Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቱም ሰባት! ኣየረድ’ዩ ሰብ ጌርና!

ኣቱም ሰባት ድሓን ኣለና እናበልና እምበር ሰብ ጌርና! ስርናይ ዝዘርአ ስርናይ ከም ዝሓፍስ ኢና ንፈልጥ ዝነበርና ስለዚ ክርዳድ ካበይ ነጠበና! ስርናይ ክንሓፍስ እናተጸበና ቀናኣት ዶ ጸላእቲ ረኺብና ኢልና ተጠማሚትና ምትእምማን ስኢና። ሎሚ ግን ፈሊጥናዮ ጸላኢና ክንደይ ሰብና ምሰ’ጥፋእና ውላድና እናበልናዮ ዝዓበየ ምሳና ሓዚልና ዘዕበናዮ ኣብ ዝባና ምሳና ዝውዕል

ኣቱም ሰባት ድሓን ኣለና እናበልና

እምበር ሰብ ጌርና!

ስርናይ ዝዘርአ ስርናይ ከም ዝሓፍስ

ኢና ንፈልጥ ዝነበርና

ስለዚ ክርዳድ ካበይ ነጠበና!

ስርናይ ክንሓፍስ እናተጸበና

ቀናኣት ዶ ጸላእቲ ረኺብና

ኢልና ተጠማሚትና

ምትእምማን ስኢና።

ሎሚ ግን ፈሊጥናዮ ጸላኢና

ክንደይ ሰብና ምሰ’ጥፋእና

ውላድና እናበልናዮ ዝዓበየ ምሳና

ሓዚልና ዘዕበናዮ ኣብ ዝባና

ምሳና ዝውዕል ዝነበረ ኣብ ግራትና

ዝርእየና ዝነበረ ምሩጽ ስርናይ ክንዘርእ ከለና

ብክርዳድ ለዊጡዎ ንምሩጽ ዘርእና

ስዒቡ ዲሕረና ተኸዊሉ ካባና

ከይፈለጥና ከይጠርጠርና

ስለዚ ዘይሓሰብናዮ ኢና ረኺብና ዘለና

ኣየረድ! ሰብ ጌርና!

መጥፊኢና ወሊድና

ስቡሕ ግራቱ ጌሩዎ ልብና

የጥፍኣና’ሎ በብሓደ የጥፍኣና

ይስደዱ ይጠፍኡ ኣለዉ ድቅና

ትሕቲ ምድሪ የስፍሮ’ሎ ህዝብና

ማዕጾ ተረሖ መርድእ ኮይኑ’ሎ ገዛና

ደም ዝነብዕ እምበር ዘጸናንዕ ስኢና

ስለዚ ኣቱም ክንዲ ምሕባር ተፈላሊኹም

ስቓይ ህዝብኹም ተናውሑ ዘለኹም

ልቢ ኣዕቢኹም ስመሩ ብጃኽኩም

ኣቱም ዝወርደና ዘሎ ግፍዒ እናሰማኹም

ዶላር ትሰዱ ተስንቑ ተጣቕዑሉ ዘለኹም

ፍለጡ ብኣኹም ንጠፍእ ከም ዘለና

ስለዚ ናብ ልብኹም ተመለሱ ምሓሩና

ፍለጡ ከኣ ቀሪቡ’ዩ ክቕንጠጥ ስቓይና

ሕጂ’ውን ምስ ህዝቦም ዝወግኑ ‘ኣለዉ ኣለዋና!’

ንገፋዕቲ ከቃጽሎም’ዩ ፈሊሑ’ዩ ደምና

ኩናት ኮይኑ ክወግኦም’ዩ ዓጽምና

ቀሪባ’ያ ናይ ህዝባ ክትከውን ሃገርና

ቀሪባ’ያ ናይ ህዝባ ክትከውን ሃገርና

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 20 ታሕሳስ 2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT