Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣከባብራ በዓል ናጽነት ኣብ ሽየን

ኣብ ሽየንን ከባቢኡን ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ንበዓል ናጽነት ክብ ዝበለ ምድላዋት ብምግባር ኣብዒሎሞ። ኣብቲ ዝነበረ ስነስርዓት፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ስምረት ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ሽየን ሓው ኣድሓኖም በራኺ ነቲ ኣኼባ ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም’ ብምባል ድሕሪ ምኽፋቱ፡

ኣብ ሽየንን ከባቢኡን ዝነብሩ ደለይቲ ፍትሒ ንበዓል ናጽነት ክብ ዝበለ ምድላዋት ብምግባር ኣብዒሎሞ። ኣብቲ ዝነበረ ስነስርዓት፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ስምረት ንድሕነት ሃገር ጨንፈር ሽየን ሓው ኣድሓኖም በራኺ ነቲ ኣኼባ ‘እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም’ ብምባል ድሕሪ ምኽፋቱ፡ እቲ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ኣብ 1991 ናጽነት መሬት ኤርትራ’ኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ናይ ምንባር መሰሉ ክሕሎ፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ካብ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍእ ጭቈናን ግፍዕን ክወርዶ ከም ዝጸንሐን ዘሎን ጠቒሱ። ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሕን ዓሰርተ ዝኣኽሉ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሽየን ኤሪክ ናየስ፡ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ሰልፊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ከተማ ሽየን (ኣርባይደ ፓርቲ) ሮጀር ሄግላንድ ዝርከቡዎም ኣሕዋት ኖርወጃውያን ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ሓው እስጢፋኖስ ገ/ሚካኤል ተሞልሶ ዘዳለዎ ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ናይ ርብዒ ዘመን ባርነት፡ ስደት፡ ማእሰርቲ፡ ስግኣት፡ ቍጠባዊ ድህኸትን ተስፋ ኣልቦነትን ዝዓሰሎ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ መንእሰይ መሪሕ ተስፋሁነይ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ናይ ወለዱ ናይ ቃልሲ ታሪኽ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ከም ዘይድግፎ፡ ከም ሳዕቤን ድማ ደቂ ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾኑ መዛኑኡ መንእሰያት ናይ ኣምላኽ ሰላምታ’ውን ከም ዝነፍጉዎ፡ ኣብ ከተማ ሽየን ብውሑዳት ውልቀሰባት ዝዝወር ንእሽቶ መንግስቲ ህግደፍ ከም ዘሎ፡ እዞም ውሑዳት ሰባት ብፍላይ ንደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ከም ዘፈራርሑን 2% ክኸፍሉ ከም ዘጐሳጕሱ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣፈላላይ ከም ዝፈጥሩን ኣንጻር ሕጊ ሕቶ ዕቝባ ኖርወይ መሊቖም ናብ ኤርትራ ከም ዝገሹን ብምግላጽ ንተንኰላት ህግደፍን ደገፍቱን ብትብዓት ኣቃሊዑ። ድሕርዚ ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሽየን ኤሪክ ናየስ ንኣሕዋት ኖርወጃውያን ወኪሉ፡ “ንኵነታት ኤርትራ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ እየ። ንበዓል ናጽነት ብኸምዚ መንገዲ ክተብዕሉዎ ምኽኣልኩም ዘንእደኩም ስራሕ’ዩ። ስለዚ፡ ብቐጻሊ እናተራኸብና ምዕባሌታት ኤርትራ ክንከታተሎ ምዃንና እናገለጽኩ ኣብ ቃልስኹም ክትዕወቱ እምነ፡” ዝብል መግለጺ ሂቡ። ድሕር’ዚ ብወገን ኣሕዋት ኖርወጃውያን እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ቀሪቡ ዘዕግብ መልሲ ድማ ተዋሂቡዎም።

  • ምስ ደገፍቲ ውልቀምልኪ ኣብ ግጭት ትኣትዉዶ?
  • ደገፍቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት 2% ዝኸፍሉ ብወለንታ ድዩ? ኣከፋፍላኸ ከመይ እዩ?
  • ደገፍቲ መንግስቲ “ውላድኩም ዶብ ስለ ዝሰገረ 50 ሽሕ ናቕፋ ክፈሉ ምባል ተሪፉ እዩ ዝብሉዎ ሓቂ ድዩ?”
  • ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ እናነበሩ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹ ስለ ዝፈርሑ ድዮም?
  • ንመንግስቲ ኤርትራ 2% ምኽፋል በስገዳድ ድዩ ብወለንታ?

ብተወሳኺ ሓደ ሓው ኖርወጃዊ፡ “ገንዘብ ኖርወይ ብመንገዲ 2% ኣብ ግብረ ሽበራ ይውዕል ስለ ዘሎ መራሕቲ ሰልፊ ምክትታል ክገብሩሉ ኣለዎም፡” ምስ በለ ሓንቲ ካልእ ኖርወጃዊት “እቲ ጕዳይ ንፖለቲከኛታት ዘይኮነ ንኣባላት ጸጥታ ዝምልከት እዩ፡” ክትብል መሊሳ። ኣብ መወዳእታ ኣሕዋት ኖርወጃውያን ምስ ተፋነዉ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘተን ምይይጥን ብምጅማር ሓው ሰመረ ነቲ በዓል ዝምልከት ጽሑፍ ኣንቢቡ። ብድሕሪኡ ናይ ዘተ መኣዲ ስለ ዝተኸፍተ ነፍሰወክፍ ተሳታፊ ኣብ መድረኽ እናወጽአ ኣንጻር ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክንክተሎ ብዛዕባ ዝግብኣና ኣገባብን ሜላን ተመያዪጦም። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጀነቭ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ተዛትዮም። ኣብዚ ሓደ ከይተጠቕሰ ክሓልፎ ዘይግብኦ ነጥቢ ኣሎ። ሓንቲ ዕድምቲ ኖርወጃዊት፡ “ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበረኒ መረዳእታ ግጉይ ነይሩ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንገለ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ቤተክርስትያን እረኽቦም እየ። ካብ ትዕዝብተይ ግን ብዙሕ ዘይኮነ ነገር ይነግሩኒ ከም ዝነበሩ ተገንዚበ ኣለኹ። ሎሚ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብምስታፈይ ድማ ዓጊበ ኣለኹ፡” ኢላ ምዝራባ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ በዓል ኣዝዩ ዕዉት ነይሩ ካብ ዘብሎ ቀንዲ ነጥቢ ኣሕዋት ኖርወጃውያን ብዛዕባ ኣብ ኖርወይ ብፍላይ ድማ ኣብ ሽየንን ከባቢኣን እንነብር ኤርትራውያን ንጹር ስእልን መረዳእታን ክረኽቡ ምኽኣሎም እዩ።

ብወገንና ክንላበዎ ንደሊ ነገር እንተ’ልዩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ተንኰላትን ሽርሕታትን ህግደፍ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ስለ ዘየሎ፡ ኣተኵሮና ናብቶም ንነብረሉ ናይ ዘለና ሃገራት ተራ ዜጋታት፡ ሓለፍቲ ሰልፊ፡ ጋዜጠኛታትን ሓለፍቲ መንግስትን ከተኵር ኣለዎ ዝብል እዩ። ህግደፍ ዕርቃኑ መታን ክወጽእ፡ ሽርሕታቱን ውዲታቱን ክቃላዕን ኣብ ደገ ዘሎዎ ሰረታት ክበታተንን እንተኾይኑ፡ ኣቓልቦና ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር ናብ ዘለዉ መራሕቲ ህዝብን ማዕከናት ዜናን ክኸውን ኣለዎ።

ዓውት ንደለይቲ ፍትሒ

ክንዕወት ኢና!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • AHMED SALEH !!! May 24, 2016

    Deki Erey
    Netom zitereseou jeghan ahwatna ajokhum tarikhkum ab zighbeana
    bota kenebxiho ina niblelu ghizye AMLAKH ukwaE areayom .
    Beti khoynu beti kalsna nihadnetna yikhun kendi Alemana ahwat deki HIDRI.

POST A COMMENT