Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጓይላ ዝተጸምደ ስርዓት

ኣብ ጓይላ ዝተጸምደ ስርዓት   ጓይይላ፤ሳዕሳዒት፡ ኣውሎ፤ዎየ ወዘተ ካብቲ ባህልታት ናይ ሓደ ሕበርተ-ሰብ ኢዩ። ከተዘውትሮን ክትዕቅቦን ግቡእ ኢዩ። ጓይላ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ከም ኣብ ኣወደ-ኣመት፤ መርዓ ወዘተ ክትጥቀመሉ’ውን ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝረአ’ውን ኢዩ። እንተ ኮነ

ኣብ ጓይላ ዝተጸምደ ስርዓት

 

ጓይይላ፤ሳዕሳዒት፡ ኣውሎ፤ዎየ ወዘተ ካብቲ ባህልታት ናይ ሓደ ሕበርተ-ሰብ ኢዩ። ከተዘውትሮን ክትዕቅቦን ግቡእ ኢዩ። ጓይላ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ከም ኣብ ኣወደ-ኣመት፤ መርዓ ወዘተ ክትጥቀመሉ’ውን ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝረአ’ውን ኢዩ። እንተ ኮነ ግን ሓደ ስርዓት(መንግስቲ) ኰነ ኢሉ ከም ሓደ መመዝመዝን መደንቆርን ህዝቢ ክውሰድ ግን ኣብ ዓለም ልሙድ ኣይኮነን።

 

ቻይና ብግዜ ኣቦ መምበር ማኦ ሴቱ፡ ባህላዊ ሰውራ ተኻይዱ ይበሃል። እዚ ማለት ግን ብኹሉ ሸነኻቱ፡ ናይ ወጻኢ ባህሊ ኣወጊድካ፡ ናይ ቻይና ባህሊ ጥራይ ምምዕባል ኢዩ ነይሩ ይመስለኒ። ናይ ስርዓት ህግደፍ ጓይላ ግን እንታይ ንበሎ? ኤርትራዊ ባህሊ ንምዕቃብ ወይስ መሳርሒ? ኣነኳ ምስ’ዛ ዳሕረወይቲ ኢየ ዝሳማማዕ።

 

ኣቱም ሰባት፡ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾይኑ፡ እዚ ስርዓት ነዛ ጓይላ  ስረሐ ኢሉ ካብ ሳሕል ኢዩ ጀሚሩዋ። ረይሳ ቀቢርካ ጓይላ ክትጻወት ኣብ ሙሉእ ሕብረተ-ሰብና ልሙድ ኣይኮነን። ነውሪ ኢዩ ድማ። ይዝከረኒ ኣብ ሳሕል፡ ኣብ ኵናት ዝተሰውኡ እንፈትዎም ብጾትና ቀቢርና፡ እቶም መራሕቲ ኣሃዱታት ነቲ ጓይላ ባዕሎም ይጅምርዎ’ሞ፡ ንሕና ድማ ፈቲና ከይፈተና፡ እታ ንእሽቶ ነጸላ(ክሹክ) ፈውሲ ቁርን መግነዚትናን እንጥቀመላ ተዓጢቕና፡ እሽም ንብል። እቲ ዝበሃል “ሰውራ ስለ ዝኾነ ሓዘን ኣየድልን” ኢዩ። ረይሳ ቀቢርካ ጓይላ ክትጻወት ግን ኣብ ዝኾነ ሕበረተ-ሰብ ቅቡል ኣይኮነን።

 

ሕጂ’ኸ? ናይ ሕጂ ገደደ። ስርዓት ህግደፍ ብመንግሰቲ ደረጃ፡ ወግሐ-ጸብሐ ጓይላ ስረሐይ ኢሉ ኢዩ ተታሒዝዎ። ኣብ ወጻኢ ይኹን፡ ኣብ ውሽጢ ጓይላ።እሞ ዓላማ ናይ’ዚ ሰፊሕ ዘመተ ጓይላ፡ ባህሊ ንምዕቃብ ድዩ ውስ ካሊእ? እታ እንሪኣ ጓይላ’ኳ ባህሊ ኤርትራ እተንጸባርቕ ኣይትመስልን። እመኑኒ፡ ይብለኩም ኣለኹ፡እቲ ዓላማ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ለውጢ(ፖለቲካ) ከየድህብ ተባሂሉ ዝተገብረ ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ።

 

እቲ ዘገርም፡ መንእሰይ ደሓን ይሳዕስዕ። እቶም ክልተ ጸጉሪ ዘብቆሉ፡ ኣእጋሮም ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ኣሮግቶት ሰብኡትን ኣንሽትን ወግሐ-ጸብሐ ጓይላ እንታይ ኣድለየ? ኣብ ሕብርተ-ሰብና፡ ሽማገለ ዝተባኣሰ ክዓርቕ፤ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዘጋጥም ጸገማት ክዝቲ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክርስቲያን ናብ ቤተ-ክርስቲያኑ፡ ኣስላማይ ናብ መስጊዱ ከይዱ ጸሎት ክገብር ኢዩ  እቲ ልምድና። ዘገርም ኢዩ፡ ኣቶ ኢሳያስ እውን ዓሊባቦ ተቐምቂሙ ምስቲ ሓፋሽ እናተዳፍአ፡ ክስዕስዕ ይሪኦ ኢየ። ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ፡ ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን ዝነገረኒ ሓንቲ ዛንታ ክነግረኩም። ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን ከም እትፈልጥዎ ናይ ሕግን ፖለቲካል ሳይንስን ምሁር ኢዩ። ይኹን’ምበር ዛንታ ክነግረካ ከሎ’ውን ግርም ኢዩ ። ስለዚ ሓደ ግዜ ከምዚ በለኒ። “ ኣብ 17 ክፈለ ዘመን ኣቢሉ፡ ራእሲ ዓንደ-ሃይማኖት ዝበሃሉ ካብ ሓማሰን ጀሚሩ ስጋብ ዓድዋ ይገዝኡ ነበሩ። ብትሕቲኦም ድማ ብላታ ሚኪኤል ዝበሃሉ (ትግረዋይ) ሓጋዚኦም ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። ሓደ ግዜ ራእሲ ዓንደ-ሃይማኖት ካበቲ ዝገዝእሉ ዝነበሩ ቦታ ከባቢ ናይ ሕጂ ዓድዋ ማለት’ዩ ንሓማሰን ከዱ። ኣብኡ ስለ ዝደንጐዩ ብላታ ሚኪኤል ንሓማሴን ድሃዮም ክፈልጡ መጹ’ሞ፡ ራእሲ ድማ ኣብ ሓደ ጓይላ ምስ ጐራዙት ኣገልድም ተዓጢቖም ይስዕስዑ ጸንሕዎም። ብላታ ሚኪኤል ከኣ ኣዝዮም ንዓቕዎም። ‘ራእሲ ድኣ እታ ስልጣኖም ዝቕበሎም ሲኢኖም’ምበር ዓቢዶም ኢዮም’ በልዎም።  ራእሲ ዓንደ ሃይማኖት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ከለው ብላታ ሚኪኤል ኣድቢዮም ጸኒሖም ተዋጊኦም ሰዓርዎም። እታ ራእስነት ድማ ወሰድዋ።” ምዃን እቲ ዓላማ ዝተፈላለየ ኢዩ። ራእሲ ዓንደ ሃይማኖት ናይ ጓላ ወልፊ ሒዝዎም ኢዩ። ኣቶ ኢሳያስ ግን ንፖለቲካዊ ዓላማ ኢዩ ዝጥቀመሉ። ሕጂ ድማ ንሕና ወይ ብድብያ ወይ ብዕልዋ ኣውሪድና ስልጣን ንህዝቢ ከነረክቦ ኣለና። እምበር ኣብ ጓይላን ዲስኮን ዝሓድር መራሒ ሪኢና ኣይንፈልጥን። ሚኒሰተራት ተባሂሎም ኣብ ፎቖዶ ጓይላ ክዋፈሩ፡ ካሊእ ስራሕዶ የብሎምን’ዮም?

 

ናይ ለብዘበን ንግደት ቦሎኛ፡ ሚኒሰተራትን ዓበይቲ ሰበስልጣንን ኢዮም ተኻፊሎምዎ። ስለምንታይ ንሕና ንቃወሞ? ስለምንታይ’ከ ንሳቶም ዝኽሪ ቦሎኛ ደልዮምዎ? ዝብሉ ሕቶታት ኣገደስቲ ይመስለኒ። ንሕና እንቃወሞ፡ ትማሊ ብሰንኪ እቲ ስርዓት 360 ዝኾኑ ዕሸል መንእሰያትና ዝተቐዘፍሉ ግዜን ቦታን ብምዃኑ። እቲ ስርዓት ግን ሞት ናይ ዞም ኣማኢት ከይገደሶ፡ ነቶም ካብ ሞት ምድረ-በዳን ባሕርን ዝተረፉ እናሰዓብካ ንምምዝማዝ ኢዩ። እቲ ንዓለም ዘሰምበደ ቅዝፈት ናይዞም ዕሸላት ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢየ ነይረ። እቲ ሓዘን ብሕብረት ኣፍሪቃ ኢዩ ተጀሚሩ። ናይ ኩለን  ሃገራት ኣፍሪቃ ባንደራታት ኣብ ፍርቂ ክስቀል ተገይሩ። ኢትዮጵያ ን24 ሰዓት ናይ ሓዘን ኣዋጅ ኣዊጃ። ኣብ መሬታ ጥራይ ዘይኮነስ እንታላይ ኣብ ኩለን ኢምባሲታታ ባንደራ ኣብ ፍርቂ ከም ዝስቀል ወሲና። ስርዓት ኣስመራ ግን ኣብ ክንዲ ሓዘን፡ ዳነከራን ጓይላን የካይድ ነይሩ።

ንግደት ቦሎኛ ሳላ ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ ተቓወምትና ፈሺሉ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተታለሉ ክረክብ ዝሓሰቦ፡ ካብ 2000 ዘይበዝሕ ዝተታለለ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብትኽክል ክንመዝኖ እንደሕር ኮና፡ ማለት ነቲ ድኽመት ናይ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ገዲፈና፡ ከም ፖለቲካ መሳርያኡ ነቲ ናይ ተቓወምቲ ወብሳይታት(ኢነተርነት መርበባት) ተዓጢቑ፡  ነቲ ስርዓት ኣዳኺምዎ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ምስጋና ይብጻሓዮም ንኹሎም ናይ ተቓወምቲ ወብሳይታትና፡ ኣሰና፤ ዓወተ፤ ኣስማሪኖ፤ ቶጎሩባ  ወዘተ ኩሉኹም ብኣኻትኩም ኩሩዓት ኢና። እተበርክትዎ ዘለኹም ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብወርቂ ተጻሒፉ ክነብር ኢዩ። እወ፡ ከም በዓል መስከረም ተቓወምቲ መሰል፡ ብተግባር ግን መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝገበርዎ ዘለው ኣንጻር ጀጋኑ ተቓለስትና ነንብቦ ኣለና። ብጻይ ኣማኑኤል ኢያሱ  ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኩላትና ፍርቂ ናቱ እን ነበርክት፡ ስርዓት ህግደፍ ስጋብ ሎሚ ኣይምሃለወን። ኣማኑኤል ኣጆኻ ኣብ ጐድንኻ ኣሎና። ቅድሚ ሕጂ’ውን ደጋጊመ ከም ዝገለጽኩዎ፡ መስከረም ነት ካልኣይ ገጽ ሸዓብያይትን አለናልክን ምዃና ኩሉ ሰብ ክርዳእ ኣለዎ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ውዒሉ-ሓዲሩ ምውዳቑ ኣይተርፎን። መሰረታዊ ለውጢ ክመጽእ እንተኮይኑ ድማ በቲ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ። መንእሰያትና ኣብ ዘለው-ሊዮም ክወደቡን ክጥርነፉን ኣለዎም።

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

18-07-2014

 

 

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis July 18, 2014

    Yes, you are right and I support you, but I am doughting of eritrean integtity. We are ” “”Hoy Mariam Hagezni ” .

  • Sawaforto July 19, 2014

    kidmi ldete Kristos abzi hji Gric tbahal hager hzbi kab kulu teharimi(tkelkilu) Gayla dankera gen ab zdelekayo seat tgebr nay t gize t znebre merahi hade kem mesarhi ztkemelu silti kem znebere tarkik alo

  • Mesinas July 19, 2014

    ከም ወትሩ ብሱልን ምጡንን ጽሑፍ። ክቡር ኣቶ ኣድሓኖም ሰላም። እዚ ዝበልኩሞ ኩሉ 100 ብ 100 እሰማማዓሉ’የ። ጽሑፍኩም ብዕትበት ክነቦ ከለኹ ኣብ ኣእምሮይ ዚመጸኒ ገለ ሓሳባት ክውስኸሉ ግን ፍቐዱለይ? 1ይ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ጓይላ፡ ጓይላ ብጓይላኡውን ናይ ኤርትራውያን ጓይላ ኣይኮነን ዘካይድ ዘሎ! ምሉእ ብምሉእ በቶም ናብ ቻይና ልኢኹ ዘምሃሮም ‘ኣባላት ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ’ ዝብሃሉ መንእሰያት’ዩ ዚካየድ ዘሎ። መንእሰያት ካብ ቤት ትምህርቶም እናኣመንጎኻ ሳዕስዒት ብምምሃር’ዩ እቲ ጥፍኣት ዚካየድ ዘሎ። ፍጹም ባህልን ልምድን ኤርትራውያን የብሉን! ናይ ቻይና’ዩ። ናይዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ፡ ነቶም ኣብ ዚኾነ ጽንብል ህግደፍ ንነፍሲ ወከፍ ድምጻዊ ዘስንዩ ዘለዉ ሳዕሳዕቲ ምዕዛብ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ስለዚ፡ ነውርነቱ ጥራይ ዘይኮነስ ዕንወት ባልልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራውን እዩ ዚካየድ ዘሎ! ካልእ ንኣይ ወትሩ ሕርኽርኽ ትብለንን ዘይትዋሓጠለይ ነገርን እንተላ ንጃንዳ ህግደፍ ‘መንግስቲ’ ኢልካ ምጽዋዕ’ዩ። ዚኾነ ይኹን ናይ መንግስትነት ኣቋዉማን ተግባርን ዘይብሉ ፈያት (ሽፍታ) ከመይ ኣቢልካ’ዩ መንግስቲ ዝብሃል ዘሎ!? በዚ መሰረት’የ እውን ኣቐድም ኣቢለ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ፈንጊ (ጉጅለ) ህግደፍ ነታ ስም ከምዘይበቕዓ ዚገለጽኩ።

    ሃብቲ ናይ ተጃራት ብዓመጽ ዘይራሲ
    ንጹሃን ዘይሕዪር ከይመስረተ ክሲ
    ብልዝብ ዝፈትሕ ንነገር በኣሲ
    ቋንቋኡ ዚርዳእ ትርጉም ደሞክራሲ
    ምልኪ ዘይቅልሶ ወትሩ ሓደ ርእሲ
    መንግስቲ ብሂግና ዜጋታቱ ዚጓሲ!

    ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ክባራረዩልና
    ወራር ድሕሪ ወራር ብጽንዓት መኪትና
    ብመስዋእቲ ኣእላፍ ሃገር ምስ ወነንና
    ካብቲ ዝሓለፈ ሎሚ ከፊኡና
    ጉጅለ ሸፋቱ ደም ኣንቢዖሙና
    ዋላ ሕሱም ይኹን መንግስቲ ናፊቕና! ብምባል፡ ኤርትራውያን መንግስቲ ሙቛም የድልየና ከም ዘሎ ኣተንቢሀ ኔረ። ካላእ ልክዕ ከምዚ ሓደ ሓረስታይ ኣብ ግራቱ ኮነ ኣብ ግራት ጎሬቤቱ ጻህያይ እኽሊ ክርኢ ከሎ ኢዱ ዘሳሕዮ፡ ኣነውን ኣብ ናተይ ይኹን ኣብ ናይ ኣሕዋተይ ጽሑፋት ጻህያይ ቋንቋ ክርኢ ከለኹ ንምጽሃዩ ስለ ዘሳሕየኒ፡ ኣብቲ ልዙብ ኣጠቓቕማ ቋንቋኹም ሓደ ክልተ ቃላት እርማት ክገብር ፍቐዱለይ?

    ኣማኢት ብ ኣማእት፣ ኢዩ ብ እዩ፣ ወዘተ ብ ወዘተ.፣ ዝኾነ ብ ዚኾነ፣ ንእሽቶ ነጸላ(ክሹክ) ብ ንእሽቶ ክሹክ (ነጸላ)፡ እቲ ትርጉም’ዩ ኣብ ሓጹር ኪኣቱ ዘለዎ። ንኣብነት ከምዚ፥ ወብሳይታት (ናይ ኢነተርነት መርበባት) ኪኸውን ኣለዎ። ከም በዓል መስከረም ብ ከም ብዓል መስከረም፣ ስርዓት ህግደፍ ስጋብ ሎሚ ኣይምሃለወን ብ ስርዓት ህግደፍ ክሳዕ ሎሚ ኣይምሃለወን፣ ስጋብ ፍጹም ጌጋ’ዩ። ወዘተ. ብምባል ንኽትእርሙወን ብትሕትና እሓትት? የቐንየለይ።

    ሓውኩም መሲናስ 19-07-2014

  • Teshome July 19, 2014

    Adhano I think you are Guasaa or Nai edaga beray shekati temesel
    Wala atahsasebak wen ny Guasaa iyou zemesel

    • ahmed saleh July 19, 2014

      teshome
      ” Guassa or Nai edaga beray shekati temesel ”
      perfect language of street boys to disrespect an honest hard working lower class part
      of our society . Being poor is not a crime but to steal to get rich does .
      But I am sure you enjoyed to eat the meet they delivered , Shame on you .

      • ahmed saleh July 19, 2014

        Dear Adhanom
        As usual your articles based on true past experience makes enjoyable and educational to read .

    • Tesfu Kbrom July 20, 2014

      MESKINAY GWASAS NSKA MEBER TESHOME, GWAYLA ZFETU MEN IYU ETI GUNUF, GWASA IYU. HADE KEBTI TBHAL NSKA KIXMED ZKIEL KEBTI.

    • abdu July 27, 2014

      Teshome
      You just described who exactly you are .

    • abdu July 27, 2014

      Teshome
      I strongly believe you have ignorance and you need to see yourself in the mirror before you call names to some one else . And i’m sure you don’t have any concern of your people who are suffering every where except running after guala and endera .

  • mahta July 19, 2014

    Aye Tesheme keyteredeaka needkayo hji eko ne erittea zedlia zelo nfue guasa halawi, tekenakani ,bhgi amahadari etc ember ngus bwhdat berau aykonetn delia hgawitn bltsktn meebltn fthawitn ,meseln gbueen zestewel seb zguasiu harer tbl ala eritrea.

  • t July 20, 2014

    quit bullshit ADHANOM you are one of them we need civillians not x.

  • M,Lemlem July 21, 2014

    in the first i would like to thank you for all contributions you made are precisely describing the really situation of Eritrean basic problem . i read your articles ,and i found them very interesting and positively educative.i hope to see other Eritreans motivated to write diversified issues on our problems .M.lemlem

  • Russom July 21, 2014

    Hallo Adhanom
    first of all my best greetings. hereafter with my short comment I would like to express my admiration to your two last articles,which I found the them to the point. Go on.

POST A COMMENT