Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንቀሳቐስቲ ተባሂሎም ሸውዓተ ሰባት ዓሊ ሰባሕ ሰቢሕ ናብ ዝተባህለ ካልእ ቦታ ተወሲዶም

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንቀሳቐስቲ ተባሂሎም ሸውዓተ ሰባት ዓሊ ሰባሕ ሰቢሕ ናብ ዝተባህለ ካልእ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ።

እቲ ኩነታት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣተሓሕዛኦም ብፍላይ ድማ ቀረብ መግቢ ብዝምልከት ሕቶታት ምስ ኣልዓሉ ከምዝተበገሰ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ሃዲኡ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ጅቡቲ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን እሱራትን ብሰንኪ እቲ ኣብ ምልካዊስርዓት ኢሳይያስ መንግስቲ ጅቡትን ዘሎ ምስሕሓብ ግዳይ ኮይኖም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • merhawit August 1, 2015

    As long as the tyrant and his pfdj crime syndicate are in power, the human dignity of eritreans will be violated by even such ministates as Djibouti. What a humiliation, mother Eritrea!!

  • nationalist eritrean August 1, 2015

    ሰብ እቲ ሃገር ጠፊኣን ክትዓኑ ቀሪባን ዝብሎ ነታ መሬትን ነቲ ቅርጻ መንግስትን እዩ።ሃገር ካብ ትጠፍእ ጸኒሓ ኣላ።ኣበይ ኔርና ኢና ዝብል ዘረባ ኣዎንታዊ ቃና የብሉን።ሰብ ኣብ ዝተፋላለየ ጊዜ ነገራት ይበርሁሉ።እወ ጊዜ ሓልዮም ዝመጹ ተበለጽቲ ኣለዉ። ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ብልቡ ጽቡቕን ቅኑዕን ከም ዝትምነ ርኡይ እዩ።እቲ ጸገምና ግን ጉዳይ ህዝቢ ይኹን ሕቶ ሃገር ኣብ ክንዲ ብሓንጎልና ብልብና (ስምዒት ፣ኢሞሽን)ካብ ንግምግሞን ንርእዮን ሓምሳ ዓመታት ሓሊፉ።ሃገር ማለት ህዝቢ እዩ።ህዝቢ ክጠፍእ ከሎ ካብ ምሕዛን ንላዕሊ ምንም ዘይተለዓዓልና ሕጂ እቲ መሬት (ናብ ዝኸዶ ዘይብሉ)፣ብሓቂ ብእኡ ሓሚምና ክንሓብር ዲና ፧ ይግበረልና ኸ።ድሓር ናይ መሬትን ቅርጻን መንግስቲ ምህላው ኣነኣኢሰዮ ኣይኮንኩን።ግን ቅድሚ መሬት ህዝቢ ሂወቱ እናጠፍኤ፣ በደዊን ብምትሕብባር ኤርትራውያን ሰብ ንግዲ ኣዋልድ ሓሊፎም ኣወዳት እናዓመጹ፣ ብዓል ቤት ምስ በዓልቲ ቤቱ ብበደዊን እናተጋህሰ__ኣብ ቪድዮ ኡይ እናበሉ ህዝብና ዘየተሓባበረና ጉዳይ መሬት ዘተሓባብረና እንተኾይኑ፣ነቲ ምትሕብባር ከይገደፍና ግን ኣእምሮታትና ድማ ንመርምር። ንህዝቢ ካብ መሬት ንታሕቲ ክንሪኦ ዝጸናሕና ኣረኣእያ ነዔርዮ።
    ብኣእምሮን ብሕልናን ብዘይሸነኸይ ሸነኽካን ዝ ሃነጽናዮ ሕብረት እዩ ዘዐውተና።ርእሰ ነቐፌታ ዝምህረና ኢና ንደሊ እምበር፣ኢሳያስ ሓራድን ጨቋንን ኢዩ ኢሉ ነቲ ርኡይ ዝገልጸልና ፣ወይ ክኣ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና፣ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን መፍትሒ ካብ ማርስን ፕሉቶን ዝእዝዘልና ድኣ እንታይ ክፍይደና፧ ሃገር ትጠፍእ ኣላ ክብሃል ከሎ ግፍዒ ህዝብና ከምዚ ኣብ ጅቡቲ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።ኣሰና፣እዝግሄር ይባርኽኩም ስለ ኹሉ ትገብርዎ_ ሕማምና እዩ ስቓይ ህዝብና ከም ዘይንርኢ ዝገብረና።እቲ ቡልሺት ዝኾነ ቅድሚ ኩሉ መሬት ጭርሖ ድማ ህዝቢ ከም ዘይንርኢ ጌሩና።

Post a Reply to merhawit Cancel Reply