Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ!!

መስፍን ሓጐስ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ በጋጣሚ ኣብ ፌይስቡክ ምስ ረኣኹዎ ግድን ክሰምዖ ኣለኒ ብምባል ተኸታቲለዮ። ከም ሓቂ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ብዙሕ ሰብ ብርክት ዝበለ ነቐፌታ ክውሕዞ ስለ ዝጸንሐ፡ ገለ

መስፍን ሓጐስ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ በጋጣሚ ኣብ ፌይስቡክ ምስ ረኣኹዎ ግድን ክሰምዖ ኣለኒ ብምባል ተኸታቲለዮ። ከም ሓቂ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ብዙሕ ሰብ ብርክት ዝበለ ነቐፌታ ክውሕዞ ስለ ዝጸንሐ፡ ገለ ዝብላዕ ዘረባ የስምዓና ይኸውን ዝብል ግምት ነይሩኒ። ዳርጋ ኣብ ምሉእ ቃለመሕትቱ ግን ናይ ኢሳያስ ዜማ ጥራይ የቃልሕ ነይሩ። እቱም ሰባት! ቍሩብ ኣይምኰርን ድዩ? ኣብ ምባል ኣትየ። ካብ ቃለመሕትቱ ገና ኣብ ሰማንያታት ይነብር ከም ዘሎ’የ ተረዲአ። ዘረባኡ ድማ ልክዕ ነቲ ኣብ ሳሕል ከለና ንሰምዖ ንዝነበርና ናይ ኢሳያስ ቃለመሕትት ኣዘኻኺሩኒ። ንመስፍን ሓጐስ፡ ንምዃኑ ሎሚ ሰብ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ትፈልጥዶ? ሳላ ተክኖሎጂን ኢንተርኔትን ሎሚ ኤርትራዊ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ። ብሰንኪ ግጉይን ግፍዓውን ፖሊሲ ኢሳያስ ከም ሕሱም ናብ ስደት ስለ ዝወሓዘ ከም ሳዕቤን ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ሳሕል ኣዝህንህኖት ወይ ኣተሓሳስባ (ሲንድሮም) ወጺእካ ናብቲ ሓቂ ምጻእ ክብሎ ምደለኹ።

MesfinHagosብዝኾነ መእተዊ ከየንዋሕኩ ናብ’ቲ ዝነበረ ቃለመሕትት ክሓልፍ። ትሕዝቶ ሕቶታት ንኣሰላልፋኡ፡ ቀልጢፉ ናብ መሪሕነት ምድያቡ፡ ትግባረ ቅዋም፡ ጕዳይ ጕጅለ 15፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ኣጋጣሚ ዝፈጠሮ ምንባሩ፡ ኵነታት ቃልስን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና እዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ደንጕዮምና ከም ዝብል፡ ብዛዕባ ታሪኽ ምጽሓፍን ምስ ምህላው ድኹም ተቓውሞ ትም ምባል ይሓይሽ ኢልካዶ ትፈልጥ. . . ? ዝብል ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘገደሰኒ ነጥቢ ብዛዕባ ታሪኽ ምጽሓፍ ዝበሎ ስለ ዝኾነ ግን ናብኡ ከተኵር’የ። እቲ ዘገርም፡ መስፍን ሓጐስ ዝተዛረቦ ሓድሽ ነገር እንተ ነይሩ ንተስፋይ ተምነዎ ከም ሕሱም ምውቃዕ ጥራይ’ዩ። ዕላማ ናይቲ ቃለመሕትት’ውን ብመደብ ናብዚ ኣንፈት’ዚ ዝቐንዐ ይመስል ነይሩ። ምኽንያቱ ሕቶታት ምስ ተወድአ ኣብ ራብዓይቲ ክፋል ቪድዮ፡ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንታይ ኣሎ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ዝሃርሞ ኣሎኒ በትረይ ሃቡኒ ከም ዝብሃል፡ ነታ ቍሩብ ደቓይቕ ጥራይ ዝኸደት ቪድዮ ንተስፋይ ተምነዎ ኣብ ምድሃኽ ጸንቂቑዋ። ንገለ ካብቲ ተስፋይ ተምነዎ ኣብ ቃለመሕትቱ ዝገለጾ ቦታታትን ፍጻሜታትን ፈልዩ ብምጥቃስ ነጺጉ። ብወገነይ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሜዳ ስለ ዘይነበርኩ ነዚ ናብ ተስፋይ ተምነዎ ክምልሶ ብምሕዳግ፡ ናቲ ብዛዕባ ታሪኽ ምስናድ ዝምልከት ዝሃቦ ቅያ መልስታት ክሰግር እየ። ታሪኽ ክጸሓፍ ኣለዎዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ መስፍን ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፡-

“ብመጀመርታ ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ዝተሳተፉ ብዙሓት ስለ ዘለዉ፡ ንታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ናብ መጻኢ ወለዶታት ኣብ ምስግጋር አእጃሞም ከበርክቱ ኣለዎም። ኣነ’ውን ከምኣቶም ዝፈልጦ ታሪኽ እንተ’ልዩኒ እጃመይ ከበርክት ኣለኒ እብል’የ፡ እደሊ እየ’ውን። በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ከምዚ ጐናይ መናይ ኢልካ ዝጠቐስካዮ ናይዚ ዘለናዮ ግዜ ኣቀራርባ ታሪኽ ክርእዮ ከለኹ ‘እንቋዕ’ባ ኣይተዛረብኩ’ ኣብ ምባል በጺሐ፡ ምኽንያቱ ጐናይ መናይ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ ሕጂ ንዝጸሓፍ ታሪኽ ድማ ተኣማንነት ከስእኖ እዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እየ በጺሐ። ምኽንያቱ ኵሉ ከከም ድላዩ ሃንዲሱ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ሓደስቲ ወለዶታት ተመራሚሮም ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣይበጽሑዎን ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣብኡ ንኽበጽሑ ግን ዘይግባእ ናይ ግዜ ምብኻን ከኸትለሎም’ዩ። ኣነ’ውን ንግዜኡ ናይ ምጽሓፍ ይኹን ናይ ምግላጽ ሸውሃት የብለይን። እዚ ዝዝረብ ዘሎ ድማ መብዛሕትኡ ወላ ጐናይ መናይ ሓቅታት’ውን የብሉን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ ጐናይ መናይ ሓቅታት እንተ ኢልናዮ ቍርጽራጽ እዩ’ምበር ሓቅታትስ ኣለዎ ስለ ዘስምዕ። ታሪኽ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ዘኸትሎ ሳዕቤን … ወዘተ ብምባል፡ መጻኢ ወለዶታት ቅድም ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ብዝቐለለ መንገዲ ክፈልጡዎ ከም ዘለዎ ክግበር ኣለዎ።”

ኣስዕብ ኣቢሉ ‘ታሪኽ ክጸሓፍ እንተ ኾይኑ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህግሓኤን ዝተዋጽኡ ክኢላታት ተሓዊሶሞ እንተ ዝጸሓፍ’ ዝብል ርእይቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ጽንሕ ኢሉ ‘እዚ ማለት ግን ናይ ውልቀ ሰባት ናይ ምጽሓፍ ድሌት ድዩ መሰል ደው ክብል ኣለዎ ማለተይ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ንመጻኢ ወለዶታት ዝጠቅም ክህልዎ ይኽእል’ዩ። እቲ ዝያዳ ከም መወከሲ ክኸውን ዘለዎ ግን እቲ ብኸምዚ ዝገለጽኩዎ ኣገባብ ዝተጻሕፈ ክኸውን ኣለዎ እብል፡ መታን መጻኢ ወለዶ ከይደናገር። እዚ ናተይ ምርጫ እዩ፡ ኣነ’ውን ኣብኡ ከበርክት ምደለኹ። ብውልቀይ ዝጸሓፍ እንተ’ሎኒ ድማ ምጸሓፍኩ ዝያዳ ግን ቀዳምነት ንዑኡ ምሃብኩ። እዚ እንተ ዘይኮይኑ ግን እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ዝጸሓፈሉ ኣገባብ ኣየናይ እዪ ኢልካ ብምይይጥ እንተ ዝውደብ ምሓሸ እብል። ኣነ ከም ውልቀሰብ ገለ ክብል ከም ዘለኒ ይርድኣኒ እዩ። እንተ ኾነ፡ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ካልኦት ክርእዩለይ ኢለ ወይ ንኻልኦት መጫፈሪ ወይ ካልኦት ንኽሕጐሱለይ ኢለ ዘይኮነ መዓስ እንታይ እገብር ናተይ ውሳኔ እዩ።

ብሓቂ ጨለ ዘረባ እዩ፡ ናብ መን ዝቐንዐ እዩ ዝብል ሕቶ ግን ይስዕብ። ነዚ ሃለውለው ዝበዝሖ ቃለመሕትት እዚ ዝኾነ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስን ደላዪ ፍትሕን ታሪኽ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘይርድኦ ኣይኮነን። መስፍን ሓጐስ ካብ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ህግደፍ ንጹር መርገጺ ዘይብሉ ሰብ ሓበሬታ ዝደልየሉ ኣይኮነን። ካብ መስፍን ሓጐስ እንተኽኢሉ ታሪኽ ይግለጽ፡ ካብኡ ተረፈ ህዝቢ ብናይ መስፍን ሓጐስ ተደናጊሩ ነይሩስ ናብ ልቡ ከም ዝተመልሰ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ተስፋይ ተመነዎ ዝገልጾ ዘሎ ታሪኽ ንመንእሰይ ወለዶ ከደናግር እዩ ኢልካ ምዝራብ ግን ሰብ ከይስሕቀካ እንተ ሰሓብካዮ ይሕሸካ ክብል ምኽረይ እልግሰሉ። ትልቅ ሰው ሲሳሳት ቅራሬ የለውም ይብሉ ኣምሓራ ክምስሉ። መስፍን ድማ ሓንሳብ ፋሕ ምስ በሎ ትም ኢሉ ከንከራርው ንርእዮ ኣለና። ዝያዳ ንጹር መታን ክኾነልና ግን ነቲ ዝበሎ በብሓደ ንርእዩ።

–       መስፍን ኣብ ታሪኽ እጃሙ ከበርክት ድሉው ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። በንጻሩ ግን ታሪኽ ክገልጹ ንዝተበገሱ ሓርበኛታት ኢደሰባራ ክገብር ኢና ንዕዘቦ ዘለና። መስፍን ሓጐስ ይኹን ከም በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ደቂ መዛሙርቱ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ይኹን ታሪኽ ህግሓኤ ክግለጽ ፍጹም ከም ዘይደልዩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዓው ኢሎም ገሊጾም እዮም። ንህዝቢ ንምድንጋር ግን ብዛዕባ ታሪኽ ምስናድ ክሕተቱ ከለዉ፡ “እወ ታሪኽ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ብግቡእ ክስነድ ኣለዎ፡” ብምባል ከም ሃሌሉያ ዝደጋገም መልሲ እዮም ዝህቡ። ንኣብነት ኢሳያስ ህቡብ ነቲ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንዓመታት ደኺሙ ዝጸሓፎ ኣይንፈላለ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፈደረሽን ክሳብ ማቴንዞ ዝብል መጻሕፍቲ፡ ኣብ 2007-2008 ምስታ ብማሕበር መንእሰያት እትዳሎ መጽሔት መንእሰይ ቃለመሕትት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ከም ዘባጨወሉ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። እቲ መጽሓፍ ግን ባህላዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣሚኑሉ ይጸሓፍ ዝተባህለ እዩ ነይሩ። ምናልባሽ ኢሳያስ ዘይደልዮ ንደሞክራሲ ዝምልከት ትሕዝቶ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይኽእል ከምኡ ኢሉ ከቋናጽቦ ዝተሰምዐ።

–       እቲ መስፍን ጐናይ መናይ ኢሉ ጠቒሱዎ ዘሎ ነጥቢ ግን ክዛረቦ መሕፈሮ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ፡ “ተዓወት ተስፋይ፡ ንሕና ክንገልጾ ዝግብኣና ገሊጽካዮ፡ ኣጆኻ! ዝኾነ ሓበሬታ እንተ ደለኻ ድማ ሕተት ክተሓጋገዘካ እየ ክብል ምተገብኦ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ጌጋ መግለጺ ወይ ዘይኮነ ፍጻሜ እንተ ጠቒሱ ድማ፡ ብውልቂ ረኺቡ ኣድላዪ ሓበሬታ ክህቦ ምተገብኦ ነይሩ። እቲ ዘገርም ዝኾነ ነቲ ናይ መስፍን ቃለመሕትት ዝሰምዐ ሰብ ብተገራጫውነት ናይ ትሕዝቶኡ እዩ ዝግረም። ምኽንያቱ፡ ተስፋይ ተምነዎ ንዘቕረቦ ዝርዝራዊ ታሪኽ ጐናይ መናይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቅታት’ውን የብሉን ኢሉ ክዛረብ ከም ዘይጸንሐ፡ ድሒሩ ክጽሕፍ መሰሉ እዩ፡ ሓቅታት ክህልዎ’ውን ይኽእል’ዩ፡ ንመጻኢ ወለዶታት’ውን ክጠቅም ይኽእል’ዩ ክብል ተሰሚዑ። ብዛዕባ’ዚ ዝጋጮ ቃላቱ ብዙሕ ክትንትን ኣይደልን ምኽንያቱ ኣብ ላዕሊ ብንጹር ሰፊሩ ስለ ዘሎ። ከም ዝርድኣኒ፡ እቲ ኣውራ ንመስፍን ዘዛርቦ ዘሎ ነጥቢ፡ ተስፋይ ተምነዎ ብህግሓኤ ከም ምስጢር ተሰቲሩ ዝነበረ ታሪኽ ዘርኢ ምድሪ ስለ ዝገበሮ እዩ። መራሕቲ ህግሓኤ ኵሉ ነገር ክምእከልን ክምስጠርን ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ መምርሒ’ዩ ዘለዎም። ዘይከውን ኮይኑዎም’ምበር ህዝቢ ክንዲ ፍረ ጣፍ ብዛዕባ ታሪኽ ክፈልጥ ኣይደልዩዎን እዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ፍጻሜ ክሕተቱ ከለዉ ድማ፡ “ግዜን ኵነታትን ምስ በሰለ ክግለጽ’ዩ፡” ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡ። መስፍን ድማ እዛ ምልእቲ ሓሳብ’ዚኣ መውጽኢት ኣፉ እያ። ብኸምዚ እነሆ ህግሓኤ ካብ ዝውለድ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ሓሊፉ ታሪኽ ዝብሃል ኣይረኣናን።

–       ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ከም ዝብሃል መስፍን፡ ‘ታሪኽ ምጽሓፍ ከምዚ እንተ ኾይኑ እንቋዕ’ባ ኣይተዛረብኩ፡’ ኢለ ክብል ካብ ሓደ ጓሳ’ምበር ካብ ሓደ መራሒ ነይረ በሃሊ ክወጽእ ዘይግብኦ ቃላት ኣምሊቝ። ነዚ ግን ድሒሩ ታሪኽ ክጽሕፉ ንዝተዋጽኡ ሰባት እንተ ተወዲቦም ግን ዓቕመይ ከበርክት እኽእል’የ ክብል ኣፍሪሱዎ። እሞ እቲ ዝድለ ዘሎ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ዝኾነ ሰብ ብዘይተማእከለ መንገዲ ታሪኽ ክጽሕፍ ወይ ክገልጽ የብሉን እዩ ዝብለና ዘሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብ 1995 ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኢሉ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ቅንጥብጣብ ዘይኮነ ስብርባር ነይሩ ክብሃል ዝኽእል መጽሓፍ ክጠቕሶ ዘይደፈረ። ምኽንያቱ ኣልኣሚን ታሪኽ ዘይኮነ ውዳሴ ማርያም እዩ ጽሒፉ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣልኣሚን ኣብቲ መጽሓፍ ብዘይካ ኣብ መጽሔትን ጋዜጣን ቤትትምህርቲ ካድርን ዝተማሃራናዮ ካልእ ሓድሽ ነገር ኣይጸሓፈን። እቲ መጽሓፍ ብህግደፍ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ተባሂሉ ስለ ዝተዘርግሐ ደፊሩ ዝነቕፎ ሰብ ኣይተረኽበን። መን ክደፍር! ግን ከኣ መጽሓፍ ዘይኮነ ናይ ህግደፍ መዘክር እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ መስፍን ይኹን መሰላቱ ዝደልዩዎ ታሪኽ ንህግሓኤ ጥራይ ዝውድስ ወይ ዘጣቕዕ ክኸውን ኣለዎ።

–       መስፍን ታሪኽ ገድሊ ህግሓኤ ታሪኽ ህዝቢ እዩ ኢሉና። ከምኡ ዝኣምን እንተ ዝኸውን ደኣ’ሞ ስለምንታይ ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ዘይገድፎ? እምበር ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ደኣ ተጨውዩ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና’ምበር ንሕና’ውን ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ኢና ንኣምን። መራሕቲ ህግሓኤ ግን በንጻርቲ ዝብሉዎ ፍጥር ክብሉ ኣትሒዞም ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ደንደላታት እዮም ዘርእዩ? እቲ መልሲ ጠንቂ ድማ ቀሊል’ዩ። ኣብ ታሪኽ ተሓኤ ይኹን ህግሓኤ ማእለያ ዘይብሎም ብስዉር ይኹን ብግሁድ ዝተቐንጸሉ ተቓለስቲ ኣለዉ። ስለዝኾነ፡ እቶም ዝምልከቶም ገበነኛታት ቀንጸልቲ ካብዛ ዓለም ብሞት ከይተፈልዩ ታሪኽ ሰውራ ክጸሓፍ የብሉን። ድሕሪ ሞቶም ድማ ብዛዕባ ታሪኽ ዝፈልጥ ክህሉ ስለ ዘይክእል ታሪኽ ህዝብናን ታሪኽ ጀጋኑን ከይተሰነደ ይተርፍ ማለት’ዩ። እዚ ንኸይከውን ታሪኽ ዝፈልጡ ሓርበኛታት በብዓቕሞም ዝፈልጡዎ ክገልጹ እንተ ፈተኑ፡ ጐናይ፡ ቅንጥብጣብ፡ ሓቅነት ዘይብሉ ብምባል ከቃናጽቦም ፈቲኑ። መስፍን ሓጐስ ክፈልጦ ዘለዎ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ታሪኽ ናይ ዝኾነ ህዝቢ፡ ቦታ ወይ ውልቀሰብ ብሓደ ግዜ ወይ ብሓደ ሰብ ኣይውዳእን’ዩ። ታሪኽ ከም ጸሓፊኡ እዩ ዝብሃል ዘረባ ከም ዘሎ ፍለጥ። ስለዝኾነ፡ ሓደ ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ ከም መረዳእታኡ ይጽሕፍ፡ ሓደ ካልእ ከኣ ነቲ ዝቐደመ ታሪኽ ዝድግፍ ወይ ዝነጽግ ክጽሕፍ ይኽእል። ህዝቢ ድማ ነቲ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእዮ ክኣምን መሰል ኣለዎ። ካብኡ ተረፈ ታሪኽ ብኸምዚ ክጸሓፍ ኣለዎ፡ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ መምርሒ ምሃብ፡ መን መርዓት ምስ በለኪ ትኰሓሊ እዩ። መስፍን ዝብሎ ዘሎ ኣገባብ ኣብ ግዜ ሰውራ ብክፍሊ ዜናን ፕሮፓጋንዳን ህግሓኤ ጥራይ እዩ ዝግበር ነይሩ። ኣብ ዘለናዮ መዋእል ግን ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ፡ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ኣለዎ እንተ ኾይኑ ክጽሕፍ ይኽእል እዩ። ነዛ ነጥቢዚኣ ድማ ይኣምነላ እዩ። መስፍን ኣሪጉ ግዲ ኾይኑ ይተሓዋወሶ ነይሩ። ሓደ ነገር ክብል ጸኒሑ ተመሊሱ የፍርሶ። ብሓፈሻኡ ዝኾነ ሰብ ታሪኽ ኣብ ዝጽሕፈሉ እዋን ህዝቢ ባዕሉ እዚ ታሪኽ’ዚ ጌጋ እዩ፡ ቅቡል ኣይኮነን ብምባል ኣይክቕበሎን እዩ። ተስፋይ ተመንዎ ድማ ብዘቕረቦ ዝርዝራዊ ታሪኽ እዚ ዘይብሃል ናእዳ ከም ዘትረፈ ክትፍልጥ ይግብኣካ።

–       ታሪኽ ክትጽሕፍ ከለኻ ክርእዩልካ ኢልካ ከም ዘይኮንካ ትጽሕፍ ተዛሪብካ ጽቡቕ ዘረባ እዩ። ንሕና’ውን ሰብ ክሕጐሰልካ ጸሓፍ ኣይንብለካን ኢና። ጥራይ ጸሓፍ፡ ግን ውዳሴማርያም ዘይኮነ ካብ ውድዓዊ ኵነታት ተበጊስካ ክትጽሕፍ ኣለካ ኢና ንብለካ። ጥምዕ ጥምዕ ዘይኮነ፡ ነቲ ትጽሕፎ ታሪኽ ከም ጽሩይ ማይ ቀዲሕና ጽጽው ክነብሎ’ምበር ከም መድሃኒት ወይ ዓንዴል ፊት ክንብሎ ኣይንጽበን። ባዕልኻ ገለ ክብል ከም ዝለንስ ይርድኣኒ እዩ ካብ በልካ፡ ኣብ ክንዲ ጐናይ መናይ ጽሒፎም ኢልካ ተበግሶ ንዘርኣዩ ተባዓት ተቈናጽብ፡ ሃየ ትፈልጦ ዘበለ ታሪኽ ጸሓፍ’ሞ ዕረፍ! ንታሪኽ ህግሓኤ ድማ ኣሉታውን እወታውን መዳያቱ ብትብዓት ቅልዕልዕ ክተብሎ ፈትን። ተስፋይ ተምነዎ ታሪኽ ኣየናሕስን እዩ፡ ጨካን እዩ ኢሉካ እዩ። ስለዚ፡ ኣጆኻ ኣይትፍራሕ! ትባዕ! ክንደይ መኦኣልቲ ኢኻ ተሸቝሪርካ ክትነብር። ናይ ናይዝጊ ክፍሉ እናጕሃየናስ ናትካ ክድረብ ከሎ ሃየንታ እዩ።

–       ኣብ መጨረሽታ መጻኢ ወለዶ ከይደናገር ኢልካ ዝተመጻደቕካዮ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘየሎ ፍለጥ። ምኽንያቱ መራሕቲ ሰውራ ህግሓኤ ኩኑ ህግደፍ ንመንእሰይ ኤርትራ ክተደናግሩዎ ዝከኣለኩም ጌርኩም ኢኹም። ሕጂ ቍሩብ ክሓስብን ከስተውዕልን ምስ ጀመረ ድማ ጠፋእና! ብምባል ዳግማይ ክተደናግሩዎን ፋሕፋሕ ክተእትዉሉን ሓድሽ ሽርሒ ክትኣልሙ ትረኣዩ ኣለኹም። ኣብ መጨረሽታ ንመስፍን ሓጐስ ዘለኒ ለበዋ፡ ሓቂ እንተ’ለካ ነቲ ሓቅነት ዘይብሉ ትብሎ ታሪኽ ኣብ ሓደ ናጻ መድረኽ ምስ ተስፋይ ተምነዎ ተራኺብካ ክተእምኖ ፈትን’ሞ ህዝቢ ይፍረድኩም። ነዚኣ ከም ክትገብራ ትብዓት ከም ዘይብልካ ግን ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ መራሕቲ ህግሓኤ ንጸላኢኹም ፊትንፊት ክትገጥሙሉ ድፍረት የብልኩምን። ስራሕኩም ኵሉ ግዜ ድሕሪ መጋረጃ እዩ። ሓቂ ዘለዎ ሰብ ከምቲ ካልኦት መራሕቲ ይኹኑ ታሪኽ ዝፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ቅሉዕ መድረኽ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ክዛረብን ሕቶታት ክምልስን ቅሩብ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ተረፈ ዳኛ ዘይብልካ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቀሪብካ ንሰባት ምውንጃል ትርጕም ኣይህልዎን ጥራይ ዘይኮነ ዝቕበሎ ሰብ’ውን የሎን። ዓይኒ መንእሰይ ንዝኸፈቱ ኣብነታውያን ሓርበኛታት ወጊድ! በሎ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ይቕሬታ ክትሓቶ እላበወካ።

ኣምላኽ ንመስፍን ናብ ልቡ ይምለሶ!

ተቐቢሩ ዝተርፍ ታሪኽ የሎን!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • belay nega April 21, 2013

    stefanos

    ቍሩብ ኣይምኰርን ድዩ?
    YOU MEAN FROM THE UNDER NATIONALISTS?

    ” ብሰንኪ ግጉይን ግፍዓውን ፖሊሲ ኢሳያስ ከም ሕሱም ናብ ስደት ስለ ዝወሓዘ ከም ሳዕቤን ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ።”
    YOU ARE WRONG,WHATEVER IS HAPPENING IN ERITRE, IS THE CONSEQUENCE OF THE CHOICE WE MADE IN WHICH YOU PLAYED YOUR ROLE

    እቲ ዘገርም፡ መስፍን ሓጐስ ዝተዛረቦ ሓድሽ ነገር እንተ ነይሩ ንተስፋይ ተምነዎ ከም ሕሱም ምውቃዕ ጥራይ’ዩ።
    AS FAR AS I HEARD HIM HE WAS CORRECTING TESFAY’S MISTAKE IN A POLITE WAY

    ንገለ ካብቲ ተስፋይ ተምነዎ ኣብ ቃለመሕትቱ ዝገለጾ ቦታታትን ፍጻሜታትን ፈልዩ ብምጥቃስ ነጺጉ።
    BE FAIR HE NEVER REJECT, HE WAS TRYING TO CORRECT HIM

    ነዚ ሃለውለው ዝበዝሖ ቃለመሕትት እዚ ዝኾነ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስን ደላዪ ፍትሕን ታሪኽ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘይርድኦ ኣይኮነን።
    YOU ARE ALREADY BIASED.WHAT IS THE STANDARD OF GOOD INTERVIEW AS FAR AS YOU KNOW?

    ትልቅ ሰው ሲሳሳት ቅራሬ የለውም ይብሉ ኣምሓራ ክምስሉ። መስፍን ድማ ሓንሳብ ፋሕ ምስ በሎ ትም ኢሉ ከንከራርው ንርእዮ ኣለና።

    MAY BE MESFUN IS AWAKE, AND START LIVING IN REALITY,AND YOU ARE TRYING TO COME TO POWER BY REPEATING THE SAME MISTAKE WHICH DROVE US TO ALL THIS MESS.

    መስፍን ሓጐስ ይኹን ከም በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ደቂ መዛሙርቱ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ይኹን ታሪኽ ህግሓኤ ክግለጽ ፍጹም ከም ዘይደልዩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዓው ኢሎም ገሊጾም እዮም።

    WHEN?WHERE?
    STEFANOS STOP BEING DOUBLE STANDARD, IN 21 CENTURY LIFE IS ABOUT PROVING

    ንኣብነት ኢሳያስ ህቡብ ነቲ ናይ ታሪኽ ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ንዓመታት ደኺሙ ዝጸሓፎ ኣይንፈላለ፡ ከምኡ’ውን ካብ ፈደረሽን ክሳብ ማቴንዞ ዝብል መጻሕፍቲ፡ ኣብ 2007-2008 ምስታ ብማሕበር መንእሰያት እትዳሎ መጽሔት መንእሰይ ቃለመሕትት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ከም ዘባጨወሉ ጭቡጥ ኣብነት እዩ።

    WHAT DID HE SAY, CAN YOU SPECIFY?

    እቲ መስፍን ጐናይ መናይ ኢሉ ጠቒሱዎ ዘሎ ነጥቢ ግን ክዛረቦ መሕፈሮ። ንተስፋይ ተምነዎ ድማ፡ “ተዓወት ተስፋይ፡ ንሕና ክንገልጾ ዝግብኣና ገሊጽካዮ፡ ኣጆኻ! ዝኾነ ሓበሬታ እንተ ደለኻ ድማ ሕተት ክተሓጋገዘካ እየ ክብል ምተገብኦ።

    WHAT DO YOU MEAN? ARE YOU EXPECTING MESFUN TO ADD FUEL TO THE ALREADY BURNING FIRE LIKE THE HOPELESS,IRRESPONSIBLE TESFAY TEMNEWO?
    DO YOU KNOW MESFUN HAS KIDS,NEPHEWS,NIECES AND ABOVE ALL THE ERITREAN PEOPLE WHOM HE FOUGHT FOR, AND CANNOT AFFORD “DEHREY SARI AYEBKOL”?

    መራሕቲ ህግሓኤ ኵሉ ነገር ክምእከልን ክምስጠርን ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ መምርሒ’ዩ ዘለዎም። ዘይከውን ኮይኑዎም’ምበር ህዝቢ ክንዲ ፍረ ጣፍ ብዛዕባ ታሪኽ ክፈልጥ ኣይደልዩዎን እዮም። ብዛዕባ ዝኾነ ፍጻሜ ክሕተቱ ከለዉ ድማ፡ “ግዜን ኵነታትን ምስ በሰለ ክግለጽ’ዩ፡” ዝብል መልሲ እዮም ዝህቡ። መስፍን ድማ እዛ ምልእቲ ሓሳብ’ዚኣ መውጽኢት ኣፉ እያ። ብኸምዚ እነሆ ህግሓኤ ካብ ዝውለድ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ሓሊፉ ታሪኽ ዝብሃል ኣይረኣናን።

    ARE YOU TALKING ABOUT E.P.L.F OR ERITREAN GOV.?
    BECAUSE THE MYSTERY OF OUR VICTORY WAS BASED ON KEEPING SECRET THE SENSITIVE ISSUES, ISN’T IT?

    ምኽንያቱ ኣልኣሚን ታሪኽ ዘይኮነ ውዳሴ ማርያም እዩ ጽሒፉ
    CAN YOUR HEART AFFORD SMALL PART OF APPRECIATION?

    እምበር ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ደኣ ተጨውዩ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና’ምበር ንሕና’ውን ታሪኽ ህዝቢ ምዃኑ ኢና ንኣምን።
    YOU MEAN IS BEING HIJACKED BY RADIO WEGAHTA?

    ካብኡ ተረፈ ታሪኽ ብኸምዚ ክጸሓፍ ኣለዎ፡ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ መምርሒ ምሃብ፡ መን መርዓት ምስ በለኪ ትኰሓሊ እዩ።
    DO NOT FORGET THAT ETHIOPIANS SAY THE SAME THING, WHEN IT COMES TO ERITREAN HISTORY NO MATTER WHO IS WRITING IT

    ስፋይ ተመንዎ ድማ ብዘቕረቦ ዝርዝራዊ ታሪኽ እዚ ዘይብሃል ናእዳ ከም ዘትረፈ ክትፍልጥ ይግብኣካ።
    MAY BE BY YOU AND YOUR ALIKES “WIN TO LOOSE”ORIENTED

    ኣብ መጨረሽታ ንመስፍን ሓጐስ ዘለኒ ለበዋ፡ ሓቂ እንተ’ለካ ነቲ ሓቅነት ዘይብሉ ትብሎ ታሪኽ ኣብ ሓደ ናጻ መድረኽ ምስ ተስፋይ ተምነዎ ተራኺብካ ክተእምኖ ፈትን’ሞ ህዝቢ ይፍረድኩም። ነዚኣ ከም ክትገብራ ትብዓት ከም ዘይብልካ ግን ርግጸኛ እየ።
    IF YOU ALREADY KNOW THAT HE IS NOT DOING IT WHY YOU KILL YOUR TIME?

    ካብኡ ተረፈ ዳኛ ዘይብልካ ኣብ ሬድዮ ሓርነት ቀሪብካ ንሰባት ምውንጃል ትርጕም ኣይህልዎን ጥራይ ዘይኮነ ዝቕበሎ ሰብ’ውን የሎን።
    WHAT ABOUT THE BIG MOUTH, YOUR HERO TESFAY, WAS HE CENTRALIZED BY A REFEREE WHEN HE WAS LYING WITH RADIO WEGAHTA? YOU DOUBLE STANDARD

    CONCLUSION

    UNFORTUNATLY THE CORE IDEA OF YOUR ARTICLE IS BASED ON DEFAMATION TO THE MOST RESPECTED NON CORRUPTED GENAL MESFUN HAGOS
    DO YOU KNOW THAT MESFUN IS THE FIRST VICTIM OF ESAYAS?
    DO YOU KNOW IN 1994 WHEN THE PRESIDENT WAS CONSIDERED GOD, MESFUN IS THE ONLY PERSON WHO PUBLICLY OPPOSED, THE LAY OFF, OF THE VETERAN TEGADELTI AND, THE NATIONAL SERVICE OF THE YOUTH? AND AS A RESULT WAS ISOLATED BY EVERY OPPORTUNIST THE ACTUAL G 15 …….ETC

    STEFANOS TRY TO LOVE ERITREA MORE THAN YOU HATE THE PRESIDENT
    AND DO NOT FORGET THAT ETHIOPIANS HAVE A GENERAL ATTITUDE TOWARDS EVERY ERITREAN ESPECIALLY THOSE WHO KNEELING DOWN AFTER THE WAR 2000

    BELAY NEGA

  • Truly, Truly i say to you April 21, 2013

    It is really amassing! We people were expecting Mesfin something useful information to tell us about Isayaas´s (Don Quixote) crime. But he wasting our time on irrelevant issues. I heard many times when few people exaggeratedly speaking about Mefin heroism at Nadow and others military operations. We know also for certain time as he served as defense minister. But my question is, certainly as former defense minister he knows many generals and soldiers. So, if you guys tell us this person was hero and have a long year military experience and have knowhow about military operation, how is for him then difficult to outline a military strategic plan the way one evil dictator how could be killed or eliminated? Is it possible to believe the tale tale heroism what is talking few idiots about him? Never! Those sacrificed and disabled brothers and sisters are real heroes who make real the independence. So this useless man instead wasting our time by irrelevant issues, it was better about such military operation to share us his idea if he has a better one as military man, even he doesnt like to expose all what his mafia comrade done at least.

  • Daniel Teclegiorgis April 21, 2013

    ክቡር መምህር እስጢፋኖስ፡ መስፍን ሓጎስ ናይ ልቡ ክዛረብ ጎቦ ጎቦ ዝኾልል ኣተሓሳስባ፡ ንቕድሚት ዝኣንፈተ ናይ ለውጢ ዝምባለ ሃሰስ ንምባል ድዩ ወይስ፡ ዘይተሰምዐ ናይ ቀተለን ቀንጸለን ምስጢር እንተ’ሎ ሃሰስ ንምባል’ኸውን? እዚኣ ትገርመኒ ንኣይ። መስፍን ክሳብ ጀነራል ወይ ድማ ሚኒስተር መዓርግ ዝበቕዐ’ኮ ምስ ቅዲ ኣመራርሓ ኢሳያስ ስለዝሰርሐ’ዩ። እሞ ሕጂ ደኣ ዕድምኡ ድዩ ኣተሓሳስብኡ ንዳግማይ ልደት ክበቅዕ ዝድለ ዘሎ? ስለምንታይ ኮን’ኸውን እዚ ኹሉ ዘብዘብ ደድሕሪኡ? ዓይነት ጽሑፋት ንታሪኽ ይብቅዑ ኣይብቅዑ ንደቂ እዋን ዝግደፍ ሚዛን’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ስደትን ናጽነትን ሽምዓ ኣብሪሆም ክጸሓፉን ክንበቡን ይውሕዙ’ለዉ። ብዓይነቶም ካብ Massacre at Wekidba ክሳብ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ ዝተጻሕፉ ይኹን ብተስፋይ ተምነዎ ዝንገር ዘሎ መልክዕ ናይ ሜዳ ውዕሎ ይመሳሰሉን ይፈላለዩን። ስለ’ዚ እዚ ፈተነታ ብኹሉ ይኹን ብገሊኡ፡ መስፍን እንተ ኣሚኑሉ ሓቂ፡ መስፍን እንተኽሒዱዎ ድማ ሓሶት ንምባል ዶኾን’ኸወን ርኢቶ/ምስክርነት መስፍን ዝድለ ዘሎ? ወይስ መስፍን ባዕሉ ክጽሕፎ ወይ ድማ ክብሎ’ዩ ዝድለ ዘሎ? ዝኾነ ኾይኑ እቲ ጸገም ከምኡ’ውን እቲ ፍታሕ ኣብ ውልቀ ሰባት ከም በዓል መስፍን ሓጎስ ወይ ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ዘይኮነ ዘሎ’ሲ፡ ኣብ’ቲ ነቲ ቅዲ ኣመራርሓኦም ዝመልመለ መስርሕን ኣተሓሳስባን’ዩ ዘሎ-ክልቲኡ። ንሳቶም መዋርዶ ናብ ዘይተቐረበሉ ናይ ስልጣን ጸድፊ ዝደየቡ፡ ብናይ ስልጣን ህርፋኖም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ ብጣቒዒትና’ውን’ዩ። ከመይ’ሲ ንሳቶም ደጋጊሞም ነዚ ጸብጻባት ናይ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድን ናይ ተስፋይ ተምነዎ ንባብን ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ጣቕዒትናን ኣተሓሳስባናን ተደጊፎም’ዮም። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ መድረኽ ድማ ኣእዳዉ ዝኣከበን ኣመሉ ዝቐጸለን መሊኡ’ሎ። ስለ’ዚ ካብ በዓል መስፍን ትጽቢት ዝግበረሉ እንታይ ኢዩ? እንተዝርከብ ግን ካብኣቶምን ካብ ናይ ታሪኽ ሕማም-ደሓሮም ዝገላግል ሓዲሽ ሓሳብ ይፍጠረልና። ምስ ሰላምታ!

    • Stefanos temolso April 22, 2013

      ክቡር ሓው ዳኒኤል፡ መስፍን ሓጐስ ነቲ ብዙሓት ግዱሳት ብቃል ይኹን ብጽሑፍ ዝህቡዎ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ምስክርነት፡ “እወ ሓቃቶም ኣለዉ፡ ኣብ ከምዚ ቦታ፡ ኣብ ከምዚ ዕለት’ውን እከለ ከምዚ ገይሩ ነይሩ፡ ወይ ከምዚ ተፈጺሙ ነይሩ” ብምባል ከህብትሞ ብወገነይ ትጽቢት የብለይን። እቲ ዕላማ ግን መስፍን ኣብ ቃለመሕትት ዝበሎ ቅኑዕ ከም ዘይኮነን፡ ካብ ሓደ መራሒ ነይረ ዝብል ብዕድመ ክደፍአ ሰብ ክወጽእ ዘይግብኦ ከም ዝኾነ ንምርዳእን ዝዓለመ እዩ። ልክዕ ከምቲ ንተስፋይ ተምነዎ ብጕልባብ ቃለ መሕትት ዘጸለሞ፡ ኣነ ድማ ብስነስርዓት ክምልሰሉ ደልየ። ከም ድላዩ ተዛሪቡ ክኸይድ ከም ዘይክእልን እዚ ዘለናዮ ዘበን ካብቲ ዘበነ ገድሊ ናይ ሳሕል ከም ዝፈላለ ክፈልጥ ደልየዮ። እምበር ከም ዝበልካዮ መስፍን ታሪኽ ካብ ዝጽሕፍ በቕሊ ክትወልድ ይቐልል። እቲ ብምረት ዘዛረቦ ድማ ታሪኽ ክጽሓፍ ስለ ዘይደለዮ፡ ስለምንታይ በዓል ተስፋይ ታሪኽ ይትንትኑ ኣለዉ ዝብል ቍጥዐዩ ክንድዚ ዘዛርቦ ዘሎ።

  • Truly, Truly i say to you April 22, 2013

    Eritrea needs brilliant, honest patriots people, who told the truth like Stefanos Temelso, Mesinas and Amanuel Iyasu. God bless you all!

  • Bisrat Berhan April 22, 2013

    Well done Estifanos I have the same view like you. Mesfin is an accomplice of the leader. I remember when we were in gedeli one of our staff from enda zeina (Dept of Information) was sent to interview Ato Mesfin when he was at gimbar Ghinda. The occasion was bahti meskerem megemare gedli. Ato Mesfin refused to comment about any thing, the lame excuse he gave him was the time is not ripe. Since that time upto now according to Ato Mesfin the time is not due to tell the truth. I have a strong doubt that the stand of Mesfin hagos is on a question mark. He still praises his leader ( to say the name of his leader gives me alergic) If he is bold enough let him tell us the gonay menay history and the present generation will try to mend it. I tell him don’t undermine the present generation they have the means and brain to sort out which is good and bad or which is true or false.

    • belay nega April 23, 2013

      bisrat berhan

      “If he is bold enough let him tell us the gonay menay history and the present generation will try to mend it.”

      AS THE TIGRIGNA SAYING GOES:

      “FIHIGNA NEFISA
      ABEY AB MENFAHA?
      AYEFAL AB METBEHA
      NEGHER SEFIHA”

      AN EMOTION DRIVEN ISSUE NO BODY CAN MEND [ FIX ]IT

      FOR YOUR INFORMATION THE NEW GENERATION IS:

      “I DO NOT SMELL THE ROSE IN MY GRAVE” ORIENTED, SO DO NOT EXPECT MUCH

      ” He still praises his leader ( to say the name of his leader gives me alergic)”

      TRY TO LOVE MORE ERITREA THAN YOU HATE THE PRESIDENT

  • luna April 22, 2013

    Why are Eritreans expected to believe guys like Mesfun Hagos who were once in a position of power before and after independence who didn’t stand for the wish and demands of our population young and old? Misrepresenting the rank and file and playing politics at every turn and twist is an old trick which has no longer expired or no use at this juncture in our political history. Get real and give way to the youth who are expected to take the responsibility of carrying the flag of independence. These old guards are out of touch with reality and must be faced to be told the truth.

    Tesfay Temenewo gave his account giving the listeners a picture of what the movement was like with the weaknesses and strengths seen at the time. What we are experiencing for the last 21 years is a carry over of those realities.
    What we have to do is listen to the account and make our wise judgment about historical truths.

    What we have to focus on now is not to argue about personalities instead ask ourselves what are the strategy and tactics to bring change to Eritrea. It is a waste of time and energy to raise points which have been discussed and brought forward. Time is a valuable commodity which we are short of. There is nothing new which is going to be heard we have not known earlier. Let us get to the point and our enemies like us to beat around the bush missing our target. So, it is high time we as people wake up and stand to answer the call.

    The hero is the population of Eritrea. If you read and refer to world history it is the masses who are the heroes bringing victory against tyranny and corruption. It is not individuals as a collective. Worshiping individuals didn’t take us anywhere.

    It is Tesfai Temnow who opened the flood-gates with the interviews he gave and heard in the last many, many months. Thus, bringing so much awareness to the minds and consciousness of Eritreans as a whole. So, my credit goes to him – a veteran of the Eritrean Liberation Movement.

    Please, do not discredit individuals who have something to say and have dared to say it. As a nation, the current atmosphere is one of terror with no personal and societal freedom. In Eritrea torture, detention, imprisonment, round-up and shoot to kill is the order of the day. Those blinded by personal gains and ill will are clapping their hands in support of the regime both inside and outside of the country. But our society has been seen with full of contradiction. Thus, making us to doubt asking if this is the same people who the sons and daughters of the revolution have died for during the 30 years of struggle. unprincipled thoughts and individuals will be put to shame when truth triumphs. That must be our tool and skill to use in order to do the job.

    We have a noble cause which is at the same time uplifting to the spirit. However, it demands from us a lot. One most important trait is to stand firm for truth and justice. Let us keep ‘watch’ and remain loyal to our beloved land. Victory is inevitable at the end. Our goal is for a just society and I assure you it will soon be a reality the second time. Then, cherish the dream.
    Do not despair at all and hope is our biggest shield!

    The month of May 24, 1991 which rang the bell of victory followed with independence is once again knocking on our door steps. Let us be gentle with one another and have room for a better understanding among us. We win when we do exactly this!
    Long live Eritrea!

    • belay nega April 23, 2013

      LUNA

      “The hero is the population of Eritrea.”

      HISTORY CANNOT REPEAT ITSELF UNDER THE LEADERSHIP OF THE TOOTHLESS,SELF INFECTED PARALYZED, SO CALLED OPPOSITIONS,WHO ARE UNDER INTENSIVE CARE UNIT [ICU] OF ETHIOPIAN GOVERNMENT.

  • sami April 22, 2013

    the mistake is done in 1961 following the shifta idris awate.guys we need to return to our hearts,all the problem is because eritrea is a fake country.un ab 1950’s zibelwo haki konu eritrea nebsa aytkielin eya hizbi eritrea b zey hzbi ethiopia kinebir aykielin eyu,don’t confuse about my nationality i m full eritrean and also i dont need from any other person.
    nasnet elom wesyom tekakalisom nasnet amsyom abti n dergi msaar malet ms hlmi zikusereluzinebere gizye n nasnet kemisi e zikiel merihnet mesritom maletyu.look at we guys now.ab 1970s zterefe awrajawnet biher isam chrstian niuu kinsier aykealnan yitref kinkales kalsi kemzi diyu kula fetawit nebsa koina,lieli 50 wudubat entay eyu ezi ab hindi china US canada kindzi wudubat yelewan bzhi hzbi kelo.BES guys BINGO nay eritrea guday abki u eyu kabzi zikefi e ember kabzi zisbik aykmesenan eyu.bes n meles nab 1052 n koren federation ember kali e tesfa yelen kulukum fetikum seliekum ab mesawedya eseyas atikum ekum.

  • kidane April 23, 2013

    Teref (Temlas) weyane

POST A COMMENT