Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ካናዳ ክፍሊ ሃገር ኣልበርታ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መበል 23 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኤድመንተን ናይ ክልተ መዓልታት ዕዉት ጽምብል ኣካይዶም።

ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ክፍሊ ሃገር ኣልበርታ ኣብ ዝርከባ ዊኒፔግ፣ ካልጋርን ካልኦት ከተማታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ማዕረ 1300 ኪሎሜተር ብመካይን ተጓዒዞም ናብ ከተማ ኤድመንተን ብምጋሽ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንመበል 23 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ንክልተ መዓልታት

ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ክፍሊ ሃገር ኣልበርታ ኣብ ዝርከባ ዊኒፔግ፣ ካልጋርን ካልኦት ከተማታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ገሊኦም ማዕረ 1300 ኪሎሜተር ብመካይን ተጓዒዞም ናብ ከተማ ኤድመንተን ብምጋሽ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንመበል 23 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ንክልተ መዓልታት ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ጸምቢሎሞ።

ኣብቲ ብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተወደበ ብዝሒ ተሳታፍነት ዝተራእየሉ ጽምብል፣ መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ተረኺቡ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ፍልልያቶም ኣወጊዶም ኣብ ሓደ ጽላል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምጥርናፍ ድሕነት ሃገርን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ምርግጋጽ ክገብሩዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኣበርክቶ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኤርትራውያን ካናዳውያን ብዘካየዱዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እቲ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ክፍሊት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝእገድ ኣብ ልዕሊ ምግባር፣ ቆንስል ናይቲ ስርዓት ብመንግስቲ ካናዳ ናብ ኤርትራ ክስጎግ ክገብሩ ምኽኣሎም ኣብነታዊ ስጉምቲ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ቀዳማይ ዕላማ ኣተኵሮም ብሓባር እንተተንቀሳቒሶም ዝበለጸ ውጽኢት ከመዝግቡ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሩ።

edmenton_photos_1-2ኣብ ክልቲኡ መዓልታት እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ብሙዚቃዊ ሞያኡ ህርኩት ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ድምጻዊ ኣሮን ነጋሲ እዋናዊ ሃገራዊ ደርፍታት ብምቕራብ ኣዘናጊዑ።

ኣብቲ ጽምብል ንምስታፍ ካብተን ሓያለ ከተማታት ዝመጹ መንእሰያት ‘ውን ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምድራኽ ክጻወቱዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ እጃም ምይይጥ ኣካይዶም።

edmenton_photos_3

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • mesab June 1, 2014

    amanuel iyassu, you r an amaizing citiezen .if every single Eritrean can contribute like what you are doing now,the days of the lunatic dictator and his regime would be numbered.keep up the good work.

Post a Reply to mesab Cancel Reply