Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!! ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ "እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ " ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ወናኒ መሽረፈት ኔት ብድሆ እብለካ!!

ብመጀመርያ ንኹልኹም ደለይቲ ፍትሕን ደገፍተይን ይቕረታ ይሓትት፡ ፤ ኣቦታትና ክምስሉ “እትደልዮ ተዛሪብካ ዘይትደልዮ ከይትሰምዕ ተጥንቀቕ ” ይብሉ፡ ፤ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብተለኣኣኽነት ህግደፍን ኣሳሰይቶምን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ሓሶትን ጸለመን ከካይድ ጸኒሕ’ዩን ኣሎን፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ከም ዕድመኡ ዘይኮነ ናይ ሕጻን ቆልዓ ጠባይ’ኳ ክውንን ዘይክእል ናይ ሕልና ልሙስ ዝኾነ ኤርትራዊ’ዩ፡ ፤ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ኣሳሳዪ ህግደፋውያን ኮይኑ ውልቀሰባት ከጸልም ዝውዕል ሕሱር ስለ ዝኾነ እንሆ ብተደጋጋሚ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት እሽማት ናተይ ወሲኹ ኣብታ ጽይፍቲ ገጻት ወብሳይቱ ክልጥፍ ንርእዮ ኣለና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ቅድሚ መንነተይ ምሕታትካ ንስኻ መን ኢኻ? ኣነ ዕላማይ ኣብ ኣደባባይ ወጽየ ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ብመንነተይ ኮሪዐ ኣፍልበይ ነፊሐ ዝኸይድ ኤርትራዊ’የ፡ ፤ከም ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሃገረይ ብልዕልና ሕጊ ተገዚኣ እዚ ዘሎ ገድላዊ ምሕደራ ተኣልዩ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንፋስ ሓርነት ኣተንፊሱ ተቛዳሲ ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ትምኒተይ ኢዩ፡ ፤ መትከለይ ንጹር’ዩ፡ ፤ ኣብ ኤርትራ ገድላዊ ምሕደራ ክህሉ የብሉን ዝብል ሞጎተ ሒዘ ዝጎዓዝ ኤርትራዊ’የ፡ ፤እምነተይ እዚ ኮይኑ ንስኻ ግን መን ኢኻ? እንታይ ኢዩ ዕላማኻ? ውልቀሰውባት ምጽላም ድዩ ዕላማኻ ወይ ንመሰልን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢኻ ትቃለስ? መን ስልጣን ሂቡካ ውልቀሰባት ክተቆናጽብን ክትጸርፍን?

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ንስኻ ናይ ባዕልኻ ሓሳብ ኣልዒልካ ክትጽሕፍ ዘይትኽእል ናይ ኣእምሮ ልሙስ ምዃንካ እፈልጥ’የ፡ ፤ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ኣብዛ ሰብ ፈንፊንዋ ዘሎ ወብሳይትካ ክትልጥፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዓቕሚ ከምዘይብልካ እፈልጥ፡ ፤ በል ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብርዐይ በላሕ’ያ፡ ፤ኣሽንኳይ’ዶ ንኣኻ ንጉጅለ ህግደፍ ክትቆራርጽ ዝተላዕለት ብርዐይ ጠጠው ክተብላ ከም ዘይትኽእል ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ብርዐይ ጠበንጃይ ኢያ፡ ፤ ጨሚታ ከም ዘይትስሕት ክኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ሃየ ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ ኣብ ዝደለኻዮ መድረኽ ፊት ንፊት ክግጥመካ፡ ፡

መድረኻውያን ቆጺሮምኻ እንተ ኮይኖም ንዕኦም መልእኽቲ ኣለኒ፡ ፤ ብርዐይ ጌና ኣይጸገበትን በሎም፡ ፤ ብርዐይ ብርዒ ህዝቢ ኢያ፡ ፤ ብርዐይ መንእሰይ ወለዶ መሰረታ ጌራ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከይተሓለለት ክትቃለስ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረካ እደሊ፡ ፤ ንብርዐይ ዘይጻወር ንጉጅለ ህግደፍ ክገጥም ኣይክእልን፡ ፤ ንስኻ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም ናይ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ዘይብልካ ነውራም ምዃንካ እፈልጥ፡ ፤ንዘይ ትፈልጦ ሰብ ኣይጽረፍን’ዩ፡ ፤ ንዘይትፈልጦ ሰብ ክተጸልምን ክተቆናጽብን ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ኣይኮነን፡ ፤ ንስኻ እንታይ ጌርካ፡ ፤ ኣምሓራ ክምስሉ”ኣሳዳጊ የበደለው” ይብሉ፡ ፤ ንስኻ ኣተዓባብያ ዝጎደለካ ናይ ሕልና ልሙስ ስለ ዝኾንካ እትጽሕፎምን እትዛረቦን ይምስክረልካ፡ ፤ ወዲ 70 ዓመት ኮንካ ከም ቆልዓ ካብ መንገዲ ኣራሪኻ ሰባት ክተጸልም ክሕፍረካ ምተገብኦ፡ ፤

ሕጂ’ውን ብድሆ እብለካ ኣለኹ፡ ፤ መንነተይ ሓቲትካ ኣለኻ፡ ፤ መልሲ እንተ ደሊኻ ብኣካል ንራኸብ፡ ፤መን ምኳንካ ክትነግረኒ ኣነ’ውን ክነግረካ፡ ፤ሽዑ መን ሓሳዊ መን ሓቀኛ፡ መን መደናገሪ መን በዓል ቁምነገር ይርአ፡ ፤አተዓባብያኻ ወጺዑካ’ሎ፡ ፤ኣብ ከርሲ ገዛእቲ ሓይልታት ተሓብሒብካ ዝዓበኻ ስለ ዝኾንካ እቲ ክቡር ልምድን ባህልን ኤርትራዊ ከይተመሃርካ ከም ዝዓበኻ እንሆ ተግባርካ ይምስክረልካ፡ ፤ ንምዃኑ ኣውራጃዊ ኢልካ ክትጥቅነኒ መን ስልጣን ሂቡካ? መን’ዩ ኣውራጃዊ? ንስኻ ወይ ኣነ? ስኑድ መርትዖ ኣሎ’ኮ፡ ፤ ኣነ ዝዛረቦ ጽባሕ ክደግሞ ዝኽእል’የ፡ ፤

በል ጽን ኢልካ ስማዕ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ እቲ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን ሰትዩ ዝኣተወ ዘመድካ ናይዝጊ ክፍሉ ምስ ሞተ ትዛረቦ ዝነበርካ ረሲዕካዮ ዲኻ? ን6 ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ብዛዕባ ሬስኡ ኣሕሚሙካ ክትጣበቐሉ ከለኻ ረሲዕካዮ ዲኻ?ንጹሃት ኤርትራውያን ኣጥፊኡ ዝኣተወ ዘመድካ ኣብ ክንድኡ ተወኪልካ ክትልፍልፍ ከለኻ መን’ዩ ኣውራጃዊ? ወዲ ቀሺ ዲመጥሮስ ምዃንካ ደኣ መኣስ ጠፊኡኒ፡ ፤ታሪኽ ተሰኒዱ’ሎ ኣቶ ኣለም ጎይትኦም፡ ፤ብዙሕ ኣይተዛርበና፡ ፤ ንስኻ ሕተተለይ፡ ፤ወደባት ኤርትራዊ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ ክንደይ ተወልጄ ከለዉ መን’ዩ ወልዱ ተኽለ ክትብል መሕፈረካ፡ ፤ በል ስማዕ፡ ፤ኣነ ወዲቶም ጀጋኑ ደግያት ሓጎስ፡ ራእሲ ተሰማ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ሃይለ፡ ኣብራህም ተወልደ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤልን ካልኦት ጀጋኑን’የ፡ ፡ እዚ ኣውራጃዊ የቑጽረኒ’ድዩ? እወ እንተ ኢልካ ክቅበሎ ኢየ፡ ፤የኹርዓኒ ከኣ፡ ፤ ኣቦኻ ንገዛእቲ ከገልግል ከሎ ንሕና ግን ንመንነትና እንቃለስ በሃራት ኤርትራውያን ኢና፡ ፤ ኣቦኻ ንገድሊ ክሃድን ከሎ ንሕና ግን ንመሰልን ናጽነትን ንቃለስ ኔርና፡ ፤ኣቦኻ ምስ ዓመጽቲ ወጊኑ ከሎ ንሕና ግን ኣብ ጎቦታት ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ንወድቕ ኔርና፡ ፤

ኣቶ ኣለም ጎይትኦም….ልቢ ግበር፡ ፤ከም ዕድመኻ ኣስተውዒልካ ተዛረብ፡ ፤ ምስ መን ትዛረብ ከም ዘለኻ ከኣ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ፤ኣብ መትከለይ ጠጠው ኢለ ዝሙጒት ሰብኣይ ኢየ፡ ፤ ብሓቀኛ ሽመይን መንነተይን ዝቃለስ ኤርትራዊ እምበር ተሓቢኣ ኣይጸሓፍኩን፡ ፤ ምሕባእ ኣብ ደመይ የላን፡ ፤ ካብቶም ኣብ መትከሎም ዝሞቱ ኢየ ተፈጢረ፡ ፤ ጥልመትን ክሕደትን ሓሶትን ጸለመን ኣብ ደመይ የለን፡ ፤በዚ ከኣ ይኾርዕ፡ ፤ ወደሓንካ!!!

ወልዱ ተኽለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
138 COMMENTS
  • wedimeriet February 8, 2014

    Please when we come to regionalism everybody is a sinner, and most of all
    the one who is in power has the means to divide the people. Lets not forget Elf cadre was 99% from one region 99% of henchmen of Eplf one region and everybody said my region is in disadvantage, and the dictator play his game.Stop fighting each other.

  • ghezai February 8, 2014

    Ghenet
    If you are not her dont worry
    Check the time you post your comment it is differnt time where you live that is. How you now

    • Genet February 9, 2014

      Thanks ghezai
      I changed my user name to “Genet original”
      It should have be a common sense for people, not to confuse others unnecessarily. It is about accountability issue.
      If people have a tendency to attack people personally, it makes more problems and confusion if they are using a user name already active at Assenna.
      Genet original formerly know as just “Genet”

  • Eritreawit February 8, 2014

    PLEASE ASSENNA, CHECK THE PEOPLE WHO ARE TRYING TO CREATE CONFUSION BY COPYING OTHERS’ USER NAME.

  • Kalighe February 8, 2014

    I have known Alem Goitom for some time when he was an ELF cadre. He is very divisive and trouble maker. Every time you discuss with him on an issue, he will speak about law and order, and he is the most lawless. His Zemihret persuaded him to work for the Higdef, after that he started the worst campaign of propaganda against the unity of the opposition camp. He is a worthless guy.

    • Suleiman Salim February 8, 2014

      Kalighe,

      You are talking about yourself.

  • Wedi Selansa February 8, 2014

    Does this individual understand what demons he is invoking to? after reading this article
    i realized, some impulses never change they just go underground.
    we have indeed, entered a period of intolerance which combines,the Gedle era with a surgery test
    for regionalism and ” holier than thou” attitude.when political dialog descends to such levels
    only bigots and fanatics such as Woldu enlist in the crusade but sensible people must wash their.
    hands of it.
    Nizgi Keflu rest in peace the land of Adkeme Melga is pround of you.

  • heyawie February 8, 2014

    I am sure to people who understand the writing was not confused it shows about the behaviour of wedi general goitom rather than his region.

  • Nesri February 8, 2014

    @ Aomonios what a damn and dead brain. You shouldn’t insult the entire region. If you are intelligent enough you should defend line/sentence by sentence… We have heard enough of this garbage people counting tribes/regional s… Come on if you don’t have good thing to say just zip your mouth. The loosers in politics they jump and say aagame, tewelije, aslamay….grow up. Change is imminent regardless of your junky ideology…

  • selam February 9, 2014

    the writing was not confused, it shows about the behaviour of Alem general goitom rather than his region.

  • selam February 9, 2014

    why he didn’t talk like nayzghi kiflu death,for those more than 359 young generation death in lampaduza?

  • Amonios February 9, 2014

    @ nesri,

    i did not insult an entre region. i only criticized the writer of that hatred article and others of similar thinking. i cannot possibly insult a region with which i also have blood bonds.

POST A COMMENT