Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ደቂ ኣብርሃም!

ኣቱም ደቂ ኣብርሃም! እተን ኣብታ ሎሚ በዚ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኹሉምሉ ተደዊና ዘላ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ኣብ እምባ ፎርቶ ተደኲነን ዘለዋ ማዕከናት ዜና ደማሒ (መላኺ)፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዓሰርተ ዘይበጽሑ ሰባት፡ “ደሞዝ ውሒዱና” ኢሎም ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣቱም ደቂ ኣብርሃም!
እተን ኣብታ ሎሚ በዚ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኹሉምሉ ተደዊና ዘላ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ኣብ እምባ ፎርቶ ተደኲነን ዘለዋ ማዕከናት ዜና ደማሒ (መላኺ)፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዓሰርተ ዘይበጽሑ ሰባት፡ “ደሞዝ ውሒዱና” ኢሎም ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝወጹ ግዜ፡ ዓቢ ብስራት ከም ዝረኸባ ተጓይየን፡ ናብቲ ብዘይካ ሕሰምን መከራን ጽቡቕ ህዝቢ ዓለም ክርእን ክሰምዕን ዘይፍቀዶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘቕርባ ኣገልገልቲ ምልኪ ደኣ ሎሚ፡ ሰላሳ ኣርባዓ ሽሕ ዝግመቱ ዜጋታት እታ ‘ነማሓድራ ኣለና’ እናበሉ ዝበታትኑዋ ዘለዉ ሃገርና ኤርትራ፡ ንመሰሎምን ክብረቶምን ብሓባር፡ ኣደናቒ ሰልማዊ ሰልፊ እናገበሩ ከለዉ፡ ንምንታይ እዘን ብዋናአን ጥራይ “ድምጺ ሓቂ (serving the truth)” ዝጽውዓ ድምጺ ካዕቦ ሓሶት ማዕከናት ወረ ህግደፍ፡ ብዛዕባ’ዚ ብጩቕ ዘይበላ!?
እቶም ባህሪአንን እንታይነተንን ብግቡእ እንፈልጥ ሰባት’ኳ ክብላውን ኣይንጽበየንን ኢና። ብኣንጻሩ ንዕኡ ክኽውላ ኢና እንጽበየን። ምኽንያቱ፡ ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ፡ ነታ ጌና ንህንጸትን ዕብየትን ዕቑር ሓይሊ ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ሓይሊ መንእሰይ ዘድልያ ሓዳስ ሃገር ገዲፎም፡ እንተ ብስራሕ ምስኣን፣ እንተ ብግህሰት መሰል ሰብ፡ ካብኣ ሃጽ ኢሎም ብመሬትን ብባሕርን ነፊጾም ክወጹ ክትርኢ ከለኻስ፡ ብፍላይ ነቲ “ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ተቓሊሰ” ዝብል ጉጅለ፡ ዘሕፍርን ዘነውርን ስለ ዚኾነ፡ ብዛዕባኡ ክዛረባ ኣይንጽበን።
ጃንዳ ህግደፍውን እዚ ስለ ዝኾኖ’ዩ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝወዘዖ (ዘዋዐዎዖ) ናይ መሰልና ይከበር ድምጺ ኤርትራውያን፡ ብማዕከናት ዜናኡ ዘየቃለሖ። ንልብን ኣእምሮን ዘሎዎ ሰብውን ካብዚ ዝዓቢ ውርደትን ውድቀትን ናይ ሓደ ስርዓት ወይ ጉጅለ ከምዘየሎ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ። ከም ዝፍለጥ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ዜጋታቱ፡ ንኣብነት፥ ብኸምዚ ናይ ላምፔዱሳ ዝኣመሰለ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ዝጠፍኡሉ ግዜ፡ መራሕ ሃገር ብቕጽበት ስልጣኑ ንህዝቢ’ዩ ዘረክብ። ኣብታ ብሰሪ ህግደፍ ኩሉ ዘይንቡር ነገር ዝፍጸመላ ሃገርና ኤርትራ ግን እቲ ተሓታቲ ናይዚ ኹሉ ህልቂት ዝኾነ ኣውቶክራት (ውልቀ መላኺ) ኣይኮነን’ዶ ፍሹል ስልጣኑ ከረክብስ ናብ መራኸቢ ብዙሃን ቀሪቡ ከማን ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኪብል ኣይደፈረን! ኣብዚ ግን ግደ ሓቅስ እቲ ዘገርም ናቱ ጽንዓት ይሃብኩም ዘይምባል ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ንሱ ከምኡ ንዘይምባሉ ተቐቢሉ ትም ምባሉ’ዩ!
በሉ’ስከ ናይዚ ሃርደ ቢሳ (መትሓዚ ኣልቦ ወይ ድማ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ) ጉጅለ ገዲፍና፡ ናብዞም ንኽንደይ መከራን ሕሰምን ስደት ሓሊፎም፡ ሳላ ህዝባውያን መራሕቲ ረኺቦም ዝሰመሩ፣ ዝተማህሩን ዝማዕበሉን፡ ተሓፊሮምን ከቢሮምን ዝነብሩ ዘለዉ እስራኤላውያን ክንምለስ፡ ዘሕለፍኩሞ ዘክሩ ክንብሎም። ከም ዝመስለኒ ግን እቲ ኣብኡ ዘሎ ኣምባሲ ዝጽዋዕ ገንዘብ ዘዋጽእ ኳደረ ህግደፍ፡ “እዞም ሰባት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶምሲ ምንም ጸገም ኣየጋጥሞምን’ዩ!” እናበለ የሐንግዶም ከይህሉ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኮይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ክንድዚ ምድራቖም ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ። እምበር ሽግርን መከራን ኤርትራዊ ስለ ዘይፈልጡዎስ ኣይመስለንን።
ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ከም ኤርትራዊ ቈልዓ ይኹን ዓቢ፡ “ካበይ መጺእካ?” ኢሉ ክሓተካ ከሎ፡ ርእስኻ እናደፋእካ “ካብ ኤርትራ” ምስ በልካዮ፡ “ኦ እታ ምስ ኩሉ ኲናት ትገብር፡ ብዲክታቶር እትምራሕ ሃገርድያ?” ኢሉ ዘይምልሰልካ ሰብ የለን። እዚ ክትሰምዕ ከለኻ ኸኣ ከም ዜጋኣ መጠን ዝስምዓካ ጓሂን ሓዘንንውን ቀሊል ኣይኮነን። ንእስራኤላውያን ድማ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ፡ ሰብኣውነት ከምዘይብሉ ብጭብጢ ከነረደኦም ክንክእል ኣለና። ብዓብይኡ ግን ሰብ ንስራሕን ሸቕልን ኢሉ ሲኦል ሲናይ ተሳጊሩ ናብ ሃገሮም ክመጽእ ከምዘይክእል ክግንዘቡ ኔሩዎም።
ኤርትራውያን’ኮ ሎሚ ኣይኮናን ንእስራኤል ፈሊጥናያ! ቀደም፡ ቅድሚ ናጽነትና ብጀጋኑ ሰማእታትና ምርካብናውን ንፈልጣ ኔርና ኢና። ሻቡ ግን መግዛእቲ መሪሩና ወይውን ስራሕ ስኢንና ኢልና ኣይተሰደድናያን። ሎሚ ግን መግዛእቲ ምልኪ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝሓሰመናን ዝኸበደናን ኢና ከይፈተና ተሰዲድናያ! እስራኤላውያን ግን ሎሚ ብሰሪ ሓደ ሰብ ብበደዊን ሲናይ ከይተረፈ ንግዜኡ እንተተዋረድና፡ ዋጋ ዘይብልና ነብስና ዘይንኽእል ድኹማት ህዝቢ ከይመስሎም። ብኹሉምሉ ውርዙያት፣ ሕቡናት፣ ጻዕራማት፣ ለዋሃት፣ ሕፉራትን ክቡራትን ህዝቢ ምዃና ክፈልጡ ይግባእ።
በሉ’ስከ ክቡራትን ፍቑራትን ኤርትራውያን፡ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ፡ ነቶም ሕሰምኩምን ወጽዓኹምን ክርድኡ ዘይደለዩ እስራኤላውያን፡ ንሔውኩምን ሔውትኩምን (ንኣቦሓጐታትኩምን እናሓጐታትኩምን) ምሰሉ ክብሎም ፍቐዱለይ?
ኣቱም ደቂ ኣብርሃም!
ኣቱም ደቂ ኣብርሃም ነቦኹም ምሰሉ
ንደላዪ ፍትሒ ኣዕቚብኩም ኣጽልሉ!
ኣትን ደቂ ሳራ ነደኽን ምሰላ
ንግዳያት ምልኪ ኣዕቊብክን ኣጽልላ!
ኣቱም ደቂ ይስሓቕ ነቦኹም ምሰሉ
ካብ ቤቱ ዝወጸ *መኸት ኣይትበድሉ!        *ዘኽታም
ኣቱም ደቂ ያቆብ ነቦኹም ምሰሉ
*ኣይትተኣወሱ ሰብ ኣይተቃልሉ             *ኣይትተዓበዩ
ታሪኽኩም ዘኪርኩም ጋሻ ተቐበሉ!
ኣብ ኣጻምእ ሲናይ ብሓዊ ከይልብለብ
ርሑ ዝሸመተ ብኣሻሓት ገንዘብ
ማዕጾ እናዃሕኰሐ ውጹዕ ንኽዕቆብ
ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ብጥይት ክቑለብ
ኣቱም ደቂ ኣብርሃም ደቂ ይስሓቕ ያቆብ
ዘይትድንግጹሉ ፍጡርዶ ኣይኮነን ሰብ!?
ራሻይዳ ጨውዩ ብገመድ ክኣስሮ
ዝባኑ ምስ ቁስሉ በደዊን ዘሕረሮ
መጠን ኣልቦ ግፍዒ ሓንጎሉ ዝጸሮ
ገና ከይወጸሉ ናይ *ስውየት ተዘክሮ           *ብቓንዛ ምዕልባጥ
ወትሩ ኣብ *ህድመቱ ስቓይ እናኣባህረሮ       *ትኽስታኡ
“ውጸልና!” ትብሉዎ ዘይብልኩም *ሰሃሮ        *ሓልዮት
ናይ ኩሉ’ንድዩ መሬት ኣምላኽ ዝፈጠሮ!?
እዚ ዉጹዕ ዜጋ ኣበሳ ዘይብሉ
ክሳዕ ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ዝነግሰሉ
ከብዱ እንተዐንገለ ብጉልበት ቂሉ
እተሳጉጉዎስ እንታይ እዩ በዲሉ?
ብኣሻሓት ዝቑጸር ናይ መንእሰይ ሓይሊ
ገልጠምጠም ከይበለ *ብሰብሪ ብዓቕሊ     *ብህድኣት፡ ብሰነስርዓት
እንተሓተተኩም ግዝያዊ መጽለሊ
*ኣይትቐፍዱዎ ተጠቒምኩም ሓይሊ!       *ኣይትእሰሩዎ
እዚ ኹሉ ኣፍለ’ወ ምስዚ ትኩስ ሓይሉ    *በጽሒ’ወ
ብሰላም ክሓትት ክኽበር መሰሉ
ኣየደንቕንዶ እቲ ዉርዙይ ባህሉ
ዕቑባ ዘይትህቡዎ ክሳዕ ዝሓልፈሉ!
ለዋህ ኤርትራዊ ዘይጓዳእ ባህሩ
ኣብታ ዘይትምኖ ዉቅብቲ ሃገሩ
ቀሲኑ ክነብር እንተዝኽእል ኔሩ
እንታይ ኣሰዲዱዎ ሲኦል ተሳጊሩ
እናፈለጥኩሞ እቲ ጠንቂ ሽግሩ
ኣይተሳቕዩዎ ኣይትድፈሩ ክብሩ
ራህዋ ክረክብ’ዩ ዉዒሉ ሓዲሩ!
እቲ ቃሉ ዘይጠልም ክሳዕ ዝረድኣኩም
ዓዲ ይኹን ዓውዲ *መረት ዘይብልኩም    *ዓዲ፡ ጤሳ
ትማሊ’ኮ ኢኹም ሃገር ኣልቦ ኔርኩም
ብባሕሪ ኤርትራ ክትሰግሩ ሰንጢቕኩም
ግፍዕታት ናይ ፈርዖን ረሲዕኩሞ ዲኹም!?
ንልዑል ፈጣሪ’ወ ብዘይምእዛዝኩም
ዳግም ክትስደዱ ፋሕ ጭንግራሕ ኢልኩም
ሂትለር ብጭካነ ሓዊ ከንድደኩም
ስደትን ዉርደቱን ኣሻብኩም ረሲዕኩም!?
እፎይ ኢልና ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 03-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Yohannes February 3, 2014

    Hi Mesinas,
    Stop lying brother. The so called Jews living in Israel are not descended from Abraham, Isaac and Jacob, and they are not homogeneous race. Almost all the Jews in the world came from Khazaria, Turkey and Mongolia. They are not of the blood lineage of Abraham and the prophets, but of king Bulan and the pagan peoples of the Caucasus. The ancestors of today’s Jews are not Israelites but are Kazarians.
    Kazarians in the 8th century, converted from paganism to Judaism. In the 10th century, these Kazarians converts emigrated to eastern Europe ,and especially to Poland and Lithuania.
    Even the Lord Jesus in the book of Revelation Chapter 2 and 3 verse 9 said:
    “I know your blasphemy of them which say they are Jews, and are not, but are the Synagogue of Satan”.
    Please, don’t believe the propaganda lies of the Christian Zionists

    • towfik February 4, 2014

      Right brother Yohannes but very few people knows this.

    • ERITRAWIT February 4, 2014

      Yohannes,
      Why would he lie if you know what we don’t it will be wise to come appropriate way!!!!!!!!

  • FitHawi February 4, 2014

    Mesinas,
    Great job. God bless you!

    • towfik February 5, 2014

      Khazars ( Greek : Χάζαροι, Hebrew: כוזרים
      ( Kuzarim ), [4] Turkish : Hazarlar , Tatar: Xäzärlär,
      Arabic: ﺧﺰﺭ (khazar), Russian : Хазары, Persian :
      ﺧﺰﺭ ,Latin : Gazari[5][6] /Cosri [7] /Gasani [8][9] )
      were a semi- nomadic Turkic people who created
      the most powerful Western steppe empire,
      Khazaria, between the late 7th and 10th
      centuries. Astride one of the major arteries of
      commerce between northern Europe and
      southwestern Asia , Khazaria became one of the
      foremost trading emporia of the medieval world,
      commanding the western marches of the Silk
      Road and played a key commercial role as a
      crossroad between China, the Middle East , and
      European Russia. [10][11] For some three
      centuries (c. 650–965) the Khazars dominated
      the vast area extending from the Volga-Don
      steppes to the eastern Crimea and the northern
      Caucasus [12]
      Khazaria long served as a buffer state between
      the Byzantine empire and both the nomads of the
      northern steppes and the Umayyad empire , after
      serving as Byzantium’s proxy against the
      Sassanid Persian empire. The alliance was
      dropped around 900 CE., as Byzantium began to
      encourage the Alans to attack Khazaria and
      weaken its hold on Crimea and the Caucasus,
      while seeking to obtain an entente with the rising
      Rus’ power to Khazaria’s north, which it aspired
      to convert to Christianity. [13] Between 965 and
      969, the Kievan Rus ruler Sviatoslav I of Kiev
      conquered the capital Atil and destroyed the
      Khazar state.
      Beginning in the 8th century, the Khazar royalty
      and notable segments of the aristocracy
      converted to Judaism ; the populace appears to
      have been multi-confessional—a mosaic of pagan,
      Muslim, Jewish and Christian worshippers—and
      polyethnic.

  • ERITRAWIT February 4, 2014

    Mesinas,
    It is sad to see our people in this situation the journey they pass wasn’t easy our misserey it will never stop if we don’t do something about it Brother.

  • Smhar February 5, 2014

    Mesinas thanks, I enjoyed reading the article, peace to our people in Israel. About tv HGDEF, I agree with you 100%, what can I say you said it well. Yohannes easy boy easy,if you have info worth sharing, share it respectfully.

    • mesel February 5, 2014

      መሲናስ

      እዞም ምልክት ኮኾብ ጌርካ መብርሂ ትህበሎም ቃላትሲ ካበይ’ዩ ምንጮም?
      1.”ሰብሪ” እዛ ቃል ዋላ ሓደ ሕዋስ ዘይብላ ናይ ዓረብ ቃል እያ። ኣብ ክንዲ ”ትዕግስቲ፥ ዓቕሊ፥ ርግኣት፥ ህድኣት፥ ,,,,,,,,,,,,” ዝብሉ ቃላት ናይ ትግርኛ ንምንታይ ንዓኣ መሪጽካ? ቅድሚ ናብ ዓረብ ከ ናብ ግእዝ ገጽካ ሃሰው መሰው ምባል ዶ ኣይምሓሸን?
      2.”ሰሃሮ” ሓልዮት ኢልካ ገሊጽካዮ ኣለኻ። ሰሃሮ ሓልዮት ማለት ዘይኮነስ ”ስኽፍታ” ማለት እዩ። ”ኣንታ እዚ ቆልዓስ ድሕሪ መገሻ ስድርኡ ከም’ቲ ዝድለ ይበልዕ የለን። ነብሱ’ውን ረቒቑ። ”እወ ሰሃሮ ዳኣ ይህልዎ’ዩ።” ክብላ በዓል ዓባየይ ንሰምዐን። ስለ’ዝስ
      3. ”ትኩስ” ብናይ ኣምሓሩ ቃንቃ ”ውዑይ” ንምባል’ዩ መስለኒ። ብዙሓት ቃላት ኣለዉ መስለኒ ናብ ኣምሓርኛ ከይከድና ክንረኽቦም ንኽእል።

      ስለ’ዚ ምንጪ ናይ ሓደ ቃል እንተትሕብር ጽቡቕ’ዩ መስለኒ። ወይስ ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ቃል ኣምጺኡ ኣብ መዝገበ ቃላት ናይ ዝኾነ ቃንቃ ክሕውስ ይኽእል’ዩ?
      እቲ ናይ ቃንቃ ተገዳስነትካ ግን ኣዝየ አድንቖ።

  • Mesinas February 5, 2014

    ዝኸበርካ ሓው መሰል፡ ስለ’ቲ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ትገብሮ ዘለኻ ንጡፍ ምውሳእ ኣዝየ ኣድንቐካን አመስግነካን። ብምቕጻል፥ እዚ ሂብካዮ ዘለኻ ዓለቕ (ርእይቶ) ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ ወይ ምኽሪ ረኺበሉ ኣለኹ። ንሱ ኸኣ እዚ ዚስዕብ’ዩ፥ “ቅድሚ ናብ ዓረብ ከ ናብ ግእዝ ገጽካ ሃሰው መሰው ምባል ዶ ኣይምሓሸን?” እወ ክቡር ሓው፡ ቋንቋ ግእዝ ኣዝዩ ሃብታም ስለ ዚኾነ ኩሉ ኣብኡ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ናብ ካልእ ቋንቋ ሃነፍነፍ ዘብለና ምኽንያት የለን። እዞም ኣነ ዝጥቀመሎም ዘለኹ ዘይዝውቱራት ቃላትውን ብምሉኦም ግእዝ ወይውን ትግርኛ’ዮም። ናይ ዓረብ ይኹን ናይ ካልእ ቋንቋ እንተተጠቒመ ድማ ብድሕሪኡ ዓረብ ወይ ጥልያን ወይውን እንግሊዝ ኢለ ይጽሕፈሉ’የ። ክሳዕ ሕጂ ግን ብዘይካ ቋንቋና ግእዝን ትግርኛን ካልእ ኣይተጠቐምኩን። ሰሃሮ ካብ ሰሃረ ዚወጸ ቃል ኮይኑ፡ ሰሃረ ማለት ከኣ ሓለየ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ተጨነቐ ማለት’ዩ። ሰብሪ ወይውን እሽታ ማለትውን ህድኣት፡ ጸጥታ፡ ኣደብ ማለት’ዩ። ብትግርኛ’ዩ ድማ። ትኩስ ዚብል ቃል ግን ኣይተጠቀምኩን። የቐንየለይ።

Post a Reply to Smhar Cancel Reply