Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን – ውልቃዊ ትዕዝብቲ (ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም)

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም                      መበል 11 ክፋል         30/11/2013 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 11 ክፋል         30/11/2013

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ 10ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ፦  …

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት እቶም ብስምና ወይ ብሳጓና ጥራይ ንፋለጥ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ “ስድራ ከመይ ጸኒሖሙኻ? ወለድኻ ብህይወት’ዶ ኣርኪብካዮም…?” እናበልካ ኩነታት ቤተ-ሰብ ሓድሕድ ክትተሓታተት፣ ናብቲ ገጠራት ንምምልላስ ዝነበረ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ድማ “ዓድኹም ቀረባ’ድዩ ርሑቕ? መካይን ይኣትዎኦ ድየን?” ዝብሉ ሕቶታት ክስዕቡን ባህርያዊ ኢዩ። እቲ እዋን እምበኣር እቶም ንነዊሕ እዋን ንቀራረብ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ ዳርጋ ንመጀመርያ ግዜ ክበሃል ይከኣል፣ ብዛዕባ ስድራ-ቤትናን መበቆል ዓድናን ዓው ኢልና ከነዕልልን ክንዛረብን ዝጀመርናሉ እዋን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ከባብን ዓድታትን ናይቶም ሓደስቲ ናብ ሓላፍነት ዝደየቡን፣ ካብ ዝነበሮም መዝነት ደው ዝበሉን ሓለፍቲ።

ገለ ካብቶም ናይ ኣውራጃታት ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ተጋደልቲ፣ ቅድሚኡ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሰሪሖም ዘይፈልጡ ስለዝነበሩ፣ ምስ ብዙሓት መማህራን (ብፍላይ ተጋደልቲ) ኣብ ሕቶ ምደባን ካልእን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ቆይቚን ክኣትዉ ይረኣዩ ነይሮም። እዝከረኒ ሽዑ እዋን “ምስ እገሌ ኣይሰርሕን ኢየ፣ ናብዚ ቦታ’ዚ ኣይከይድን ኢየ…” ዝብሉ መማህራን ኣብ ኮሮድዮታት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብብዝሒ ይረኣዩ ነይሮም።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። እዞም ሓደስቲ ዝተሾሙ ሓለፍቲ (ንኣብርሃም ተኽለን ወልዱ በርሀን ገዲፍካ) ኩሎም ካብ ሓደ ኣውራጃ ብምንባሮም፣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቶም ተጋደልትን መማህራንን ንኣውራጃዊ ምጥርናፍ ብዝምልከት፣ ካብ ትሒምሒም ሓሊፉ ዓው ኢልካ ምዝራብ ስዒቡ። እቲ ቅድም ክንጽመሞ ዝመረጽና፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ክድገም ምስ ረኣናዮ ግን ዝያዳ ቁጥዐን ዘይርግኣትን ኣስዒቡ ኢዩ። ካባና ሓሊፉ ናብ ናእሽቱ ኣሕዋትና ክሰግር ድማ ግቡእ ኣይነበረን። ንክብደት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒታት ብቓላት ናይ ሓደ ሰብ ክገልጾ ዝሓሸ ይመስለኒ።

እቲ ግዜ ን3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ምድላዋት ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ንኣባላት ሚኒ/ትምህርቲ ወኪሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት ንምምራጽ፣ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ኣብ ኣዳራሽ ሚኒ/ትምህርቲ ተኣኪብና። ሚኒስተር በራኺ ኣብቲ ኣኼባ “ብምሉኦም ህልዋት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዘይ ምርጫ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም” ምስ በለ፣ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ናጽነት ከም ሓላፊ ናይ ሓንቲ ዞባ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ሓድሽ ውደባ ግን ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ከምዚ ዝስዕብ መሊሱሉ፦

  “…እዚ ዝጸንሐ ማእ/ሽማግለ ብኣውራጃውን ወገናውን ኣሰራርሓ ክኸፋፍለና ስለዝጸንሐ፣ ብምሉኡ ወሪዱ፣ ንብምሉኡ ተጋዳላይ ዝውክል፣ ሓድሽ ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ኢና እንደሊ..” ኢሉ ድሕሪ ምዝራቡን፣ ሚኒ/ በራኺ ድማ “… ከም ርእይቶ ነሕልፎ” … ዝብል መልሲ ምሃቡን ጥራይ ዕርገት ናይቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ብቐሊሉ ንምግማት ይከኣል።

ክብ ኢልና ከም ዝረኣናዮ፣ እቲ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝተራእየ ኣወዳድባ፣ ምስቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51ን 58ን ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣተኣሳሲርካ ክረአ ከሎ፣ እዞም ኣብ ክልቲኡ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ብዋጋ ካልኦት ብጾቶም ዝተሾሙ ሓለፍቲ፣ ነቲ ከባቢያዊ ምጥርናፍ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ (ብፍላይ እዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ) ንብዙሓት ሰባት ንኹሉ’ቲ ኣብቲ ውድብ ቅድሚኡ ዘሕለፍናዮ ተመክሮን ፍጻሜታትን ተመሊስና በብሓደ ክንግምግሞ ደሪኹና ኢዩ። እቲ ኣሰራርሓ እምበኣር፣ ንነዊሕ እዋን ‘ብዛዕባ ዓዲ ምዝራብ ነውሪ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ተጎልቢቡ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ኢዩ።

ብወገነይ ዋላ’ኳ ሓደ ካብቶም ኣብ 1992 ዓ.ም ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ዕድል ዝረኸብኩ፣ ግን ከኣ “ተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ የብሎምን” ብምባል ዕድል ስለዝተኸላእኩ ኣብ ክቱር ስምዒትን ባእስን ኣትየ’ኳ እንተነበርኩ፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቁርቁስ ግን ኣይነበርኩን። ስለዚ እቲ ሽዑ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝነበረ ምደባ ናይ ሓለፍቲ ይኹን፣ እቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርገድ 51 ዝነበረ ምደባ፣ ብቐጥታ ብውልቂ ዝምልከተኒ ኣይነበረን። እዞም ሓለፋ ተገይሩሎም ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ሰባት፣ ንሳቶም’ውን ነቲ ኣሰራርሓ ንታሕቲ ገጹ ከም ዝወርድ ክገብርዎ ዝሰርሕሉ ምዃኖም ርዱእ ይመስለኒ። ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ ኢዩ፣ ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣውራጃዊ ስምዒት መሰረት ዝኾነ።

ብዛዕባ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ቁሩብ ክዛረብ፦ እቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወለዐ ኲናት ደው ምስ በለ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ዘልዓልዎ ሕቶ ተስፋ ምስ ሰኣኑሉን፣ ብዙሓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠሩ፣ ካብ ሃገር ክወጹ ክበላሓቱ ተራእዮም። ንባህርያት ናይቲ ውድብ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሚ/ር በራኺ ግን፣ ምእንቲ’ቲ ዘልዓሎ ሕቶ ዝለዓለ መስዋእቲ ንምኽፋል’ዩ ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ። ከም ዝበሃል’ውን (ሓቅነቱ ብሕጂ ዝረጋገጽ) “ከምዝን ከምዝን ኢልካ እንተ-ተዛሪብካ፣ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺእና ናብ ቦታኻ ክንመልሰካ” ተባሂሉ ከም ዝተለመነ’ውን ሰሚዕና ኢና። በራኺ ድማ “ኣነ ህዝባውን ሓባራውን ሕቶ’ምበር ውልቃዊ ጸገም የብለይን” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ ተነጊሩና። ስለዚ እዚ ሕጂ በራኺ ፈጺሙዎ ዘሎ ተወፋይነትን መስዋእትን፣ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንምዕዋቱ ንቃለሰሉ ዘለና ስለዝኾነ፣ ብዝኾነ መልክዑ ዝንቀፍ ኣይኮነን። እንተኾነ ታሪኽ፣ ታሪኽ ዝኸውን፣ ቦታን ግዜን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባትን ብንጹር ምስ ዝቐርቡ ጥራይ ኢዩ። ስም በራኺ ኣብዚ ምግላጹ እምበኣር፣ ነቲ ዘቅርቦ ዘለኹ ኣርእስቲ ንጹር ስእሊ ንምሃብ እምበር፣ ነዚ ሕጂ ፈጺሙዎ ዘሎ መዘና ኣልቦ ተወፋይነትን ጅግንነትን ብዝኾነ መልክዑ ዝብውዝን ዘህስስን ከም ዘይኮነ ኣንባቢ ክርድኣለይ እደሊ።

“ድሕሪ ናጽነት ብኸምዚ ክኸዱ እንተፈቲኖም ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ”

ሓደ መዓልቲ ንሓደ ቅድመይ፣ ቅድሚ 4/5 ዓመት ዝተጋደለ፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ደሓን ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓርከይን መተዓብተይን ጸዊዐ፣ ንኹሉ’ቲ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎን፣ ካልእ ኣብዚ ክጽሕፎ ዘይደለኹን ፍጻሜታት ብዝርዝር ገሊጸ፣ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘… ከምዚ ኢሎም ኣብቲ ውድብ ላዕለዋይ ኢድ ክሳብ ዝሕዙን፣ ሰባት እናመረጹ ብብዝሒ ንደቂ ከባቢኦም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክሰቕሉን ከለዉ እንታይ ትገብሩ ነይርኩም? ንስኻ ኣብ 1974/75 ተሰሊፍካ፣ ሽዑ ነዚ ኩነታት’ዚ ተዓዚብካዮ’ዶ? ብንጉሁኡ ንምግትኡ’ኸ ተፈቲኑ’ዶ?…” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣዝነብኩሉ። ንሱ ንገለ እዋን ዝን ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፦

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ። ንስኻ ሎሚ ኢኻ ትዛረበሉ ዘለኻ። ንሕና ግን ሽዑ ናብቲ ውድብ እትው ምስ በልና ኢና ነቶም ቅድሜና ዝተሰለፉ ላዕለዎት ካድረታት ሓቲትናሉ። ሕጂ’ውን እቶም ቅድመይ ኣብቲ ውድብ ዝጸንሑኒ ገዳይም ተጋደልቲ ዝሃቡኒ መልሲ ጥራይ ኢየ ክህበካ። እቲ ሽዑ ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ…” ይብል’ሞ ነቲ ቅድም ተነጊሩኒ ዝበሎ ብኸምዚ ይገልጾ። “’እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ ኢዩ። ኣዘንጊዖሙና ኢዮም። ሕጂ ግን ኣውራጃና ተበዲሉ፣ ንስኹም ጥራይ ሓለፍቲ ትኾኑ ኣለኹም’ ኢልካ ምክርኻርን ንዕኡ ክተስተኻኽል ምፍታንን፣ ተመሊስካ ኣብቲ ናይ 60ታት ኣውራጃዊ ምምቕቓል ምምላስ ኢዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምቕቓል ዝኸስብ ድማ ስርዓት ደርጊ (ጸላኢ) ጥራይ ኢዩ። እቲ ዝኸስር ድማ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ። እዚ እንርእዮ ዘለና ኲናት ድማ ሓላፍን ተራን ከይበለ ንኹልና ዝበልዓና ኢዩ ዝመስል። ካብ ገዛና ክንወጽእ ከለና’ውን፣ ብመስዋእትና ሃገርና ነጻ ከነውጽእ እምበር፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቀርቊስ ክንኣቱ ኣይነበረን። ስለዚ ሕጂ ኩሉ ኣድህቦና ናብ ጸላኢ ገርይና ሃገርና ነጻ ንምውጻእ ንቃለስ፣ ሃገርና ንምርካብ ንሰዋእ። እቲ መስዋእቲ ንዓኣቶም’ውን ዝተርፎም ኣይኮነን። ምናልባት ውሑዳት ናጽነት ዝርእዩ እንተሃልዮም’ሞ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብኸምዚ ሕጂ ዝኸድዎ ዘለዉ ክኸዱን ሰብ ክፈላልዩን እንተፈቲኖም፣ ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ምፍልላይ ዝቕበል ህዝቢ ኣይኮነን። ንሕና ድማ እምነትና ኣብ ህዝቢ ገርና ንኺድ። እቲ ዝተረፈ ንህዝቢ ንግደፈሉ፣ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሰሉ ይሓይሽ…’ ዝብል ኢዩ። ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ውደባ’ውን ኣሎ። እቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ ነዚ ይመስል። ንዕኡ እኣምን፣ ንዕኡ መሰረት ገይረ ድማ ክሳብ ሎሚ እቃለስ ኣለኹ…”

… ክብል ዘረብኡ ድምዲሙ። “ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ኣውዳድባ’ውን ኣሎ” ምባሉ፣ ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ፣ ንኣወዳድባ ናይታ ውሽጣዊ ሰልፍን ንሳ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበራ ተራን ማለቱ ኢዩ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣበሃህላ ከም ዘነጽሮ፣ እዚ ወገናውን ኣውራጃውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ፣ ዳርጋ ምስ ምምስራት ናይቲ ውድብ ዝጀመረ ዓሚቝ ሰረት ከም ዘለዎ ኢዩ። ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ ኢዩ ዝሕበር። ንሱ ድማ፦

  1. ነቲ ድሮ ጀሚሩን ተኣታትዩን ዝነበረ ኣውራጃውን ወገናውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዘለዎ ተቐቢልካ፣ ምሉእ ዓቕምኻ ናብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ሕቶ ኣተኲርካ ምቅላስ
  2. ነቲ ቀንዲ መግዛእታዊ ሕቶ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፣ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ቀዳምነት ሂብካ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ዝኸውን ዝነበረ መሪሕነት ምቅላስ። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ኣፍሪስካ ሓድሽ ውደባ ክሳብ ምፍጣር ዝኸይድ ኢዩ።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት እምበኣር ነቲ ቀዳማይ ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢዩ ዘነጽር። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ዘዕልልዎ’ውን ውድብ ኣብ ሓደጋ ምብትታን ምስ በጽሐ፣ ‘ህዝባዊ ሓይልታት ክብተን የብሉን’ ዝብል መርገጺ ከም ዝወሰዱን፣ ካብ ሓደጋ ምብትታን ንምድሓን ድማ ጸግዒ ናይቲ መሪሕነት ከም ዝሓዙን ይዛረቡ ኢዮም። ከምዚ ኢሉ ከኣ እቲ ድሒሩ ግዝያዊ መንግስቲ ዘቖመ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ውድብ ኮይኑ ማዕቢሉ

ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ከብርሆ ዝደሊ ነጥቢ’ውን ኣሎ። ዋላ’ኳ ኣካል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ገይረ ከቕርቦ እንተዘይደለኹን፣ ገና ስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮን እንተኾነ፣ እዚ ኣውራጃዊ ምክፍፋል፣ ኣብተን ሰለስተ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ካብ ኩሎም’ቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኮነ ሎሚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ፣ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩን ዘለዉን ደቂ መታሕት፣ ኩሎም ደቂ ባርካ፣ ሳሕል፣ ሰንሒትን ደንከልን ተደሚሮም፣ ካብ ተወልድቲ ሰምሃር፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ሕርጊጉን ከባቢኣን ዝበዝሑ ኣይመስለንን። ስለዚ ኢሰያስን ጉጅልኡን ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ብማዕረ (ኣብ ኣስላምን ክርስትያንን) ብቑል ካብ ዝብል፣ ከም ፖሊሲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ጉጅለ ኢሰያስ ኣብየናይ ኮረሻ ተወጢሑ ከም ዝመጸ ክበርህ ይግባእ።

… ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • yonas27g December 1, 2013

    ታደሰ ኪዳነ-ታደሰ ኪዳነ-ተደሰ ኪዳነ
    እዚ ሕማም እዚ ካብ ሱሩ ኩቡንቆስ ኣለዎ ፡እንታይ ዝገበረ ህዝቢዩ ።
    ምስ ኩቡር ኣቦ ተስፋይ ተመነዎ ሃብተ ትሰርሖ ስራሕ ከይሃለወካ ኣይክተርፍን’ዩ፡ልብኻ ይዓቢ።

  • haile December 1, 2013

    aye deki Kebesa auraja Mendef kitiblu meret aribikum.

  • sara VI December 1, 2013

    ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

    • Selamawi December 1, 2013

      This observation is classical! ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

      Asmarinos do call their country men “hagerseb” rather disparagingly (as they do to those who come from Tigray – “Agame”)

      Very have abused the innocence of those “hageresb” men and women, old and young very shrewdly. Alas! Innocent Eritreans were caught off guard and outsmarted by the wedinis espousing Marxist, Leninism and Machiavellian outlook.

      May God save us all

  • hanti Ertra December 1, 2013

    ezi xuhuf ezis meksebu do yibezih weyis kisara’u ni ertra? kali’e mezarebi do kon tesayinu yikewin? tsehafi qedamay felalayi mibelkuwo anes…kemzi aynet sebat ab siltan entemexi’om ma’ere zom nihamyom zelena sebat goda’eti yom. tadessen meseltun ab nay tsibah ertra zedliyu aymeslenin….zitebekele hangol qedem….

  • ERITRAWIT December 1, 2013

    Dear Tadese,
    “Tenkol zeyfelt kab Geterat zeteselefe” ya that is the whole Isaias game.
    I do Admire deky hager deky hezbey they choice was number one even they know the whole situation. They left it to the people to decide did you think the expectation from the people was what they were expecting?why all this Isaias secret was kept until Recently don’t you think it was late? I hope you will respond to my Q or anyone?

  • marsa December 1, 2013

    Natka himam eka tistihif zeleka wedeboy nues.

  • marsa December 1, 2013

    Tadese there is more important things to write about , look brother tadese, wise men are discussing about uniting Eritrean people there is a say in tigryna.Ane medrerina enchety yaree Esan mektelina Temen te ari.at this time when we hav more than enough problems to write about,why do you choose to dig this unreal stories.

  • Genet December 1, 2013

    What do we do now? Our people are dying every where. Our mothers are crying. Our fathers are depressed and demoralized. We all know, the dictator has been using this divide and conquer method to destroy our peoples’ unity. What do we do now? we are at the edge of extinction.
    We are clearly endangered species. What do we do now?
    Genet

  • SAVING YOUNG ERITREANS December 1, 2013

    ሓው ታደሰ ፣

    ኣገናዕ፣ ድምብርጽ ኣይበልካ ።ብዙሕ ሰብ ስኽፍክፍ ይብሎ በዚ ንስኻ ዘልዓልካዮ ቴማ። ብዘየገድስ ከመይ እቲ ሰብ ይቕበሎ__ሓላፍነትካ ነቲ ዘሎ ቍጽሪ ሓደ ዓንቃፊ ሕማም ምግላጽ እዩ።ኣምሓራ ደቅና/”ጸላእትና” ክምስሉ፣ “ፈስ ያለው ዝላይ ኣይችልም” ይብሉ__ስለዚ ነቲ ሕማም ኣብ ግዳም ኣውጺእካ ምምርማር ነቲ ሕማም ምግዳድ ዝመስሎም ኣለዉ ።ብኽፍኣት ኣይኮኑን ።ካብ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ዝተማህርዎ ግጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት….ነቲ ሕማም እንተሸፈንናዮ ባዕሉ ክሓዊ እዩ መርገጽ ይወስዱ።
    ዓሰርተ ወርሒ ኣቢላ ዓዲ እዝግሄራ ዝኸደት ሓፍተይ (ክኣትዉ እንከለዉ ናይ ሻዕብያ ተዳናጋጺትን ተሓባባሪትን ዝነበረት ) ኣብ ተጋደልቲ ሻዕብያ 1991 ባርነት ሒዞም ምስ ኣተዉ ንሓደ ናይ ሰብዓን ክልተን ዘመድና____”ኣንታ ነዚ ድሩዕ ጥራይ ሓዊስኩምሲ ኩልኹም ደቂ ሓማሴን፣እንታይ ዓይነት ኣሳራርሓ እዩ” ኢላ ሓተተቶ ___ሓፍተይ ገሽናሽም ድምበዛን ክትከውን ከላ __እቲ ናይ ሰብዓን ክልተን ኮይኑ ዝኣተወ ዘምኣ ድማ ወዲ ደቀምሓረ ድምበዛን እዩ ።ብንእሽቶኣ ዝተመርዓወት ሓፍተይ እያ ።ከም ከንሻ መጠንሲ ከምቲ ዝግብኣ ብትምህርቲ ኣይመጠቐትን።ግን ካብቲ ናታ ንእሽተይ ቁሸት ወይ ሳዕሪ ዘይቦቝሎ ኣውራጃና፣ጉዳይ ሃገር ስለ ዘተሓሳሰባ ..እንቋዕ ደቂ ሓማ ጭደድ ኮኑ ኢላ ኣይዓለለትን ። ንሱ ዝሃባ መልሲ ከምቲ ሓው ታደሰ ዝረኸቦ መልሲ ቲፒካል ናይ ኣእምሮ ዝጎደሎም ሻዕብያውያን መልሲ___”ኩሉ ነገር ደፋእ ኢልካ እዩ” ኔሩ ።
    ክቡራት መንእሰያት ደቀይን ንኣሽቱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ፣
    ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ሽግራ ብጣዕሚ ውሱን እዩ ።እቶም ኣስላም ዓድና,ብኣቢሲንያዊ ጃንሆይን ብኣቢሲንያዊት ሻዕብያን ዝተገፍዑ ኣህዛብ እዮም ።እቲ ቃልሲ ማማ ሻዕብያ ናብ ጨናዊ ካልሲ ስለ ዝቐየረቶ,እቶም ክርስትያን ንሓድሕዶም ይሓንብሱሉ ግዲ ኢሎም ኮይኖም ናይ ተቓወምቲ ቁጽሪ ተኸተልቲ ምስልምና ህዝብና ዳርጋ የለን ክብሃል ይክኣል እዩ ።
    መንእሰያት ደቀይ ተዓዘቡ ,..ሶማል ሓደ ሃይማኖቶም ሓደ ቋንቍኦም ___ብእንዳ (Clan)እዮም ተዋዲኦም ።ኤርትራዊ ..እዚ ኣይገብርንዩ ንኸምዚ ኣይውዕሎንዩ ዝብሃል ስምዒታዊ ዘረባ ግደፍዎ ።ኤርትራዊ ዘይገበሮ ጸይቅን ፍርሕን ገበንን የለን ።
    ሓው ታደሰ፣…. ርኤኹም ካልኦት ኣውራጃ ተወጺዕና, ኣይኮነን ዝብለኩም ዘሎ፣__ብኻልእ ጉዳይ ዘይትዛረብ ክትብልዎ ንፉዓት ፧ ብምንታይ እሞ ክዛረብ እዩ ።Stem cell research ,Same sex marriage ? ግንባር ቀደም ዘይምትእምማን ፣ናይ ኣውራጃ ምፍልላይን እዩ እቲ ዓበይቲ ዘውረስናኩም ጉሐፍ።ኣነ እቲ ዝብሃል ኦክቶበር 30 /2013 ኢለኩም እየ።ኣብታ ኤርትራ ትብሃል ፣ ብጽልእን ግፍዕን ትምክሕትን,ክሕደት መንነትን ዝተሃንጸት,ደሴት ጥፍኣት ምንም ተስፋ የብለይን,ግን ምስኣ ከይትበርሱ ድማ የተሓሳስበኒ ።

    ልቢ ይሃብኩም
    ካብ ፕረሲደንት ነበር ክሊንተንን፣ጠቕላል ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናውን ድሙር ጥበብ ዝበለጸ ዝሓዘለ ሓወቦኹም፣
    ምሕረቱ ሃብተ

    • mart December 1, 2013

      mihretu habte birigits wedi godobo ika hizbi kikfafel tihuges swur ilama zeleka

  • mike December 1, 2013

    good job Tadese kidane , u r bringing medications to z country . People lets United to save the country otherwise …. wediakeloguzay Will stand for his region .

    • Genet December 1, 2013

      Mike
      What are you proposing?
      I always wonder, what the Seray and other regions think about the whole thing.

      • Tigray-Tigrini December 2, 2013

        Genet,

        Seb nSebu Zibi nGerebu. The problem in Eritrea is and Will always be the power-struggle between muslims and christians(Andnet/Rabita, ELF/EPLF) What the fool Issias has been trying to do is conduct social engineering to make religion irrelevant and change the history of 1400 years. This is clearly impossible and he has managed to put the Habesha on the brink of extinction, while they Will still be blamed by the muslims even after PFDJ is gone. We have done the biggest misstake in History, our hatred of Shoa chauvinism and our stupid Colonial superiority complex have driven us away from our own people in Tigray. Genet if you are Habesha from Eritrea you are Tigraweiti just like I’me Tigraway from Eritrea. We have to accept this, The Tigreans have been Victims just like us, forget about all the false history we’ve been fed. Let’s face reality!

POST A COMMENT