Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ 21-ክፍለ ዘበን ታሪኽ ክጥምዘዝ ኣይግባእን

ነዚ ጽሑፍ‘ዚ ከስፍር ዝደፋፍኣኒ፡ እቲ ዶክ. ሙስጦፋ ለስዳይ ኣብ ሃገር ስውዲን ዝነብር ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ዘዳለዎ እሞ ትሕዝቶኡ ንምልላይ ዝገበሮ ሓበረይታ እዩ። ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ መግለጺ ገለ ነጥብታት ትምህርቲ ዝህቡ እኳ እንተ ኣለውዎ፡ ብሓፈሻ ክርአ

ነዚ ጽሑፍ‘ዚ ከስፍር ዝደፋፍኣኒ፡ እቲ ዶክ. ሙስጦፋ ለስዳይ ኣብ ሃገር ስውዲን ዝነብር ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ዘዳለዎ እሞ ትሕዝቶኡ ንምልላይ ዝገበሮ ሓበረይታ እዩ። ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ መግለጺ ገለ ነጥብታት ትምህርቲ ዝህቡ እኳ እንተ ኣለውዎ፡ ብሓፈሻ ክርአ ግን እቶም ክርስትያን ነቶም ኣስላም ከም ዝዓመጽዎምን ዝበደልዎምን፡ ብወገን ኣስላም ነቶም ክርስትያን ዝገበርዎ ዓመጽ ከም ዘይነበረን ዝመስል፥ እቲ ቀንዲ ድማ መበቈል ህዝቢ ጀበርቲ ንምፍላጥ፡ ዝብል እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ነቲ ንሱ ዝሃቦ ሓበረይታ ዘፍርስ ካልእ ሓበረይታ ዝርከቦ ከኣ እዩ። ገለ ነጥብታት ድማ ኣብዚ ጽሑፈይ ክጠቅስ እየ። ግን ኣብቲ ናቱ ከም ጠቓሚ መበገሲ ዝርእዮ፡ ዝዀነ ኣርእስቲ ንሃይማኖት ይዅን ንዓልየት ዝምልከት‘ውን፡ ከይተፈርሀ ወይ ከኣ ከይተናሕፈ ምስ ዝዝረቦ ጥራይ ካብቲ ዓንኬለት ኮለል ክንወጽእ ስለ እንኽእል፡ እዩ። ከም ዘሎኒ ኣቓልቦ፡ እቲ ክርስትያን ነቲ ናይ ሃይማኖት ዝሓለፈ ታሪኽ ይዅን ንዓልየት ዝምልከት፡ ክልዓል ዝያዳ ዝፈርሆ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ነዚ ድማ እቲ ምኽንያት መፍርሂኡ እንታይ ኰን ይኸውን ኢልካ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ብቕሉዕ ምስ ዝዝረቦ ድማ፡ እቲ ብዕድመ ይዅን ብባህላውን ስልጣኔን ኣብቲ ከባቢ ዝሓልፎ ዘይብሉ፡ ምንም ዘፍርህ ክህልዎ ከም ዘይክእል ዘጠራጥር ኣይኰነን።  ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ነቲ ዶክ. ሙስጦፋ ዝበሎ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ክኸፍሎም ይደሊ፥ 1) ብዛዕባ ዓልየትን መንነትን ጀበርቲ ንምፍላጥ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ መጽናዕቱ ከም ዝነበረ፥ 2) ጀበርቲ ኣብ ኤርትራ ካብ‘ቶም ትግሪኛ ዝዛረቡ ዝያዳ ደቀ-ባት ምዃኖም ዘምስል ነጥብታት፥ 3) ኣስላም በቶም ክርስትያን ከም ዝተወረሩን መስጊዳቶም ከም ዝፈረሱን፥  4) ምስልምና ኣብ ኤርትራ ካብ 1908-1914 75% ዝነበረሉ እዋን ከም ዝነበረ ወዘተ ኣብ ጽሑፍ ረኺበ እብል፥

ቅድም ስለ‘ቲ ዝገበሮ መጽናዕትን ጻዕርን ዋላ‘ውን ንዓይ ጥምዙዝ ታሪኽ ወይ ሓበረይታ እዩ ዝብል ኣረዳድኣ እንተ ኣሎኒ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ ብሃይማኖትን ዓልየትን‘ውን እንተዀነ፡ ከይፈራህካ ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ሃዋህው ይፈጥር ይኸውን‘ዩ ኢለ ስለ ዝትስፎን፡ በዚ ድማ ኣወንታዊ ውጽኢት ይርከቦ ይኸውን ስለ ዝብል፡ ኣይጸላእክዎን።

1)ኣብ ኣገላልጻኻ ጀበርቲ ዘርኢ ናይ ብዘበነ መሓመድ ናብ ሓበሻ ዝመጽኡ ምዃኖም እቲ ምስልምና ሃይማነቶም‘ውን ክንድኡ ዘበን ከም ዘለዎ ተተንብህ፥ እዚ ብስነ-ምርመራ ንምርግጋጹ ዘይክኣልን ኣብ ተምሳል ክውንነቱ ከኣ ዘይመስል እዩ። ብተምሳል ጀበርቲ ከም ኣፍሪቃውያን ዓልየት ሓበሻ እምበር፡ ካልእ ስለ ዘይመስሉ፥ መስሊሞም ማለት ዓልየቶም ቀይሮም ከስምዕ ኣይግባእን። ካብኡ ተረፈ፡ ነቲ ፈቲኻ ኣይፈቲኻ ኣነ እየ ኣዴኻ እዩ ዘዘኻኽረካ። ከመይሲ እቶም ንሕና ኢና ጽሩያት ኣዕራብ፡ ዝብሉ ደቂ ስዑዲ ዓረብ፡ ነቶም ኣስላም ኣብ ክልተ ዓረቢን ዎ ምትዓረቢን ኢሎም እዮም ዝኸፍልዎም፡ ዝብል ይስማዕ‘ዩ፡ ማለቶም ከኣ ብሞበቆል ዓረብን፡ ብሃይማኖት ምኽንያት ዓረብ ክመስሉ ዝደልዩን ማለት እዩ፥ ነቶም ኣስላም ሓበሻ‘ውን፡ ከምቲ ቅኑዕ ዝግብኦ ኣስላም ሓበሻ ኢሎም እዮም ዝፈልይዎም ይብሃል። ስለዚ ከም‘ቲ ቈልዓ ንወለዱ ዝመስል፡ ሓደ ክፋል ህዝቢ‘ውን ብመልክዕ ይዅን ብባህሊ ብቛንቋ፡ ነቲ ዝቐርቦ ዓልየት እዩ ዝመስል፥ ነዚ መርትዖ እዚ ከፍርስ ዝኽእል ከኣ የልቦን፥ ነዚ ከፍርስ ዝፍትን ከኣ ቤላ-ቤለው ማለት ጽውጽዋይ ጥራይ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። ካብኡ ተረፈ ስለ ዝመስለምኩስ፡ ባህሊ ዓረብ ወሲደ ዓልየተይ‘ውን ዓረብ ከምስል እየ፡ እተዀይኑ፣ ምስሉይ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቶም በለው ይዅኑ እቶም ኣግኣዝያን ተሓዋዊሶም ሓደ ከም ዝዀኑ ትዛረብ፡ እሞኸ ድኣ እቲ ጀበርቲ ምስ ዓልየት ኣግኣዝያን ዘይተዳቐለ ብጽርዩ ኣሎ ማልት‘ዶ እዩ፧ እቲ ዓብላሊ ባህሊ ዓረብ፡ ብሃይማኖት ምስኡ ድማ ንቋንቍኡ ኣጸጊዑ ንብዙሓት ዓልየታት ዓረብ ኰይኑ ከም ዝስምዖም ገይሩ እዩ፥ ነዚ ዓቢ ኣብነት ዝዀኑ ከኣ እቶም ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ዘይመስለሙ፣ ንሕና ኣዕራብ ኢና ፈጺሞም ኣይብሉን እዮም፡ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ግብጺ ዘልዉ ኣብ ሱርያ ዘለዉ ኣብ ዒራቕ ዘለዉ ወዘተ መረጋገጺ እዮም። ስለዚ እቶም ሓበሻ ወይ ኣግኣዝያን፡ ባህልናን ጥንታዊ ሃይማኖትናን፡ ቋንቋናን ንዓና ቅድሚት ክስራዕ ኣለዎ፡ ይብሉ ስለ ዝዀኑ እዮም መስለኒ፡ እቶም ገለ ክፋል ብጀበርቲ ዝፍለጡ፡ እቲ ቀንዲ ምስ ኣግኣዝያን ሕዋስ ክህልዎም ዘይደልዩ ዘለዉ እምበር፡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን‘ዩ፡፡  ኣብቲ ናይ ዓልየታት ምምቕቓል ዝገበርካዮ ከኣ፡ መታሕት ከምቲ መጸውዒ ዓልየቶምን ቋንቍኦምን ታሪኽ‘ውን ዝምስክሮ፡ ማለት እቲ ትግሬ ዝብል ምስቲ ትግሪኛ ዝብል መበቈሉ ሓደ እዩ፣ ግን፡ መብዛሕትኦም ደቂ መታሕት ኣስላም ስለ ዝዀኑ፡ በታ በለው ወይ በጃ እትብል ጌርካ ህዝቢ ትግሬ ካብ ንህዝቢ ትግርኛስ ንህዝቢ ጀበርቲ ከተቕርቦ ዝደለኻ ትመስል። ዋላ እኳ ህዝቢ ትግሬ ምስ ህዝቢ ጀበርቲ ኣብ ላዕለዋይ ወለዶ ሓደ ምዃኑ ሓቂ እንተዀነ፡ ግን ህዝቢ ጀበርቲ ካብ ምስ ትግሬስ ምስ‘ቶም ትግሪኛ ዝያዳ ዝቐርብ ከይከውን ብግቡእ ምሕሳብ የድሊ።
2) እቲ ካልኣይ ጀበርቲ ዝያዳ ካብ‘ቶም ትግርኛ ዝዛረቡ ደቀባት ኤርትራ እዮም ዝብል ኣበሃህላኻ እዩ፥ ነዚ ክዉን ንምግባር፥ እቶም ኣድከመ-ምልጋእ፡ ቅድሚ 600-ዓመት ካብ ኣምሓራን ዓጋመን ዝመጽኡ እዮም፥ ከምኡ ከኣ ኣብ ዘበነ ጥልያን ካብ ትግራይ ዝመጽኡ እዮም ትብል፥ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓንቲ ሃገር ሓበሻ ስለ ዝነበራ፣ እቲ ካብ ዓጋመን ብዘበነ ጥልያን መጺኦምን ንዝብል፡ ሓደ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከም ካብ ሓመስየን ንሸላሎ፡ ካብ ሰራየ ናብ ኣድያቦ፡ ከም ካብ ከበሳ ናብ ቈላ ወይ ካብ ዓዲ ናብ ደምበ፡ ወይ ካብ ካብ ኣከለጉዛይ ናብ ሰራየ ካብ ሃገረሰብ ናብ ከተማ፡ እቲ ምግዓዝ ኣብ ማእከል ህዝቡን ዓልየቱን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ካልእ ቦታ መጺኡ ኣየስምዕን እዩ። እቲ ፍልልዩ እንታይ እዩ፡ እቶም ኣብ‘ዚ ቀረባ እዋን ብድሕሪ ጀበርቲ እዮም መጽኦም ትብሎም ዘለኻ፡ ከምቲ እትብሎ እንተዀይኑ፡ ንሳቶም ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ሓደ ምዃኖም ስለ ዝኣምኑን ዝቕበልዎን፡ ብመውስቦ ተሓዋዊሶም ሓደ ኰይኖም ወነንቲ ናይ‘ቲ መርየት እዮም ዝዀኑ፣ እቶም ጀበርቲ ግን ከም ናትካ ኣገላልጻ፡ ቅድም ብሃይማኖት ኣስላም ብምዃኖምን ካልእ ዓልየት ኢና ስለ ዝብሉን፣ ተነጺሎም ምንባር እዮም ዝመርጹ ዝመስሉ፡ ስለዚ መርየት ብምግዛእ ጥራይ እዮም ክውንኑ ዝኽእሉ እምበር፡ ምስቲ ወናን መርየት ተሓዋዊሶም ወነንቲ ክዀኑ ኣይክእሉ እዮም። ኣብ‘ቲ ንስኻ ናይ ህዝቢ ጀበርቲ እትገብሮ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝሓሸ፣ ህዝቢ ጀበርቲ ኣብ ሀገረሰባት ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ኣበዋት ኣቦታቶም ዝወረስዎም ዓድታት ምስ መርየቶም ክንደይ ፐርሰንት እዮም፣ መጽናዕቲ ጌርካ ስም እተን ዓድታት እንዳ ሰመኻ ኣቕርብ እሞ፡ ነቲ ካብ ትግራይ ዝመጻእኩም ኢኹም ዝብል በዚ ትረትዖ፥ ንምዃኑ ኣነ እኮ ጀበርቲ ሓማስየን እየ ዝብል ሰብ‘ውን ሰሚዐ ኣለኹ፣ እዚ ማለት ከኣ ከም እቶም ናብ ሰራየ ዝመጽኡ ኣይኰንኩን ማለት እዩ ነይሩ፥ ኣብቶም ናይ ሰራየን ሓማስየንን በዚ መዳይ ፍልልይ ኣለዎም ድዩ የብሎምን፡ ኣነ ዝፈልጦ የብለይን። እቲ ምፍላስ ናይ ኣድከመ ምልጋእ ቅድሚ 600-ዓመት ትብሎ አሎኻ፡ ኣብዚ ዘበንና ግን ቅድሚ 800-ዓመታት እንተ ትብሎ እዩ ዝያዳ ሓቂ ዝኸውን። እዚ ትብሎ ዘሎኻ ከኣ ሓቂ እዩ ዝመስል፡ ማለት ብኣፈታሪኽ ካብ ኣቦታትና ዝተነግረና እዩ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሲንገር‘ውን ተጻሒፉ ኣሎ። ግን ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ህዝቢ በለው ከም ማይን ጸባን ተሓዋሲሱ ከኣ ሓደ ኰይኑ እዩ። ተጸኒዑ ክረጋገጽ ዘድልዮ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ህዝቢ ኣድከመን ኣምልጋእን ካብ ሃጸይ ማራ ተክልሃይማኖት ዝተፈረና ኢና፡ ንሱ ድማ እታ ንግስቲ ዩዲት ብደቡብ ሓይላ ንህዝቢ ክርስትያን ምስ ኣባሳበሰትን፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምስ ኣፍረሰትን፡ ሓገዝ ኣንጻራ ክዋጋእ ዝኸደ፡ ድሓር ኣብ ላስታ ሰፈሩ ዝገበረ እዩ፥ እቲ ማራ ዝብል ቃል መጸዋዕታ ንገለ ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ዘርኡ ዝወሃብ ዝነበረ መጸውዒ ከኣ፡ ንሳቶም ቅድም ኣብ ምራራ ይነብሩ ከም ዝነበሩ ንከይርሳዕ እዩ፣ ይበሃል እዩ፥ እዚ ሓቂ እንተዀይኑ እምበኣር፡ እቲ ኣድከመ ምልጋእ ናብቲ ቅድም ኣቦሓጎታቱ ዝነብርዎ ዝነበሩ ቦታ እዩ መጺኡ፡ ክበሃል ይከኣል እዩ። እቲ ንሕና ካብ በለው ኢና በዚ ካብ ህዝቢ ትግሪኛ ዝያዳ ኤርትራውያን ኢና ትብሎ ከኣ፥ ከምቲ ዝበልክዎ፡ እቲ በለዉን እቲ ሓበሻን ከም ማይን ጸባን ተሓዋዊሱ ክትፈላልዮ ዘይከውን እዩ። ወዮ ድኣ ኣቀራርባኻ ዘይንጹር ኰይኑ እምበር፡ ነዚ ተሓዋዊሱ ሓደ ምዃኑ፡ በቲ እቲ ዝወሐደ ዓሌት ኣብኡ ተሰትዩ እዩ ዝተርፍ ዝበልካዮ፡ ባዕልኻ መሊስካዮ ኢኻ። እቲ ትግሪኛ ዝዛረብ ህዝቢ፡ ኣብ ግእዝ ምስ‘ቶም ትግረ ሓደ ምዃኑ፡ ኣብ ሓበሻ ሓደ ምዃኑ፡ ካብዚ ሓሊፉ ናይ ሰማዊ ዓልየት ከም ዘለዎ‘ውን ዘጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ናትካ ምስሓት ምስተን ግእዝ ወይ ሓብሺት ዝበሃላ፡ ንሕና ጀበርቲ ደም የብልናን ዝብል ኣቕዋምካ እዩ። ስለዚ እቲ ናይ በለው ደም ከምቲ ኣባኻ ዘሎ ኣብቲ ትግሪኛ/ግእዝ ዝዛረብ‘ውን ኣሎ፣ በዚ ብበለው ዝጽውዑ ሰድራ ንፈልጥ፡ ነቲ ደም ትግሪኛ ኣብኣቶም ዘሎ ከኣ ኣይክሕድዎን እዮም፡፡ ቁልዑ ብኣቦኦም‘ኳ እንተ ተጸውዑ፡ ናይ ኣዲኦም ደም‘ውን ከም ዘለዎም፡ ከምኡ እዚ ድማ ርዱእ እዩ በሃላይ እየ። ብተወሳኺ ከም መተሓሳሰቢ ኣብ‘ዚ ከስፍሮ ዝደሊ፡ ብመሰረት ኣፈጣጥራ ኣምላኽ፡ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ጥራይ ካብ ኰንና፡ እቶም ጀበርቲ በዚ መበቆሎም ኣሕዋት እቶም ትግርኛ ዝዛረቡ እዮም። ብናይ ኦቨልሽን እንተ ረኣና‘ውን እቲ ሆሞ ዛብያን ብመሰረት ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕቲ ካብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ እዩ ዝበሃል፡ ስለዚ በዚ እውን ምስቶም ትግሪኛ ዝዛረቡ ሓደ እዮም። ኣምላኽ መፍትሕ ናይ መንግስተ ሰማይ ንኣዕራብ እዩ ሂብዎም ዘሎ፡ ስለዚ ዓረብ ክመስል ኣሎኒ ወይ ኣምላኽ ቋንቋ ዓረብ ጥራይ ስለ ዝሰምዕ፡ ብቛንቋይ ገዲፈ ብቛንቋ ዓረብ ክጽሊ ኣሎኒ፡ በዚ ድማ ባህልኻ ቋንቋኻ ነቶም መበቈልካ ዝዀኑ ክርስትያን ወይ ኣረሚን‘ውን ነይሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ኣቦሓጎታትካን ዝቐረቡ ዓልየትካን፡ ብዘርኢ ካብኦም ከም ዘይተፈጠርካ ክትክሕድ ግን ምስ ምሁራት ናይ 21-ክፈለ ዘበን ዝሰማማዕ ኣይኰነን- ከመይ‘ሲ ካልእ ሃይማኖት ተቐቢልካ ማለት ዓልየትካ ቀይርካ ማለት ስለ ዘይኰነ።

3) እቲ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝወረደ ግፍዕታት ወይ ፖለቲካዊ ተጽዕኖታት ብፍላይ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ዕሙቕ ዝበለ ድሕሪ ባይታ ኣለዎ፣ ትብል። ብሓቂ ኣብዚ ዓቢ ቃል‘ዚ ብኣንጻሩ ክብሃል ዝግብኦ ኢኻ ኢልካ፡ እብል ኣነ፥ ዓገብ‘ውን እብል። ኣቐዲመ ባህሪ ሃይማኖት ተዋህዶ ከም መእተዊ ሓበረይታ ክህብ እደሊ፣ ሃይማኖት ተዋህዶ ቀንዲ ትሕዝትኡ ኦሪታዊ እዩ፡ ስለዚ ባህሪኡ ከም ይሁድ እዩ። ይሁዳውያን ኣምላኽ ከም ንዕኦም ጥራይ ዝመረጾምን ናይ ብሕቶምን ስለ ዝወስድዎን፡ ክሰብኩስ ይትረፍ፡ ዘርእና ኣይኰንካን ኢሎም ካብ ሃይማነቶም ዝኽልክሉ እዮም። ኣመንቲ ህዝቢ ኦርቶዶክስ ሓበሻ‘ውን ንሕና ምሩጻት ኢና እምበር ከም ካልኦት ኣህዛብ ዝተሰበኽና ኣይኰንናን ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡
እቲ ሃይማነቶም ከም‘ቶም ኣይሁድ እዮም ዝርእይዎ ማለት ናይ ብሕቶም እዩ እምበር፡ ሃይማኖትና ከነስፋሕፍሕ ኣሎና ዝብል የብሉን። ነዚ ሙንሲንገር‘ውን ኣብ መጽሓፉ የረጋግጾ እዩ። ስለዚ ምስቲ ንስኻ ዝበልካዮ ወይ ኣብ መጽሓፍካ ሰፊሩ ዘሎ ዝሰማማዕ ኣይኰነን። እቲ ኵነታት ምስ ኢማም ኣሕመድ ተቐይሩ፣ እዚ ከኣ ንሱ ወራር ከም ዘይተርፎ ስለ ዝፈለጠ፡ ንሰሜን ክደፍእ እየ ኢሉ፡ ትብል። ከምኡ ከም ዘይኰነ ብዙሓት ጭቡጣት ታሪኻት ስለ ዝርከቡ፣ ከምኡ ኣይነበረን ጥራሕ እየ ዝብል፡ ዓገብ‘ውን ምስኡ። እቲ ወረ ኢማም ኣሕመድ ኣዝዩ ተጋኒኑ፡ ቀታሊ ሓራዲ መጺኡ ተባሂሉ፡ ይሃድም ነይሩ ኢልካ ነቲ ጨካን ኣረሚናዊ ተግባራት ኢማም ኣሕመድ ከተፍልሶ ብምድላይካ ከኣ ኣዝዩ ዓገብ፥ ብዘበኑ ክንደይ ፈለስቲ ኣብ ገዳሞም ከለዉ፡ ከም ዝተቐትሉን ከምኡ‘ውን ቈልዓ ሰበይቲ፣ ኣብያተ በተክርስትያናት ከም ዝዓነዋን፡ እቲ ናቱ ኣመራርሓ ድማ ርሕራሐ ከም ዘይነበሮን ዝምስክሩ እኹላት ጽሑፋት ስለ ዘለዉ፡ ደጊመ ዓገብ እየ ዝብል። ታሪኽ ከም ዘለዎ ምስ ዝቐርብ ጥራይ እዩ መሃርን ኣራምን ዝኸውን እሞ። ካብ 7 ክርስትያን 1 ኣስላማይ ይእመን ነይሩ፥ ከምኡ‘ውን እቶም ጀበርቲ እሙናት ስለ ዝነበሩን፡ ብምኽንያት ቋንቋ ዓረብን፡ ጀበርቲ ከም ኣምባሳደራት ይለኣኹ ነይሮም፡ ትብል፥ ሙሲንገር ብዛዕባ እቶም ኣብ ኵዶፈላሲ ዝነበሩ ኣስላም ዝያዳ እሙናት ከም ዝነበሩ ይሕብር እዩ፥ ምስኡ ብምትሕሓዝ ከኣ፡ እቶም ከም ማይኖሪቲ (ውሑዳት) ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ክርስትያን‘ውን እቶም ካብ ኣስላም ዝተኣምኑ ከም ዝነበሩ ብምምዝዛን ይሕብር እዩ፥ ስለዚ እቶም ኣብ ኵዶፈላሲ ዝነበሩ ኣስላም ወይ ጀበርቲ እሙናት ዝገበሮም ምኽንያትሲ፡ ማይኖሪቲ (ውሑዳት) ስለ ዝነበሩ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ምኽንያቱ ሓደ ውሑድ ጕጅለ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣትዩ ናብ ጐንጺ ከይመጽእ ብስኽፍታን ጥንቃቐን እዩ ዝነብር። እቲ ኵነታት ናይ ክርስትያን ኣብ ግብጺ እሙናት ዝገበሮም‘ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 50-ሽሕ ኣስላም ተጠሚቖም፡ ካብ ዝጥመቑስ ክከላኸሉ ነይርዎም ዝበልካዮ፡ ቈስቋሲ ዶ ኣይመስልን። ስለዚ ታሪኽ ዝጽሕፍ ወገን ክወስድን ክሮዃርዅን ኣይግባእን። ህዝቢ ሓበሻ ብፍርሂ ሓደ ዕስሪት ዘይኣክል ኣብ እምነቱ ከም ዝነበረ ዝሕብር ጽሑፍ‘ውን ኣሎ፣ ስለዚ እቶም ተገዲዶም መስሊሞም ዝነበሩ‘ውን ይዀኑ። ልክዕ ገለ ክፋል ኣስላም በቲ ክርስትያናዊ ፓለቲካ ዝተሳቐይሉ እዋን ነይሩ እዩ፣ እዚ ግን ቅድሚ ሓጺር ዘበናት ኣብ ዘበነ ሃጸይ ሃይለ ስላሰ እዩ፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ፡ ንሱ ከኣ ዓለማዊ ገዛኢ እዩ ነይሩ። ግን ኣብ መጀመርያ ማለት ቀደም ዘበን፡ ጠንቂ ኰይኑ ክወርር ዝጀመረ ምስልምና ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። እቲ ክርስትና ኣብ ሓበሻ ንሽሕ ዓመት ዝኸውን ብምስልምና ከም ዝተሳቐየን፡ ብመቕተልን ብባርነትን መከራ ከም ዝጸገበን ንምጽናቱ ሕልሚ ከም ዝነበረን ከኣ ዝየማትእ ርጉጽ እዩ። ሃጸይ ዮሃንስ ኣንጻር ማህድን ግብጽን ይዋጋእ ነይሩ፡ ካብ ምባል፡ ማህድን ግብጽን ንሃጸይ ዮሃንስ ይወርርዎ ነይሮም‘ሲ ይከላኸል ነይሩ፣ እዩ ነቲ ክዉን ታሪኽ ዝገልጽ እሞ፡ ታሪኽ ኣይጠምዘዝ። እቶም ጠቐናታት ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ ዝካየዱ ብዙሓት እዮም፣ (ጠቀንቲ እቶም ክርስትያን ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ) ኣብ 1940 ዓ.ም. ከም ወጻእተኛታት ኣዕራብ ተራእዮም ትብል፣ እዚ እቲ እዋናዊ ፖለቲካ፡ ኤርትራ ትሕበርዶ ትፈለ ዝነበረ ዘምጽኦ እዩ ጐሊሑ እምበር፡ እቲ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኣንጻር ጀበርቲ ብሓንሳብ ዝመጸ ለውጢ ከም ዘይኰነ ርዱእ እዩ፥ ንምዃኑ ኣንጻር ጀበርቲ ጥራይ ዶ እዩ ነይሩ፧ ግን እዚ ምስ ናይ ቀደም እቲ ክርስትና ኣብ ምስልምና ዝነበሮ ዘይምትእምማን ክትሓሓዝ‘ውን ይኽእል እዩ። ይዅን እምበር፡ ንስኻ ከም ናይ ፖለቲካል ሳይንስ ምሁር ምዃንካ መጠን፡ ነቲ ምኽንያት ፈሊኻ ከተቕርቦ ይግባእ እምበር፡ ብድብድቡ ናብ ህዝቢ ክትልጥፎ ኣይግቡእን። ንኣብነት ኣብ እዋን ሽግር ብዘበነ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ክርስትያን ኣብ ሀገረሰብ ንስድራቤት ኣስላም ምስ ደቆም ዘዕቈቡ ብዝተነግረኒ እፈልጥ እየ። ዘየትዓርቕ ካብ ትግራይ መጺእኩም የዕቍብናኩም፡ ካብዚ ክንሰጕጐኩም ኢና ዝብሉና‘ዩ ትብል። ነቲ ካብ ትግራይ መጺኦም እትብሎ ኣብ ላዕሊ ርእይቶይ ሂበሉ ኣለኹ፣ ከም ኣብ‘ዛ እዋን እዚኣ፡ ዝበሃል ዘሎ ከተምስሎ ግን፡ ሎምስ ህዝቢ ክርስትያን ኤርትራ መዕለቢኡ ጠፊእዎ ብቓላት ምባሉ ዘፍርህ መከራ ዝወርዶ ዘሎ፡ ተኣኪቡ ኣውዒሉ ከምዚ ዝብል ክርስትያን ኣሎ፧ እዝስ ብዘይኰነ እቶም ገለ ጀበርቲ ተጠርኒፍኩም ስሙ ተጸልምዎ ዘለኹም እዩ። ገሊኦም ቃላትካ፡ ከም ታሪኽ ዝልገጹ ዘይኰኑስ ከም ናይ ሕንሕነ እዮም ዝመሉ፣ ብዛዕባይ ካብ ተዛረብካስ ብዛዕባኻ ክዛረብ እየ፣ ንዓኻ መን ሃበካ ላይሰንስ ብዛዕባይ ክትዛረብ፣ ዝኣመሰሉ ቃላት፡ ናይ ምዙን ታሪኽ ዘቕርብ ሰብ ዘይኰኑስ፡ ብዘየገድስ ክረትዕ ኣሎኒ፡ ዘለዎ ናይ ድርቅና መጐተ ጥራይ እዩ ዝመስል። ነቲ እቶም ጀበርቲ ልዕሊ እቶም ዓይኒ ዘውደቕካሎም ኣግኣዝያን ደቀባት ምዃኖም ንምርግጋጽ፡ በቲ ብሃይማኖት ካብ ብረሱል ዝተቐበሉ በቲ ካብ በለው- ኣብዚ ዳሕረዋይ ከኣ 1878 ገለ ህዝቢ ጀበርቲ ናብ ኤርትራ ዝመጽአ ከም ዝህልዉ ኣተምብህ ኣቢልካ፡ ዝበዝሕ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ክርስትያን ከኣ ካብ 1910-1948 ካብ ትግራይ ከም ዝመጽአ፡ ስለዚ ኣብዚ እውን ጀበርቲ ዝያዳ ካብ ህዝቢ ኣግኣዝያን ደቀባት ከም ዝዀኑ ትሕበር። በዚ ከኣ ብዅሉ ረቲዕካ ኰይኑ ይስምዓካ ማለት እዩ። ክንጽር ዘለዎ፡ እቲ ህዝቢ ጀበርቲ ቅድሚ 1878 ካብ ኵሎም ጀበርቲ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ፡ ክንደይ ሚእታዊት እዩ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ነይሩ፡ እሞ ኸኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ ኣብ ሃገረስብ ርስቲ ጢሳን ገደናን ካብ ኣቦታቱ ዝወረሰ፡ ዝሃብካዮ ሓበረይታ
የልቦን። እቲ ዝሃብካዮ ስታትስቲክ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ናይቲ ግዝየ‘ቲ ከኣ፡ ንሰነ ምጉት ይሕግዘካ እምበር ክውንነቱ ኣዝዩ ዘይመስል እዩ። መንከ ቈጸሮ ኣበየናይ ሰነድከ ተረኽበ፣ እዝስ ከም መበገሲ መጽናዕቲ ደኣ ክርአ ነይርዎ እምበር፡ ብዙሕ መጽናዕቲ ከይተገብሮ፡ ንመርትዖ ጭብጢ ዝቐርብ ኣይኰነን። ቀጨውጨው ደኣ ከይብሎም እምበር ዝብል ቃል እንዳ ወሰኽካ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ከበሳ ኣብ ጽሑፍ ዝረኸብካዮ ሓቢርካ፡ ካብኣቶም ክልተ ጥራይ ክጠቅስ፣ ብዝሒ ኣስላም ካብ 1908-1914 75% ነይሩ፥ ከምኡ‘ውን ብዝሒ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ሙሲንገር ብዝበሎ፡ 300-ሽሕ ነይሩ ትብል። ነቲ 75% ኣስላም ነይሮም ዝብል፤ እዚ ማለት እኮ ኣብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ወለዶ እዩ። ስለዚ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ወለድኡ ንድሕሪት ክሳብ‘ዚ እትብሎ ዘለኻ ዓመተምህረት እንተ ዝምለስ‘ሲ፡ ኣብ ኣስላማይ ኣቦ-ሓጎ ወይ እኖ-ሓጎ ዝመጽእ ይበዝሕ ማለት ድዩ፧ ኣይመስለንን፡ እኳ ድኣ፡ ገለ ዓመታት ካብኡ ንድሕሪት እንተ ተመሊሱስ ዳርጋ ኵሉ ብጀካ ኵናማን ናራን ናብ ክርስትያን ወለዲ እዩ ዝመጽእ። እቲ ነዚ ሓበረይታ ረኺቡ ዝጸሓፈ ሰብ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኵርናዕ ኤርትራ ዝያዳ ኣስላም ዝነበርዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ሙሲንገር 300,000 እዩ ኢልዎ ንዝብል ከኣ፥ መንሲንገር ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን ኢሉ። እቲ ንሱ ኣብ ሰራየ ከሎ ኣብ መጽሓፉ ዘስፈሮ ከምዚ እዩ ዝብል፥ „ህዝቢ ሰራየ 300,000 እንተ ገመትክዎስ ዝተጋጌኹ ኣይመስለንን፥“ እዩ ዝበለ እምበር፡ ቍጽሪ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ኣይኰነን ዝብል። ነታ ነዚ እትምልከት ኣብታ መጽሓፉ ዘላ ከምታ ዘላታ ከስፍራ እፈቱ፤ „Ich glaube nicht zu übertreiben, wenn ich das Volk vom ganzen Serae auf mindestens 300,000 Seelen schätze.“ እያ እትብል፡፡ እቲ እንተ ገመትክዎ ዝብል ቃል ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ፥ ከመይሲ ግምት ከም ግምት እዩ ዝቐርብ እምበር ከም ጭብጢ ኣይኰነን ዝቐርብ። ኣነ ነዚ ዝሕብር ዘለኹ፡ ሓቅነቱ ንምሕባር እምበር፣ ንስኻ ከምኡ ሰሚዕካ ወይ ኣንቢብካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሙሱንገር ኣብ ኵዶ ፈላሲ ከሎ ዝበሎ፥ „እቲ ምስልምና ኣብዚ ኣዝዩ ውሑድን ጋሻን እዩ። እቶም ኣስላም ኣብዚ እዮም ዝቕመጡ እምበር መርየት ግን ኣይውንኑን እዮም። ብዝሖም ኣብ ኵዶ ፈላሲ 1/3 ኰይኑ፡ ኵሎም ከኣ ሸቃጦን ኣላሞን እዮም።“
ንጉስ ኣስሓማ እቲ ቀዳማይ ዝመስለመ ሓበሻ ዝበሃል ዘሎ፣ ብጀካ ብኣፈ ታሪኽ ብሄረ ገለ ጀበርቲ ኢና ዝብሉ፡ ብካልኦት ሕብረተሰባት ኤርትራ ወይ ብጽሑፍ ዝገሰነደ እዚ ታሪኽ ይፍለጥ ዶ እዩ፧ ወይ‘ሲ ከምቲ ሕጂ ክትፍጠር እትድለ ዘላ ብሄረ ጀበርቲ፡ እዚ‘ውን ክፍጠር ዝተሓስበ ታሪኽ እዩ፧ ንምዃኑ እቲ ንጉስ በይኑ ሓደ ሃይማኖት ወሲዱ ንህዝቡ ዘይጸለወ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን፣ ግን ንመልሲ ዘይርከቦ ናብ ተኣምራት ንምጽጋዕ ስለ ዝከኣል፡ ብተኣምራት መፍትሒ ክግበሮ ይከኣል ይኸውን። ንምዃኑ ሓቂ እንተዀይኑስ መቓድሾ ቤት መቕደስ ስለ ዝነበረት እያ ከምኡ ተጸዊዓ ዝብል ኣፈ ታሪኽ ኣሎ፣ ምናልባሽ እቲ ክርስትና ክሳብ ኣብኡ ነይሩ ይኸውን፡ ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ክሰፍር ይግባእ‘ዶ፧ ብዛዕባ‘ቶም ናብ ሃገር ሓበሻ ዝተሰደዱ ካብ መጽሓፍ ናይ ቢን በሽር ይስሓቕ ተረኺቡ ዝተተርጐመ ከምዚ ይብል፥ ብዘይ‘ቶም ኣወዳት ቈልዑ 83 ሰባት ናብ ምድሪ ሓበሻ ንዑቕባ ምርካብ ከም ዝተሰደዱ፥ ሓንቲ ካብ‘ቶም ናብ ሃገር ሓበሻ ተሰዲዳ ዝነበረት ኡም ሳልማ እትብሃል ዝብለቶ ሓበሬታ ነዚ ይመስል፥ „ኣብ ሃገር ሓበሻ ምስ በጻሕና፡ እቲ ንጉስ ብጽቡቕ ተቐበለና፣ ከም ኣገባብ ሃይማኖትና ብዘይ ምግፋዕ ንነበር ነበርና፥ ጸኒሖም እቶም ባኑ ቍረሽ መታን እቲ ንጉስ ካብ ሃገሩ ናብ ዝመጽናዮ ሃገርና ክሰጐና ምስ ህያባቶም ንንጉስ ዝወሃቡ ልኡኻት ሰባት ሰደዱ፣ ክልተ ካብቶም ልኡኻት እቶም ቀንዲ ጸላእቲ ሞሓመድ ነበሩ‘ሞ፥ ንገለ ሰባት፡ ኣብዚ መርየት ግዝኣት ናይ ንጉስኩም፡ ናብ ናይ ጌጋ እምነት ዘላገሱ ካባና ሃዲሞም መጺኦምኹም ኣለዉ። ንሳቶም ነቲ ኣምላኽ ናይ ህዝቦም ክሒዶም፡ ሓደ ንሕና ዘይንፈልጦ ኣምላኽ ፈጢሮም ኣለዉ። ነዞም ብዘይፍለጡ መናፍስቲ ተመሪሖም ዝዀብለሉ፡ ንሕና ናብ ሃገርና ክንመልሶም ንንጉስኩም ንልምኖ ኣሎና በልዎም። እቶም መብዛሕትኦም ህያባት ከኣ ቈርበት ከም ዝነበሩ ትሕብር።“ ብምቕጻል እቲ ንጉስ፣ እቲ ራኢ ናይ‘ቶም ናባና ዝመጽኡን እቶም የሱስ ዝበሎም ቃላትን ምንጮም ሓደ እንድዮም፥ ኢሉ መለሰሎም ትብል። ስም ናይ‘ቶም ክልተ ቀንዲ ጸላእቲ ሞሓመድ ከኣ ዓምርን ዓብደላህን ይበሃሉ ከም ዝነበሩ፡ ትሕብር። ብድሕሪ‘ዚ ዓምር ናብ ንጉስ ኬድና ከነእምኖ ኣሎና ስለዘበለ ናብ‘ቲ ንጉስ ከይዶም፡ ዓምር ነቲ ንጉስ፡ „ዎ ንጉስ እቲ ንሳቶም ብዛዕባ የሱስ ዝብልዎ መስደመም እዩ፣ ናባኻ ከም ዝመጽኡ ጌርካ እሞ ባዕልኻ ብዛዕባ የሱስ ሕተቶም በሎ፤“ ትብል። „እቲ ኣብ የሱስ ዓሚቝ እምነት ዝነበሮ ንጉስ ከኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ዝሓትት ሰብ ልኣኸ፥“ ትብል። ብምቕጻል እቶም ዝተሓተቱ፡ እቲ ናትና ነቢ ነቲ ራኢኡ ከምዚ ኢሉ ገሊጹልና፡ „የሱስ እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ናቱ ንቢ- ናቱ መንፈስ- ናቱ ቃል እዩ፡ ኢሉና፣ ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ ነዚ ምስ ሰምዐ ዓጊቡ፡ ብሓቂ የሱስ ከምኡ እዩ እምበር ካልእ ኣይኩነን በለ፥“ ትብል። እቲ እዚ ኣብ ሃገራት ዓረብ እንዳ ዞርን፡ መጻሕፍቲ ብኣዕራብ ዝተጻሕፉ እንዳ ኣጽንዐን ነዚ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብ፡ ኮንስልማን ዝበሃል ጀርመናዊ፡ እቶም ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ‘ቶም ልኡኻት ደቂ ቍረሽን ዝተገብሩ ዝርርብ፡ ስኑዳት ምዃኖም ይሕብር እዩ።

ክቡር ኣቶ ዶክ. ሙስጠፋ! ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኮንሰልማን ብምምርኳስ ክልተ ነጥብታት ነቲ ንስኻ ዝበልካዮ ዘፍርስ ክጠቅስ፣ ንሶም ከኣ እቲ ሓደ ነጥቢ፣ እቶም ስደተኛታት ከምቲ ዝበልካዮ ብሕማቕ ዘይኰኑስ ብጽብቕ ይተሓዙ ከም ዝነበሩ፥ እቲ ካልእ ከኣ እቲ ንጉስ፡ ኣብ የሱስ ዓሚቝ እምነት ዝነበሮ ደኣ እምበር፡ ከም ዘይመስለመ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ጐንጺ ኣብ ዝቐረቡ ኣሕዋት ዝግበር ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ምዃኑ፡ እቶም ደቂ ዓልየቶም ደቂ ቍረሽ እዮም ክሳብ ንሃገር ሓበሻ ዝተኸታተልዎም።

ሙስንገር ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ንዅለን ብሄራት ኤርትራ ዋላ እተን ዝነኣሳ ክሳብ ናራ፡ ሽዕኡ ብባርያ ትፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ጦርዓን ሳሆን ዘሎ ፍልልይ ከይተረፈ፡ ረኺብወንን ሓንቲ ብሄር ከየትረፈ፡ ኣብ መጽሓፉ ሰኒድወንን ኣሎ፥ እተን ኣብኡ ዘይተጻሕፋ እታ ብሄረ ራሻይዳ ባዕሉ መንግቲ ብሄር ኤርትራ ከም እትኸውን ዝገበራን፡ እዛ ሕጂ ክትፍጠር እትድለ ዘላ ብሄረ ጀበርትን እየን። ኣብ ዘበነ ሰውራ‘ውን ምስ ናይ ሙንሲንገር ሓደ እዩ፡ ማለት ብሄረ ጀበርቲ ትብሃል ኣይነበረት። ዶክ. ሙስጠፋ‘ውን እቲ ዓልየት ጀበርቲ ፍሉይ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣይረኸብካን፡ እታ ሓንቲ ርግጽ እትመስል፡ እታ ኢፋት ትበሃል ቦታ ጀበርቲ ትጽዋዕ ከም ዝነበረት፡ በዚ መሰረት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዝነበሩ ብስማ ጀበርቲ ከም ዝተጸውዑ፡ እዚኣ ጥራይ እያ ከም ጭብጢ ክትርአ እትኽእል። ኣብ ኢትዮጵያ‘ውን እቶም ጀበርቲ ዓልየትና በይኑ እዩ ኣይበሉን። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓሳባትን ሕቶታትን ከመጽኡን መልሲ ክርከበሎምን ንቡር እዩ።

እቲ ቍጽሪ ኣግኣዝያናውያን ውሑድ እዩ፡ ክትብል ከለኻ፡ ነቶም ኣግኣዝያን ብዝዀነ መልክዕ ክትወቕዖም ዝደለኻ ኢኻ ትመስል፡ ንስኻ ጥራይ ነቶም ትግሪኛ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝበሃሉ ኢኻ ከኣ ዓይኒ ኣውዲቕካሎም ትመስል እምበር፡ ነቶም ትግሬ ነቲ ቋንቋ ግእዝ ዝያዳ ዓቂቦሞ ዘለዉ፡ ከም ኣግኣዝያን ኣይትርእዮምን ኢኻ ትመስል፡ ንምንታይ ምናልባሽ ስለ ዝመስለሙ ኰን ይኸውን። እዚ ውሑዳት ዝብል መግለጺኻ ከኣ ካብ ክዉን ዝረሓቐ እዩ፣ ምኽንያቱ ካብ‘ቲ ኣግኣዚ ዓሌት ክበዝሕ ዝኽእል ሓደ‘ኳ የልቦን። ሙሲንገር እቲ ንዅለን ብሄራት ዘጽንዐ፣ ከምቲ ቅድም ዝተባህለ፡ ብጀካ ነዞም ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈጠሮም ራሻይዳ፡ ንዅለን ብስመን ጠቒስወን ዘሎ፥ ብዝሒ ናይ‘ቲ ግእዝ ካብ ወልቃይት ክሳብ ገምገም ባሕሪ ነዚ ሓሊፉ ክሳብ ታካ ተዘርጊሑ ከም ዝርከብን ብዙሕ ህዝቢ ምዃኑን እዩ ዝገልጾ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሕጂ ነቲ ኵሉ ግእዛዊ ትግሪኛን ትግሬን ዓልየት‘ሲ ይትረፍ፡ ነቲ ክፋሉ ማለት ነቲ ትግሪኛ ዝዛረብ ጥራይ‘ውን ዝዛይዶ ብሄር ኤርትራ የልቦን።

ጀበርቲ ምሁራት እቶም ክርስትያን ግን ድያቆን እዮም ዝመሃሩ ትብል። እቲ ቀዳማይ ናብ ከተማ ዝስደድ ዝሕረስ መርየት ወይ ዝጓሰያ እንስሳ ዘይብሉ እዩ፣ ናብ ከተማ ዝኸደ ከኣ እዩ ዝያዳ ትግጉም ትምህርትን ሸቐጥን ዝፈልጥ። ነዚ እቲ ናብራ ናይ ይሁዳውያን ዓቢ ኣብነት እዩ፥ ማለት ካብ ዘበነ ናቡከድናጾርን ሮማውያንን ጀሚሮም ተሰዲዶም መርየት ዝሕረስ ስለ ዘይነበሮም፡ በዚ ሰብ ባንክን ደላሎን ኰይኖም ብትምህርቲ‘ውን ኣብ ዓለም እቶም ዝለዓሉ ኰይኖም፡ በዚ ድማ ክሳብ ሕጂ፡ እቶም ኣብ ዓለም ዓብላልነት ዘለዎም እዮም ክብሃሉ ይኽእሉ። ስለዚ ንምንታይ ከምኡ ኰይኑ ኢልካ ምኽንያት ምሕታት እዩ እቲ ናይ ልቦናን ምሁራትን እምበር፡ ነዞም ኣግኣዝያን ዝብሃሉ እንታይ ተኽፍኦም ትርከብ ዝሓለነ ጥራይ ክኸውን ኣይግባእን።

ሓደ ብተሞክሮ ሰብ ዝዕዘቦ ኣሎ፡ ንሱ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጐንጺ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ብፍላይ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ካብ ምስ ጓኖት ዝግበር ጐንጺ ዝበኣሰ እዩ ዝኸውን፥ ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ከም ብሄር ተሓሲብኩም ካብ ዘይትፈልጡ፡ ሕጂ‘ውን ብጀካ ገለ ክፋል ዝተወደብኩም ጀበርቲ ንነብስኹም ከም ፍሉያት ብሄር ትፈልጥዋ እምበር፡ ነዚ ዝቕበለኩም ካብ ዘይሃለወ፥ ትግሪኛ ስለ ዝዀንኩም ጥራይ እዩ፣ ንትግርኛ ዝያዳ ኣይዓልየትናን ኢልኩም እትነጽጉ ዘለኹም፥ ዘብል እዩ። ብሄረ ትግሪኛ ምዃን ከኣ ምንም ዘሕፍር የብሉን።
መብዛሕትኡ ዝበልካዮ ትሕዝትኡ፡ ምዙን ማለት ክዉን ታሪኽ ንምቕራብ ዘይኰነስ፡ ጀበርቲ ፍሉይ ብሄር ከም ዝዀኑን ዝያዳ ካብ‘ቶም ኣግኣዝያን ደቂ ከበሳ ድማ ደቀ-ባት ከም ዝዀኑን፡ ከምኡ ድማ ኣስላም ብክርስትያን ከም ዝተበደሉን፡ መርትዖታት ንምቕራብ እዩ ነይሩ። ነዚ ዝበልካዮ፡ ብልቢ ባዕልኻ ትኣምነሉ እንተዀንካ እቶም ሓቅታት ካልእ ከም ዝዀኑ፡ ንሓበረይታ ኣብ ጽሑፋት ዝርከቡን ዝሰማዕክዎምን ብቐደም ተኸተል ንዓኻን ንኣንበብትን ሓበረይታ ኣብዚ ከስፍር እየ። ከም መበገሲ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ዝወረደ ግፍዕታት ወይ ፖለቲካዊ ተጽዕኖታት ብፍላይ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ዕሙቕ ዝበለ ድሕሪ ባይታ ኣለዎ፣ ዝብል ቃልካ ክወስድ እየ፥ ከም ካልኣይ መበገሲ ድማ እቲ ምንጪ ጸላኢ ባህልን ሃይማኖትን ናይ ሓበሻ፡ እቲ ዓብላሊ ብጀካ ናቱ ሃይማኖትን ባህልን ቋንቋን ዘይጻወር ዓረብ ወሲደ፡ ብምስልኦም ክጅምር፥ ለው ተልጋ ሓበሽ ዎ ሓነሽ ኣቕትድሉ ኣል ሓበሽ ከሊሁ ኣል ሓነሽ (ንሓበሻን ተመንን እንተ ረኺብካ ንተመን ገዲፍካ ንሓበሻ ቅተል)።

ኣብ ገለ ዓልየታት ኣስላም፡ ሓደ ክርስትያን ከይቀተሉ ክምርዓዉ ፍቑድ ኣይነበረን። እቶም ዝምርዓዉ እኹላት ዝቕተሉ ክርስትያን እንተ ዘይረኺቦም፡ ንሓንቲ ዓዲ ንግሆ ኣገሪሆም ንሓደ ክርስትያን ካብ ገዝኡን ስድርኡን ፈልዮም ቀቲሎም ብሓጎስ ናብ ዓዶም ይምለሱ‘ሞ፡ እቶም ዓዲ ከኣ ነቶም ቀተልቲ ብናይ ሓጎስ ዋዕዋዕታ ይቕበልዎም። እዚ ኣብ መጽሓፍ ካስታንሆሶ ኣብ ገጽ xcii ይርከብ።

„Encompassed on all sides by the enenies of their religions, the Abyssinians slept near a thausend years, forgetful of the worled by whom they were forgotten“ (Gibbon, chap. slvii).

እቶም ሓበሻ ዳርጋ ንሓደ ሽሕ ዓመት ዝኸውን፡ በቶም ጸላእቲ ሃይማነቶም ብዅሉ ሸነኽ ተኸቢቦም፡ ብዓለም ድማ ተረሲዖም ነቢሮም እዮም፥ ይብል (ጊቦን፡ ኣብ ምዕራፍ slvii)

Bruce calls the local Muhamedans Gebberti, and speaking of them (vol. iii, p 45) says: „These are the people who at particular times have appeared in Europe, and who have been strait taken for and treated as ambassadors, although they have generaly turned out to be thieves and sharpers. ብሩስ ነቶም ኣብ ማእከል ክርስትያን ዝነብሩ ጀበርቲ ኢሉ ይጽውዖም፣ ብዛዕብኦም ከኣ ኣብ መጽሓፉ (Bd. iii, S. 45) ከምዚ ይብል፤ እዚኦም ኣብ ዝተወሰነ እዋን፡ ከም ልኡኻት ኣምባሳደራት ናብ ኤሮጳ ዝመጽኡ እሞ ከም ኣምባሳደራት ዝሕሰቡ ዝነበሩ እዮም፥ ዋላ‘ኳ ሰረቕትን መዳናገርትን እንተ ነበሩ፥ ይብል።

Der Haupthandelsplatz für Sklaven ist Zaila (Munzinger) Seite 127 እቲ ቀንዲ ዕዳጋ ባርያ ዘይላ እዩ ነይሩ። (ሙንሲንገር ዝበሎ)

so seltsam sie klingen mag- die glaubt, dass die Chiristen die Sklaverei mit dem Zweck ausrötten wollen, das islamische Reich zu Grunde zu richten. „ክትሰምዖ ዘስደምም‘ኳ እንተዀነ፡ እቲ ኣቝዋም ናይ ኣዕራብ፡ ነቶም ክርስትያን ከም ባሮት ሸጥካ ከም ዝጠፍኡ ጌርካ፡ ኣስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ፥“ (ሙንሰንገር ዝበሎ።)

ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ሓበሻ ብምኽንያት ሃይማነቱ ብኣስላም ዝወርዶ ዘሎ ኣረሚናዊ ብድዐ ጌና ኣየቋረጸን፡ ነዚ ኣብ ብዓል ሲና ንመንእሰያት ኤርትራውያን ዝወረዶም፣ ኣብ መንገዲ ናብ ኤሮጳ ርእሶም ዝተቘርጹ፡ ከም ባራዩ ዝተሸጡ፣ ኵሊቶም ዝሽየጡ ክንደይ ኣረሚናዊ ብዕልግና ዝወርዶም ወዘተ እኹል ምስክር እዩ። ኣብዚ እውን ነዚ ኣረሚናዊ መግፋዕቲ ዝወርዶም ዘሎ፡ ብዓል በሽር ይሳቕ እንታይ ኢሎም ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። በዚ ናይ ብድዐ በሽር ይስሓቕ ዝበሎ‘ኸ ክንደይ ኣስላም ኰን ዓግብ ኢሎሞ ይዀኑ፧  ዋላ ኣብ መጀመርታ ምምስራት ተ.ሐ.ኤ. ንትግሪኛ ዝተዛረቡ ሰባት፥ ያዞል፡ ማተሽተቕል ኣልቛ ዳ ሂና፡ ይበሃሉ ነይሮም እዮም፥ እቲ ህዝቢ ኣግኣዝያን ወይ ክርስትያን ወይ ወዲ ከበሳ እትብሎ ዘለኻ ክኣ፡ ቋንቍኡ ይዅን ኵሉ ባህሉ ከይጠፍኦ ብዝተሞኮሮ ጌና ኣብ ስግኣት እዩ ዝነብር። ብንቕጻል፡ እቶም ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ንኣብነት ኣብ ስዑዲ ዓረብያ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ክርስትያን፡ በቶም ኤርትራውያን ኣስላም ከመይ ዝኣመሰለ ምትሕብባርን ሓገዝን ኰን ይግበረሎም ነይሩ ይኸውንን፡ ኣሎን፧ ብዝብል ከም ሕቶ ጥራይ ከቕርቦ እደሊ።

ኣብ መጨረሽታ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ተበራቢሮም ንዝሓለፈ ታሪኾም ዝግደሱን ዝረኸብዎ ፍልጠት ንህዝቦም ክዝርግሑን ተስፋ እገብር። ልክዕ ከምኡ ድማ ሕጂ ኣብ‘ዚ ናይ መበል 21-ክፍለ ዘበን፡ ነቲ ዝሓለፈ ክንመሃረሉ እምበር ነቲ ክዉን ክንቅይሮ ከም ዘይንኽእል ኣስተውዒልና፡ ግን ኣካል ታሪኽና ምዃኑ ኣሚንና ውሽጡ ንምብርባር ድሕር ክንብል ኣይግብኣናን። ብክዉን ታሪኽና ምፍላጥ ጥራይ እዩ፣ ናብ ሓቂ ምትእምማን ዘእትወና እሞ።
ምስጋና ዘካርያስ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • PH February 21, 2017

    As an eritrean, I don’t want nothing else except one thing!
    i.e coexisting!
    Trusting!!!

    I know we are experiencing problems due to mishandled issues but at this time, nevertheless, the only priority is forgiveness and conciliation.

    • meretse February 21, 2017

      ጽቡቅ እንከሎ ሕማቅ ኣይተቀድም ካብ ኮነ ነገሩ።
      Rain or shine I like to share PH’s umbrella.

  • Kafil February 21, 2017

    There people who ready to quarrel on undocumented past history while do nothing to stop the current suffering of their people.
    What a shame !!

  • AHMED SALEH !!! February 21, 2017

    Cowards behind the scene may enjoy to set a mood for religious or ethnicity
    tensions . In our life experience we observed how losers appear and then to
    fell like leafs from a tree to disappear with the wind .
    I don’t know if hollow pride plays arrogance at the expense of forgotten people
    miseries .
    HASEWTI BOJBATAT MUHURAT dima YIBEHALULEY .

  • Simon G. February 22, 2017

    Wow. The life Eritreans.
    It is like when some one wants to kill you and you are arguing with him whether he uses a gun a or a knife to kill you.
    The country is dying and we are talking about who came to Eritrea about 800 years ago?
    Are we the Dummiest people on earth or what?

    • AHMED SALEH !!! February 22, 2017

      Simon
      Isn’t to follow like dummies than focus with open mind had brought our people at
      such kind predicament ?
      Our worst hypocrites who think they know better live outside the country seem
      disconnected from reality of their own life , They can ignore facts but the truth
      is they are immigrants in foreigners land and they will die likewise as immigrants.
      Jeberti , Aslamay , Christianay , Habesha …… blabla after we crossed the ocean
      for another continent . Funny event to observe fools speak foolish to themselves .

    • Hadi February 23, 2017

      Brother Simon G.

      You are right some of us are the dummiest people of planet.
      That is why they worship a ‘scugnizzo’, a ‘Wedi Khomarit’, who never attended a village meeting in a proud Nation.
      He doesn’t know that people didn’t even need a government back then, the wise forefathers knew how to solve problems of the people, because of their rich culture.

      While the people are leaving the country to live somewhere else with dignity, away from the brutal clique and their Nazi system, some have enough time to argue about history and much ‘bela-below’ on events of centuries ago. And that when there was neither Eritrea nor Ethiopia, not even Sudan. When the Africans were moving from one part of the continent to another without asking permission to anyone, sometimes carrying the white man on their back who in the end created all mess their suffering from.

  • meretse February 22, 2017

    I believe this is how the assenna website should look like. We may have different understanding about an informative article, factual stories or history, and it is with in our rights to agree or disagree on its contents; but we have no right to bit hate mongering drums. Bashing a particular religion and its believers is a complete insane. The website should never be a sanctuary website for hate mongers.
    As far as for an ancient history, or call it facts or fallacy, I for one do not care whether my great, great………. grandmother is Lucy or Eve. I have a job to do today and I should focus on that. Simon G. nice to hear from u brother. PH, Ahmed Saleh and Kafil thank you for your inclusive comments.

    • PH February 22, 2017

      Dear meretse, thanks to your dedication to just audible intellectual sence .

  • Hagosa February 22, 2017

    መን ምዃኑ ዘሕፍሮ፣ ንቋንቋ ናቱ ዝፈንፈኖ፤ ብዛዕባ ታሪኽ ካለኦት ወይ ብዝዕባ ታሪኹ ጽውጽዋይ እንተጸሓፈ እንታይ የገርም፧

  • meron February 23, 2017

    Something is totally wrong with those who focus on a certain group when the enemy is standing right in front of them. It is cowardly to think you can incite hate in the darkness of confusion. We all know we Eritreans are a people because of what we went through as a people. It is better to use our resources to create unity than to create confusion. I really applaud the writer for taking the opportunity to correct what he saw as wrong. Dr. Mustafa should be ashamed of himself.

  • Arabishto February 26, 2017

    መን እዮም ኤሪትሪያውያን ጀበርቲ መጽሓፍ ኣንብብ ቅድሞ መልሲ ምድላውካ ፣ናይ ሓደ ሳዓት ቪድዮ ሰሚዕካ ሃለው ለው ኣይትበል ፣እተን ዓድታት ጥቀሰልና ዝበልካዮ ከኣ ኣብቲ መጽሓፍ ተጠቂሱ ኣሎ እቲ መጽሓፍ ኣብብቦ፣ሓደ ነገር ክኣ ከዘኻክረካ ይደሊ እቲ መጽሓፍ ንልዕሊ 200 መጽሓፍትን ጽሑፋትን ተወኪሱ ዝጸሓፎ እዪ ዶክተር መስጠፋ ።

  • msgana March 1, 2017

    ክቡር ኣራቢሽቶ ብዛዕባ ጀበርቲ ኤርትራውያን ከንብቦም ሓብረኒ እንተ ኣልዮም እሞ ከንብብ.፡፡ ናይ ሓደ ስዓት ሰሚዕካ ትብሎ, ነቲ ትሕዝቶ መጽሓፉ ብጽማቝ ኣቕሪብዎ መብዛሕትኡ ጠምዛዝ ከኣ ጠምዛዝ ነይሩ፡ ገለ ዝተጠምዘዙ ከኣ ጠቒሰ። ሃለውለው ንዝበልካዮ፡ ከተናእሰኒ ስለ ዝደለኻ እዩ፡፡ እቲ መጽሓፍ ከንብቦ እየ፡ ነቲ ክዉን ፈጺመ ኣይክነጽጎን እየ፡ ነቲ ዘይ ክዉን ድማ ፈጺመ ኣይክቕበሎን፡ ኣብ ዝኸኣልክሉ ድማ ከጋልጾ እየ፡ ምኽንያቱ ታሪኽ ክጥምዘዝ ሳዕቤኑ ቅዱው ስለ ዘይኮነ። እተን ዓድታት ጠቒስወን ጽቡቕ፣ ግን ጌና ክበርህ ዘለዎ፡ እቶም ተቐማጦ ናይተን ዓድታት ደቀባት ዝበሃሉ ክንደይ ሚእታዊት ናይቶም ድሒሮም ዝመጽኡ እዮም፣ መታን ብታሪኽ ክንጽር እምበር ንዓይ ኵሎም ብማዕረ ኤርትራውያን እዮም። 200 መጻሕፍቲ ንትብሎ፡ ድማ ክውን ትሕዝቶ እምበር ብዝሒ ንዓይ ኣገዳሲ ኣይኮነን.። ምስጋና ዘካርያስ

  • ወልዳት April 24, 2020

    እታ መጽሓፉ ገዚአያ
    ኣንቢበያ ብምልኣ
    ጠምዛዝ ታሪኽ
    ናይ ኣምሳል ሓሶት እዩ
    ንምንታይ ከምዚ ዓይነት false ታሪኽ ይጽሕፋ ገሪምኒ
    ኣብኡ ከላ ኣቃጺለያ ::

Post a Reply to Hagosa Cancel Reply