Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ? ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ! ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ!

ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ መምህር ዘብሎ ክንወስድ፡ እቲ ተቓላሳይ ዘብሎ ክንድግፍ! ነቲ መስመር ዝጠሓሶ እንተ ሃልዩ ድማ፡ ኣይፋል፡ ኣይከማኡን ኢልና ክንተ ኣራርም ይሕግዘና ኢለ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለኒ።

እንተኾን ግዳ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ዘበን ዉርዉራ ስለ ዘለና፡ ሳላ ሰዉራ ድማ ለባምናን፡ ኪኢላናን፡ ዉሓለና፡ ስለ ዘይንፋለጥ! ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝዛረብ ዜጋ እሩምን፡ ሃናጽን፡ ሕጋውን፡ መሃርን፡ ጠርናፍን፡ ኣቐራራብን፡ ሓዋዋሲን፡ መራሕን ክኸውን ዘኽእል ባይታ ስለዘሎ ኩሉ ዝሃቦ ዘርከበን ይዛረብ ይጽሕፍን እሞ! ተቐባልነት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝረኸበሉ ለባምን ወረጃ ዓድን ዝብል ክብሪ ይረክብ።እዚ መሰረት ገርና ድማ ንፅባሕ ክምህሩ ኮነ ክመርሑ ወይ ክሓንጹ ዝኽእሉ ዜጋታትና ነለሊ።

መሰል ዜጋ ሕሉው ኮይኑ፡ ክቃለስ ኮነ ንኸይቃለስ፡ከም ኡውን  ኣማዕድዩ ክርኢ መሰል ኣለዎ። ምቅላስ ብድልየትካ፡ ሕልናኻ ኣገዲዱካ ዝግበር ዉልቃዊ ዉሳነ ስለ ዝኾነ። ተቓለስ ኣይትቃለስ ምባል መሰል ዜጋ ምግሃስ እዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ፍቓድ ክህብ ወይ ክኸልእ ግን ስልጣን የብሉን። ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለዝኮነ።

ኣቶ ወልዱ ተቓላሳይ ደላይ ፍትሕን ምኻኑ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንፍትሒ ዝደሊ ዝባኑ ቐሊዑ ዝዛረብ ወዲ ሃገር ይምስገን። ከማኻ የብዝሓዮ ጂግና ወዲ ጂግና፡ ቀጽል፡ ንፋዕ ክባሃል ኣለዎ።

ኣቶ ወልዱ ከም መምህር፡ ድማ ርኣዩለይ ስምዑለይ፡ ትማሊ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሽም ቀይሮም፡ “መድረኽ ኢሎም ይመጹ ኣለዉ፡ ተጠንቕቕሎም? ድልድል ኢናዶ፡ ጽገናዶ ይብሉ ኣለዎ ህዝቢ ተዓጠቕ፡ ብምባሉ መምህር ንበሎ።

መስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ስም ከምዝሃባ ጽሑፉ ይነግር። ኣብዚ ስም ምቕንጣጥ መን ስልጣን ሃበካ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ወልዱ ዝምልሶ እዩ።

ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ መንዩ ወልዱ ተኽሉ ኢሉ ኣብ መርበብ መስከርም ሰለዳ ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ።

ኣቶ ወልዱ መን ምኻኑ፡ ናይ ምግላጽ መሰሉ እዩ። ናይ ባዕሉ መንምዃኑ ምግላጽ ከቢድዩ? ኣነ እገለ ወዲ እገል፡ ዓደይ እንዳይ፡ ወረዳይ፡ ኣውራጃይ፡ ሃገርይ። ኢልካ ምግላጽ መንነት የነጽሮ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ግቡእን፡ ባህላውን  እዩ። ሰማይ ፈረ ግና ኣይኮነን።

ኣቶ ወልዱን ምስ ኣቶ ኣለም ኣብ መድረኽ ወይ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክምጉቱን፡ ክተሓታተቱን፡

ክረዳዱኡን መሰሎምን፡ ግቡኦምን እዩ። ክዘናነፉ ግና ወራዙት ኣየግብሮምን።

ድፍረት ቁጽሪ ሓደ፡

ኣቶ ወልዱ ኣብዛ ሰዓት ብኣቶ ኣለም ንዝረኸቦ ጎነጽ ወይ ዘነፋ ወይ ወቐሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣለም ክዉሰን ነበሮ፡ ኣይኮነን ግና፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣብ ኣእምሮን ዝምብልናን ወሰኸሉ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ይርከብ። ንስድራቤት ኣቶ ኣለም ዝትንክፍ ኣይፋል!!!!!! ዓገብ ደፊርካ።

ዽፍረት ቁጽሪ ክልተ፡

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንነፍሲ ሄር ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ፡ ሓመዶም የቕልለሎም፡ ክዝንጠሉ ኣብ ጽሑፍ ኣቶ ወልዱ ተርእየ። ጀነራል ስራሖም ወተሃደር ብምንባሮም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ግደታኦም እዩ። ከም ኩሉ ወተሃደራዊ ትእዛዛት። ተጋዳልይ ኮነ ሰራዊት ትእዛዝ ይፍጽም። ስራሖም እዩ። ጀነራል ጎይቶኦም ብ1974 ንተጋዳላይ ሳልሕ ጠጠው ካብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ከሙ ኡውን ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ቦታ ናብ ኣስመራ ኣእትዮም ከም ዘዛራረብዎም ትፈልጥዶ? ስምረት ብተጋደልቲ ስለ ዝደንጎየ መጸዋዕታ ደርጊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጾም፡ ብ1975 ካብ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ምስ ኣርባዕተ ዓሳክሮም ናብ ተጋድሎ ሓረንት ኤርትራ ተጸንበሩ። ጀነራል ጎይቶኦም መንግስቲ ዘይፈልጦ እንተ ፈጺሞም ኣቶ ወልዱ ጭብጢ ከቕርብ ኽግደድ እዩ። ሓቅነት እንተ ዘይሃለዎ ግና፡ ኣቶ ወልዱ፡ ንተቓላሳይን፡ ንመምህርነት ዝውሃቦ ክብሩ ክግፈፍ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሰለስተ፡

ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡  ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?

ድፍረት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡

ነፍሲ ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተላዕሉ፡ ወዲ ሓወቦኻ፡ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ፡ ተጋዳላይ ወይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፡ ዓሪፉ። ከም ኩሉ ፉጡር ወድሰብ ኣብ ሃገሩ ንኸይቕበር ተኸልከለ። ኣብ ምንቲምንታይ ስድራቤቱ ከርተት ዝብሉ። ወድ ሰብ ሞቱ መቕበሪ ክስእን እንከሎ መሰሉ ተገፊፉዶ ኣይኮነን? ወዲ ዓድኻ ስለዝኾነ ዘብል ድዩ? ናይዝጊ ብሂወቱ ከሎ እንትይገበረ ካልእ ሕቶ እዩ። መሰሉ ክግፈፍ ግን ካልእ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡

ኣቦሓጎትታተይ፡ ክቡር ደገዝማት ባህታ ሓጎስ፡ ክቡር ራእሲ ተሰማ፡ ክቡራት ስዉኣት፡ ተጋደልቲ ኣብራሃም ተወለደ፡ ወዲ ሃይለ፡ ሙሴ ሃብተሚካኤ ኣልዕሊካ። እዞም ዝጠቐስካዮም ክቡራት ዜጋታት ዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣብ ግዜኦም፡ ሃገርዊ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ወለድን ኣሕዋትን እዩም። ኣቶ ወልዱ ኣሰሮምዶ ተኸቶልካ ዝብል ሕቶ ክመጽካ እዩሞ! ተቐሪብካዶ?

ናይ በይንኻ እንተድኣ ክትገብሮም ደሊኻ ግና ድፍረት ኮይኑ ይርከብ።

ድፍረት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡

ኣብዚ ሰዓት እዚ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ካብ ምብራስን ዕንወት ከድሕን ንዝገቦ ተብግሶ ቅዱስ እዩ። ኣሽንዃይዶ! ኣብ ሓልፍነት ዝነበር እሞኸኣ! ተጋዳላይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጉድለትን በደልን ኣይክሳኣኖን እዩ፡ ሕጂ ንጸባጸበሉ ሰዓት ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና። ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።

ደላይ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንመን? ፍትሒ ንኹሉ፡ እዩ ክብል ዘለዎ። ጸባ ጤል ይፍላሓ፡ ጸባ ላም ይጽናሓ ግና ፍትሒ ኣይኮነን። ሕሱምያ ቑሪ ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቝፈካ ከም ዝብሃል ሽግር ኤርትራና ምስ ንፈትዎን ንጸልዕን ክንሓቝፍ የገድደና እዩሞ!

ካብ መን እዩ እዚ ? ኣበይ ነይሩ? መንዘጽንሓሉ? ሕጂ ስልጣን ደልዩ ድዩ መጺኡ? መን ዝለኣኾዩ እዚ? ዝብል ሕቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጠቓሚና ኣይኮነን። ብሓደ ኢድካ ከተጣቕ ስለ ዘይካኣል ዋል ቆንዳፍ እንተኾንትውን ኢድና እያ።

ኣቶ ወልዱ እንተ መምህር፡ እንተ ተቓላሳይ፡ እንተ ደፋራይ ባዕልኻ መልሶ።

ሓውካ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ተቐማጢ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ተወላዲ ዓድዃላ፡ ሰራየ፡ ኤርትራ።

16 ለካቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • HGDEF February 16, 2014

    ሕጂ ግርም እታ ንህግደፍ ከተጥቅዑላ ዝዓጠኩማ ዕጥቂ ኣውራጃዉነት ነንሓድሕድኩም ከተፋልሰኩም ጀሚራ።

    • Blocked February 16, 2014

      Ata suq belndo eska kea. Suq elka hgdfdfdfdf aytebel.

  • wedi Keren February 16, 2014

    ኣቶ ሃይለ ገ/ትንሳኤ ጽቡቅን መሃርን መልሲ ጽሒፍካ ፣ ግን መንቀሊ ናይዚ ኩሉን ተኹታዂኡን መን ምዃኑ ኣጸቢቅካ እንዳ ፈለጥካ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ምልጣፍካ ኣዚዩ ገሪሙኒ መሰል ናይቶም ዝጠቀስካዮም ከም ቀሺ ደሜጥሮስ ሓሊኻ ናይ ሓምድ ዓዋተ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍካ ከም ሽፍታ ቆጺርካ ምዝራብካን ናይ ኣባላት ማሕበር ኣንድነትን ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዝብሉ ዝነበሩ ከዳዓት ተግባር ከም መሰል ምግላጽካ ኣየምሕረለካን።

    መስከረም ብዛዕባ ናይዝጊ ክፍሉ ካብ ሰቡ ንላዕሊ ተሓሊቁሉ ከብቅዕ ኣስማት ናይ ብህይውት ዘለዉ ተቃወምቲ ከነእእስ እንከሎን ንካልኦት መርበበኣትን ሓለፍተንን (ኣድሚናትን) ናይ ወያኔ ማዕከናት ሳጓ ምጥማቀን ዕሽሽ ኢልካ ምሕላፍካ ምስ ምንታይ ይቁጸር?

    ስለዚ ኣብ ክንዲ ብኽልተ ዕቤላ (መሰፈር)ብሓደ ዕቤላ እንተትሰፍር ክንደይ ኮን መምሓረልካ
    ሓውኻ ወዲ ከረን ተወላዲ ሓልሓል ቦጎስ ኣውራጃ ሰንሒት

    • Blocked February 16, 2014

      ንዓዋተ ከም ሺፍታ እንተቖጺርዎስ ዓባይ ጌጋ እያ።
      ኣነሲ ኣምሓሩን ኣንድነትን ጥራይ አዮም ንዓዋተ ከምኡ ዝብልዎ ይመስለኒ ነሩ።

    • Teclay February 16, 2014

      Wedi Keren xaida
      I haven`t seen Haile`s article about Awate: but It is true Awate was shifta what is the problem NIHABALIS HABAL INTEBELKAYA hasot diyu

  • ERITRAWIT February 16, 2014

    Dear Haile,
    Etey reto tebuk neru nskawn kurub zelefa wesekalu ane kble zdeley N abeyetey yehwat tsegem entelew nbeynom abtey natom private e-mail tezfethwo mhashe hzbna temesehu ab zeydrerelw zelo, geza gedefu kulu beteseb ab zsdedelu nhna ab nay Isaias net atena fenterter keynble netom nay Isaias megabereya ka edele thbwom alekum zeyedley melketey nmhlaf kblom yfetw.

    • ተወልደመድህን February 16, 2014

      ዝስማዕ ዘረባ ኢዩ ግን ን ኣንፊ መንገድኻ ክዕረዩ ዝግበኦም ኣሎ።ኣብ ነጻነት ጥራህ ንብጻሕ ዝብል ፍልስፍና ናብ ምንታይ ከምዘእተወና ኩላትና ንርእዮ ዘሎና’ዩ።ሕጂ ከኣ ኢሳያስ ጥራሕ ምልጋስ ዝብል ዘይኮነ ከምቲ ኣምሃሩ ዝብልዎ ” የሌባ ጠበቓ ኣድባልቀህ ወቃ ይብሉሞ ” ነቲ ናይ ኢሳያስ ጠበቓ ዝኾነ ካብ ሎሚ ወሰኑ ክሕዝ ምግባር ሕማቕ ኣይኮነን ይመስለኒ።እዚ ከኣ ንኩሉ ዘርብሕ ንሃድነት ዘትርር ኢዩ።ገለ የዋሃት ግን ዝባህረሩ ኣለው።ንስ ከኣ ኣውራጃ’ያ።ኩሉ ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝቐኖአ ወቐሳ ናይ ኣውራጃ’ዮም ዝሃስቡዎ።ገለስ ነዚ ሕጂ ህዝቢ ኣኤርትራ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኢሳያስ ጥራሕ ዝሃንደሶ ገይሮም ስለዝሃስቡ ቆላሕታኦም ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ።ግን ሰራውር ኣለዎ ኢሳያስ።ሰራውር ናይቲ ስርዓት ከኣ ክውገኑ ዘለዎም ኢዮም።ካብ ኦም መድረኽ ቀንዲ ቀደም ሰራውር ሕጂ ከኣ ተቃውሞ ኢድ ኒድ ተተሃሒዙ ከይስጉም ጸገም ዝኾኑ ኢዮም።ስለዚ ነዚኦም ምቅላስ ማለት ኣውራጃነት ኮይኑ ተሰሚዑዎም።ዝኾነ ኮይኑ በቲ ትምህርቲ ስለዝሰልጠኑ እቲ ትምህርቲ ካብ ሃንጎሎም ክሳብ ዘልግስ ግዜ ክሃትት’ዩ።

  • jumbo February 16, 2014

    Mr. Haile you are trying to defend Alem because he is from the same awraja like you. please don’t try to be somebody you are not you are the same like everybody who has awrajawi feeling, that’s why you came out of the wood to defend him. Stop pretending we know each other. For your information Mr. Woldu did not attack first he was attacked . He defended himself. Was it wrong ? you tell me. Why don’t you be honest with yourself. You will find the truth about how you feel toward the people from other awraja. I’m talking about the chat you have with your home boys always. So cut the crap, go somewhere fool others, enough is enough with this old play. We are tired of people like you. ez wedhanka

    • Genet-orginal February 17, 2014

      “Jumbo”
      Don’t you think first you should come out here with your real name, before you tell Mr. Haile to be himself. Mr. Haile is respectfully asking Mr. Woldu to mind his statement. TO refrain from offending other Eritreans. Sadly you said, “Mr. Haile you are trying to defend Alem because he is from the same awraja like you”. If that is what you believe, then you are supporting Mr. Woldu, because he is from your awraja. Are you here to take side based on which awraja, or to give your opinion based on what you believe is right? Mr. Haile didn’t say Mr. Alem was right. To me, Mr. Haile is offering Mr. Woldu a brotherly reminder that he should not go over board with his emotions. Mr. Haile acknowledges Mr. Woldu is smart, but he doesn’t have the right for his facts. You sound, you know nothing but awrajawinet. At this time, when Isayas is crashing the well of all Eritrean people, you are too busy worrying about speaking up for your awraga. I think, you should speak up for the truth. If you don’t know the truth, ask. You could learn a thing or two.
      Genet

  • Norway 11 February 16, 2014

    Meskerem+Alem+Adikuala+Haile+Naizghi= GOOD MIX

  • Zufana February 16, 2014

    The BIG question is where are our Eritrean “MUHURAT”? Really where are our “muhurat”?

    We should promote Eritrea’s Unity in Diversity. “Living and developing together” the 21st century way.

    • ተወልደመድህን February 16, 2014

      እንታይ ጽቡቕ ረክIቦም መዋእሎም ምሉእ ተበለጽቲ ተባሂሎም ክጽረፉ ጸኒሖም።ስለዚ እቲ ዝጸርፎም ዚጸንሃ ሓመድ ክሳነየሎም ስቕ ኢሎም ይርእዩ ኣለው።

    • Genet-orginal February 17, 2014

      Zufana
      Well said!
      That is what missing from Eritrea. Unity in Diversity is the only way out from the mess we are in. How childish can one be to worry about his village, while the whole Eritrea and Eritrean people are being exterminated from their father’s land. There is power in number.
      Genet-O

  • Lilay February 16, 2014

    What does him mean? What a non-sence text!!!!! It is babish!!!!

  • hagos February 16, 2014

    nimeskerem net ke meas ika kitkefa

  • Tes February 16, 2014

    Dear Haile,

    Thank you for wise approach to the hot topic right now. However, Weldu is answering to that idiot Alem. Alem is very notorious blackmailer to individuals who stand against HGDEF for many many years now. I real salute Weldu for coming out and telling him who he is. He is asked and responded elegantly.In fact it helps Alem to get his own medicine to understand who others feel when they are picked up on for only standing against tyrant. I am sure you are a very wise man and you know that “Zeymelaltka Aytelel” the Eritrean proverb. And if you are really want to advice Weldu , which I believe you do then you have to question Alem wicked activity. He brought this to himself. If you don’t know a person, it is not right to write or insult someone. Alem doesn’t represent our cultural values and very uncivilized person and he doesn’t represent any group in Eritrea but himself he is a bit out of order and always over the top.

  • ኣግኣዚ ተወልደ February 16, 2014

    ሃይለ ገብረትንሳኤ: why did you choose to ignore on woldu’s reply? why not on the unwarranted attack initiated by Meskerem? It is not true woldu was provoked by Meskerm’s groundless accusation? Frankly speaking you’re not much of a neutral judge.

    • Blocked February 16, 2014

      And looking at your messages here and on the other blog, one can conclude you are the most neutral commentor in the world….

POST A COMMENT