Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዶብ ግብጽን ሊብያን ዝተታሕዙ 105 ኤርትራውያን ኣብ ኣስዋን ተኣሲሮም፣ ሓገዝ ይጽበዩ።

ካብ ሱዳን ጫፍ ግብጺ ቆሪጾም ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኣስታት 40 ደቂንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከቡዎም 105 ኤርትራውያን ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ዶብ ግብጽን ሊብያን ተታሒዞም ኣብ ኣስዋን (ግብጺ) ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ትማሊ ንድምጺ ኣሰና ኣብ

ካብ ሱዳን ጫፍ ግብጺ ቆሪጾም ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ኣስታት 40 ደቂንስትዮን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከቡዎም 105 ኤርትራውያን ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ዶብ ግብጽን ሊብያን ተታሒዞም ኣብ ኣስዋን (ግብጺ) ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ትማሊ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።

እቶም ናይ መግቢ ሕጽረት ከምዘለዎም ዝገለጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዛጊት ኩነታቶም ብመንግስቲ ግብጺ ይኹን ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተገዳስነት ከምዘይረኸበ ብምጥቃስ፣ ኣንፈቶም ጠፊኡዎም ከምዘሎ ሓቢሮም። ኤርትራውያን ይኹኑ ኣህጉራውያን ማሕበራት ኣቓልቦ ክገብሩሎም ከኣ ጸዊዖም።

እቶም ብሓንቲ ንእሽቶ መኪና ተመሪሖም ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ይጓዓዙ ከምዝነበሩ ዝገለጹ ዜጋታት፣ ብቕድሚኦም ኣሽሓት ኤርትራውያን ናብ ሊብያ ከምዝኸዱ፣ ብድሕሪኦም ‘ውን ኣብ ካርቱም ንጉዕዞ ዝዳለዉ ዘልዉ ብዙሓት ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ኣብ ምንቅስቓስ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ መንእሰይ “እምበር ዶ ኣብ ኤርትራ ሰብ ተሪፉ ‘ሎ” ዘብል ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ገሊኦም ብኢትዮጵያ ተዃሊሎም ገሊኦም ከኣ ብቐጥታ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ብምምጻእ ጉዕዞኦም ናብ ሊብያ ዝቕጽሉ ዝነበሩ እዮም።

እቶም ብ 3 ጥቅምቲ 2013፣ 357 ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ንጉሆ ብጅምላ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ ከምዝሃለቑ ምፍላጦም ዘይሓብኡ ኤርትራውያን፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ዝጠራጠሩ ኳ እንተኾኑ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከምዘሰቀቖም ብምጥቃስ፣ ነቲ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዕዞ “ኣሳፊሕካ ሞት ተኾርሚኻ ሞት” ኢሎም ንዕድሎም ይኣትዉዎ ምህላዎም ይሕብሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
28 COMMENTS
  • Bokre April 8, 2014

    Kebesa Eritrea is done. You better cry for it while there are some people still left walking to hear the eulogy. bebHde: seb weHade:
    Without the Kebesa, there will no scent of Eritrea or any worthy people to hold it.

    Thanks YG for predicting this right years ago:

    “If there is any doubt that Kebessa Eritrea is on its way to extinction and, consequently that Eritrea is on its way to disintegration, this news article makes it crystal clear even for those with few brain cells left in their head. Yet, the immensely retarded Kebessa elite, that time and again have failed to read the writing on the wall, keep obliviously discussing about democracy, the type of government the want to install post-Isaias (federalism or centralized), the national languages they want to impose on the masses, about a revolution that never came to be (Forto), about disrespect shown to Awate, “jemar sewra” etc – all these subjects being the trademark of all the Bayto meeting in Addis.The last thing they want to talk about is the existential predicament that they are facing as a people. It seems to me that if certain people have to go extinct, a necessary condition is that they shouldn’t be aware that they are on their way to extinction – if so, the Kebessa elite happen to fulfill that requirement, par excellence.”

  • I would like to assenna’s voice at every time to change isyas afewerki’s rule

POST A COMMENT