Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ዝዓረፈ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ ንኽልተ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢራ።

ዝሓለፈ ቀዳም 15 ለካቲት ብሕማም ምኽንያት ዝዓረፈ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ምንቅስቓስ ኣባላት ምክልኻል ካብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣትሒዙ ንኽልተ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ

ዝሓለፈ ቀዳም 15 ለካቲት ብሕማም ምኽንያት ዝዓረፈ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ምንቅስቓስ ኣባላት ምክልኻል ካብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣትሒዙ ንኽልተ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢራ።

እቲ ሓበሬታ፣ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ስዉእ ወዲ ዓልን ብጾቱን ምንቅስቓስ ኣብ ዘካየዱሉ እዋን ናይ መንጎኛነት ተራ ከምዝነበሮ ይጠቅስ። ሓንሳብ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምስ ተዳጎነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ገዛ ቴለፎኑ ቆሪጹ፣ ሞባይሉ ከምዝመንዘዖ፣ ኣብ ናይ ቤተሰቡ ቀብሪ ይኹን መርዓ ካብ ምስታፍ ከይተረፈ ተኣጊዱ ከምዘነበረ ‘ውን የረድእ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓሚሙ ንሞት ምስ ቀረበ፣ እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ካካይ ብቤተሰቡ ተስነዩ፣ ከም ተራ ሰብ ንሕክምና ናብ ሱዳን ድሕሪ ምኻዱ፣ በቲ ዝሓደሮ ሕማም ጸላም ከብዲ ተሰኒፉ ዓሪፉ። እቲ ስርዓት ንሕክምናዊ ወጽኢታቱ ስለዘይከፈሎ ድማ፣ ብፍላይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ቤተሰቡ ኣዋጺኦም ሸፊኖሞ።

ስርዓት ህግደፍ ናይቶም ናብ ሱዳን እናኸዱ ዝሕከሙ ካልኦት ታሕተዎት ሓለፍቲ ከይተረፈ ሕክምናዊ ወጻኢታቶም ባዕሉ ከምዝሽፍኖ ይፍለጥ።

ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ካካይ፣ “ናይ ፖለቲካ ተገዳስነት ዘይነበሮ፣ ኣብ ናይ ውድበይ ውድብካ ጭቕጭቕ ኢዱ ዘይሕውስ፣ ወትሩ ከየሻረወ ክኸይድ ዝፍትን ውፉይ ወተሃደር ከምዝነበረ” ናይ ነዊሕ ዓመታት ብጻዩ ምዝካሩ ዓዋተ ትጠቅስ።

ኣሕመድ ካካይ ኣብ ከባቢ ዙላ፣ ኣፍታ ኣብ እትብሃል ዓዲ ዝተወልደ ኣብ መፋርቕ 60ታት ናብ ሰውራ ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
39 COMMENTS
  • tesfay February 20, 2015

    kakay jegna nay Eritrea eyo . hemak zeyweso nekulu texaweru zkeyed. iseyas hazinu teraiyo ab kebre gen abbey neru azi kulu ametat kakay kesake , wdi efrem ke ?

POST A COMMENT