Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣእዳውናን መልሓስናን፡ ጸገም ህዝብና ክናዋሕ ዕምሪ ህግደፍ ክቅጽል ኣይንጠቀመሉ

ብልሙድ፡ ውድቀትን ሕላገትን ናይ ሓደ ምልካዊ ስርዓት፡ ውሽጣዊ ድኽመታቱን ጸገማት ሕብረተሰብን ንምሕባእ፡ ተዘሪናን ተጻብኦ ገጢሙናን እናበልካ ንኻልኦት ምጥቃን፡ ኣብ በዓላት ጓይላን መደረን ምብዛሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቁጸልጽሉ ሓደስቲ ጭርሖታት ምዝውታር፡ ኣብ ጎደናታት ዓቢ ወተሃደራዊ ምርኢት

ብልሙድ፡ ውድቀትን ሕላገትን ናይ ሓደ ምልካዊ ስርዓት፡ ውሽጣዊ ድኽመታቱን ጸገማት ሕብረተሰብን ንምሕባእ፡ ተዘሪናን ተጻብኦ ገጢሙናን እናበልካ ንኻልኦት ምጥቃን፡ ኣብ በዓላት ጓይላን መደረን ምብዛሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቁጸልጽሉ ሓደስቲ ጭርሖታት ምዝውታር፡ ኣብ ጎደናታት ዓቢ ወተሃደራዊ ምርኢት ምክያድ፡ መደረ መራሒ ምድግጋምን ምስልታቱ ኣብ ጎደናታት ምንጥልጣልን ከምኡ’ውን ዘይሕማምካ ረስኒ ከምዝብሃል፡ ቤትካ ከየጽረኻ ብዛዕባ ኣብ  ካልኦት ሃገራት ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ምውርዛይን ምንቃፍን’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ በቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ መራኸቢ ብዙሓን፡ ወግሐ ጸብሐ ኣብ እዋን ቁርስን ድራርን ሕብሩ እናቀያየረ ዝደጋግሞ ጉዳይ እንተሎ፡ “መሬትና ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ’ሎ፡ ዓለም ዘርያትና፡ ንኹሉ መሰናኽላት መኪትና ክንዕወት ኢና” ዝብላ ሓረጋት’የን፡፡ ኤርትራ፡ ሓንቲ  ካብተን ኣብ ዓለም ብሕማቅ ኣብነት ዝጥቀሳ ሃገራት፡ ህዝባ ናይ ዘረባን ጽሑፍን፡ ናይ ምእካብን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ መሰላት ዝተሓረመ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወቱ ዝውክልዎ መራሕቱ ከይመረጽ ዝተኸልከለ’ዩ። ብኻልእ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ፡ ናጽነቱ ኣብ ምጉንጻፍ ኣጆኻ ዝብሎ ዘይነበሮ ብጽንዓቱ መሰላቱ ዝረጋገጸን ንፍትሒ ልዕሊ ዝኾነ ሃገር ሃረር ዝበለን ህዝቢ’ዩ።  

ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምግታእን ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ንምቅራብን፡ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ማሕበረሰብ ዓለምን ድፍኢታት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን የማናይ ኢድን ተኸላኸልቲ ስልጣኑን፡ ካብ ፍርዲ ንምምላጥ’ዮም ዘዕለብጡ ዘለዉ። ንኣብነት፡ ተቀበልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነቶም ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ተበታቲኖምን ሰብኣዊ መሰላቶምን ተመንጢሎም ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ እቲ ጠንቂ ስደት ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝኾነ ለውጢ ከየርኣየን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሰም እንከሎን፡ ኣብ ሃገራተን ዘለዉ ኤርትራዉያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፈተነታት የካይዳ ኣለዋ። ነዚ ሰንካም ውጥናት ንምዕዋት ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ “ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገም የለን፡ ዘይፍትሓዊ ቁጠባዊ እገዳ ስለዝተገብረልና ሓገዝ ንደሊ ኣሎና” ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፍአ ደረጃ ንምጭፍጫፍን ስለያዊ ትካላቱ ንምዕባይ ዝሕግዞ ምንጪ ገንዘብ ንምርካብ፡ ካብ ተነጽሎ ዓለም ንምንጋፍን ወናኒ ፍትሒ ንምምሳልን ብዙሕ ይግዕርን ወስለትለት ይብልን ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ምስ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቁጠባውን ወተሃደራውን ውዕላት ብምክያድ፡ ዕቁር ሃብትና ንምዝማት፡ ሕሱር ጉልበትና ንምጥቃም፡ ኣጽዋራተን ንምሻጥ፡ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣትና ወተሃደራዊ መዓስከር ንምህናጽ፡ ልዑል ድሌት ምርኣየንን ወደኽደኽ ምባለንን፡ ረብሓታተን ንምቅዳም እምበር ብዛዕባ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ስለዝዓጠጠን ኣይኮናን። ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ስምረቱ ዘሪግካን ኣርዒድካን ብኸመይ ትመልኮን ኣብ መዳይ ዲፕሎማስያዊ ምስመን ትተዓራረኽን በሊሕ ስለዝኾነ፡ ምስቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዕሉላትን ዝኾኑ ስርዓታት ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ስዑድያ፡ ቻይና፡ ሰሜን ኮርያን ካልኦትን ምሕዝነት ምፍጣር ድማ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ንምሃብ ፡ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዘዋፍሮ ሃብቲ ንምሕባእን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሽርሒታት ንምክያድ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ፈታውን ሓላይን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዘምዝኖ፡ ቃንዛን ጓህን ህዝቢ ኤርትራ ተገንዚቡ ክፍውሶ ምስዝፍትንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ እሙን ኮይኑ ጉድለታቱ ክቅበልን ከውሕድን ድሉዉ ምስዝኸውንን ግልጹነት ምስዘርኢን ጥራሕ’ዩ። ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝብሃል፡ ሓቂ ዓቢጥካን ሕማምካ ከዊልካን ዓመት-ዓመትን ኻልኦት ምኽሳስ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝልለየሉ ቀንዲ ኣጉልን ምስሉይን ጠባያት’ዩ፡፡ እቲ ክውንነት፡ ስርዓት ህግደፍ’ዩ ተጻባኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ’ምበር፡ ዓለም ኣይኮነትን ንምዕባለን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዕንቅፋት ኮይና ዘላ። ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ዕድላት እንተዝኸፍቶ፡ ኤርትራዊ ርሂጹ ናብራኡ መመሓየሸን ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ በሪሩ ኣብ ዓዲ ጓና ክነብር ኮቶ ኣይምመረጸን። ስርዓት ህግደፍ’ዩ ብዘይ ፍርዲ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሳቂ ዘሎ’ምበር፡ ብኢትዮጵያ ወይ ብመንግስቲ ኣመሪካ ኣይኮነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበን ዝፍጸም ዘሎ። ጠንቂ ምልሕላሕ ሃገራውነትን ድኽነትን ኤርትራዊ ዝኸውን ዘሎ፡ ዘይፍትሓዊ መደባት ግዱድ ዕስክርና፡ ብልሹው ምምሕዳርን ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ካልኦት ዘይቅበልን ዘይጻወርን ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ኤርትራውያን ብግዳማዊ ሓይሊ ሰዲዖም ኣንጻር ሃገራዊ ክብሮምን መንነቶም ኣይተሰለፉን። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን ናይ ዝጠፍኡን ዝሞቱን ዘለዉ ኤርትራውያን ሓዘናን ድንጋጸኣን ብምረት ክትገልጽ እንከላ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ንመቅዘፍቲ ኤርትራውያን ካብ ምዝራብ ጥርቅም ምባል፡ ካልእ እዋን ድማ ከም ተራ ናይ ወጻኢ ዜና ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ሸፈፍ ኢሉ ይሓልፎ።

ኤርትራውያን፡ ዓለም ምስ ረብሓታታ ከምትጓዓዝ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ብግብሪ ስለዝተዓዘብናዮ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓንታራት ሃገራትን ክዕሉቋና እንከለዋ ክንግረም የብልናን። ንዝኾነ ዘይፍትሓዊ ብይን ንምምካት፡ መሳርዕና እንተሰሚሩን ኣብ መንጎና ዘሎ ፍልልያት ብልዝብን ምክብባርን እንተጸቢቡን፡ ግዳማዊ ተጻብኦ ትርጉም ኣይምሃለዎን። ስርዓት ህግደፍ፡ ዕድላት ዕርቂ ስለዝቀበሮን ኣነ ዝበልክኹም ጥራይ ተግብሩ ዝብል ፍልስፍና ስለዝመረጸን፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ምስሊ ኤርትራ ከፊኡን ህዝባ ኣደዳ ሞትን ስቃይን ኮይኑ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዓኽ ጡፍ ተባሂሉ ከምዝተጸልአ እናፈለጠ፡ ውሑዳት ሞራላዊ ሓላፍነት ዘይስምዖምን ቃንዛ ህዝብና ዕሽሽ ብምባል ምስ ስርዓት ህግደፍ ብረብሓን ኣርሒቅካ ዘይምጥማትን ስለዘሻረዉን፡ ገለ ሃገራት ብጥቅመን ምስ ስርዓት ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ስለዘለወን ኣበራትን ርስሓትን ህግደፍ ክጉልበብ ኣይግባእን። ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ብዕድል መጻኢናን ክብርናን ዝጣላዓሉ ዘሎ እዋን፡ መን’ዩ ሓቀኛ-መን’ዩ ተንኮለኛ ብጽሞና ክንርድኦ ኣገዳሲ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ “ዓለም ትብድለና ኣላ፡ ኢትዮጵያ ትጻብኣና ኣላ” እናበለ እዝኒ ሰብ ዘጽምም፡ ጸላእቱ ከውሕድ ዜጋታቱ ክሓቁፍ ይግባእ። ጓኖት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክግደሱ እንከለዉ፡ ብጅግንነትናን ጽቡቅ ናትናን እምበር ንምዝመዛን ብዋጋ ክብርና ጥቅሞም ከቀድሙን እንከለዉ፡ ቦታ ክንህቦምን ኢድና ኣብ ኣፍ መርዛም ተመን ከነእትዎ የብልናን። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘሎ ህዝብና ብማእሰርትን ዝብላዕ መግቢ ንፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ብኣፉ ስለዝሓዞን፡ ንግዚኡ ተቆጻጺርዎ’ሎ። ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና ግን ክውንኖ ስለዘይክእል፡ ደለይቲ ፍትሒ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መድረኽ ዓለም ከቃልዕዎ እንከለዉ ንህግደፍ ዓቢ ብድሆ ስለዝኾነ፡ ንደለይቲ ፍትሒ ብስም ክድዓት ገበነኛታትን ይኸሶም ኣሎ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸር ኤርትራዊ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ኣንጻር ህግደፍ ጥጠው ክብል እንከሎ ብወያነ “ዝተመወሉ፡ ከድዓትን ዕሱባትን” ካብ ምባል ሓሊፉ ጥርዓን ህዝቢ ኤርትራ ክሰምዕ ልቢ ኣይትዓደለን። ብርግጽ ሓደ ሓደ ካብ መንፈስ ሃገራውነት ዝረሓቀ ኣጀንዳ ሒዞም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክወራዘዩ እንከለዉ፡ ብተዘዋዋርን ብቀጥታን ንጎስጓሳት ህግደፍ ይሕግዞን ብዙሓት ዜጋታት ንደለይቲ ፍትሒ ብዓይኒ ጥርጣረ ምጥማትን ፍትሓዊ ጠላባቶም ዋጋ ክምዘይብሉ ምፍራድን ይርአ’ሎ። ተራ ናትና መን’ዩ ልኡኽ ህግደፍ ወይ መጋበርያ ካልኦት ክንፈልጦ፡ “ብስም ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ተጋደልቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ጀብሃን ሻዕብያን” ብዝብል ኣስማት ሓድነትና ክዘርግ ዝፍትን ፎእ ክንብሎ፡ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብና ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብተግባር ከነረጋግጽ ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ኣይንቁርጾ። ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ ብደይ መደይ፡ ብግዚያዊ ረብሓ፡ ብኣጉል እምነትን ተስፋ ምቁራጽን፡ ኣእዳውናን መልሓስናን ሕሰም ህዝብና ክነውሕ ዕምሪ ስርዓት ህግደፍ ክቅጽል ኣይንጠቀመሉ ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (5 ሰነ 2017)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde June 9, 2017

    HGDEF is a demagogue,a cesspool of ignorance,a primitive rigid unyielding dogmatic political outlook,it is a phenomena that mutated from the very Eritrean culture to consume the host,It is an aberration.That is why it is leading the nation to destination unknown like a runaway train.Thanks Tsilal, another core rattling article.

POST A COMMENT