Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን!

ህዝብና ልቡ ከም ክፉት መጽሓፍ ዝንበብ ኔሩ። ሃገርና'ውን ዓዲ ግሩሃት’ያ ዝነበረት። ሎሚ ግን ኣብ ኢድ ጎራሓት ኣትያ ትደምን ተእውን’ያ ዘላ። ሞትን መርድእ ግዛ ተረሖ ስለ ዝኾነ፡ ‘ክተርድኦም ከድካ መይቶም ይጸንሑኻ!’ ዝተባህለ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ቀባሪ ስለ

ህዝብና ልቡ ከም ክፉት መጽሓፍ ዝንበብ ኔሩ። ሃገርና’ውን ዓዲ ግሩሃት’ያ ዝነበረት። ሎሚ ግን ኣብ ኢድ ጎራሓት ኣትያ ትደምን ተእውን’ያ ዘላ። ሞትን መርድእ ግዛ ተረሖ ስለ ዝኾነ፡ ‘ክተርድኦም ከድካ መይቶም ይጸንሑኻ!’ ዝተባህለ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ቀባሪ ስለ ዘይርከብ’ውን በቶም ዝተረኽቡ ቆልዓ ሰበይቲ ምዉት ሓመድ ዝለብስ። ህዝብና፣ ‘እንታይ ኢና ንገብሮ? ንመን ኢና ንነግሮ! ብኸመይ ኢና እዚ ክፉእ ዘመን ንሰግሮ? እናበለ የዕለብጥ’ዩ ዘሎ።
ስለዚ ‘ኣለና! ኣይመትናን!’ ትብሉ ኣሕዋት!
ድለዩ ናብ ሓደ ጥርምፍ ብልሓት
ህዝብኹም ኣድሕኑ ካብ ጥፍኣት
መጺኡና’ሎ ዝሃርም ነጋሪት ጥፍኣት
ዋጋ የብሉን ኣውያት
ሃገር ምስ ጠፍአት
ይኣክል! ምፍፍላይ ይኣክል ምጉት
ይኣክል! ኢሳያስ እናጥፍኣካ! ኣለኹ! ማለት
ይኣክል! ሃገር እናተዘምተ ዓይንኻ ምዕማት
ይኣክል! ተተጎቲትካ ምእታው ትሕቲ መሬት
ሃገርና ነድሕን ካብ መሸጣ ካብ ውድቀት
ህዝብና ፋሕ ዝበለ ክምለስ ካብ ስደት
ግዝኣተ ሕጊ መስሪቱ ክምርሽ ንቕድሚት

ኤርትራ፡ ብጆግራፊ ኣቐማምጥኣ ይኹን ብካልእ ንዘመናት፣ ብዙሓት ዝብህጉዋን ሃገር ኢያ። ዓይኒ ጸላእቲ ስለ ዘይተፈልያ ከኣ ታሪኽ ህዝብና ታሪኽ መኸተ’ዩ ዝብሃል። ባእዳውያን ምስ ወረሩ፡ ህዝቢ ታሪኹ ፈሊጡ፡ ተላዒሉ ከይጉሕፎም ስለ ዝሰግኡ፡ ተቐዳዲሞም ታሪኹን መራሕቱን’ዮም ዘጥፍኡ። ምስ ህዝቢ ዓለም ከይራኸብን ከይምሃርን’ዮም ዝኽልክሉ። ታሪኹ ዘይፈልጥ ህዝቢ፡ መጻኢ ዕድሉ ክቕይስ ኣይክእልን ኢዩ። ናበይ ከም ዝኸይድ ስለ ዘይፈልጥ ከኣ ብቀሊሉ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ክነፍስ፡ ብዘጋጥሙ ኩነታት ተጸልዩ ኣብ ዕንክሊል ክነብር’ዩ ዝግደድ። ስለዚ መጻኢ ወለዶ ታሪኹ ክፈልጥን ክምሃርን ክጥቀመሉን ግድን ዝኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጹ ቱርክን ግብጽን ጣልያንን፡ ብምድሪ ዝመጹ ናይ መሳፍንቲ ትግራይን ወራራት ን150 ዓመታት ዝኣክል ከም ዝተሳቐየ ኢዩ ዝፍለጥ። ህላውንኡ ንምውሓስ ቀጻሊ መኸተ ክካይድ ዝተቐሰበ ህዝቢ ኢዩ። ንምምካትን ምሕላውን ክጥዕም ከኣ ኣብ ክብ ዝበለ ቦታታት ይሰፍር ከም ዝነበረን ወራሪ መጺኡ! ዝብል ነጋሪት ክስማዕ ከሎ፡ ብቕጽበት ተላዒሉ፡ ናብ ወተሃደር ተለዊጡ፡ ንዝኣምኖም መራሕቱ ተኸቲሉ፡ ኣንጻር ጸላእቱ ይምክትን ዝስዕርን ከም ዝነበረ ጸላእን ፈታውን ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
ባእዳውያን ወረርቲ ታሪኹን መራሕቱን ምጥፋእ ጥራይ ዘይኮነ ከይምሃርን ከይነቅሕን ምስ ህዝቢ ዓለም ከይራኸበን ስለ ዝኸልከሉዎ፡ ክምዕብልን መሰሉን ክብሩን ክሕሉን ክምዕብልን ኣይከኣለን። ግዳይ ድሑር ልምድን ባህልን እምነት ኮይኑ ንናይ ባእድን ውሽጥን መናውራታትን ፖለቲካን ተጋሊጹ ከም ዝነበረን ዘሎን ኢዩ ታሪኹን ዘረጋግጽ። ኣብ ሕጊ እንዳባ፣ “ሕጊ ምፍራስ ንእግዚኣብሔርን ንንጉስን ዘሕዝንን ዘቕጽዕን!” ብዝብል ተመዝጊቡ ዝርከብ ዘረጋግጾ፣ ኣብ ናብርኡ ዝኽተሎን ዘዘውትሮን ባህሉን ልምዱን፡ ዝመስረተ ኢዩ። መንግስቲ፡ ፍትሒ ከይጠፍእ ህዝቢ ከይብደል ዝሕሉ፡ ፍትሒ ዘውጽእ’ዩ ዝመስሎ። ክሳብ ቀረባ ግዜ ‘ዝባን መንግስቲ!’ ዝብል ምዃኑ ኣብ መንግስቲ ዝነበሮ እምነት ሓያል ከም ዝነበረ’ዩ ዘረድእ። ሎሚ ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ባዕሉ ኢዩ ብዘይ ክስን ፍርድን ዝኣስር ዝጨዊ ዝቐትል ዘሎ፡ ምባል ባእሲ ምዕዳም’ዩ ዝኸውን። ሓደ ዓቢ ጸገም ከኣ ዝብዝሕ ህዝብና ደንጉዩ ዝርዳእ ምኻኑ ኢዩ። ዘይፈተነ ይፈትኖ ዘብል ኢዩ ከኣ።
ዘይፍላጥ ግን ሕሱም’ዩ ብማለት ምሕላፍ ግን ሳዕቤኑ ብርቱዕ ኢዩ። ካብ ስምብራቱን ጽልዉኡን ኣብ ሓጺር ምድሕን’ውን ዝክኣል ኣይኮነን። ናይዚ ግዳይ ካብ ምዃን ምድሓን ዝከኣል ከኣ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዝቕጽልን፡ ብጥንቃቐ ዝተዳለወ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ምክያድን፡ ንቕሓት ክብ ንምባልን ናይ ፖለቲካዊ ክእለት ዘለዎም ምሁራት ምፍራይን ዝሓትት ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ስርዓት ሃይለስላሴ ብድሑር ናይ ፊውዳል ኣተሓሳስባ ዝምራሕ’ኳ እንተነበረ፡ ብፖለቲካ ክእለቱን ብኣመሪካን እንግሊዝን መንግስታት ሓገዝን’ዩ ናይ ኤርትራ ናጽነታ ክኾልፍን፡ ንሃገርና ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትቑረን ክገብር ዝኸኣለ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ህዝብና ብሰላም ክረኽባ ዘይከኣለ ናጽነት፡ ናይ ሰላሳ ዓመት ደማ ኩናት ብምክያድን ብሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንብረትን መስዋእቲ ከፊሉ ዝጨበጣ ናጽነት ፍረኣ ከየስተማቐረን ብሩህ መጻኢ እናማዕደወን ኣብ ዘይሓሰቦን ዘይተጸበዮን ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ጉዳማት ደቂ ውሻጠ ወሊዳ መሬት። ናጽነቱ ጨውዮም ናብ ባርነት ለዊጦማ። ብኢሳያስ ስዓብቱን መጻኢ ዕድሉ ጸልሚቱ ህዝብና። መሰሉን ክብሩን ከምልስ እንደገና ናብ ዝመረረ ቃልሲ ክኣቱ ተገዲዱ። ስለ ምንታይ? ብኸመይ? ብኸመይ ኢዩኸ ክፍታሕ ዝክኣል? ንዝብሉ ሕቶታት ንዘተ ዝሕግዝ ሓሳብ ንምቕራብ ዝዓለመ’ዩ ናይዚ ጽሑፍ ዕላማ።
ብመሰረቱ ካብ ከተማታትን ገጠራትን ንሜዳ ዝወሓዙ ኤርትራውያንን ድሕሪ ባይታን፡ ብዛዕባ ህዝብና ዝነበሮም ፍልልያትን ኣፍልጦን፡ ምትእስሳርን ፍቕርን ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን። ደቂ ከተማ ካብ ናይ ገጠር ዝተፈላልየ ናብራን ልምድን ከተማታት ዘማዕበሉን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ምዃኖም ዝክሓድ ኣይኮነን። ገለ ካብኦም ግን ብጠባያት ደቂ ሹቕ ከም ዝተጸልዉን፡ ጠባይ ዕዋላታት ዘማዕበሉ፡ ምስ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ርክብ ከም ዘይነበሮም፡ ገለ ግን ወለዶም ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ከሎ ባህልም ልምድን ህዝቦም ከይርስዑ፡ ናብ መበቆል ዓዶም ይወስዱዎም ስለ ዝነበሩ ባህሉ ክፈልጡን ክወርሱን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮምን ይፍለጥ። ሓደ ካብ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝሰማዕኩዎ ከም ኣብነት ክጠቅስ። ካብ ከተማ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ፡ ነቶም ካብ ገጠር ዝተሰለፉ መሲሉ ክዋሳእ ዝሰምዑዎ ምስ ሓተቱዎ፡ ‘ኮነ ኢሉ ንዓበይቲ እናሓተትኩ ተማሂረዮ!’ ብማለት ከም ዝመለሰ ገሊጹ። ካብ ሰብ እኽሊ ይምዘን ከም ዝብሃል፡ ንኢሳያስ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታትን ንዝፈልጥዎ ብምግዳፍ ድሕሪ ባይትኡን መዕበያን ምጽናዕ ምሕላፍ ይሓይሽ። ካብ ወላዲቱን ኣሕዋቱን ተፈልዩ ምስ መድህን በራድ እንዳ ሜስ ምዕባዩ ብዙሕ ሕቶታት ከልዕል ዝኽእል ኢዩ። ኢሳያስ ንሜዳ ክስለፍ ከሎ፡ ሓደ ብቐረባ ብቐረባ ዝፈልጦ፣ ‘እዚ ዝመጻኩም ዘሎ ተጋዳላይ፣ ፈላላዪ፡ ቂመኛ፡ ተንኮለኛ፡ ህልኸኛ … ! ስለ ዝኾነ ንሰውራና ከይፈላሊ ከየዳኽም ተጠንቀቑ!’ ዝብል መልእኽቲ ንሜዳ ከም ዝሰደደ ኢዩ ዝፍለጥ። ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ ከኣ፡ ነዚ ብዝፈልጦ ዝተገልጸ ኣብ ሃገረይ! ዝብል ካልኣይ መጽሓፉ “ኢሳያስ ብባህርኡ (መላኺ) ዲክታተር ክኸውን ዝድሊ ሰብ ኢዩ።” ብማለት ደጊሙዎ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ፡ ብናይ ወዲ ሰብ ኣእምሮ (ሶሲዮሎጂ፡ ሳይኮለጂ) ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም ኤርትራውያን ሞያውያን ስለ ምንታይ ኢሳያስ ንህዝብና ከጥፍእ ከም ዝተላዕለ ንምፍላጥ ጻዕሪ የካየዱ ምህላዎም ዝዝከር ኢዩ። ገለ’ውን ኢሳያስ ሳዲስት ኢዩ! ሳዲስት ማለት ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ብዘውርዶ ስቓይን፣ ውርደትን፣ ደስታ ዝስመዖን፣ ዕግበት ዝፈጥረሉን ማለት ኢዩ፡ ንኢሳያስ ዘሓጉሶ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምውራድን፡ ምስቓይን፡ ናብራን ሂወትን ህዝቢ ኤርትራ ምዝራግን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ። ናዝጊ ክፍሉ’ውን፡ “ኣነን ኢሳያስን ዝፈጸምናዮ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝፈልጥ ምተጸለለ!’ ዝበሎ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ምናልባት’ውን በዚን ብካልእን ምኽንያት ስለ ዝተቐየሞ ይኸውን ሬስኡ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ዝኸልከለ። ካልኣይ ይቕጽል
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ምስሉ ተኪኤ 2 ሰነ 2020

yakobe@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde June 4, 2020

    To be honest,it is not time to mystify or psychoanalyze this freak of an individual who wouldn’t qualify to be a good car salesman here in the west, the mere fact we still talking about him is as significant as his making among us ironically,this is time to quash him like a house fly,isolate him,expose and demonstrate how insignificant he is without the Eritrean people,lets focus on working together to toss him and his cronies into the trash can of history instead of wasting our time interpreting him as a specimen,he is just a fallible human who takes a dump like you and me and gets constipated every now and then. Lets take off the suit we put on him and send him to visit his cousins in his underwear, that would be a good homecoming photo op.Lets (just do it!)

  • ወዲ ሃገር June 4, 2020

    “ሎሚ ብፍላይ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ባዕሉ ኢዩ ብዘይ ክስን ፍርድን ዝኣስር ዝጨዊ ዝቐትል ዘሎ፡ ምባል ባእሲ ምዕዳም’ዩ ዝኸውን። ሓደ ዓቢ ጸገም ከኣ ዝብዝሕ ህዝብና ደንጉዩ ዝርዳእ ምኻኑ ኢዩ። ዘይፈተነ ይፈትኖ ዘብል ኢዩ ከኣ።

    ምስሉ ተኪኤ 2 ሰነ 2020
    __________________

    እሰያስ ገበነኛ እኳ እንተኾነ ፥ ልዕሊ 50 ዓመት በዲሉና ክንብል ግን ኣይንኽእልን።
    እቲ ሚስጢር ንሱ ብተምሳል ኣታሓሳስባና እዩ ዝተሰርሐ ፥ ኣብ ዉሽጥና እዩ ዝነብር ። ቡኡ ምኽንያት ካብኡ ክንገላገል ኣይካኣልናን።
    ንሱ ፍረ ዱሑር ጎኒ ኣእሙሮናን ባህልናን እዩ።
    He is a product of our subculture.
    He is product of our mindset.
    ንእሰያስ ንሕና እና ጥፍጢፍና ብምስልና ሰሪሕናዮ ። ንሱ ፍረ ድሕረትና እዩ።
    ንሕና እና ብሽም እቲ ነምሉኾ ጣኦትና ንቃተል ዘለና።
    እሰያስ ዱንቁርናና እዩ ዝውክል።
    ንሕና ብሙሉእ ፍቶትና ተደቢርና ናዓ ተሰቀለና እልናዮ ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ማዕረ ገርናዮ።
    ደስ እንዳ በለና ፥ ብሽሙ ንቃተል ፥ ንጻላእ ፥ ገለናውን ብሽሙ ንፋቀር።
    እዱ ንስዕም ፥ ንሳለም ፥ ንምህለል ፥ እንተ ጨክነልና ንናሳሕ ንምእዘዝ ።
    ዋእ !!! እዚ ዳኣ ቀደም ዝተረፈ ክትብሉ ሰሚዐ።
    ልክዕ እዩ ሎሚ እቲ ጣኦት ካባና ፍንትት እሉ ይርከብ ፥ እቲ ንዑኡ ዝሰረሕናሉ ጭቃ ግን ገና ንኣእሙሮና ዓጺዩ ይርከብ ። ኣብ ስደት ሰፊርና ብጅምላ እንዳ ጠፋእና ከለና ፥ ብኣውራጃ ፥ ብሃይማኖት ፥ ብዓሌት ፥ “መን ዓብለለ” ኮይኑ ውራይና ። ኣብ ዓዲ ቀብሪ ዝኹዕት መንእሰይ ዘይብላ ኤሪትራ ገዲፍና ፥ ነቶም ጸጊቦም ወሰኽ ጎዲሉና ዝብሉ ጎረባብትና ፥ ንዘልፍ ።
    እሰያስ ፥ ኣብ ዓዲ ሓሎ ኣሎ ፥ ግን ካኣ ኣብ ልብና ኣሎ ።
    ንሕና ንነብስና እንፍውሰላ ማዓልቲ ፥ ኣብ ልብና እንምለሰላ ማዓልቲ ፥ ንሕና ነቲ ጣኦት ፥ ምስ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳቡ ኣብ ኣእሙሮና እንውግደላ ማዓልቲ ፥ ብርግጽ ማዓልቲ ሓርነት እያ ክትኮውን።

    • k.tewolde June 5, 2020

      ((ንሕና ብሙሉእ ፍቶትና ተደቢርና ናዓ ተሰቀለና እልናዮ ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ማዕረ ገርናዮ።))>>>> forgive us Father for we have paid enough.——-(ንእሰያስ ንሕና እና ጥፍጢፍና ብምስልና ሰሪሕናዮ ። ንሱ ፍረ ድሕረትና እዩ።), could that be the reason for the phrase (NIHNA NISU,NISU NIHNA)?,that is why I said,there is a little bit of him in all of us,that is why he treat us the way he does because he is self loathing,he hates seeing himself in us,that is the reason why he traveled south of the border smiled ear to ear.and pounded his chest and demonstrated the show of love he never showed the Eritrean people ever..(((ንሕና ንነብስና እንፍውሰላ ማዓልቲ ፥ ኣብ ልብና እንምለሰላ ማዓልቲ ፥ ንሕና ነቲ ጣኦት ፥ ምስ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳቡ ኣብ ኣእሙሮና እንውግደላ ማዓልቲ ፥ ብርግጽ ማዓልቲ ሓርነት እያ ክትኮውን።)))——- nobody can say it better than you my dear brother,keep pouring it on.

  • ወዲ ሃገር June 5, 2020

    “that is why I said,there is a little bit of him in all of us,that is why he treat us the way he does because he is self loathing,he hates seeing himself in us”
    K.tewolde
    __________

    ዝበልካዮ ሓቂ እዩ ዶቶረ ፥
    ማዓት ፈሊጡ “ዝጸመመ” ሰብ እንዲዩ ነይሩና ?
    ሕጂ ነገር ምስተበላሸወ እንሆ ሎሚ ፥ እውያት ጥራይ ኮይኑ ።
    ኣብ “መስትያት ገድሊ” ዝባሃል ቻነል ናይ ዩቱበ ሎምቅነ ሓደ ነባር ተጋዳላይ እንታይ ይብል ኣሎ ስማዕ ። ንምእማኑ ዘጸግም ታሪክ።

Post a Reply to ወዲ ሃገር Cancel Reply