Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ኣባላት መበል 27 ዙርያ ናይ ማትሪክ (መልቀቂ ፈተና) ውጽኢቶም ንምፍላጥ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሳዋ ክምለሱ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክስልጥኑ ዝጸንሑ፣ ትማሊ ቀዳም 26 ሓምለ ነናብ ገዝኦም ንዕረፍቲ ክኸዱ ዝተፈቕደሎም ኣባላት መበል 27 ዙርያ፣ ናይ ማትሪክ (መልቀቂ ፈተና) ውጽኢቶም ንምፍላጥ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሳዋ ክምለሱ ብሓላፊ መዓስከር ሳዋ ኮለኔል

ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ክስልጥኑ ዝጸንሑ፣ ትማሊ ቀዳም 26 ሓምለ ነናብ ገዝኦም ንዕረፍቲ ክኸዱ ዝተፈቕደሎም ኣባላት መበል 27 ዙርያ፣ ናይ ማትሪክ (መልቀቂ ፈተና) ውጽኢቶም ንምፍላጥ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሳዋ ክምለሱ ብሓላፊ መዓስከር ሳዋ ኮለኔል ደበሳይ ግደ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ቀንዲ ምኽንያት ናይ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣሊሙዎ ዘሎ ውዲት ‘ዚ፣  ነቶም መሕለፊ ውጽኢት ዘይረኸቡ ብኡ ኣቢሉ ኣብ ሳዋ ኣትሪፉ ናብ ዝደለዮ ከዋፍሮም ስለዝደለየ ምዃኑ ወለድን ተማሃሮን ይዛረቡ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ኣብ 24 ዙርያ፣ኣብተማሃሮድሕሪ ዘጋጠመ 2 ነፍሰ ቅትለትን ብዙሕ ናይ ነፍሰቅትለት ፈተነታት ንውጽኢት ማትሪክ ተመሃሮ 25ን 26ንዙርያታት ናብ ቤቶም ምስ ተመልሱ ክንገሩ ከም ዝተገብረ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ናብ ኮለጃት መሕለፊ ነጥቢ ዘይረከቡ ተመሃሮ 26 ዙርያ ናብ ሳዋ ክምደቡ ኢሎም ድሕሪ ምኻዶም፣  ንመዓልታት  ብኣጋር ድሕሪ ምጉዓዝ ኣብ ኣፍዓበት ንኣዋርሕ ኣብ በረኻ ይኽርትቱ ምህላዎም ይፍለጥ።

እዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣዳልዩዎ ውጥን፣ ምስቲ ኣብ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ዝነበረ ብኢሳይያስ ካብ ኣዘዝቲ ብርጌድ ንላዕሊ ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ፣ ምጽንቃቕ መሳርዕ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ቀጥታዊ ግብረመልሲ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ንሳዋ ክብገሱ ካብ ዝነበሮም ተመሃሮ 11 ክፍሊ ብዙሓት ተመሃሮ ተሪፎም ይርከቡ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት ካብ ኣስመራ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ባርካ ብድሮፕ ኣውት ጥራይ 54 ተማሃሮ ተሪፎም ኣለዉ። ካብ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ ‘ውን  ልዕሊ 200 ተማሃሮ ከምዝተረፉ ተፈሊጡ ‘ሎ።  እዚ ተርእዮ’ዚ  ኣብ ኩለን ናይ ኣስመራ ቤትትምህርትታት ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ይሕበር።

እቲ ቁጽሪ ብልክዕ ኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ሎሚ ዘበን ናብ ሳዋ ዝኸዱ ቁጽሪ ተማሃሮ ካብ 10 ሽሕ ከምዘይበዝሕ ሓበሬታታት ኣሎ።

 

ሓንቲ ኣደ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ብዝተኣሳሰር ካብ ኣስመራ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፣-

ሰላም ድምጺ ኣሰና ሓንቲ ነገር ከነካፍለኩም፣ እቶም ቀዳሞት ናይ 26 ዙርያ ኣገልግሎት ወዲኦም ምስ ተመልሱ ውጽኢት ኣብ ኣስመራ እዮም ተነጊሮም። ካልኣይ ተመለሱ ምስ ተባህሉ ዝተመልሰ ተመሊሱ ገለ ከኣ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ። ሕጂ ግን እዞም መበል 27 ዙርያ ናይ ሓደ ወርሒ ዕረፍቲ ጥራይ ተዋሂቡዎም፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብ ሳዋ ተመሊስኩም ኢኹም ውጺእት ትንገሩ ተባሂሎም፣ መታን ኣብቲ ካልኣይ ጻውዒት ኣብ ገዝኦም ከይተርፉ። ሕጂ ገዛውትና፣ ብሉኡ ደቅና ከይንሰድድ ናይ ውጺኢት ባዕሉ ይፈልጥ፣ ደቅና ይዓብዩና ይብል ኣሎ። ምኽንያቱ፣ እቶም ናይ መብል 26 ዙርያ ካልኣይ ምስ ወሰዱዎም ኣብ በረኻ እዮም ደርብዮሞም ዘለዉ። ኣማኑኤል፣ ብፍላይ ነዞም ኣብ ስደት ደቆም ሓቝፎም፣ ዓድና ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ ኤርትራውያን ዓገብ በሉልና። ፍላይ ከኣ ነተን ቃንዛና ምስቋር ኣብዩወን ዘለዋ ኣዴታት ኣምላኽ መስጣ ደቅና ኣብ ደቀን የርእየን ። እንተ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኣምላኽ ራህዋ ይፍጠረሉ። ኣማኑኤል ሓወይ፣ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት እዩ ኣብ ዓድና ወሪዱ ዘሎ። ኣምላኽ ይሓግዘና።

ሓንቲ ወላዲት ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Letay July 28, 2014

    aye Ertra wurdetn Hsemn kertetn Trai koyna terifa::
    wey ane teHatsibqa nab chiqa?

    Hatsey Hailselasie ‘ab meqabrom koynom bwdqet Ertrawyan;
    b barnet ‘ab tHti hgdefn saHsaH Arabn ygremu yKonu:

    Bani, Taf, Eletrik, lamba, transport, geza Kray, … kulu Husur nieru;
    ab nay Hgdef Ertra gna seb Trai ‘yu Husur::

    qedem Abeyti zregemwo sewra … ::

  • tihisha July 29, 2014

    Amanuel imo bjeka moitom hakikom tefiom ……………..kali zeqrbo wudun habereta yelon. gazetenga diyu ke n mukanu . microphone sle zehazka diyu !

  • Yohannes July 29, 2014

    1. What should be done to shorten the time of misery?
    2. What should be done to pull Eritrea out of this quagmire?
    3. What should be done to infiltrate the security apparatus of the regime?
    4. What should be done to start the Eritrean Spring revolution rev?
    5. What should be done to disseminate the facts on the ground to the silent majority?

    What are your ideas?? Let us discuss.

    • semira July 29, 2014

      ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
      ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
      ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
      ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • WediHagher July 29, 2014

    “Hatsey Hailselasie ‘ab meqabrom koynom bwdqet Ertrawyan;
    b barnet ‘ab tHti hgdefn saHsaH Arabn ygremu yKonu”

    Letay aka Bokre, Kombishtato

    In Tigray you have enough problems to keep you busy, leave alone Eritrea.
    Mind your business.

  • MightyEmbasoyra July 29, 2014

    “ኣማኑኤል፣ ብፍላይ ነዞም ኣብ ስደት ደቆም ሓቝፎም፣ ዓድና ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ ኤርትራውያን ዓገብ በሉልና። ፍላይ ከኣ ነተን ቃንዛና ምስቋር ኣብዩወን ዘለዋ ኣዴታት ኣምላኽ መስጣ ደቅና ኣብ ደቀን የርእየን ። እንተ ንህዝቢ ኤርትራ ግን ኣምላኽ ራህዋ ይፍጠረሉ። ኣማኑኤል ሓወይ፣ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት እዩ ኣብ ዓድና ወሪዱ ዘሎ። ኣምላኽ ይሓግዘና።”
    I would say this is the highlight of this article.

  • ERITRAWIT July 29, 2014

    kdemey hjey netbey zeyemsakum nay Egrey gozo b mbal bezhat menseyat ab megedey kemzmotew yflet. hjeka abey atewom keytebahle kemew ktefew eyom.
    Amlak balew skay hzbna yehsero.

  • Tamrat Tamrat July 29, 2014

    23 years ago only some 10 thousands cluless tegadalis you have to struggel With but now you have more than 500,000 brain washed sawa children. Wheter you like it or not the future of Eritrea is under sawa children. If you have a better way to save Eritrea from thses 500,000 recuritees then it could have worked long long time ago.

    There is only one thing is remaining. Accepting Eritrea as it is. Period.

  • Abisho July 29, 2014

    Hi Brother Tihisha
    Iwant say some thing you complained for Mr. Amanuel Eyasu, you said”is he a journalist or what is he,and Just he said Moitom”?
    kkkkkkkkkk you are funny first of all you have to know your position, and your duty instead of criticize for the one who our Hero Amauel Eyasu. if you understand due to Amanuel the whole Eritrean people became organize,and ready to disappear for our enemy that was the regime of Hgdef this is the main point, if you are supporter of HGDEF, you are right you can criticize for Amauele, because you don’t like to peace for our people, other wise no body heard you to complain to Ama.Amanuel Eyasu he will be the leader of our Country you have to know from now okay.you regret he was advocate to our people i understand you. Finally instead of lost your time you have to learn okay, because your idea was looks like produce from uneducated people, i can’t say nothing this was my Advice for you.
    my Brother Tihisha don’t talk with Amanuel Eyasu.

POST A COMMENT