Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምሁራትን ሰብ ሞያን ኣብ ቅድሚ ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪቦም ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታት ኤርትራ ምስክርነት ሂቦም።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ መምህር ኣብ South Bank University፣ ለንደን፣ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ሪድ  መምህር ኣብ SOAS ዩኒቨርሲቲ፣ ለንደን፣ ከምኡ ‘ውን ጋዜጠኛን ጸሓፍን ሚስተር ማርቲን ፕላውት፣ ብ 28 ለካቲት ኣብ

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ መምህር ኣብ South Bank University፣ ለንደን፣ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ሪድ  መምህር ኣብ SOAS ዩኒቨርሲቲ፣ ለንደን፣ ከምኡ ‘ውን ጋዜጠኛን ጸሓፍን ሚስተር ማርቲን ፕላውት፣ ብ 28 ለካቲት ኣብ ቅድሚ ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ቀሪቦም፣ ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን ኩነታት ኤርትራ፣ ካብቶም ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሓያለ ሕቶታት ብምምላስ ምስክርነት ሂቦም።

እቶም ሰለስተ ምሁራትን ሰብ ሞያን ኣብ መልስታቶም፣ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ቦዅሮም፣ ከም ነጻ ቤትፍርዲ፣ ነጻ ጋዜጣ፣ ሃገራዊ ባይቶ ዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዘይምህላዎም፣ ብሕታዊ ክፋል ኮነ ኢልካ ተዳኺሙ ቁጠባ ኤርትራ ምውዳቑ፣ ገለ ካብቶም ኣሻቐልቲ ተርእዮታት ናይታ ሃገር ምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ብምስምማዕ፣ ኤርትራ ብዊንታ ናይቲ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትምሓደር ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት እትርከብ ሃገር ምዃና ገሊጾም።

witness 4 5

Professor Gaim Kibreab, London South Bank University, London

እቲ ካብዚ ሕጊ ኣልቦነት ዝምንጩ፣ ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንንቡር ህይወት መንእሰያት ‘ታ ሃገር በኪሉ፣ ሃሞምን ቀልቦምን ናብ ስደት ከምዝቐንዕ ብምግባር፣ ቀንዲ ጠንቂ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ድማ ኣገንዚቦም። እቶም ንዘይተወሰነ ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክነብሩ ዝፍረዱ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን፣ በቶም ከም ገላዩ ዝርእዩዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ከምዝግፍዑን ዝእሰሩን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝወርዶምን ‘ውን ጠቒሶም። ካብዚ መሪር ኣተሓሕዛ ንስደት ከምልጡ ኣብ ዝፍትኑሉ ግዜ ብተመልከተለይ ናይ ምርሻን ስጉምቲ ይካየደሎም ምንባሩ ክሳብ 2014 ጭብጥታት ከምዘሎ ብምምልካት ከኣ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዶባት ብዝተቐብረ ነቶጕቲ ዝሞቱ ከምዘለዉ ሓበሬታ ምህላዉ ኣብቲ ርክብ ኣቃሊዖም። ብሓጺሩ እታ ብሕድሕድ ምትሕግጋዝ ጠወር እትብል ስድራቤት ኤርትራ ብሰንኪ ‘ዚ በታታኒ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት መሃነና ጠፊኡዋ ተረዅምሻ፣ ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገር ብዓቢኡ ዘሻቕል ምዃኑ  ስክፍትኦም ገሊጾም።

እቲ ደረትን ሚዛንን ስልጣን ንምሕላው ዘኽእሉ ትካላት ኣብ ዘይብሉ ሃዋህው ብቐጥታ ብቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝመሓደር ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ንብሕታዊ ጥሙሕን ህንጡይነትን ናይቲ ብስልጣን ሰኺሩ ዘሎ ኢሳይያስ ዘገልግል፣ ነታ ሃገር ዝርምስ፣ ናይ ዕስክርና ባህሊ ኣተኣታትዩ ምህላዉ ኸኣ ኣረዲኦም።

እቶም መሰኻኽር ብዘይካ ‘ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ቆጸራ ህዝቢ ከምዘይተኻየደ፣ ዝእወጅ ወግዓዊ ባጀት፣ ነጻ ጋዜጣ ይኹን ካብታ ሃገር ስሩዕ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ቀወምቲ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ብዘይምህላዎም፣ ኤርትራ ዕጽውቲ ሃገር ምዃናን ናይ ሓበሬታ ሕጽረት ከምዘሎን ‘ውን ኣገንዚቦም።

witness 4 4

Professor Richard Reid, School of Oriental and African Studies, London

ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፣ እቶም ሰለስተ መሰኻኽር፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሰበስልጣን ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝተፈጸሙ ብምውሳን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ክሕተቱ ዘሕለፎ እማመ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሰማምዑሉ ነቶም ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ኣረጋጊጾምሎም።

እቶም በቲ ዝሰምዑዎ፣ ንቡር ቅርጽን መትሓዝን ዝሰኣኑሉ ድዉን ፖለቲካዊ ሃዋህውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝደንጸዎም ኣባላት ፓርላማ ሽማግለ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ገለ ዘይዳህሰሱዎ ኣውንታዊ ገጽ እንተረኸቡ ሃንቀው ብምባል ኣብዚ ቐረባ እዋናት ምምሕያሽ ተራእዩ እንተኾይኑ ኣብ ዝተወከሱሉ ኣጋጣሚ፣ ካብቶም መሰኻኽር ዝረኸቡዎ ናይ ሓባር መልሲ “የልቦን” ዝብል እዩ።

witness 3 3

Mr Martin Plaut, journalist and author

እቶም መሰኻኽር ቅጽል ኣቢሎም፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ምምሕያሽ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዋን ነቲ ገጢሙዎ ዘሎ ጻዕቂ ስደተኛታት ንምውሓድ ብመሰረት እቲ ‘ውዕል ካርቱም’ ዝብሃል ስምምዕ ምስቲ ምልካዊ ስርዓት ስለያዊ ሓበሬታ ክለዋወጥ ምውሳኑ፣ ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ርግኣት ዘይብሉ ምልሻታት ዝሳዕረሩሉ ሊብያ መጻረዪ መዓስከር ክገብር ወጢኑ ምህላዉ፣ ንሕሰምን ስቓይን ናይቶም ዓቕሎም ጸቢቡዎም ካብ ኤርትራ ዘምልጡ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ዘብእስ ምዃኑ ብኣብነታት ብምርዳእ፣ ኣብቲ ሕልና ዝጎደሎ ናይ ‘ጽምዶ’ ፖሊሲ ዘለዎም ዘይምትእምማን ገሊጾም።

መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ባዕሉ ዝፈረመሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኾነነ ዘይጋዊ ቀረጽ ስደተኛታት ደው ኣብ ንምባል ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ንባዕሉ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ዝድግፍ ንወጽዓ ኤርትራውያን ዘብእስ ምዝንጋዕ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ኤርትራ ዘዳለዎ ጸብጻብ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቕ ኳ እንተኾነ፣ Home Office ዓባይ ብሪጣንያ ግን፣ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምጕዳል ክብል ዝንቡዕ ሓበሬታታት ሓዊሱ ምህላው ወቒሶም።
ኣብዚ እዋን ‘ዚ እቶም ንኤርትራ ለዅኾም ብምዕጻው; ከምኡ ‘ውን ዲፕሎማስያዊ እንዶ ብዘይምህላዎም ኣውራ ቀየስቲ ተነጽሎኦም ኮይኖም ዝጸንሑ ሰበስልጣን ኤርትራ፣ ምስቶም ብብዝሒ ስደተኛታትን ካልእ ጂኦ- ፖለቲካዊ ኩነታትን ካብ ዘለዎም ሻቕሎት ተበጊሶም ክራኸቡዎም ዝብገሱ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ኤውሮጳ ኣፈናዊ ርክባት ምጅማሮም ከም ኣውንታ ዝርአ ኳ እንተኾነ፣ ሰበስልጣን ኤርትራ፣ ብሕልፊ ድማ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘለዎም፣ “ ፖለቲከኛታት መጺኦም ይኸዱ፣ እቲ ከልቢ ይነብሕ ገመል ጉዕዞኡ ይቕጽል” ዝብል ሕዱር; ደረቕን ትዕቢተኛታት መርገጺ፣ ነቲ ጽምዶ ኣጉል ክገብሮ እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ከኣ እቶም መሰኻኽር ኣረዲኦም።

witness 6ካብዚ ቅልውላው’ዚ ንምውጻእ ክውሰድ ኣለዎ ብዛዕባ ዝብሉዎ ስጉምታት፣ እቶም ሰለስተ ምሁራትን ሰብ ሞያን፣ እቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን፣ ብመጠን ዕብየታን ኣብቲ ዞባ፣ ብፍላይ ኣብ ምምካት ግብረ ሽበራ ብእትጻወቶ ተራ ናብ ኢትዮጵያ ምዝዛዎም ንሰበስልጣን ኤርትራ ከምቖጥዖም ብምጥቃስ፣ ብሕልፊ ነቲ ብ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ፣ ነታ ኣብ ናይ 1998-2000 ዓመተ ምህረት ውግእ ጠንቂ ግጭት ዝነበረት ባድመ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ዝወሰነ ፍርዲ ዘይምትግባሩ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ዘይምግባሩ፣ ከም መመኽኔታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽሙዎ ዘለው ዓመጽ ከምዝጥቀሙሉ ኣገንዚቦም።

እቶም መሰኻኽር ናይቲ ውዕልን ውሳኔን ዝነበሩ ሓያላን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ዘይምግባሮም ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ኩሎም ከምዝሰማምዑሉ ብምርግጋጽ ድማ፣ ይኹን’ምበር፣ ትግባረ ናይቲ እቲ ስርዓት ከም መመኽኔታ ዝጥቀመሉ ዘይምሕንጻጽ ዶባት፣ ኣብ ምትእትታው ዲሞክራስን ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ኣውንታዊ ድርኺት ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ዘተኣማምን ኣመት ከምዘይብሎም ገሊጾም።
ምስዚ ኩሉ ዲክታተርያዊ ባህርያት ናይቲ ስርዓትን ዓፈናን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞ ዘይምቕሃሙን ሓሓሊፉ ንኹነታት ‘ታ ሃገር ዝገልጽ ሓበሬታታት ንደገ ይወጽእ ምህላዉን ተስፋ ዝህብ ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ በዚ መንገዲ ‘ዚ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢሎም ክንበዩ ከምዘሽግሮም ግን ኣይሓብኡን።

witness 3 2

Crispin Blunt, MP, Foreign Affairs Select Committee Chair

ኣብ መወዳእታ እቶም ክብደት ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ዝተሰወጦም ብ ኣባል ፓርላማ ክሪስፒን ብላንት (Crispin Blunt MP) ተመሪሖም ነቲ ዳህሳስ ዘካየዱ ኣባላት ፓርላማ፣ ነቶም ግዚኦም ወፍዮም ሞያዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣጋይሽ ኣመስጊኖም። ወከልቲ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ሓሳቦም ክገልጹ ብተደጋጋሚ ናይ ቴለፎን ጻውዒት ኳ እንተገበሩሎም ጻዕሮም ከምዘይተዓወተ ድማ ብጋህዲ ገሊጾም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • hidat March 3, 2017

    DR. GAIM BIZAEBA DOB ALIKELKUM KE TEZERAREBKUM DO???????????EWE DOB KEYITEHANXEXE ITI AB HALEWA ZELO MENESEY GEGEZEUUU KEMIZEIMILES NIKULU BIRUH EYU…………….nay dob guday indihir teaxeyu gin shigir meneseyat win beuuu meten sile zikalel………………??????

    • PH March 3, 2017

      Hidat,ኢቲ ዶብ መን ኢዩ ክሕንጽጾ? ወያንየ ዕጭ ሓንፊፉ ኢዩ።ህግደፍ ‘ሞ ዓቅሚ የቡሉን።ኢታ ሓንቲ ዓቅሙ ግን ምእሳር፡ምቅታል፡ምብራር፡ምሕጫጭ ው.ዘ.ተ ካልእ ኢንተለኪ ግዳ ንገርና።ብዝተረፈ ፡ኢሳያስን ተስፋ ናይ ጽዮንን ስሙር ግንባር ገይሮም ዝብሃል ሓቂ ድዩ? መልሲ ካባኺ/ኻ።

    • Awot March 5, 2017

      Hidat, there will be no demarcation of boarder among Tigrians. there is no need for that. The same people should be unified as one people for the same destiny instead of being bisected. “Si le mintay kulu gize nay denkoro Zereba Tizarebi???”

  • Orion March 3, 2017

    እትዝገርመኒ ነገር እኮ ናይ ደገፍቲ ህግደፍ እዮ ዶብ ስለ ዘይተሓንጸጸ እም እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ መፍትሒ ወያነ እኮ ዶብ አይተሓንጸፀን ኢሎም ህዝቢ የጽንቱ የለውን ባአንጻሩ ሃገሮም የሃንጹ አለው ኢሰያስ ሰዓብቱን ግን ህዝቢ ተጽንቱ አለኩም እዲያት ዘይብላ ሃገር አምጺኦም እዲያት ክንልቅብ ተወሪድና

    • Tesfay March 3, 2017

      Explain what you mean by adiyat zeybila hager please, what is adiyat really?

      • Habtemariam March 4, 2017

        Dear Tesfay
        Ediyat must be in guragugna or oromugna and not in tigrigna.
        Why don’t some people just use simple old tigrigna language?

      • Desta March 6, 2017

        I guess Ediyat means the colored part of Netsela( the traditional cloth of habesha people. “Kuta does not normally have Ediyat” but the others has colored waved beauty on their boarders.

  • Meretse March 4, 2017

    Tesfay and Habtemariam,
    Selam nAKum,
    If u really wanted to know what “Ediat” is –ask any person who is next to u. His word usage in the scentence is sound and valid.

    • Tesfay March 4, 2017

      Fake memhir or preacher Meretse, let’s assume you are next to me and I am asking you to
      explain what “Ediat” mean? Can u just explain it without giving marks or fake preaching as with
      your past boring comments. Did u also pick your Meretse name to look and sound smarter?

  • Meretse March 4, 2017

    Haw Tesfay
    I am sure you have a neighbor whom u love very much. Due to an extreme love you are losing your mind. My advice to u is show your kindness to him/her and he/she will open his/her door to u. Now go nock the door. Remember what the ….teaches us: love your as u love yourself.

    • Tesfay March 4, 2017

      Memhirey Meretse Asmelash
      Allow me to correct or ask our new fake preacher/messiah M.A, did u mean knock by nock?
      Let me knock then (with lots of love and kindness) on our new fake preacher/messiah M.A to share with us his holy/evil ELF’s dictionary book and simply describe the meaning of ‘ediat’!

  • hidat March 4, 2017

    PH ::……………………………………………………:::WEYANE ABIYOM ILKA NIMEN AMINOM????SHIBIYA AKIMI YEBILOMIN : :TEGAGIKA BETI NAY ALEM BET FIRDI NAY MECHERESHTA BIYIN ZITEWAHABO NIMINTAY NIDIHIT…………..:::KITIMELSO TIHASIB ALEKA KEDEMU WEYENTI WERAR AB RIESI WERAH FETINOM KEMIZEIEWETO MIS FELETU EYOM NAB FIRDI ZIKEREBU…………………ETI NAY TESFAXEYON TIBLO ZELEKA GIN ETI KIKEWIN TEDELYO TIRAH EYU:……….KEMZI TIEZEBO ZELEKA DIRO ALASH ILU EYU:…………..TARIK HIWETU TENBIBKAYO ……………………………..KALAY GIZIE BIZAEB IKUL EYU……:::::::HINUK INTAY YEWIXEE…….AAFRA:

  • Meretse March 5, 2017

    Your correction is appreciated.
    But what makes u surprise by finding so many mistakes? Am i not a fake teacher? A fake teacher who does not even know the difference between hate and love.

    • Tesfay March 5, 2017

      You getting too sexy at your old dying age!! Why all these fake preaching Keshi kushet Meretse? I hope for all your love, kindness and forgiveness you haven’t been crucified by your mujahadeen awate.islam gangsters (your Salehs masters)! Save your preaching for the paradise life though.
      M.A, just out of curiosity but any difference between hate, love and “Ediat”???

  • Meretse March 5, 2017

    You are damn right . I am all the above. I can’t tell how happy i am when i see myself in them
    Try it. U will love it if you have a real heart.
    By the way ediat means surrender.
    I hope now u got what u want.

  • Tesfay March 5, 2017

    Brother M.Asmelash, have a good Sunday, biruK maAlti and take care kubur haw.
    With lots of real love and kind wishes. I miss reading your great old assenna poems so much!!

    • AHMED SALEH !!! March 5, 2017

      It is a puzzle to figure out if we first listen to our heart or to our mind . You start
      disrespecting him for no reason then backed off to be nice . We need to control
      our emotion if we want get along each other . I mean it is okay to criticize or argue
      but no need for unnecessary remarks .

  • Meretse March 5, 2017

    Good night brother
    I had a great time reading comments
    No hard feeling!
    I also would like to thank you about ur positive input.

    • PH March 5, 2017

      መረጸን ተስፋይን እድያት ተማሲሎም ብዘለዎም ስነ-ፍልጠት።Arion ግን ክዓርቆም ኣይደለይን ድዩ ወይስ ንዝያዳ ምርምር ቃላት ተጸቢዩ? ። ብናተይ ርዲኢት ግን፡እድያት ማለት፡ሓባሪ ጫፍ ወይ ወሰን (ብዝተፈላለየ ሕብሪ) ከም ምልክት ዝቀውም መመልከቲቶ ወይሓባሪቶ ናይ ዝኸበረ ልብሲ ከም ንቀሚሽ በቲ ሓደ፡በቲ ካልእ ፍልይ ዝበለ ቅናት ምልክት ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ኮይኑ ይስመዓኒ።ግን፡ናተይ ልምዳዊ ግንዛቢየ እምበር፡ካልእ ውዱዕ ኣፍልጦ የብለይን።

      • meretse March 5, 2017

        ዝከበርካ ሓው PH
        ትርጉም እድያት ካብ’ዚ ዝገለጽካዮ ንላዕሊ !!!!
        ህምምምም — ዙርያ ክንብል እሞ እንደገና ከተጋንየና ድካ ደሊካ።
        ሪኢካ ከይተፈለጠና ቛንቋ ቻይና ኣዛሪብካና ኔርካ።

    • AHMED SALEH !!! March 5, 2017

      Dear Meretse

      ” No hard feeling ” speaks wisdom .

  • Teclay March 5, 2017

    “ኣስመራ ኣብ ኢዶም ኵላ፣ነኣስመራ ክደልዩ ንሳሕል ከይዶም ።ኣስመራ ምስ ሓዝዋ ድማ ንሳሕል ድልዮማ ፣ናብ ሙሉእ ሀገር ድማ ኣእትዮማ ። ” –ሊቀ ሊቃውንቲ ዮሴፍ ገ/ህይወት 04-03-2017.

    • Aba thimmer March 5, 2017

      ናይ ዑሱብ ዑሱብ ከሙኡ ክብል ንፈልጦን ንጽበዮን ኢዩ።

Post a Reply to Meretse Cancel Reply