Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣናሻዕ ኣይንሙት “ሓንቲ እያ ሞት።”

ዓይነት ኣሟሟት እዩ ዝፈላለ እምበር ሞት ሓንቲ እያ። ተዓንቂፉ ዝሞተ ሰብ ተዓንቂፉ ሞይቱ ይበሃል፥ ብመኪና ሓደጋ ዝሞተ ሰብ ብመኪና ሓደጋ ሞይቱ ይበሃል፥ ብማሕነቅቲ ዝሞተ ሰብ ተሓኒቁ ሞይቱ ይበሃል፥ ብሕማም ዝሞተ ሰብ ሓሚሙ ሞይቱ ይበሃል፥ ወ.ዘ.ተ።

ዓይነት ኣሟሟት እዩ ዝፈላለ እምበር ሞት ሓንቲ እያ። ተዓንቂፉ ዝሞተ ሰብ ተዓንቂፉ ሞይቱ ይበሃል፥ ብመኪና ሓደጋ ዝሞተ ሰብ ብመኪና ሓደጋ ሞይቱ ይበሃል፥ ብማሕነቅቲ ዝሞተ ሰብ ተሓኒቁ ሞይቱ ይበሃል፥ ብሕማም ዝሞተ ሰብ ሓሚሙ ሞይቱ ይበሃል፥ ወ.ዘ.ተ። ወዲ ሰብ ብስጋ ሓንስእ እዩ ዝመውት።ሞት ሓመድ ድበ። ሞት “ሓመድ ኢኻ እሞ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ፤” ዝብል ረቂቅ ሃማኖታዊ ምስጢረ እምነት ፈጣሪ መዕጸዊት ምዕራፍ እያ።

ብዓለማዊ ኣተሓሳስባ፡ ፍጡር ይውለድ፣ ይነብር፣ ይመውትን ብመንገዲ ሓመድ ድበ ከኣ ምስ ሓመድ ይቀላቀል። ሰብ ክውለድ ብእልልታ ትቅበሎ፤ እቲ ውሉድ ህጻን ግን ብብኽያት ነዚኣ ዓለም ይቀላቀላ። ወላዲ ተካእየይ ወለድኩ ኢሉ ክሕጎስ ከሎ፤ ተወላዲ ህጻን ከኣ ብዘይ ድልየቱ ናብ እዛ ዓለም ምምጽኡ ብብኽያት ተቃውሞኡ ይገልጽ። ካብ እታ ዝነበራ ጦዑም ናብራ (ማሕጸን ኣዲኡ) ናብዛ ዓለም ውልድ ክብልን ብሃነፍነፍ ጡብ እዲኡ ብምጥባው ነዛ ከብዱ ከዐንግለ ክብል መዓልታዊ ስራሕ ክጅምርን ሓደ እዩ ዝኸውን። እቲ ምንባር ዝበሃል እቲ ኣብ መንጎ ውልደትን ሞትን ዘሎ ጊዜ፡ መንነት ወዲሰብ ብግብሩ ዝምዘነሉ እዋን እዩ። ኣብ እዚ ጊዜ እዚ ወዲ ሰብ ሞትን ብዙሕ ጊዜ ዝጥዕመሉ እዋን ኢዩ። ካብዘን ብዙሓት ንብለን ግን እታ ሓንቲ ምኽንያት ዘለኣለማዊ ስጋዊ ሞት ተስዕበሉ። ነፍሲ ትበሃል ረቂቅ ዘይድህሰስ ነገር ካብ ስጋ ትፍለ። እቲ በድኒ ሬሳ ተባሂሉ ናብ ሓመዱ ይሕወስ፤ እታ ነፍስ ከኣ ናብ መኸዲኣ ትኸይድ። እቲ መስርሕ ምንባር ኣብ ምድሪ በዚ የብቅዕ።

ብመንፈሳዊ ኣተሓሳስባ፡ ድሕሪ ስጋዊ ሞት ዝስዕብ መንፈሳዊ ሂወት እምነት ዝእመነሉ ካልእ ዓለም ኣሎ። እዚ ብውልቃዊ እምነት ሰባት ይውሰን። ሓደ ብክርስትያን፣ ሓደ ብምስልምና፣ ሓደ ብሂንዱ፣ ሓደ ብብዱሃ፣ እቲ ካልእ ከኣ ብፓጋን ክኣምን ይኽእል። ብስጋዊ ሂወት ኣብ ዘለኻሉ እዋን መንፈሳዊ ሂወት ከኣ ብሃይማኖት ይዝወር። ሃይማኖታዊ እምነት ኣብ ውሽጢ ኣተሓሳስባኻ እትነብሮ እምበር ተገዲድካ እትቅበሎ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። ድሕሪ ስጋዊ ሞት ጽድቅን ኩነኔን ዝበሃሉ መምዘኒታት መብጽሒ ሂወት ኣለዋ። እዘን መብጽሒ ብሂወት ኮለኻ ብዝገበርካዮም ግብሪ ይምዘና። ከከም እምነትካ ንኣብነት ብቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ብቅንዕናን ሓቅን ተላቢስካ፣ መንገዲን ትእዛዛትን ሃይማኖትካ ኣኽቢርካ፣ እንተተጓዕዝካ ትጸድቅ፤ ናይ ዘለኣለማዊ ሂወት ከኣ ትወርስ። እንተ ቶንኪልካን ሓሶትን ተላቢስካ፣ መንገዲን ትእዛዛት ፈጣሪኻ እንተኪሒድካ ከኣ ናብ ኩነኔ ትወድቅ፤ ናብ ዘለኣለማዊ ሲኦል ከኣ ትድርበ።

ክትውለድ ዳርጋ ማዕረ እኳ እንተኾነ መስርሕ ምንባር ኣብ ዓለም ሚዛን ዝሓለወ ኣይኮነን። ጉራሙራ እዩ። ብሓይል ስልጣንን ብምግባት ሃብትን እዩ ዝእለ። ዕድል ጌርካ ኣብ ኣውሮፓ እንተተወሊድካ ካብ ዕድል ጌርካ ኣብ ኤርትራ ምውላድ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ኣዎሮፓ እንተወሓደ ኣብ ሰላምን ዲሞክራሲ ዝበሃል ሃዋሁ ትነብር። ኣብ ኤርትራ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ጸበባ፣ ጭንቀት፣ ጥሜት፣ ባርነት ይጸንሓካ።

እብዚ እዋን እዚ ኤርትራ ንቤተ ፈተነ ስቃይን መከራን፣ ግፍዕን እንግልትን፣ ማእሰርትን ቅትለትን፣ ብኽያትን ኣውያትን፣ ሓዘንን ጓሂን፣ ጭንቀትን ጸበባን፣ ዝተሓረየት ርግምቲ መሬት ትምሰል። በዓል ቀላጽም መራሕታ ክፍክሩን ክቀትሉን፣ ክሰኽሩን ክዕንድሩን፣ ከሽቃዕልሉን ክሕስዉን ተአንግድ ሃገር፣ ብራዕድን ምሽቁራርን ዝተኸተበ ክሳዱ ኣድኒኑ ስቅ ኢሉ ናብ ማሕረድ ዝንዳሕ ዜጋ ተንከላብት መሬት ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ካልእ ይርከብ ዶ ይኸውን፧ ሰብካ ክእሰር ቅቡል፣ ሓውኻ ክቅተል ንቡር፣ መሰልካ ክግፈፍ ኣሜን፣ ዝብል ህዝቢ ኣብዚ ናትና ትውልዲ ዝሓዘለት ሃገር ኤርትራ ጥራይ ኢያ ትኸውን።

እታ ብምትሕልላይ ሕውነት እትልለ ኤርትራ ብምጣሉ፡ ሓውኻ ክእሰር ከሎ ደይትጣበቀሉ፣ ሓውኻ ክቅተል ከሎ ደይትከላኸለሉ፣ ሓውኻ መሰሉ ክግፈፍ ከሎ ደይትካታዓሉ፣ ሓውኻ ብሓሶት ክውንጀል ከሎ ኣሕሊፍካ እትህብ፣ ሓውኻ ክጥቀንን ብጸለመ ክኸፍእ ከሎ ሓቢርካ ተኽፍእ እንተኽንካ እቲ ሕውነት ንብሎ ትርጉም ደኣ ኣበይ ኣሎ፧  ሓቂ ረጊጽካ ንሓሶት ዝሕብሕብ፣ ፍትሒ ኣማዕዲኻ ንምልኪ ዘምልኽ፣ ሰብእነትካ ሸይጥካ ንፍርሂ ዝምብርከኽ፣ ኤርትራዊ ፍጥረት ቀደም ኣይነበረን ኢዩ ዝብለና ታሪኽ ወለድና። ሎሚ ግን ኮይኑ ኣሎ። ንእምነትናን ሞራልናን ንጠራጠረሉ፣ ንማንነትናን ሕሊናናን ንሸጠሉ፣ ንወኒናን ሞራልናን ነራኽሰሉ፣ ትውልድናን ወለድናን ነሕስረሉ፣ ምኽሪ ዓበይትን ሊቃውንትን ንነጽገሉ፣ ውሉድን ወላድን ንከሓሓደሉ እዋን በጺሕና።

ዕጣ ፈንታ ሰብ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዓይነት ካብ ኮነ፤ ስለምንታይ ካብ መንገዲ ሓሶትን መንገዲ ጌጋን (ነፍሰ ምትላልን) ወጺእና፡ ናብ እቲ መንገዲ ሓቅን መንገዲ ቅንዕናን ዘይንሕወስ። ነባሪ ታሪኽ እምበር ነባሪ ሰብ የለን። ናብራ ሓሶት እንዳነበርካ ብዙሕ ጊዜ ብዙሕ ሞት ካም ምጥዓም ንናብራና ንተሓደግ። ብገበርቲ እኸይ መራሕቲ፡ ኣብ መጋብኣያ ቀሪቦም ፍትሒ ዘይረኸቡ እሱራት ኣብ ፈቀዶ ኣብ ኮንቴነራት፣ ብቆርቆሮ ዝተሰርሐ ኣብያተ ማእሰሪቲ፣ ኣብ ትሕተ ምድሪ ዝርከብ ቤት ማሕዩር ኣለዉ። እቲ ማእሰርትን ስቅያትን፣ እቲ ግፍዕን ማህረምትን፣ እቲ ስደትን ሞትን ጌና ብናህሪ ይቅጽል ዘሎ።

እስኪ ንነፍስና ኣብ ቦታ እቶም ብዘይ ፍርዲ ዝሰቃዩ ዘለዉ እሱራትና ኣቀሚጥና፡ ነቲ ንሳቶም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ነስተንትኖ። ቅድም እንታይ ስለዝገበርኩ ተኣሲረ ኢልካ ኢኻ ትሓትት። ሓቂ ስለተዛረብኻ፣ መንገዲ ጌጋ ስለተቃወምካ፣ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ደው ስለዝበልካ፣ ግፍዕን ብደዐን እንዳረኣኻ ስቅ ኢልካ ስለዘይረኣኻ፣ ሕጊ ይንገስ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበልካ፣ ወ.ዘ.ተ. ክትምልስ ትኽእል። ድሕሪኡ ምስ ነፍስኻ ኢኻ ትካታዕ። እንድሕሪ ኣሲሮምኻ እሞ በደል ጌርካ ካብ በሉኻ፡ ስለምንታይ ቤት ፍርዲ ዘይወሰዱኒ ኢልካ ተስተንትን። ሓቂ ሒዝካ ከምዘለክኻ ስለዝፈልጡ ቤት ፍርዲ ኣይወስዱኻን እዮም። ስለዚ ነቲ ፍንፉን ግብሮም ሓቂ ከምስሉ፣ በደልካ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንኸእምኑ “ብሰበብ ጥልመት ሃገር” ኣብ ሸላታት ይድርብዩኻ፡ ብግድን ክትኣምን ግፍዕታት ኣብ ርእሴኻ የውሩድልካ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ኣብ መጋባኣያ ቀሪቦም ፍርድኻ ስለዘይነግሩኻ፥ መዓስ ከምትፍታሕ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ንዕቃበ ሚስጢሮም ክብሉ ከኣ ከምዘይየውጹኡኻ ትርዳእ። ዕለታዊ ንጥፈታትካ እህህ ምባልን ምግዓርን ይኸውን። ብሞት ተኸቢብካ ሞት እንዳሽተትካ፣ ኩነታት ስድራኻ እንዳስተንተንካ፣ ዝተሓደጉኻ ሰብ ትሓስብ። እቶም ምእንተኦም ኢልካ ዝተሓየርካሎም ከእዉዩልካ ትምነ። ግን ብዘይካ ናይ እግዚኣብሄር ተስፋ እቶም እምነት ዝገበርካዮም ሰባት ክጠልሙኻ ትዕዘብ። ካባኻ ክርሕቁ ትርኢ። ሽዑዑ ዝስመዓኻ ስሚዒት ከመይ ከምዝኸውን ገምት።

እሱራትና ሕማም ኣንዳደገሶም፣ ጥሜት እንዳቀዘፎም፣ በረኻ እንዳለብለቦም፣ ቁሪ እንዳሰፍሰፎም፡ ንሕና ከኣ ኣማሪጽና ነተንፍስ። ኣማሪጽና ንድቅስ፣ ኣማሪጽና ንበልዕ፣ ኣማሪጽና ንድቅስ። ጽባሕ ናታ ግደ ኣለዋ። ጽባሕ በዓል ተራ ምዃና ዘንጊዕና ብማይ ቀጠነ ንበኣስ። ጽጋብና ሓድሕድ ብምጽፋዕ ድኽመትና ንገልጽ። እሞ ንሕና ጽቡቅ ዝገበሩልና ንርስዕ፡ ኣእምሮ ከም ዘለዎ ሰብ ዲና ክንጽብጸብ፧ ንዑ ንንቃሕ ዝተደፈነ ሕሊናና ነበራብር። ኩነታት እሱራትና ንረዳኣዮ። ኣናሻዕ ኣይንሙት “ሓንሳእ እያ ሞት” ሞት ፈሪህና የሕዋትና ኣይነግድዕ። ክንተሓደጎም ብተስፋ ይጽበዩና ኣለዉ። ንዑ ናብ ናይ ቀደም መንገዲ ሓቂ ንመለስ። መንገዲ ቅንዕና ንምረጽ። ሃይማኖትና ንሓድስ። ነቶም ኣሚኖምና ስለእንታና ስለ ኤርትራ ኢሎም ዝተሓየሩ ንተሓደጎም። ነቶም ብሕጂ ከካብ ቤቶም ዝህደኑን፣ ዝግፈፉን ዝእሰሩን ዜጋታት ንከላኸለሎም። ጠበቃ ክንኮኖም ኣክንደኦም ብሓደ ድምጽና ነስምዕ።

 

ምልኪ ይፈረስ ፍትሒ ይንገስ

መስተርሆት ካብ እግዚኣብሄር ኢዩ

ደብረ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Kidane yonas August 8, 2019

    Tomorrow has its own contribution, now it is his turn. Debre thank you.

POST A COMMENT