Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ? ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ! ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ!

ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ መምህር ዘብሎ ክንወስድ፡ እቲ ተቓላሳይ ዘብሎ ክንድግፍ! ነቲ መስመር ዝጠሓሶ እንተ ሃልዩ ድማ፡ ኣይፋል፡ ኣይከማኡን ኢልና ክንተ ኣራርም ይሕግዘና ኢለ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለኒ።

እንተኾን ግዳ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ዘበን ዉርዉራ ስለ ዘለና፡ ሳላ ሰዉራ ድማ ለባምናን፡ ኪኢላናን፡ ዉሓለና፡ ስለ ዘይንፋለጥ! ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝዛረብ ዜጋ እሩምን፡ ሃናጽን፡ ሕጋውን፡ መሃርን፡ ጠርናፍን፡ ኣቐራራብን፡ ሓዋዋሲን፡ መራሕን ክኸውን ዘኽእል ባይታ ስለዘሎ ኩሉ ዝሃቦ ዘርከበን ይዛረብ ይጽሕፍን እሞ! ተቐባልነት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝረኸበሉ ለባምን ወረጃ ዓድን ዝብል ክብሪ ይረክብ።እዚ መሰረት ገርና ድማ ንፅባሕ ክምህሩ ኮነ ክመርሑ ወይ ክሓንጹ ዝኽእሉ ዜጋታትና ነለሊ።

መሰል ዜጋ ሕሉው ኮይኑ፡ ክቃለስ ኮነ ንኸይቃለስ፡ከም ኡውን  ኣማዕድዩ ክርኢ መሰል ኣለዎ። ምቅላስ ብድልየትካ፡ ሕልናኻ ኣገዲዱካ ዝግበር ዉልቃዊ ዉሳነ ስለ ዝኾነ። ተቓለስ ኣይትቃለስ ምባል መሰል ዜጋ ምግሃስ እዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ፍቓድ ክህብ ወይ ክኸልእ ግን ስልጣን የብሉን። ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለዝኮነ።

ኣቶ ወልዱ ተቓላሳይ ደላይ ፍትሕን ምኻኑ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንፍትሒ ዝደሊ ዝባኑ ቐሊዑ ዝዛረብ ወዲ ሃገር ይምስገን። ከማኻ የብዝሓዮ ጂግና ወዲ ጂግና፡ ቀጽል፡ ንፋዕ ክባሃል ኣለዎ።

ኣቶ ወልዱ ከም መምህር፡ ድማ ርኣዩለይ ስምዑለይ፡ ትማሊ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሽም ቀይሮም፡ “መድረኽ ኢሎም ይመጹ ኣለዉ፡ ተጠንቕቕሎም? ድልድል ኢናዶ፡ ጽገናዶ ይብሉ ኣለዎ ህዝቢ ተዓጠቕ፡ ብምባሉ መምህር ንበሎ።

መስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ስም ከምዝሃባ ጽሑፉ ይነግር። ኣብዚ ስም ምቕንጣጥ መን ስልጣን ሃበካ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ወልዱ ዝምልሶ እዩ።

ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ መንዩ ወልዱ ተኽሉ ኢሉ ኣብ መርበብ መስከርም ሰለዳ ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ።

ኣቶ ወልዱ መን ምኻኑ፡ ናይ ምግላጽ መሰሉ እዩ። ናይ ባዕሉ መንምዃኑ ምግላጽ ከቢድዩ? ኣነ እገለ ወዲ እገል፡ ዓደይ እንዳይ፡ ወረዳይ፡ ኣውራጃይ፡ ሃገርይ። ኢልካ ምግላጽ መንነት የነጽሮ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ግቡእን፡ ባህላውን  እዩ። ሰማይ ፈረ ግና ኣይኮነን።

ኣቶ ወልዱን ምስ ኣቶ ኣለም ኣብ መድረኽ ወይ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክምጉቱን፡ ክተሓታተቱን፡

ክረዳዱኡን መሰሎምን፡ ግቡኦምን እዩ። ክዘናነፉ ግና ወራዙት ኣየግብሮምን።

ድፍረት ቁጽሪ ሓደ፡

ኣቶ ወልዱ ኣብዛ ሰዓት ብኣቶ ኣለም ንዝረኸቦ ጎነጽ ወይ ዘነፋ ወይ ወቐሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣለም ክዉሰን ነበሮ፡ ኣይኮነን ግና፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣብ ኣእምሮን ዝምብልናን ወሰኸሉ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ይርከብ። ንስድራቤት ኣቶ ኣለም ዝትንክፍ ኣይፋል!!!!!! ዓገብ ደፊርካ።

ዽፍረት ቁጽሪ ክልተ፡

ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንነፍሲ ሄር ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ፡ ሓመዶም የቕልለሎም፡ ክዝንጠሉ ኣብ ጽሑፍ ኣቶ ወልዱ ተርእየ። ጀነራል ስራሖም ወተሃደር ብምንባሮም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ግደታኦም እዩ። ከም ኩሉ ወተሃደራዊ ትእዛዛት። ተጋዳልይ ኮነ ሰራዊት ትእዛዝ ይፍጽም። ስራሖም እዩ። ጀነራል ጎይቶኦም ብ1974 ንተጋዳላይ ሳልሕ ጠጠው ካብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ከሙ ኡውን ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ቦታ ናብ ኣስመራ ኣእትዮም ከም ዘዛራረብዎም ትፈልጥዶ? ስምረት ብተጋደልቲ ስለ ዝደንጎየ መጸዋዕታ ደርጊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጾም፡ ብ1975 ካብ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ምስ ኣርባዕተ ዓሳክሮም ናብ ተጋድሎ ሓረንት ኤርትራ ተጸንበሩ። ጀነራል ጎይቶኦም መንግስቲ ዘይፈልጦ እንተ ፈጺሞም ኣቶ ወልዱ ጭብጢ ከቕርብ ኽግደድ እዩ። ሓቅነት እንተ ዘይሃለዎ ግና፡ ኣቶ ወልዱ፡ ንተቓላሳይን፡ ንመምህርነት ዝውሃቦ ክብሩ ክግፈፍ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሰለስተ፡

ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡  ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?

ድፍረት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡

ነፍሲ ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተላዕሉ፡ ወዲ ሓወቦኻ፡ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ፡ ተጋዳላይ ወይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፡ ዓሪፉ። ከም ኩሉ ፉጡር ወድሰብ ኣብ ሃገሩ ንኸይቕበር ተኸልከለ። ኣብ ምንቲምንታይ ስድራቤቱ ከርተት ዝብሉ። ወድ ሰብ ሞቱ መቕበሪ ክስእን እንከሎ መሰሉ ተገፊፉዶ ኣይኮነን? ወዲ ዓድኻ ስለዝኾነ ዘብል ድዩ? ናይዝጊ ብሂወቱ ከሎ እንትይገበረ ካልእ ሕቶ እዩ። መሰሉ ክግፈፍ ግን ካልእ እዩ።

ድፍረት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡

ኣቦሓጎትታተይ፡ ክቡር ደገዝማት ባህታ ሓጎስ፡ ክቡር ራእሲ ተሰማ፡ ክቡራት ስዉኣት፡ ተጋደልቲ ኣብራሃም ተወለደ፡ ወዲ ሃይለ፡ ሙሴ ሃብተሚካኤ ኣልዕሊካ። እዞም ዝጠቐስካዮም ክቡራት ዜጋታት ዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣብ ግዜኦም፡ ሃገርዊ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ወለድን ኣሕዋትን እዩም። ኣቶ ወልዱ ኣሰሮምዶ ተኸቶልካ ዝብል ሕቶ ክመጽካ እዩሞ! ተቐሪብካዶ?

ናይ በይንኻ እንተድኣ ክትገብሮም ደሊኻ ግና ድፍረት ኮይኑ ይርከብ።

ድፍረት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡

ኣብዚ ሰዓት እዚ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ካብ ምብራስን ዕንወት ከድሕን ንዝገቦ ተብግሶ ቅዱስ እዩ። ኣሽንዃይዶ! ኣብ ሓልፍነት ዝነበር እሞኸኣ! ተጋዳላይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጉድለትን በደልን ኣይክሳኣኖን እዩ፡ ሕጂ ንጸባጸበሉ ሰዓት ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና። ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።

ደላይ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንመን? ፍትሒ ንኹሉ፡ እዩ ክብል ዘለዎ። ጸባ ጤል ይፍላሓ፡ ጸባ ላም ይጽናሓ ግና ፍትሒ ኣይኮነን። ሕሱምያ ቑሪ ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቝፈካ ከም ዝብሃል ሽግር ኤርትራና ምስ ንፈትዎን ንጸልዕን ክንሓቝፍ የገድደና እዩሞ!

ካብ መን እዩ እዚ ? ኣበይ ነይሩ? መንዘጽንሓሉ? ሕጂ ስልጣን ደልዩ ድዩ መጺኡ? መን ዝለኣኾዩ እዚ? ዝብል ሕቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጠቓሚና ኣይኮነን። ብሓደ ኢድካ ከተጣቕ ስለ ዘይካኣል ዋል ቆንዳፍ እንተኾንትውን ኢድና እያ።

ኣቶ ወልዱ እንተ መምህር፡ እንተ ተቓላሳይ፡ እንተ ደፋራይ ባዕልኻ መልሶ።

ሓውካ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ተቐማጢ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

ተወላዲ ዓድዃላ፡ ሰራየ፡ ኤርትራ።

16 ለካቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • teweldemedhn February 16, 2014

    ኣጋጣሚ ኣሰና እብተዊጺኦማ ክተንብባ ኢኻ ጸሃፊ።ልክዕ ንሰብ ብኩሉ መዳይ ክትመዝኖ የድሊ።እቲ ዘህዝን ሰጊርካዮ ዘሎካ ገዚፍ ጉዳይ ኣሎ።ንወልዱ ኣይኮንኩን ዝከላከል ዘለኹ፡ነቲ ስራሕዩ።ብወገንካ ወልዱ ከማይ ከማካ ትርር ዘበሉ ቃልት ክትቀም ይኽእል።ግን ኣስተውዕል፡ናይ መስከረም ኣሰናደውቲ ኣቕሪቦሞ ዘለው ቶኽታኺ ዘረባታት፡ኣሞ ናይቲ ጸሃፊ ተሃታትነት ዘይብሉ ” ሎሚ’ውን ኣውራጃዊ ፖለቲካ….” ኣንብቦ።ቀጺሉ ኣለም ንስእሊ ወልዱ ለጢፉ ” መንዩ ወልዱ ተኽለ ክብል ኣየናይ ስልታን ሂቡዎ።ስለዚ ንጉዳይ ወልዱ በታ ን ኣካ ትጥዕም መዳይ ጥራሕ ተሚትካ ክሳብ ኣርባዕተ ወቀሳ ኣዝኒብካሉ።እምበር ውልቀሰብ ዝጽሕፎ ናቱ ጌጋ ብይቕረታ ዝድመደም’ዩ።ወዲ ጀነራል ኣቦይ ንኤርትራ ዝሰርሀ ዝበል እሞ ከምዚ ዚኣመሰል ሰባት ርእይቶኦም ዘስፍርሉ መርበብ ቶኽታኺ ጽሑፍ ከስፍር ቅኑዕ እንተኾይኑ፡እቲ ፍትሃዊ ኣረኣእያ ን ኣካ ይገድፎ።ኣቲ ጸግም ግን ካልእ’ዩ።ከምቲ ጀነራል ተከስተ ሃይለ ኣብ ምንቅስቃስ 21 ጥሪ ኣመልኪቱ ዝግሃቦ ” ዝኾነ ጸገም እንድሕሪ ኣጋጢሙ ከም ምኽኒት ገይሮም ካብ ነዊሕ ዝጥቀሙላ ጥበብ ንፍልይቲ ኣውራጃ ምክፋእ ወይ እቲ ጸገም ናብ ተወለድታ ምስልባጥ’ያ ኢሉ ” ስለዚ ቅሩብ ብዓይኒ ወልቀሰብን ኦድመን ዝፍጸም ጌጋን ብመሰረት ናይዜና ማዕከናት ይኹን ህዝባዊ ሃለፍነት ተቐቢለን ብሕጊ ዝሰርሃ ዌብ ሳይት ሃለፍቲ ዝብሉዎን ምፍልላዩ ጽቡቕ ይመስለኒ።

  • Sabway February 16, 2014

    Abzi Enihelka Nay Fit-Hena Azararba thank you Mr. Haile for your comments and suggestions.

  • oromay February 16, 2014

    Mr. Commentator, even if you have some grain of truth in your message, you just seem to ignore why Mr. Woldu responded to the other guy who posted his name without his consent.

    No one has right to work against the collective rights of any social unless the meanings of rights and democracy is modified for the sake your comment.

    You said name calling isnot good, however, you mentioned yourself some individuals too.

    The underying problem for unity is negative attitude. God only knows as to when some Eritreans to wash it out.

    • ተወልደመድህን February 16, 2014

      ርጡብ ርእይቶ oromay ።ተስፋ ይገብር ብዛዕባዚ ዝበልካዮ ዘውጻእኩዎ ጽሑፍ ኣሰና ከውጽእዎ።

    • Blocked February 16, 2014

      Point well taken, but I think Woldu crossed red lines. He called Alem dead brain and he also went after his family. Alem didnt do anything like that to him – he just posted his name and he does that to everybody…he didnt do anything different to Woldu. I hope you get what I am saying.

  • Habtom Abraha February 16, 2014

    Ato Haile,
    It is very smart advice and correction. Hopefully Mr. Woldu Tekle takes it positively and say sorry for the family of Alem. I know Mr. Haile personally in Indianapolis, I am proud of him for sharing his smart advice and fyi I am from Segenity. That is what we need, when we see wrong let’s correct it without taking sides, challenge the idea not the person.

  • Delay Selam February 16, 2014

    Woldu Tekle ,

    bejaka ms zeymebastna keytebasena . Akeleguzai ezi natka rito ritona aykonen

    • Blocked February 16, 2014

      Lol. U r funny.

  • Mahta February 16, 2014

    Mr Haile, Thanks for your constructive article!!! This madness must stop!

  • HGDEF February 16, 2014

    Don’t blame Woldu. He is different from the rest of you, because he is saying openly what the rest of you say indirectly.

    • SamiEritrean February 16, 2014

      That might be true, but when you discuss issues publicly, the goal is to influence ppl’s views and thinking and you should try to bring ppl into what unites us as Eritreans because that’s the most important thing.

  • Teclay February 16, 2014

    Thanks The Writer
    Perfect,Perfect
    Every word in this article is valuable ex i read for the first time,the ANDINET also their right to say unity”ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡ ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?”
    thanks we learn a lot from you writer.Meskerem net also you have to learn from this article ,every body has a right to say his own ex You call Andinet .com to Asmarino.com
    2nd very important is the ratio “ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ
    Bravo teacher

  • Aklilu fray February 16, 2014

    Hayle shndo adi wayly abzy deka zoloka ?woldu bezba nayzgi keflu hrden gomdem be betsbu amselka ketmagot bel tahlqi nayzgi kab konka nayzgi resu ab bet ferdi kabtom keqrbu zelowom eyu bell gemn nay nayzgi qzerka zewda tokunu nazgi moytu men eyu emo hazenulu enterfo kamak way goytom wedi general yrsanayom ab lely g 15 zegenero ab youtub atka bezab nayzgi be selomu abera tewokus meskenay
    hayle wedi adi kala
    yblka Aklilu fray stokolm
    wesi aba temer segenti

  • wedi badre February 16, 2014

    kbur Lebam ato hayle msgana ybxahka lebmn aramn qalat
    weldu tekle temahar bejaka , ane yketatelo eye xhufatka , anxar hgdef intetgebro brieka xbuk neyru akeleguzayn hamasyenn serayen kalaot awrajatatn ahwat ina , bflay deqi akeleguzay anxar serayen hamasyenn tgebro zeleka felalayin hadegegnann gosguas dew ablo . hzbi yezebeka alo , bflay ndeqi akeleguzay indatekelakelka ndeqi serayen hamasyenn knqales ina zbelu kitharm ayemhrelkan eyu rebha wun yeblun ageb nbleka alona ,

1 2 3 4

POST A COMMENT