ’ውን ነቲ ስርዓተ-ምምሕዳር ብዓንዳ-ርእሱ ዘይቅበሎን ዘይኣምነሉን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ‘ወገነይ፣ ናተይ’ ዝብሎ ጉጅለ፣ ክሳብ ዕልዋ ዝበጽሕ ተጻባኢ ስጉምቲ ክወስድ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ክሕደት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዖ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ’ቲ ዝርእዮን ዘጋጥሞን ጸገማት ከም ቅቡልን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘጋጥም ግዝያዊ ምጉንፋጥን ጥራይ ወሲዱ፣ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ዝፍትን። if you don’t understand this, you are one of the pfdj who can’t accept the reality.

    • MightyEmbasoyra December 8, 2013

      hanti Ertra,
      Actually, you should be happy and appreciate this article. Reason: he is telling you these “individuals” do not represent their “Kebabi’s” people. The farthest they can go (if any) is to their closest family members or friends. On the contrary, they are giving bad names to their villages (to the ordinary people) and Tadesse is telling you, it is nothing to do with their vilages/kebabis/or districts.
      I can tell you one thing about one of these useless, criminal generals – that is of 2nd cousin to my best friend. He is very ashamed of him. When we get together with some of our close friends and family members, this guy is always on the discussion. He is ashamed of him but he has nothing to do with that criminal. I wouldn’t even blame his immediate families.
      If you stay on the subject (by being neutral), we hopefully see Ato Taddesse’s point (if you still haven’t yet).

  • ተወልደመድህን December 8, 2013

    ጽቡቕን ውሕሉል ኣጸሃሕፋ።ውሕሉል ሚዛን ምስ ግምት፡ካብ ተመኩሮኻ ተበጊስካ ካልእ ጽሑፍ ከተዳሊ ይምሕጸነካ።ካልእ ዝላበወካ፡ነቶም ከም ናታካ ኣፍልጦን ዓቕምን ዘለዎም ግን ብከይንበሃል ይኹን ወይ ብገለ ስግ ኣታት ዘለዎም ነጻነቶም ዝቐትሉ ዘለው ከኣ ነጻ ምዃን ማዕረ ክንደይ ክተፍሪ ከምዝኽእል ክትሕብሮም ካብ ፍርሒ ወጺኦም ከፍርዩ ክትሕብሮም ይላበወካ።ንስካ ካብ ዝሓበርካዮ ታሪኽ ተበጊሱ ንቕድሚት ዝኸይድ ኣተሃሳስባኡ ዘግፍሕ’ምበር ኩናትን ጉራደን ኣልዒሉ ሕነ ክፈዲ ዝብገስ ኤርትራዊ የለን።ሕነ ኡ ምስ ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ።እቶም ዝሰመኻዮም ሰባት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለው፡መሓለው ስልጣን ይጥቀመሎም ከምዘለው ዘይምፍላጦም ጥራሕ’ዩ ጌጋኦም፡እዚ ከኣ ከም ሰብ መጠን ስልጣን ይኹን ኣብ ቃልሲ ጸኒሕካ ኣብ ድኻ ሃገር ገንዘብ ምሓዝ ንኹሉ ዘታልል’ዩ።እቲ ጌጋ ነቶም ውልቀሰባት’ምበር ንዓዶምን ከባብን ዝውክል ከምዘይኮነ እቶም ደቂ ዒይስራ ኤርትራውያን ይርድ እዎ’ዮም።ስለዚ ገለ ሰባት ካብዚ ኣርእስትካ ተደፋፊኦም ዘድልን ዘየድልን ይጽሕፉ’ዮም።ስኽፍታ፡ስግ ኣት….ካልእን።ግን ክልተ ደሊኻ ኣይክየድን’ዩ፡ለውጢ መጺኡ ንቕድሚት ብምትእምማን ክንጓዓዝ እንተኾይኑ መበገሲ ናይዚ ዘሎናይ ጸገም ተጸኒዑ ተዘሪቡሉ ምትእምማን ምስተፈጥረ ጥራሕ’ዩ።ስለዚ ካብቲ ብዙሓት እንታይ’ዩ ጸገምና ኢሎም ዘይመለሱዎ ሕቶ፡ዝምልሽ ስለዝኾነ ጽሑፍካ ስኽፍ ኣይበልካ።

  • hanti Ertra December 8, 2013

    you are making me to visualize the martyrdom of my uncles from both sides under Shaebiya and jebha,,,,,,and the present harsh life of my grand parents …..in hamasien

  • Haile Zeru December 8, 2013

    Selam Tadesse Kidane,

    I hope you are well and good. I think you are one of the few who took the veil that was put in your mind by EPLF-EPFDJ. Your account is so correct. My brother joined EPLF in 1976. He fought till the last day. He walked to Asmera leading his coleagues thru Adi-rosso, maihabar, and up the mountain to Asmera west of Bet gergis.
    He has plenty of bomb and bullets in his body. According to his friends he was one of the finest fighters.
    In 2001 we invited him to come abroad for medical treatement (paid by ourselves) for his wounds and to extract the pieces of metal that are in his body. It took more than six months to grant him an exit vis.
    Just before the war 1998-2000 they asked him to fill his “ornic” so to assign him military rung.

    Hi filled the form and witness were called and interviwed about the truthfullnes of his accounts (“ornic”). My understanding is that it did not sit well with the skim you detailed. They did not want to give him the military rung. So what they did is they did not give him the rung but they were paying him the salary of the same rung. But they left him at home (Frozen). They did not let home go either (mFnaw). Obiously if your rung is above or at the colonell level your relashinship as you detailed them are more important than your military valor. He was wondering how incompetent the Eritrean military leaders were during the last war.

  • Haile Zeru December 8, 2013

    Please read “bomb splinters” in his body and not “bombs in his body”

  • Zaul December 8, 2013

    If we have a dictatorship, would it make it less of a dictatorship, if the high ranking military officers came from all sections of Eritrean society?

    smh

  • Mehari December 8, 2013

    Isayas needs scare crow like you he wiil promote you to a general to rule zoma makel you are doing a good job for him you are prolonging his rule.it is not only you there are a lot bigots like pro and anti.you morons and retards you want to divide this small nation to peaces.morons like you like the flow of blood nomre blood yo drain thanks to you kebedsa racism.

  • Letina Habtom December 8, 2013

    Ato Taddesse I have been reading carefully without biases since you started posting your text. Now I am scared where you are driving at for you don’t seem for the good cause of this already dying country. This time Eritrea requires united people to save the situation you put in not united EPLF as you are not better than the dictator you created. Like ayaka divide and rule, for this small country with a population of not more than 5 million, are you not ashamed to blame the dictator and his followers by region. Be wise Like Gigna Tesfai Temnewo, for he said at different time the dictator use people from different region for his cause. God Save Eritrea.

  • Negash Isaac December 8, 2013

    Ato Tadesse ,we never had regional or provincial problems, I t is only Isaias Afewerki strategy divide and rule ( divide’ et impera) inorder to consolidate and prolonging his power.He is using this satanic outdated used by for former colonisers and selling to fools blind followers.

    • ተወልደመድህን December 8, 2013

      ዝኸበርካ ነጋሽ ……….ናትካ ኣዘራርባ ናይ ውርዙይን ሓቀኛ ኣዘራርባ’ዩ።ኢሳያስ ዚጥቀመሉ መስርሕ’ዩ።ብዘይካኡ ኩሎም መለኽቲ ከፋፊልካ ግዛእዩ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖም።ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣውራጃውነት ዚ ኣምን ህዝቢ ኣይኮነን።ገለ ን ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል እንተሎ ከኣ፡ካብቲ ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ተወሲኑ፡ከባቢኡ ስለዝዕንግሎ ናብ ካልእ ኣቢሉ ምንቅስቃስ ስለዘይፈልጥ፡ካብዚ ገለ ጽልዋታት ኣይሰኣንን።እዚ ግን ናብ ሓደ ሃገራዊ ማለት፡ወዲ ሰራየ ኣከለ ጉዛይ ከይዱ ምስ ደቂ ኣከለ ምስሰርሀ፡ወዲ ሰንሒት ሰራየ ከይዱ፡ደንከላይ ምስ ደቂ ሓማሴን፡ኮታስ ስራሕ ብዝፈጠሮ ምስ ህዝብታትን ካልእ ተሃናፊጹ ኣብዝሰርሃሉ ዝሃስስ ናእስቱ’ዮም ጸገምና።ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ፡ኣብ ባጽዕ ኣብ ሃደ ካንሸሎ ወዲ ሃምሴን ምስ ወዲ ሰራየ ወይ ከኣ ምስ ወዲ ኣከለ ተቐሚጦም’ዮም።ኣብ ሱዳን ሳሆታይ ምስ ወዲ ሰራየ ኣብ ካንሸሎ ይነብሩ ኔሮም’ዮም።ኣብ ባረንቱ ዝተፈላለዩ፡ኣብ ኣቑርደት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታ ዚመጹ ህዝብታት ዚነብርሉ’ዩ።ኣብ ተሓኤ ዝተፈላለዩ ብሓደ ይከዱ ኔሮም።ኣብ ህግ’ውን ከም ኡ’ዩ።ስለዚ ከምህዝቢ ገለ ካብ ጉድለት ምዕባለን ኣመራርሓን ዚመጹ ገለ ሕማቕ ኣዘራርባታት እንተለው ክንድዚ ጸገማት ዘለዎም ኣይኮነን።እቲ ኔሩ ዝብሉዎ ጸገም፡እቲ ናይ ቀደም ናይ ጸወታ ኩዕሶ ናይ ኣከለን ሓማን ዚነበረ ምጭርቻር’ዩ።እዚ ኣገባብዚ ኣብ ውድብ ህግ ጸገም ኣየምጸአን።እቲ ጸገም ዝኾነ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዚዓበየ ኢሳያስ’ዩ ኣብ ህግ ዘተኣታተዎ ኣሰራርሓ’ዩ።ኣብ ውድብ ህግ ከምዚ ዚኣመሰለ ክዝንቶ ከሎ ከኣ እቲ ኣመራርሃ ዘይግደሰሉ ወይ ኮነ ኢሉ ኣተኣታቲዩዎ ማለትዩ።እቶም ዝሕረዩ ወይ ዝተኣኻከቡ ዘለው ዚሓረዩዎ ኣይኮነን።ስለዚ ታደሰ ከምዚ ኔሩ ክብል ከሎ፡ታሪኽ፡ኢሳያስ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገበሮ ብልሽውናን ሰባት ምትእምማን ዝከል ኣ ንምግላጽ ደኣሉምበር5 ንዑ ተላዓሉ ኣይበለን።ኣነ ከምዝርደኣኒ ብዙሓት፡ኣፍልጦ ዝጎደሎም ሃድነት ይብሉ።ሓድነት’ኮ ሰራዊት ኣብዚሕካ፡ብተንኮልን ዕበጦ ዕበጦ ኣይከይድንዩ።ከም ኡ እንተዝከውን ኅብረተሶቭየት እኹል ኣጽዋርን ሰራዊትን ዚነበራ ካብተን ሃያላን ደንበ’ያ ኔራ።ዩጎዝላቪያ ካብተን ቁርስርስ ዚበላ ሀገራት ሃንቲ’ያ።ኣብቲ ግዜቲ እኹል ኣጽዋርን ሰራዊትን ዚነበራ ሃገር ዩጎዝላቪያ ካብ ምምቕቃል ኣየድሃናን።ናይ ዩጎዝላቪያ ጉዳይ ኣቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ደቂ ሰርቢያ ዝበሃሉ’ዩ ኔሩ።ኣብ ሄርዞጎብንያ ዝተባህለ ቦታን፡ኣብ ኮሶቮን ዚተኻየደ ግፎን መቕተልትን ካብቶም ደቂ ሰርቪያ’ዩ ተፈጺሙ፡ምኽንያቱ ንሳቶም ኣዚ ግፍዒዚ ክፍጽሙ ንሃድነት ሃገር ኢሎም’ዮም።ኅብረትሶቭየት ነቲ ሃድነት ክሕልው ንነዊሕ ኦኣመት’ዮም ብውሽጢ ውሽቲ ተሓቒኖም።እቲ ውሽጢ ውሽቲ ከኣ ነቲ ዚነበረ ምቕንጻል ግፍዕዊ ኣሰራርሃ ማርክሳውያን ንምዕባጥ ዝተገብረ’ዩ።ስለዚ ሓድነትና ዝሕሎ፡ሎሚ ተረዳዲእና ከምዚ ታደሰ ዝብሎ ብሕቡእ ሕቧ ዝካየድ ምስዘተናሉ ጥራሕ’ዩ።እዚ ጽሑፍዚ ናብ ግጭት ዘእቱ የብሉን።እቲ ግጭትውን እቶም ስልታን ሒዞም ዝጸንሑ ኣንታይነቶም ክዓብጡ እንተደለዩዎ ዝስዕBኦም የለን፡ምኽንያቱ ኩናት ሕድሕድ ህዝቢ ዘይደልዮ ድሌት ውሑዳት ሰባት ምኳኑ ህዝቢ ኣኤርትራ ተማሂሩሉ’ዩ።ጸገም ህዝቢ ኣኤርትራ ኣውራጃውነት ኣምነት ዘይኮነ ኢሳያስ ዝመርሖ ህግደፍ ጥራሕ’ዩ።

  • aygdin December 8, 2013

    Kab himak zgebruka hmak zmhruka ygedid . Haw Tedesse with his limited personal experiences,background, and
    perceptions is making statements, judgements, accusations, that have no bearings on how our societies interact in general on their daily life. His accounts are his and his only and many of us are aghast at his generalizations. I am not saying it did not or may not happen. But, it is blown out of proportion and it is completely counterproductive at this stage. Yes, there are many, many inequalities that we need to address on many facets in our societies. Yes, the ‘status quo’ needs to be changed , but to harp summarily is dangers to say the least. This is what I call ‘bkeLa’ imo aygdn Kubur Tegadalai Tadesse. ai bEdna aibEgrna nBzuhat lekakimkana. Nlebam amtelu iyu.

    nSelam nSrah kSeltena.

    m

    • GM December 8, 2013

      Stop beating around the bush aygdin,

      Assuming that you have unlimited personal experiences and background, please give us your and your only analysis to counter Taddese’s statements.

      Please enlighten us.

1 2 3

POST A COMMENT