Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ከባቢ ሸገራብ ራሻይዳ 8 ኣዋልድ ዝርከባኦም 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝጨወዩ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ሸገራብ ዝርከቡ ራሻይዳ፣ ትማሊ ሓሙስ 4 ሰነ፣ ብሓልዮት U.N.H.C.R. ብሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ካብ ወዲ ሸሪፈይ ናብ ሸገራብ ንዝጓዓዙ ዝነበሩ 70 ኤርትራውያን ብምኽታር፣ 8 ኣዋልድን 6 ኣወዳትን መመሪጾም ጨውዮሞም ከምዘዱ

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ሸገራብ ዝርከቡ ራሻይዳ፣ ትማሊ ሓሙስ 4 ሰነ፣ ብሓልዮት U.N.H.C.R. ብሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ካብ ወዲ ሸሪፈይ ናብ ሸገራብ ንዝጓዓዙ ዝነበሩ 70 ኤርትራውያን ብምኽታር፣ 8 ኣዋልድን 6 ኣወዳትን መመሪጾም ጨውዮሞም ከምዘዱ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም 4 ዕጡቓት ራሻይዳ እታ መኪና ሸገራብ ክትኣቱ ኸላ ሓደ ኪሎሜተር ክተርፋ ኸሎ እዮም ከቲሮም ነቲ ጭውያ ፈጺሞሞ። ካብታ ናይ ጽዕነት መኪና ዘሊሎም ክሃድሙ እግሮም ዝተሰብሩ ክልተ መንእሰያት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ጭውያ ራሻይዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ከባቢ ሸገራብ ጥራይ ዘይኮነ ዋላ ካብ ውሽጢ ‘ቲ መዓስከር ግኑን ከምዝነበረ ዝፍለጥ ክንሱ፣ U.N.H.C.R. 70 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ብዘይ መሰነይታ ዕጡቓት ከገዓዕዝ ምፍታኑ ብጭውያ ናይዞም ንጹሃት ግዳያት ኣላፍነት ክስከም ኣለዎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Tseggai Isaac June 5, 2015

    መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ገበን እዚ መሪር መልሲ እንተድኣ ዝይሂቡሉ፡ ኣብ ታሪኽ ኢርትራ፡ ኣቶ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ብህዝቢ ኤርትራ ክሕተቱሉ እዮም። መሪር ግብረ-መልሲ፡ ንራሻይዳ ካብ መሬት ኤርትራ ሓጕሒጉ ዝጉሕፈሉ ሓይሊ ኣዘውቲሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሬሳታት ራሻዳን ዝዓነወን ዝበረሰን ንብረቶም ዘሎዎ ምስክር ተግባራቱ ንህዝቢ ኤርትራ ከበርክት ኣሎዎ። ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘቦ ዘሎዎ ኸኣ፡ ራሻይዳን ኣዕራብን ጸላእቲ ኣፍሪቃውያን እዮም። ክርስትያን ኮነ፡ ኣስላማይ፡ ኣፍሪቃዊ ብዓይኒ ኣዕራብ ብንዕቀትን ብፍንፉን ርእይቶን እዮም ዝግምቱዎ። ብባህሎምን ብተግባራቶምን ሕሱም ፍጻሜ ንኽፍጽሙ፡ ነቲ ካብ ዓሌቶም ዘይኮነ ሰብ ከኣ ብጭካኔን ኣረሜናዊ ግብሪን ክሕፍሩዎን ክቐትሉዎን ብሰብኣዊ ሕልና ኣይትንከፉን እዮም። ራሻይዳ ካብ ኤርትራ ክወጹ ኣሎዎም። ኣብቲ ዘሎዉዎ ቦታ ብሓዊን፡ ብስሕለት ካራን ሴፍን ብልሳን ሃልሃልታ ሓዊን ክበርሱ ኣሎዎም። እዚ ዝገብሩዎ ዘሎዉ ድፍረት ጋር እዩ። ብደም ጥራይ ከኣ’ዩ ዝድቅስ። ኢርትራውያን ኩልና ተድፊርናን ብዘሕፍር ተግባር ተጋሂስና ኣሎና። መልሲ ኣብ ደምበ ራሻይዳ ኣሎና። ክይተፈድየ ክንድቅስ ኣይግብኣናን። መንግስቲ ኤርትራ ትሕተቱ ኣሎኹም። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘነወረ ግብሪ መልሲ ሃቡሉ እሞ ኣርእዩና።
    ጸጋይ ይስሃቅ

    • abarhqm June 5, 2015

      pleaase don.t blame them, the rashayda.the cause of the Problem is HGDEF:

      • Keren June 5, 2015

        እዋይ ዉርደት! ተናዒቕና ጠይቂ ዓረብ በደዊንን ራሻይዳን ካብ ንኸውን ዓመታት ሓሊፉ እንከሎ፤ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይኹኑ፣ ካብ ደገፍትን ቲፊዞ ስርዓት ህግደፍን፣ ካብቶም ከም ጣኦት ገለ ኤርትራውያን ዘምልኽ ዋም ጎይቶትና ዓረብን: ማሕበር ዓረብን፣ ነዚ ኩሉ ኣውያት ብኽያትን ስቅያትን ኤርትራውያን ግበረ መልሲ ይትረፍ፤ ቃል ውን ዘይምድሃዮም እዩ።

        ቀደም ብደናቑርና ከለና፣ ንኻለኦት ኣሕዋትናን ጎረባብትናን ” ኣድጊ ! ቻ! ” እናበልና ንጸርፍ ኔርና፣ ንሕና ግና ጠይቂ ዓረብን ራሻይዳን ኴን ምትራፍና ኣዝዩ ስግኒጢር ናይ ዕሽነትና ግርም እዩ ዝብለኒ።

        ————-

  • hagerawi June 5, 2015

    geben ab leli ntsuhat eritreawyan ksab meas ……………………

  • Habte June 5, 2015

    መወዳእታ ዘይብሉ መርድእ!!!!
    እዋይ ጉድ መሪር ሓዘን ንምስምዑ ጥራይ የቐንዝወካ! ጠንቂ ስቅያትና እዚ ዕቡድ ከልቢ (ኢሰያስ) መንሽሮ ኤርትራን ጉጅለኡን እዮም! ህዝቢ ኤርትራ ጠንቂ ናይ ኩሉ ጸገሙ እዚ ዕቡድ ከልቢ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ሆ’ኢሉ ተላዒሉ ፊት ንፊት ክሳብ ዘይመከቶ ስቓይና መወዳእትኡ ፍሉጥ ኣይክኸውንን’ዩ።

    ብራሻይዳውያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዕን ዝፈሰሰ ደምናን ግን ሕነ እንፈድየሉ እዋን ክመጽእ’ዩ።

  • Fisehaye June 5, 2015

    Isias is behind all the evil things.
    The Eritreans if they do not destroy Isias
    he will distroy them.
    So deeds not words

    Fisehaye

  • Eritra June 5, 2015

    The Eritrean regime and Rashaida bandits are business partners. Smuggling and kidnapping is the domain of their strong business partnership. Higdef kidnaps people from Khartoum with the help of Sudanese security agents, do you think they cannot stop the kidnapping by complaining to Sudanese authorities ?. They will never do that, because they are heavily involved in all crimes perpetrated against their own citizens in Sudan. Is it difficult to send a warning letter to Rashaida tribal chief in Kassala ?

  • Keren June 5, 2015

    ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓረብ መጻወቲ ዘይጠቕሙ ኮይኑ ተናዒቑ ተሪፉ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ሊብያ፣ ግብጺ፣ ሱዳን፣ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዩ ግኑን ኮይኑስ፣ ንኤርትርውያን ንባርነት ዓቢድነት ምሻጥ ምልዋጥ፣ ንደቀንስትዮ ኤርትራውያን ብወሲብ ምዕማጽ፣ ኮላሊቶም መዝሒቕካ ምሻጥ፣ ንወለዶም ሓውሉ ሳላሳን ሰልስተን ሺሕ ዶላር እናበልካ ምክልባትን ምስርጣይን፣ ከይኣክል ባህ እንተበሎም ድማ ድላዮም ጌሮም ንኤትራውያን ቀቲሎም ከም ኮንዶም ምጕሓፍ ልሙድ መለለይ ኤርትራውያን ግዳያት ካብ ዝኸውን ሓጺር ኣይገበረን። እዚ ነቶም ብኢድ ጀሃዳውያን ዳዕሽ ኣይሰስ ተጨውዮም ተኣሲሮም ዘለዉ፣ ብሓይሊ ተዓሚጸን ሓዳር ክገብራ ተገዲደን ዘለዋ፣ ተሓሪዶምን ተሪሽኖምን ዘለዉ እውን ወሲኽካ እዩ።

    እቲ ቀንዲ ሓላፍነት ናይዚ ዉርደትን ሕስረትን ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቀንዲ ሕማም ናይዚ ኩሉ ዉርደት ግና ናይ ኩላትና ኤርትራውያን እዩ።

  • Metkel June 5, 2015

    The Sudanese government should take full responsibility for these crimes against Eritrean- asylum seekers.These crimes are happening
    everyday by the Sudanese police and secret service for years. The Sudanese secret service and PFDJ {Teklemanjus] are behind Reshaydas.

    • yohannes June 7, 2015

      Why the Sudan government should take care of Eritreans if themselves are problem makers.
      We have to stop to blame others. Eritreans should rise theirproblem by themselves

  • habtom June 5, 2015

    AMLAK MEWASEO YEFTERALOM ENTA RASHAYDA ZEBHALO ALATE GINE HADDE MEALTY NAYZKOLO ZEGBERWO ZALWO TEGBARAT KIFEDAYWO MEKOWANOM EMNATAY EYO NE GEDAYATE GINE AMELAKE MEWASEO YEFTARALOM AMEN

  • Teclay June 5, 2015

    “ገሪምንስ ገሪማ ኣውጺአላ” በለ ሰብኣይ

    ኣንቱም ሰባት ናይ ሓሶት ባቡር ተሰቒልና ፣ኣብዚ ናይ ዐለምና ናይ መወዳእታ ኩርናዕ ውርደት በጺሕና፣ሕጂ ኸ ናበይ? እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና እኳ ቀደም ቀቢጸን እየን ፣ከምቲ ልሙድ ውርሻ ኣቦታትና ሒነ ዝፈድዩ ኣሕዋት ከም ዘይብለን፣እንታይ ድኣ ሓድነት ኣፍሪሶም ሓድነት እናበሉ ዝዝምሩ ኣምሰልቲ(hypocrites)።ዓሻ ኣለኻ ዶ?እዚ ልምምድ እዩ ጽባሕ ኣብ ከብዲ ኣስመራ ከምዝቕጽል ፍለጥ!
    ኣቤት !ኣቤት !ትፎ ፣ዘይድገም ነውራም ዜና፣ ነውራም ግዜ፣ቶባ ድሕሪ ደጊም!
    እቲ ሓንቲ እኳ ፈውሲ ማሕላ ሓቂ ዘይርከቦ ምህሮ ገድሊ እንታይ በለ ? “ራሻይዳ ምሉእ ብሙሉእ ኣሕዋትና እዮም” ኣየ ምህሮ ገድሊ!
    ዘርኣይ ደረስ ፣ከይትምለስ ፣ዓደ ቦኻ ውርደት ብውርደት ኮይኑ እዩ፣ወረ እውን ከይትሓትት።” ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ ፣ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ…”
    እንተ ንሕና መሽምሽና፣ በድኒ ኮና ዝቐብረና ዝሰኣና እና።

  • lemlem June 5, 2015

    Very Very disappointed. But one day Eseyas and his puppets would be faced with truth what for sacrificed martyrs.And I hope there would be scrutinized calculation with the rashaida.

POST A COMMENT