Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣንታ ህዝቢ!

ኣንታ ህዝቢ! መሊኽናዮ ክብሉኻ እትኸንብ ጸልሚቱ ክብሉኻ ዘይትዓርብ ጸሐዩ ክብሉኻ እትሰርብ ነፊሱ ክብሉኻ እትዘንብ ወገንካ ንምርዳእ ዘይትርብርብ መን ኣሎ’ሞ ንኣኻ ዘርክብ! ኣንታ ህዝቢ፥                   ኣንታ ንስኻ እኮ ንበይንኻ ኢኻ መዳርግቲ ኣልቦ ውርዙይ ዝባህልኻ ጎይታ ሰፊሕ *ሌማት ሓደ ማኣድኻ   *መቐረብ መኣዲ ጸሙ ዘይተሐድር *ነዳይ ተረኣኻ      *ድኻ ካብታ ዘላትካ ትመቅል ሓውኻ ለዋህን ፈቃርን

ኣንታ ህዝቢ!
መሊኽናዮ ክብሉኻ እትኸንብ
ጸልሚቱ ክብሉኻ ዘይትዓርብ
ጸሐዩ ክብሉኻ እትሰርብ
ነፊሱ ክብሉኻ እትዘንብ
ወገንካ ንምርዳእ ዘይትርብርብ
መን ኣሎ’ሞ ንኣኻ ዘርክብ!
ኣንታ ህዝቢ፥
                  ኣንታ ንስኻ እኮ ንበይንኻ ኢኻ
መዳርግቲ ኣልቦ ውርዙይ ዝባህልኻ
ጎይታ ሰፊሕ *ሌማት ሓደ ማኣድኻ   *መቐረብ መኣዲ
ጸሙ ዘይተሐድር *ነዳይ ተረኣኻ      *ድኻ
ካብታ ዘላትካ ትመቅል ሓውኻ
ለዋህን ፈቃርን መን ኣሎ ከማኻ!?
ኣንታ ህዝቢ፥
ኣብ ስደት ሰፊርካ ናይ *ዘለምቲ ዕዳ   *ረገጽቲ፡ ጨቆንቲ
ካብታ ዘላትካ ቊርብ ተዋልዳ
ካብታ ንመቕርብካ ንሓገዝ ትሰዳ
እታ ለጋስ ኢድካ ምሃብ ዝልማዳ
ስድራ ናይዚ ገንሸል ሽግር ከይኸብዳ
ውጹዓት ክትጥውር ስጉምቲ ወሲዳ!
ኣንታ ህዝቢ፥
                 እቲ ጎይታ ታንኪውን ብመድፍዕ ነቃዊ
ወዲ ዓሊ ውፉይ *ሃብሮም ኤርትራዊ          *ጅግና
ምዃንካ ፈሊጡ ጸበባ *መንሃዊ                *መርሃዊ
ሃንቃ ሓርነትካ ጽምኣትካ ከርዊ
በጃኻ ሓሊፉ ሰቲዩ ዓረር ሓዊ!
ኣንታ ህዝቢ፥
ንሰይቲ ሓርበኛ ምስ ደቃ ክትኣሊ
ዓወት ካብ ፈጸምካ ብዘኹርዕ ባህሊ
ነዛ ኣደ ምስ ደቃ ከዲንካያ ጠሊ
ሰላም ካብ ሰፈና ረኺባ መጽለሊ
በል ከመስግነካ መጒሰ ብዕሊ
ቀሲኑ’ሎ ብኣኻ ጅግና ወዲ ዓሊ!
ኣንታ ደላይ ፍትሒ ጎብለል ናይ መኸተ
ደምበርበር ዘይትብል መሬት ተጸልመተ
መላኺ ክትገርሕ ፍጹም ዝሃውተተ
ቅድሚ ስላዕ ምሓዝ *ብእሽታ ትዛተ  *ብህድኣት
ካባኻ ምውላደይ ኣነስ ተዓዊተ!
ኣንታ ዘይትሕለል’ወ ናይ ዓለም *ፍጋጋ    *ህርኩት ፡ብርቱዕ ሰብ
በል ምስጋና ይኹንካ ኤርትራዊ ዜጋ
ክብርኻ ዘሕሰረ ኣውሪዱ ኣብ ዕዳጋ
*እልፊ ኣእላፍ ሰማእታት ዝተኸፍላ ዋጋ   *ሚእቲ ሽሕ
ሃገርካ ከየጥፍኣ ናይ ምልኪ ሓደጋ
ቃልስኻ ኣጋልቦ ኣድሕና ብኣጋ!
እፎይ ኢልና ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 01/02/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Habte Kifle February 3, 2014

    Dear Mesinas,

    Thank you for the great POEM!!!
    You are always great!!!
    This is the right way to thank or the good deeds and criticize for any wrong doings!!!

    Please keep it up!!

  • Mesinas February 4, 2014

    ዝኸበርካ ሓው ሃብተ፡ ስለቲ ብቐጻሊ እትህበኒ ሞራልን ምትብባዕን ብልቢ አመስግነካ። ከም ገጣማይ መጠን ግን፡ ንስኻ ንጽሑፋተይ ብዓይኒ ስነ ጥበብ መዚንካ፡ ነቐፌታን እርማትን ክትህበኒውን እጽበ’የ።

    ሓውካ መሲናስ

  • ERITRAWIT February 4, 2014

    Mesinas,
    Fetawe hzbka, Isaias is trying hard to dimoralayze Eritrean people but with God help kulu khalf eu kbur hawna good work.

Post a Reply to Habte Kifle Cancel Reply