Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም!

  ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም! ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም! ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና!  *ንዝገበረልካ ምግባር፡ ነዚ እኩይ ስርዓት

 

ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም!
ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም
እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም
ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም
መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም!
ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና
ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና
ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና
ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና
ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና!  *ንዝገበረልካ ምግባር፡
ነዚ እኩይ ስርዓት ከተገልግልዎ
ልብኹም ጠቢርኩም ኣይተዐሽውዎ
“ወራስ” ዓራት ኢሎም እናወደሱዎ
ሚኒስተር’ኳ ዝኸደ ስልጣን ራሕሪሑዎ!
ጎይታ ሰማይ ምድሩ እንታይኮን’ዩ ኢሉዎ
ጉምብሕ ጥልዕ ዚብሉ *ረሓኖ ከለውዎ   *ጸዓንቲ ፈረስ
*መጋል ዝነፈጸ ልጓም በቲኹዎ፡        *ጸሊም ፈረስ
ኣርሒቑ ይጋልብ ይኺድ ግደፍዎ
መስጣ ውጹዓት’ዩ መንፈስ ጸሪጉዎ!
ጋዜጠኛታትና ትሰምዑዶ ኣለኹም
መስተርሆት ክረክብ’ቲ ውጹዕ ህዝብኹም
ጀጋኑ ሓሊፎም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም፡
ብድሕሪ’ቶም ገንሸላት ዝተበጀዉ ስሌኹም
እንታይ ከም ትገብሩ ሕተቱ ሕልናኹም!
ይትረፍ ንስኻትኩም ዝወዓልኩም ኣብኡ
መልእኽቱ ዘንበብኩም ንጹር ዕላማኡ
ንሕና’ኳ ብማዕዶ ሰሚዕና ወረኡ
ኣሰር እቲ ጅግና ስዒብና ድሕሪኡ
ዓለም ዘናወጽና ኣድሚጽና ቃናኡ!
ገንሸል ሓርነትና ደሙ ዝፈሰሶ
ፎርቶ ክብሪ ኣሎዎ ማንም ከየርክሶ፡
እዚ ሕቶ ህዝቢ ጅግና ዘበገሶ
እስከ ንገሩኒ መን’ዩ ኪምልሶ?
ምልኪ ከይቀልዓኩም ወትሩ ከም ኩዑሶ
ምስ ፍትሒ ወግኑ ጾርኩም ንኽፈኹሶ!
ቅዋም ተተግቢሩ ብርሃንኩም ኪትሪኡ
ፍትሒ ንኺነግስ ንዓመጽ ተኪኡ፡
ግዳያት መላኺ ካብ ማሕዩር ንኺወጹ
ምስ ውጹዕ ህዝብኹም *ዔማሕ ዘይተድምጹ!  *ኣይንሰዓርን
ብሰንኪ ውሑዳን ጉጅለ ሸፋቱ
ገለ ተሓይሮም ገለ እንተ ሞቱ
ጅግና ኣይተርፍን’ዩ ጠፊኡ ብኾንቱ፡
ፈለግዶ የቋርጽ’ዩ ነቒጹ *ምነቱ         *ዘይነጽፍ ምንጪ ማይ
መላኺ ኪጸርግ ምስቶም ዕሱባቱ
ጋሻ ውሕጅ ኣሎ ዝጽበ ሰዓቱ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-02-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Tedros February 13, 2013

    As always, a beautiful poem!!! And a great message at that.
    Selam nihizbina!

  • ghebar February 13, 2013

    ኽቡር መሲናስ ግጥሚ ክነብብ ዓቕሊ የብለይን፡ ናትካ ግጥምታት ግን ክልተ ጊዜ እየ ዝነቦ። ብህለት፤ ስኒት ቃላት፤ ውህደትን ጥምረት ሓሳባትን ፍጹም እዩ። ክነቦ ከሎኹ ደስ ይብለኒ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ቓላት ምስ ትርጉሙ ጌርካ ስለተቕርቦ ክነቦ ከሎኹ ምቹእነት ስለትፈጥረለይ ደስ ኢሉኒ’የ ዝነቦ’ሞ ኣድንቀካን ኣመስግነካን፡ ክትቕጽሎ ድማ ብኽብሪ እላበወካ። ተባረኽ

  • Mesinas February 13, 2013

    ብመጀመርያ ንኹሉኹም ወሃብቲ ደገፍን ርእይቶን እናኣመስገንኩ፡ ብምቕጻል፥ ዝኸበርካ ሓው ገባር ስለ’ቲ ቀለዓለም ዘይብሉ ርእይቶኻን ሞራልካን ኣዝየ አመስግነካ፡ ቀጺለ ነቲ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ነቲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ቋንቋና ኣብ ምብርባር ብዓቕመይ ዘካይዶ ዘለኹ ጻዕሪ ስለ ዘስተብሃልካሉን ዘስተውዓልካሉን ኣባኻ ዘሎኒ ኣንድንቖት ልዑል ምዃኑ ክገልጸልካ ይፈቱ።

    • belay nega February 13, 2013

      MESINAS
      GIVE DEVIL HIS DUE

      “TIGRIGNA LANGUAGE” IS NOT ONLY BEING MAINTAINED BUT PROGRESSED THANKS TO E.P.L.F WHO IS THE ACTUAL GOV. OF ERITREA

      • Lilay February 13, 2013

        belay nega ( The empity box),

        It was very expected appriciations from everybody to MISNAS for his contribution: First of all for what he is doing as Eritrean because it is time every Eritrean to ring the bell and he is doing that greate MISNA!!!!!!!!!!!!. Second for his contribution to develope the tigringa language is very impressing.

        But I have message to you mr. or miss belay ( donkey)

        By the way have you heard ” FERES ZEYBLUS ADKI YNIEK”? It belongs to you. I can dare to say that even donkey is better than you because a donkey knows its owner but you don’t know to wich people you are belong.

        • belay nega February 14, 2013

          LILAY
          YOU STILL TAKING US TO SQUARE ONE WHICH CAUSED ALL THE MESS WE SUFFERING FROM
          STOP CALLING A HUMAN BEING [ADGHI]

  • awet February 13, 2013

    belay nega EPLF is not the government of Eritrea the true patriots who formed EPLF the true self reliance the patriot Beraki Petros,Bitweded Kekya Derue and thousands are the true EPLF who fought to free independent democratic Eritrea. For you Eritrea is Isaya for you EPLF is Iseyas he is shading his true co lours he scavenger who takes advantage of true patriot. You like him he doesn’t wake up what happened to mustafa tour guy of the Zoba Debub??/

    • belay nega February 14, 2013

      AWET
      SELF RELIANCE IS THE OUTCOME OF BEING REJECTED

      I AM VERY SORRY FOR WHAT HAPPENED TO THE ABOVE GUYS BUT DO NOT FORGET THEY KILLED THEMSELVES WITH THEIR OWN GUN

      THEY SHOULD HAVE FIND A SOLUTION INSTEAD OF CLAPPING HANDS WHEN INNOCENT [TEGADELTI] WERE BEING VICTIMIZED DUE THEIR GENUINE IDEAS

      WHEN YOU ARE ADOPTING A POLICY YOU SHOULD ARRANGE AN EXIT IN CASE OF EMERGENCY BECAUSE ANY TIME ANY THING MAY HAPPEN.
      THE WORST THING IN THIS WORLD IS WHEN YOU ARE THE CAUSE OF YOUR BAD.

      GOOD LUCK AWET

  • Lilay February 13, 2013

    belay nega ( The empity box),

    It was very expected to MISNAS for his contribution: First all for what he is doing as Eritrean because it the time every Eritrea to ring the bell. Second for his contribution to develope the tigringa language.

    By the way have you heard ” FERES ZEYBLUS ADKI YNIEK”? It belongs to you. I can dare to say that even donkey is better than you because a donkey knows its owner but you don’t know to wich people you are belonged.

  • wedi keshi February 13, 2013

    Goodbye lunatics

  • shawley February 14, 2013

    ሕና ኤርትራዊያን እንታይ’ዩ ዓንዚዙኩም! ባዕለይ ዶ ክመርሓኩም! ከም ሕዝቢ ዝዓንዘዘና ዋኒን ኣብ ብዙሐት ንፁሓት ዜጋታትናን ካልኦት ዜጋታት ሕዝብታት ዝፈጠርናዮ ግፍዕታትን ማእሰርቲን ደምን ካሕሳ ኢና ንከፍል ዘለና እዚ ንክቀለልና ንኣምላክ ንኣላህ) ፀሊና ንለምን ሓደራ ሓደራ የሕዋተይ ኣሓተይን
    In order to have changes in Eritrea what mandatory points to be considered are:
    1. We have to have an excusse to those who suffers by some evil Eritrean right after independence(specially Ethiopians who were resided in Eritrea) just for the sake of GOD, Not for the sake of yohana and banana and the fake freedom at all.
    2. We have to avoid any blame to weyane, external and Ethiopia. we have to admit the main problem is internal issue. Which creates the leaders for the last 50 years.
    3. We have appreciate and take experience of tolerance policy at all, in my assumption with the prevalnce of hidden issues in the heart of Ertreans I prefer to have FEDERAL system of governance, Because we know each other in order to resolve the case of Awraja, Jahad, etc which was created by Jebha, Alwahda and Shabia was not clear for the society at large
    4. we have to adopt our constitution by the approval of the society.
    5. we have to start normalization internal with all members of the society and also with opposition.
    5. The agreement with Ethiopian and Djibouti, Yemen international communities a is not unavoidable due the prevalence of blood relation, existing for the several years with the same system of governance and culture and economic relation. It is very difficult to live without them in island. We have to take the best and reject the worst thing thinking the tolerance specially with Ethiopian,
    6. the first and the most important thing is we have to respect the dignity of human-being from wherever.
    ውዲ ኤሬ
    Report

  • belay nega February 14, 2013

    PURE ASMARINO

  • Mesinas February 15, 2013

    ዝኸበርኩም ኣሕዋት በላይ ነጋን ሊላይን፡ ብመጀመርያ ኣብ ልዕሌኹም ዘሎኒ ክብርን ፍቕርን እናገለጽኩ ቀጺለ፡ ሓንቲ ሓጻር መልእኽቲ ክጽሕፈልኩም ፍቐዱለይ? ‘ፍቓድና’ዩ ሓው መሲናስ ቀጽል’ ከም ዝበልኩምኒ ልበይ ስለ ዝነገረኒ’የ ዝቕጽል ዘለኹ።

    ቀዳመይቲ ለበዋይ፡ ኣብቲ በብዓቕምና እነንጸባርቖ ኣተሓሳስባን ኣፍልጦን፡ ኣኽብሮት ክህልወና’ያ። ብምቕጻል፥ ነቲ ተጋግዩ/ያ ኣሎ/ላ ዝበልናዮ/ያ ሓው ወይ ሓፍቲ ከይገናሕና፡ ብልኡም ቃላት ምምካር። እዚ ድማ’ዩ ብሓባር ጌጋታትናን ጉድለታትናን እናተኣራረምና ክንዓብን ሃገራዊ ሽግርና ክንፈትሕን ዝሕግዘና መገዲ።

    እምበኣርከስ ሓው በላይ ነጋ ናባኻ ክምለስ፡ ምኽንያቱ፡ ሓው ሊላይ፡ ውድቀት ትግርኛን ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራን ስለ ዝተረድኦ ኣብኡ ዘንጸባረቖ ውልውል የለን። በዚ ኸኣ ንእኡ ምእራም ስለ ዘየድለየኒ ኣመስጊነዮ ጥራይ ናባኻ ክሓልፍ። ብርግጽ ከምቲ ዝጠቐስካዮ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ሜዳ ኸሎ ንቋንቋ ትግርኛ ይከናኸኖ ኔሩ’ዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ሽዑ ቅልጡፍ ምዕባለ ኣርእዩ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ግን ካብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ ሃስያ ቋንቋ ብዝበኣሰ ቀቲሉዎ’ዩ። ብኸመይ? ኢልካ ኪትሓተኒ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብሕጽር ዝበለ ከብርሃልካ ክፍትን’የ። ብሰፊሑ ንኸተገናዝብ ግን ዝተፈላለዩ ደረስቲ ሃገርና፡ ብዛዕባ’ዚ ዝተዛረብዎን ዝጸሓፍዎን ክትሰምዕን ከተንብብን ክላበወካ።

    ሎሚ ካብተን ብህግደፍ ዝወነና መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ጀሚርካ ክሳብ ዉልቀ ግጥምታት ትግርኛ፡ ዳርጋ 99% ብጌጋ’ዩ ዝጸሓፍ እንተ በልኩኻ ምግናን ከይመስልካ። ኩለን ፊልምታት፣ ድራማታት፣ መጻሕፍቲታት፣ ናይ ደርፊ ግጥምታትን ዕላላትናን ኩሉ ዘይእሩም ትግርኛ’ዩ። እዚ ግን ነቲ እሩም ትግርኛ ዝብሃል ምስ ፈለጥካ ጥራይ እዩ ዚርደኣካ። ብዙሓት ሰባት፡ ብቋንቋ ትግርኛ ዝፈሪ ብዙሕ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ስለ ዝረኣዩ፡ ትግርኛ ዚምዕብል ዘሎ ዚመስሎም ሰባት ኣለዉ። ብኣንጻሩ ግን ንድሕሪት’ዩ ዚምለስ ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ቋንቋ ዕብየቱ፡ ብዓቐኑ ዘይኮነስ ብጽፈቱ ስለ ዝልካዕ።

    እሩም ቋንቋ እንታይ ከማልእ ኣለዎ ይመስለካ፡ ብውሑዱ፥ ስርዓተ ሰዋሱው፣ ስርዓተ ነጥቢ፣ ቆጣብን ገላጽን ቃላት፡ ላዛ ኣጸሓሕፋን ኣዘራርባን፣ ምስላ፣ ውስጠዘ፣ ስውያን ቁንቁኛን ወዘተ. ኣማሊኡ ኪጽሓፍ ወይ ኪዝረብ ከሎ፡ ይዓብን ይምዕብልን ኣሎ ኢልና ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝድመጽን ዝጸሓፍን ዘሎ ትግርኛ ግን ነዚ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ መሓውር ቋንቋ የማልእ ኣሎድዩ የለን ባዕልኻ ኪትመዝን ክገድፈካ’የ። ምኽንያቱ፡ ኣነውን ካብቶም ነዚ ዘረድኡኒ ውሑዳት ደረስቲ’የ ክግንዘቦ ክኢለ። ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ፡ ብዛዕባ ምዕባለን ዕብየትን ቋንቋ ንምንታይ ከም ዘድሊን ብኸመይ ኪምዕብል ከም ዚከኣልን ኪትፈልጥ እንተ ደኣ ደሊኻ፡ ንጽሑፋት ደራሲ ተክአ ተስፋይ፡ ደራሲ ኪዳነ ወልደየሱስ፡ ደራሲ ጎይትኦም ጊለን ካልኦትን ኣንብብ። ዝያዳ መብርሂ ብዛዕባ ቋንቋ እንተ ደሊኻውን ኣነ ብዝዓቕመይ ክውስኸካ ጸገም የብለይን።

    ካብ ሓውኻ መሲናስ

    • belay nega February 15, 2013

      MESINAS
      I REALLY APPRECIATE THANK YOU VERY MUCH.

  • grmay temaryam August 8, 2014

    ab asena post kigebir delye nieremo entay kithgzuni tikeelu gtmtta gele

POST A COMMENT