Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ

ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ፡ ሕጽረትን ቅልውላውን መንበሪ ኣባይቲ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ሕማም ርእሲ ህዝብና’ዩ። ቀንዲ መንቀሊ ናይዚ ጸገማት ድማ፡ ጋሕማጥ ምምሕዳርን ምስ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ክውንነት ሃገርና ዘይቃዶ ኣሰራርሓን ሜላታትን ስርዓት ኢሳያስ’ዩ። መንግስቲ፡ ብዓዲ፡

ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ኤርትራ፡ ሕጽረትን ቅልውላውን መንበሪ ኣባይቲ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ሕማም ርእሲ ህዝብና’ዩ። ቀንዲ መንቀሊ ናይዚ ጸገማት ድማ፡ ጋሕማጥ ምምሕዳርን ምስ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ክውንነት ሃገርና ዘይቃዶ ኣሰራርሓን ሜላታትን ስርዓት ኢሳያስ’ዩ። መንግስቲ፡ ብዓዲ፡ ከተማ ወይ ብውልቀ ዝውነን መሪት ብኣገባብ ክወስድ ስልጣን ኣለዎ። ይኹን እምበር እዚ ስጉምቲ’ዚ ምኽኑይ ዝኸውን፡ እቲ መሬት ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ቁጠባዊ ልምዓትን ልዑል ኣገዳስነት ምስ ዝህልዎን’ዩ። ሓላፍነት መንግስቲ ከኣ፡ መሬቱ ዝተወስደ ዓዲ/ከተማን ወልቀሰብን፡  መተካእታ መሬቱ ብዓይነት ወይ ብገንዘብ ምሉእ ካሕሳ ክህብን ዕላማ ናይቲ ብመንግስቲ ዝወሰድ ዘሎ መሬት ወነንቲ/ ነበርቲ ግቡእን ኣብ እዋኑን መግለጺ ምሃብን’ዩ ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ መሬት ንመንበሪ ወይ ንኣብያተ ንግዲ ቅድሚ ምዕዳሉ፡ ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ምድላው ከምዘድሊ ዘማትእ ኣይኮነን። ኣብ ርእሲኡ፡ መሬት ዝወሃብ ውልቀ ሰብ ወይ ትካል ብዝተሓንጸጸ መደብ ክፍጽሞ ብቅዓትን ዓቅምን ከምዘለዎ ክረጋገጽ ኣለዎ። እዚ መምዘኒታት’ዚ ምምልኡ ድማ ሓላፍነት መንግስቲ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ብዘይ እኹል ምቅርራብን ኣብ ህንጻዊ ስርሓት ክነጥፉ ንዝተቀረቡ ዜጋታት ብምሕራምን፡ ተፈጻምንት ዘይብሉ ውጥን ብተብተብ ስለዘበገሰ’ዩ ሕመረት ናይ’ዚ ኩሉ ጸገም። ብዘይ ጽጹይ መጽናዕቲ ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶምን ኣብያተ ዕዮኦምን ብሓይሊ ምብራር፡ንብረቶም ምዕናውን ምዝማትን ካሕሳ ዘይምሃብን ድማ ሰራሕ ሽፍትነት እምበር ንህዝቢ ዝቆምኩ’የ ካብ ዝብል መንግስቲ ዘይትጽበዮን ዘይውሕሉል ኣረሜናዊ ተግባራትን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዞባታት ደቡብን ማእከልን  ዝተኻየደ ወፈራ ምዕናይ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ሸቀጥን ከምኡ’ውን ኣማኢት ስድራቤታት ካብ መረበቶምን ንጥፈታቶን ምምዝባልን ከኣ፡ መቀጸልታ ናይቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካዮድ ዘሎ እኩይ ዘመተን ዕንወትን’ዩ። ህግደፍ፡ ንዓሻን ጨካንን ተግባራቱ ንምሽፋን ዘቅርቦ ዝኾነ ምስምስ ብዘየገድስ፡ ተሓሪጡን ለፊዑን ገንዘቡን ግዚኡን ዘፍሰሰሉ ህንጻታት፡ ኣብ ክንዲ ብወፈራ ሃገር ምህናጽ፡ ዕጡቃት ወተሃደራትን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ክሰርሕ ዝግብኦ ናውቲን ኣዋፊርካ  ሰለማውያን ምጉስቋልን ዝተሃንጸ ምዕናውን ምስ ምንታይ ይቁጸር? መን ይፈልጥ ህግደፍ፡ ነቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ዝነብሩ ዜጋታት’ውን ‘’ዓድኹም ጎደናታት የብሉን’’ኢሉ ዝርካቡ ኣባይቶም ንኽፈርስ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ዓይኒ ሓሰኻ የብሉን።

ካብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ገና’ውን ዝቅጽል ዘሎን ዘይተፈወሰ ሕማም፡ ብዘይ ዝኾነ መግለጺ ወይ ብዕባራ ምኽንያት፡ ዝተጀመሩ መደባት ንዓመታት ጠጠው ምባልን ዝተኸተሙ ውዕላትን ገደብ ግዜን ምስራዝ ልሙድ ተርእዮ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ከምቲ ገለ ተዋዘይቲ መንእሰያት ኣስመራ፡ ኣዋጃትን ሕግታትን ኣብ ጸጽባሕ ክቀያየሩ ምስተዓዘቡ፡          “ሕግታትን ኣዋጃትን መንግስቲ ኤርትራ ብርሳስ ስለዝጸሓፍ ብዙሕ ምጭናቕ ኣየድልን’ዩ፡ ምኽንያቱ ዝቀደመ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ጽባሕ ንግሆ ክቅየር’ዩ ወይ ክተርፍ’ዩ”ኢሎም ምግላጾም’ውን ንባጫ ጥራይ ኣይነበረን። ንሓቀኛ ባህርያት ስርዓት ኢሳያስ ንምኽሻሕ እምበር። ኩሉ ተግባራትን ሃንቀውታን ህግደፍ ድማ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ሰማይ ዓሪጉ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ክንዲ ምምሕያሽን ጠሪስካ ምፍታሕን፡ ነቲ ድኻ ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ’ዩ። ቀዳምነታት ስርዓት ኢሳያስ ድማ፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ንዝኸፈሉ ዜጋታት ብዝብል ጉልባብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምግሓጥ’ዩ።

እዚ ብወፈራ ዝፈርስ ዘሎ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን፡ ንምህናጹ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ጉልበትን ጥረ ነገራትን ብሰንኩ ዝተመዛበለ ስድራቤታትን ዳግማይ ንምትክኡ ዘሎ ገንዘባውን ሰነኣእምሮኣውን መስገደል፡ ብዓይኒ ስርዓት ኢሳያስ ዓቢ ዓወት፡ ጽፈት ኣሰራርሓን ምኽባር ሕግን’ዩ ዝሕሰብ። ኣብ ኤርትራ፡ ዜጋታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ይሰርሑ እንተልዮም ዘነጽሮ ሓደ ጉዳይ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ብሕጊ ሕኽኸኒ ክሓከካ፡ ብላዕን ኩሉ ብቃሕታ ኢሳያስ ስለዝስራሕን’ዩ። ካብ ሰበስልጣን ኢሳያስ ጉቦ ዝቅበል ኣካል ወይ ቤት ጽሕፈት እንተዘይህሉ፡ ብላዕ ዝህብ፡ ብዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ጉዳዩ ከሳልጥ ዝደሊ ዜጋን ካብ ሌባ ተቀባል ሌባን ኣይምበዝሐን። እሙናት ምንጭታት ኣስመራ ከምዝሕብርዎ፡ ገለ ዓቅሎም ዝጸበቦም ሰባት ንመንበሪ ኣባይቲ መሬት ምስተዓደሉ፡ ብሕጽረት ገንዘብ፡ ጥረ-ነገር፡ ጉልበትን ምስ ክውንነት ሃገርና ዘይቃዶ ቁጽጸር መንግስቲ ስለዝቀየዶምን፡ ክፋል መሬቶም ንርኹባት ብምሻጥ ገዝኦም ክሰርሑ ጸኒሖም። እዚ ተግባራት’ዚ ድማ  ዋላ’ኳ ዘይሕጋዊ እንተኾነ፡ ካብ ዓይኒን እዝኒን ስርዓት ኢሳያስ ስውር ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ንነዊሕ ዓመታት ሳዕሪሩ ዝጸንሐ ነጸብራቕ ብልሽውናን ሸለልትነትን ህግደፍ’ዩ። ውጽኢት ፍሹል ሜላ ኣተሓሕዛ መሬት ስርዓት ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ድማ ኣየማትእን። እቲ ኣብ ልዕሊ ድኻ ዝፍጸም ዘሎ ምክልባትን ዝነበርኦ ንብረት ምሕዳግን ምዕናውን ግን፡ ኣነን ሓጺሩኒ ይብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሚያዝያ 2015)

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT