Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ? ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ! ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ!

ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ መምህር ዘብሎ ክንወስድ፡ እቲ ተቓላሳይ ዘብሎ ክንድግፍ! ነቲ መስመር ዝጠሓሶ እንተ ሃልዩ ድማ፡ ኣይፋል፡ ኣይከማኡን ኢልና ክንተ ኣራርም ይሕግዘና ኢለ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለኒ።

እንተኾን ግዳ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ዘበን ዉርዉራ ስለ ዘለና፡ ሳላ ሰዉራ ድማ ለባምናን፡ ኪኢላናን፡ ዉሓለና፡ ስለ ዘይንፋለጥ! ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝዛረብ ዜጋ እሩምን፡ ሃናጽን፡ ሕጋውን፡ መሃርን፡ ጠርናፍን፡ ኣቐራራብን፡ ሓዋዋሲን፡ መራሕን ክኸውን ዘኽእል ባይታ ስለዘሎ ኩሉ ዝሃቦ ዘርከበን ይዛረብ ይጽሕፍን እሞ! ተቐባልነት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝረኸበሉ ለባምን ወረጃ ዓድን ዝብል ክብሪ ይረክብ።እዚ መሰረት ገርና ድማ ንፅባሕ ክምህሩ ኮነ ክመርሑ ወይ ክሓንጹ ዝኽእሉ ዜጋታትና ነለሊ።

መሰል ዜጋ ሕሉው ኮይኑ፡ ክቃለስ ኮነ ንኸይቃለስ፡ከም ኡውን  ኣማዕድዩ ክርኢ መሰል ኣለዎ። ምቅላስ ብድልየትካ፡ ሕልናኻ ኣገዲዱካ ዝግበር ዉልቃዊ ዉሳነ ስለ ዝኾነ። ተቓለስ ኣይትቃለስ ምባል መሰል ዜጋ ምግሃስ እዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ፍቓድ ክህብ ወይ ክኸልእ ግን ስልጣን የብሉን። ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለዝኮነ።

ኣቶ ወልዱ ተቓላሳይ ደላይ ፍትሕን ምኻኑ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንፍትሒ ዝደሊ ዝባኑ ቐሊዑ ዝዛረብ ወዲ ሃገር ይምስገን። ከማኻ የብዝሓዮ ጂግና ወዲ ጂግና፡ ቀጽል፡ ንፋዕ ክባሃል ኣለዎ።

ኣቶ ወልዱ ከም መምህር፡ ድማ ርኣዩለይ ስምዑለይ፡ ትማሊ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሽም ቀይሮም፡ “መድረኽ ኢሎም ይመጹ ኣለዉ፡ ተጠንቕቕሎም? ድልድል ኢናዶ፡ ጽገናዶ ይብሉ ኣለዎ ህዝቢ ተዓጠቕ፡ ብምባሉ መምህር ንበሎ።

መስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ስም ከምዝሃባ ጽሑፉ ይነግር። ኣብዚ ስም ምቕንጣጥ መን ስልጣን ሃበካ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ወልዱ ዝምልሶ እዩ።

ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ መንዩ ወልዱ ተኽሉ ኢሉ ኣብ መርበብ መስከርም ሰለዳ ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ።

ኣቶ ወልዱ መን ምኻኑ፡ ናይ ምግላጽ መሰሉ እዩ። ናይ ባዕሉ መንምዃኑ ምግላጽ ከቢድዩ? ኣነ እገለ ወዲ እገል፡ ዓደይ እንዳይ፡ ወረዳይ፡ ኣውራጃይ፡ ሃገርይ። ኢልካ ምግላጽ መንነት የነጽሮ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ግቡእን፡ ባህላውን  እዩ። ሰማይ ፈረ ግና ኣይኮነን።

ኣቶ ወልዱን ምስ ኣቶ ኣለም ኣብ መድረኽ ወይ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክምጉቱን፡ ክተሓታተቱን፡

ክረዳዱኡን መሰሎምን፡ ግቡኦምን እዩ። ክዘናነፉ ግና ወራዙት ኣየግብሮምን።

ድፍረት ቁጽሪ ሓደ፡

ኣቶ ወልዱ ኣብዛ ሰዓት ብኣቶ ኣለም ንዝረኸቦ ጎነጽ ወይ ዘነፋ ወይ ወቐሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣለም ክዉሰን ነበሮ፡ ኣይኮነን ግና፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣብ ኣእምሮን ዝምብልናን ወሰኸሉ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ይርከብ። ንስድራቤት ኣቶ ኣለም ዝትንክፍ ኣይፋል!!!!!! ዓገብ ደፊርካ።

ዽፍረት ቁጽሪ ክልተ፡

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንነፍሲ ሄር ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ፡ ሓመዶም የቕልለሎም፡ ክዝንጠሉ ኣብ ጽሑፍ ኣቶ ወልዱ ተርእየ። ጀነራል ስራሖም ወተሃደር ብምንባሮም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ግደታኦም እዩ። ከም ኩሉ ወተሃደራዊ ትእዛዛት። ተጋዳልይ ኮነ ሰራዊት ትእዛዝ ይፍጽም። ስራሖም እዩ። ጀነራል ጎይቶኦም ብ1974 ንተጋዳላይ ሳልሕ ጠጠው ካብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ከሙ ኡውን ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ቦታ ናብ ኣስመራ ኣእትዮም ከም ዘዛራረብዎም ትፈልጥዶ? ስምረት ብተጋደልቲ ስለ ዝደንጎየ መጸዋዕታ ደርጊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጾም፡ ብ1975 ካብ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ምስ ኣርባዕተ ዓሳክሮም ናብ ተጋድሎ ሓረንት ኤርትራ ተጸንበሩ። ጀነራል ጎይቶኦም መንግስቲ ዘይፈልጦ እንተ ፈጺሞም ኣቶ ወልዱ ጭብጢ ከቕርብ ኽግደድ እዩ። ሓቅነት እንተ ዘይሃለዎ ግና፡ ኣቶ ወልዱ፡ ንተቓላሳይን፡ ንመምህርነት ዝውሃቦ ክብሩ ክግፈፍ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሰለስተ፡

ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡  ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?

ድፍረት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡

ነፍሲ ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተላዕሉ፡ ወዲ ሓወቦኻ፡ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ፡ ተጋዳላይ ወይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፡ ዓሪፉ። ከም ኩሉ ፉጡር ወድሰብ ኣብ ሃገሩ ንኸይቕበር ተኸልከለ። ኣብ ምንቲምንታይ ስድራቤቱ ከርተት ዝብሉ። ወድ ሰብ ሞቱ መቕበሪ ክስእን እንከሎ መሰሉ ተገፊፉዶ ኣይኮነን? ወዲ ዓድኻ ስለዝኾነ ዘብል ድዩ? ናይዝጊ ብሂወቱ ከሎ እንትይገበረ ካልእ ሕቶ እዩ። መሰሉ ክግፈፍ ግን ካልእ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡

ኣቦሓጎትታተይ፡ ክቡር ደገዝማት ባህታ ሓጎስ፡ ክቡር ራእሲ ተሰማ፡ ክቡራት ስዉኣት፡ ተጋደልቲ ኣብራሃም ተወለደ፡ ወዲ ሃይለ፡ ሙሴ ሃብተሚካኤ ኣልዕሊካ። እዞም ዝጠቐስካዮም ክቡራት ዜጋታት ዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣብ ግዜኦም፡ ሃገርዊ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ወለድን ኣሕዋትን እዩም። ኣቶ ወልዱ ኣሰሮምዶ ተኸቶልካ ዝብል ሕቶ ክመጽካ እዩሞ! ተቐሪብካዶ?

ናይ በይንኻ እንተድኣ ክትገብሮም ደሊኻ ግና ድፍረት ኮይኑ ይርከብ።

ድፍረት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡

ኣብዚ ሰዓት እዚ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ካብ ምብራስን ዕንወት ከድሕን ንዝገቦ ተብግሶ ቅዱስ እዩ። ኣሽንዃይዶ! ኣብ ሓልፍነት ዝነበር እሞኸኣ! ተጋዳላይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጉድለትን በደልን ኣይክሳኣኖን እዩ፡ ሕጂ ንጸባጸበሉ ሰዓት ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና። ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።

ደላይ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንመን? ፍትሒ ንኹሉ፡ እዩ ክብል ዘለዎ። ጸባ ጤል ይፍላሓ፡ ጸባ ላም ይጽናሓ ግና ፍትሒ ኣይኮነን። ሕሱምያ ቑሪ ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቝፈካ ከም ዝብሃል ሽግር ኤርትራና ምስ ንፈትዎን ንጸልዕን ክንሓቝፍ የገድደና እዩሞ!

ካብ መን እዩ እዚ ? ኣበይ ነይሩ? መንዘጽንሓሉ? ሕጂ ስልጣን ደልዩ ድዩ መጺኡ? መን ዝለኣኾዩ እዚ? ዝብል ሕቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጠቓሚና ኣይኮነን። ብሓደ ኢድካ ከተጣቕ ስለ ዘይካኣል ዋል ቆንዳፍ እንተኾንትውን ኢድና እያ።

ኣቶ ወልዱ እንተ መምህር፡ እንተ ተቓላሳይ፡ እንተ ደፋራይ ባዕልኻ መልሶ።

ሓውካ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ተቐማጢ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ተወላዲ ዓድዃላ፡ ሰራየ፡ ኤርትራ።

16 ለካቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    ሃይለ ገብረትንሳኤ: why did you choose to concentrate on woldu’s reply? why not on the unwarranted attack initiated by Meskerem? It is not true woldu was provoked by Meskerm’s groundless accusation? Frankly speaking you’re not much of a neutral judge.

  • hagos February 16, 2014

    ato haile tshfika niweldu kirim ilka zitsehafkayo eyu. mejmerya mebgesi nay weldu tshuf niderakwian eyu msskerem net dima biawraja jekisiswo. meskerem net kab ni weldu zikesisn ni deki hade awrja ketselim tezykoynu nab higdef zikenie tshfat kitshf zeshegro seb mikanu kitwekso neyruka. kisi meskerm nimen zekenie kemzkone niaka silzeyhemka higi meskerm misntenkfe kab tehmamim tshufat meskerem kedka nay ametet kisu reayo. kab mesker andentawian ina bela kem nihade kebabi mis weyane zithabebr keyru zikoso andenet men kemzserhalu kab abu jemirka filut eyu. ni asfaha kem tarik alilka kab zikesis ni tarik resi tesma kemesgin zeykil tefewsi zeyahwi himam zelwo wenani nay hasot website niu hade mibalakyo imo nab weldu mimetsaeka. inte itei men niadent serhlu niflat gin ab 1956 zitegebre mircha aloka reyo bejaka shu meskerm dyu wela itom meskeem zitabeklom eyu ni netsanat eritrea serhim bimzan kinferid. ni meskerm agab zekil mizan akb zeyhaleweka nizmelse seb afka ebes kitbil ageb

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    ሃይለ ገብረትንሳኤ; you left the elephant size issue unaddressed. why is Meskerem offended by Woldu’s questioning of MedRekites? could it be due to his inclination to be second-class politician? we all know it is easy to exploit people with agrarian society village mindset.

  • Wedi Hagher February 16, 2014

    “ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡ ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?”

    ሃይለ ገብረትንሳኤ

    Keshi Dimitrous was an Amhara who worked for the interest of his own country Ethiopia
    and yet you said [when he was annexing Eritrea] he was exercising his democratic rights !!!.

    Awate lead armed resistance in the defense of Eritrea, and yet you call him a notorious
    bandit “shifta” !!!.

    Now you criticize Woldu for speaking against some Commandos leaders who ordered to burn Eritrean
    villages and kill innocent civilians, with the sole aim of turning the conflict
    into a local civil war among Eritreans. You say General Goitom was following orders [I hear you saying .. so what is wrong in that, they were just killing Deki Halima !!].

    What are the moral tenets on which you base your judgement of good and bad ?
    I am posing this question to you because in your article above, you tried to pose
    as someone who represents a highest moral authority in the forum.

    If you find this questions a bit difficult, no offence is intended.

    Regards

  • Wedi Hagher February 16, 2014

    ሃይለ ገብረትንሳኤ :

    ” ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና።”

    No body can deny them the right to stand with their people.

    “ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።”

    Medrek is a different case. Because they are saying they want act like a bridge
    between “their comrades” inside the country and the diaspora to reform the regime.
    Who are their comrades inside the country ?, the Generals ??. You see the problem ??
    No body will allow them to reach a deal with them. It’s just unnecessary “faux pas” that will
    lead to nowhere.

  • freeprisoners February 16, 2014

    Ato Haile Ghebretnsa’a
    aeb kalsi zeleka seb eka, kemey gerka talka aetika nezi hmak mkehahari zkone xhuf zergihka !!
    azi mkri aeykonen, nkalsi zgott ayu,
    azom klete sebat azi’om nenatom dereja zelewom ymesleni, aebkndi talka atika hawi tesawr, ztegebre wey bhgi wey ngzie ktgedfo ayu zeleka.
    wey dma taraka aeb Medrekn Meskeremn tkafel aeleka malet ayu.
    slezi aegeb ato Haile mesawrti aeytkun.

  • Meninet February 16, 2014

    መንነት
    ኣቱም ሰባት ዓገብ ተረኺቡ፣
    ኣውራጃውያን ይበሃሉ፣ ንፍትሒ በብዝተኣከቡ፣
    ፋሕ ብትን የእትወሎም፣ ወያኔ’ዮም እንዳ በለ ኣሳቢቡ።

    ህዝበይ ግደፍ’ባ ልቢ ግበር፣
    ክንደይ እዋን ብሓሶት ክትጥበር፣
    ፎ በሎ ንህግደፍን፣ ስነሓሳቡን፣ ካብ ገጽ መሬትካ፣
    ኣይትረስዓዮ ትማሊ ዝተኸፈለ ውላድካ
    ሞት መሪጹ ኣይኮነን፣ ተበጅዩ ስሌኻ፣
    ኣይትስሕቶ ምኻኑ ንምንዕቃብ ክብርኻ።
    ዓዲ ዘይብሉ፣ ሃገር የብሉ፣
    ኣውራጃ ዘይብሉ ዓዲ የብሉ፣
    ህግደፋውያን፣ ዝበሉ እንተበሉ፣
    መክት ጥራይ፣ ኣኺላያ ዕምሩ፣
    ባንዴራ ፍትሒ ክትስቀል ኣብ መቓብሩ።

  • Hadnet February 16, 2014

    ዓገብ ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኣብ ሓንቲ ርእሲ ሰለስተ መልሓስ፣ መምህርን ተቓላሳይን ዘይከሓድ መንነት ወልዱ ተኽለ ስለዝኾኑ ክትክሕዶም ኣይከኣልካን፣ ኮይኑ ግን በቲ ውሕልና ዝዓብለሎ ሜላ ኣጸሓሕፋኻ፣ ምስ ገድሊ ህዝቢ ዝጉዕጽጽ፣ ምስ ኣጽናቲ ጉጅለ ህግደፍ ምሉእ ብምሉእ ንዝወገነ ኣቶ ኣለም ጎይትኦምን፣ ብቐንዱ ደም ጀጋኑ ሰትዩ ዘይዓገበ፣ ብምሒር ጽልኢን ምጉህሃርን ኣውራጃውነት ብፍላይ ንተወላዶ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝሰጎገ፣ ካብ ባንኪ ኤርትራ ዘባረረ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርግስ ታሓሊቕካ ክትመጽእ ዘሕንኽ፣ ስራሕ ሰሪሕካ እቲ ቅድሚ ሕጂ ትጽሕፎ ዝነበርካ ግጥምታት ኮነ ጽሑፋት ንክመሃረሎም ዝሕልን ዝነበርኩ መንእሰይ ኢየ። በዚ ዘይረብሕ ሕማም ካብ ዝተለኸፍካ ሰብ ግን ዝማሃሮ እንተሎ። ብሓሶትን መመኽነይታን ዕምሪ ህግደፍ ንምንዋሕ እትዓዪ ሰብ ዝማሃሮ ኮቶ ከምዘየሎ ተማሂረ። እዚ ግጥሚ ከኣ ንዓኻ

    ሂትለር ስለ ዝሞተ፣ ስሙ ኣይተልዕልዎ፣
    ምስ ሂትለር ደም ንጹሃት ዝሰተየ
    ክጋደል ኢየ ስለዝበለ ኣይትኽሰስዎ፣
    ዓይነ ስዉር ግዲ ኢኻ ኣቶ ሃይለ
    እንዳ ርኣኻ ጽገና ቃልሲ ህዝቢ ክጨውይዎ
    ንዝተሮሮም ብኣውራጃ እንዳ ኣጸለሙ ክገማምዕዎ
    ኢሰያስ የዕሪፉ፣ ርኣይዎ
    ዝኣምኖ ልኢኹ እንታይ ተሪፍዎ
    ኣብ እንድያና ንኣቶ ሃይለ ትፈልጥዎ እንተለኹም ናብ ልቡ ምለስዎ።

    እቲ ህግደፍ ንንዊሕ እዋን ጅጋኑ ዘጽነተሉ ሜላ ኣውራጃውነት፣ ተፈራህን ተኣፋፍን ብምግባር፣ ንነዊሕ እዋን መራሕቲ ህግደፍ ከም ድሌቶም ተሓምበለ ኢሎም ክሕንብጥሉ ዝጸንሑ ዘይነትዐ ቁስሊ፣ ሕጂ ጅግና ወልዱ ተኽለ ኣንቲዑ ይፍውሶ ስለ ዘሎ፣ ለብሓን ህላውነት ህግደፍን ከም ሃመማ ካብቲ ቁስሊ ስለዝነበረ ናይ መወዳእታ መቓመሪት ካርትኦም ስለ ዝተበልዑ ምምስማስ፣ ብሓድነት ኤርትራ ኮይኑ። ነዚ ሕሱር ወፍሪ ህግደፍ ንክድምና ተባሂሉ መንእሰይ ወለዶ እንተ ብክረምታዊ ማእቶት፣ እንተ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገርና ኤርትራን ህዝብናን፣ እንታይ ይመስል ብዓይኑ ርእዩ፣ ብኢዱ ዳህሲሱ ስለ ዝመጸ፣ ባህሪ ምስ ተፈጥሮ ድኣ’ምበር ብከባቢ ዝተዓደለ ዘይምኻኑ፣ መቦቆል ድማ ማእኪሉ ወሲኑ ንስለ ህላውነት ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ክቡር ደም ከምዝኸፍል ኣረጋጊጹ ዝመጼ ብምኻኑ መጋበርያኹም ከምዘይከውን ከረጋግጸልካ ይፈቱ።
    ንሕና ንሓድነትና ሸጥ መዓንጣና!
    ግዱስ ዜጋ

  • Berhe Tseada February 16, 2014

    ኣብዚ እንሀ ዘረባ ወራዙት። ነጥቢ ብነጥቢ። ስሚዒት ኣልቦ። ስርዓት ዝሓለወ። መልሲ እንተሎካ ነዚ፡ ከምናቱ ጌርካ ከይዘለፍካ መልስ። ተመሃር። ምፍካር ኣይኮነን። ምጽራፍ ኣይኮነን። ናይ ስኑፋት እዩ’ሱ። ዝኾነ ዝገብሮ እዩ ንሱ። ነጥቢ ብነጥቢ፡ ጭብጢ ብጭብጢ።

  • MightyEmbasoyra February 16, 2014

    Ato Haile,
    These are very good points and politely presented. You seem to be very smart (from your previous articles as well as this one) and also highly respectful. Kudos to you and please keep it up!!!

POST A COMMENT