Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!

ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ! ተስፋ ኣሎና ኣባኻ ኣንታ መድሕን ህዝቢ ኪትቕንጥጦ ኢኻ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ ፍትሕን ደሞክራስን ተሓንጊጣ ርግቢ ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ ዝኾና መዕለቢ! ገዛኢ ድያብሎስ ኣመና ጨኪኑ ንህዝብን ሃገርን ከዐኑ ሓሊኑ እናተጓዓዘ ብመደብ ወጢኑ ኣብ ሃገር ሰማእታት ዓዲ ናይ ጀጋኑ መዕለብ ርግቢድዩ ኣታ ገረብ

ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!
ተስፋ ኣሎና ኣባኻ ኣንታ መድሕን ህዝቢ
ኪትቕንጥጦ ኢኻ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ
ፍትሕን ደሞክራስን ተሓንጊጣ ርግቢ
ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ ዝኾና መዕለቢ!
ገዛኢ ድያብሎስ ኣመና ጨኪኑ
ንህዝብን ሃገርን ከዐኑ ሓሊኑ
እናተጓዓዘ ብመደብ ወጢኑ
ኣብ ሃገር ሰማእታት ዓዲ ናይ ጀጋኑ
መዕለብ ርግቢድዩ ኣታ ገረብ ተሳኢኑ!?
መዓስ ተተኺሉ’ሞ መዓስ ዝጸደቐ
እዚ ዕቡይ መላኺ ህዝቡ ዚናዓቐ
ኣይኮነን ንገረብ ሰብ እናጨፍለቐ
ተባዕ ተሳኢኑ *በለው ዚዓጠቐ         *ስረ
ብርሃንና ጸልሚቱ ብስውእ ዝበረቐ!
ኣብ ቅርዓት ወጺእኪ ዙርያ ተኸዲንኪ
ሓቂ መሲሉዎ ዕልል እንተ በልኪ
ከየመዛዘነ ውሽጣዊ ሽግርኪ
ተገሪሁ ኔሩ ወድኺ ኣግዲዑኪ
ሰብ ኪኸውን’ዩ ኢሉ ኣገልጊሉ ምልኪ!
ሕጂ ግን እኖሆ ግዜኡ ኣኺሉ
ወድኺ ሓሪኑ ንግጥም ነቒሉ
ናይ ሓድነት ኣጽዋር ከማሂ ዘይብሉ
ናብ ግንባር መላኺ ብድሎ ኣቕኒዑሉ
መግዛእቲ ድያብሎስ ፈጽሚ ክንግበረሉ
ሃየ ደቂ ዓደይ *ዙይን ኣቐብሉ!                                *ናይ ሬሳ ዓራት
እወ ተዓጢቑ ዓደይ ምእንታኺ
ብሓጐስ *ኪሽናህ ቀሲኑ ልብኺ              *ኪፍሳህ
*ጽግም ኣጥፊኡ መንጣሊ ደቅኺ           *ጨቓውት ዚምጥል ሽላ
ከቕስነኪ’ዩ ኣደይ ኣይትንብዒ ኣጆኺ
ዓልልሉ ጥራይ ንዓወት ወድኺ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/12/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ERITRAWIT December 18, 2013

    Zeyhalemnayo ena rekebna Mesinas kbeur hawna zeyhasebnayo awet gin abkereba ala!!!!!!

  • belay nega December 19, 2013

    “ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!”

    ኣውሊዕ መፍትሒ እንተኾይኑስ አብ ባሕሪ ባራ አለኪ በላ

  • Mesinas December 20, 2013

    ብመጀምርያ ንኹሉኹም ወሃብቲ ርእይቶ ማለት፡ ነቐፍትን ኣተባባዕትን ኣሕዋት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልኩም እፈቱ። ብፍላይ ድማ ነታ ወትሩን ኣብ ኩሉን ሃናጺ ርእይቶ ንምሃብ ዘይትሕለል ኣፍቃሪት ህዝባን ሃገራን ዝኾነት ሓብትና ናይ ብሓቂ ለዋህ ኤርትራዊት፡ ስለ’ቲ ወትሩ ንኹልና ሰብ ብርዒ እትህቦ ምትብባዕ ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበላ እፈቱ።

    ከም ዝፍለጥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም። ንኹሉ ማለት፡ መንነት፣ ክብርን ሃብትን ናይዛ ሃገር’ኳ የብርስ እንተሎ፡ ብፍላይ ንባህልና፣ ንቛንቋናን እምነትናን (ክልቲኡ እምነታት) ኣብ ምብራስ ግን ዓቢ ተራ’ዩ ዝጻወት ዘሎ። ብኸመይ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ስፍሕ ዝበለ’ኳ እንተ ኾነ ብሕጽር ዝበለ ግን ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፥ እቲ ቀዳማይ ባህልና’ዩ። ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ውሑድ ድሑር ኣተሓሳስባታት ገዲፍካ እቲ መብዛሕቱ ግን ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣዝዩ ብሉጽን ክቡርን’ዩ። ሕጂ ግን ብሰንኪ ጉጅለ ሕሰም፡ ምጥፍፋእ፣ ስሰዐ፡ ኣያ በያ፣ ደርሆ ጽውሪት ማለት ጉቦ፣ ሰበይ ሰብካ፣ ንኣይ ይጥዓመኒ፣ ዓበይትን ኣርካናትን ዘይምኽባር፣ ፍትሕ፣ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ምብላል ወዘተ. ይርአ ኣሎ፤

    ኣብ ቋንቋ እንተ መጺእና ኸኣ እዚ ህዝቢ ‘ቋንቋ ደኣ መንግስቲ ኣሎዎ’ንዶ’ ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ምክትታሉን ምምዕባሉን ስለ ዝበኾረ፡ ቋንቋና ብድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። እዞም ሕጂ ዘለዉ ሰፊሕ ፍልጠት ዘሎዎም ኣቦታትናን ኣደታትናን ከየውረሱናን ከይሰነዱልናን ይሓልፉ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምድላው ከቢድ ብድሆ ከጋጥመና ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ብዓብይኡ ግን እቲ ሃስያ ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ምዝርዛሩ ከይነውሕና ናብ ዝርዝሩ ኣይኣቱን’የ። ብሓጺሩ ግን እዞም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝዛረቡዎ ቃላትን ዝጽሕፉዎ ጽሑፋትን ምውካስ እኹል ጭብጢ ስለ ዝኾነ ንሎሚ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ኣይክብልን’የ።

    እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት’ዩ። ናይ ሎሚ ወለዶ ኩሉ ብሳዋ ይሓልፍ ስለ ዘሎ፡ ሳዋ ማለት ከኣ ቀታሊትን ቀባሪትን እምነትን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነት፡ እምነት ዘሎዎ ወተሃደር ንምርካብ ኣጸጋሚ ክኸውን’ዩ። (እምነት ማለት ፈጣሪ ከም ዘሎ ምእማን ጥራይ ከምዘይኮነ መቸም ንኹልና ብርሩህ’ዩ።) ከምዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብስንኪ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሃይማኖት ዘይብሉ ጉጅለ’ዚ፡ እምነት ኣብ ኤርትራ ይበርስ ከም ዘሎ፡ ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ሓው ወዲ ህዝቢ፡ ናብቲ ጽሒፈዮ ዝበልካዮ መጻሕፍትኻ ክምለስ፡ ኣነ ልክዕ ከማኻን ከም ካልኦት ኤርትራውያንን ኣፍልጦይ ኣብ ቋንቋና ድሩት’ዩ። ካባኻ ዝፈልየኒ ነገር እንተሎ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ምኽንያት ብምግንዛብ፡ ኩሉ ኣነ ዝጽሕፎ ርእይቶ ይኹን ዘንብቦ መጻሕፍቲ ንቋንቋና መታን ከማዕብል ብትግርኛ’ዩ። ተገዳስነተይ ንምዕቃቡ ከኣ ኣዝዩ ልዑል’ዩ።

    እተን መሰረታውያን መትከላት ጸሓፊውን ክልተ’የን። ቀዳማይ ንዘይፍለጡ ወይ ድማ ዘይዝውቱራት ቃላት ምስ ህዝቢ ምልላይ ክኸውን ከሎ፣ ካላኣይ ከኣ ንዝተረስዑ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ቃላት፡ ዳግም ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓሎም ንህዝቢ ምዝኽኻር’ዩ። ስነ ጥበበኛ ግን እዘን ክልተ ነገራት ጥራይ ኣይኮነን ክገብር ዘለዎ፡ ስርዓተ ሰዋስውን ግቡእ ስርዓተ ነጥብን ዘማልአ ስነ ሓሳብን ኣዘራርባንውን ከዘውትር ኣለዎ። ቅኑዕ ስነ ሓሳብ ድማ መጀመርያ ብብዓል ቤት’ዩ ዝፍልም፡ ድሕሪኡ ተሳሓቢ ይስዕብ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ግሲ ይመጽእ። ዝኾነ ጽሑፍ ብኸምዚ ኪቐውም ኣለዎ።

    ሓውኹም መሲናስ 20/12/2013

    • belay nega December 21, 2013

      Mesinas

      “ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ውሑድ ድሑር ኣተሓሳስባታት ገዲፍካ እቲ መብዛሕቱ ግን ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣዝዩ ብሉጽን ክቡርን’ዩ።”

      ህዝቢ በቲ ትመልኮ ቋንቋ እንተተዛረበካ እንታይ እዩ ጸገምካ?
      ዶስ ሓወይ ሓፍተይ ምባል ንዓኻ ጥራይ እዩ ዘጸብቀልካ?

  • ER ITRAWIT December 20, 2013

    Mesinas brother,
    Alekuma eza hager dekey hzbey with a lot of talent and I am proud of you !!!!!! wdket ngujle hsem!!!! lot’s of love ERITRAWIT.

POST A COMMENT