Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ እዋናዊ ጕዳይ’ስኪ ነድህብ

ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብህሰምን ጭቈናን ክግረፍ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ርብዒ ዘመንዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዘካየድናዮ ተቓውሞ እንታይ ኣፍርዩ ኢልና ምስ እንሓትት ግን በቲ ዝድለ መጠን

ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብህሰምን ጭቈናን ክግረፍ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ርብዒ ዘመንዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዘካየድናዮ ተቓውሞ እንታይ ኣፍርዩ ኢልና ምስ እንሓትት ግን በቲ ዝድለ መጠን ከም ዘይኮነ ርዱእ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ዛጊት ክግበር ዝጸንሐ እዚ ዝስዕብ’ዩ።

ክንገብሮ ዝጸናሕና፡

  • ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር ህግደፍ ክቃለሳ ዝጸንሓን ዘለዋን ሰልፍታት ኣብ ክንዲ ንሃገራዊ ዕላማታት ከም ቀንዲ መቃለሲአን ነጥቢ ዝገብራ ዝያዳ ኣብቲ ንውድበን ወይ ሰልፈን ዝምልከት ካልኣዊ ነጥብታት ኣተ`ኵረን ክሰርሓ ጸኒሐን። እቲ ውድበይ ውድብካ ዝብል ምትህልላኽ ካብ ቅድም ሕጂ ዝሓይሽ ይመስል። ውድባት ንህግደፍ ኣብቲ ዘሰማምዐን ነጥባታት ሓቢረን ብምቅላስ እንተ ዘይኮይኑ ብተናጸል ይትረፍ ኣንጻር ህግደፍ ክዕወታ ህላዌአን ከረጋግጻ’ውን ጸገም’ዩ።
  • ዳርጋ ኩላተን ውድባት በመጠኑ’ውን ማሕበራት ኣብ ኣባላተን ደሞክራስያዊ ባህልን ልምድን ከስርጻ ኣይጸዓራን። ናይ ዝበዝሑ ተቓለስቲ ኣተኵሮ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ኣብ ንናይ ገዛእ ርእሰን ቅዋም፡ ገበናት ህግደፍ ምቅላዕ፡ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ምዝራብ ወዘተ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ክሳዕ መዓስ’ዩ ግን ከምኡ ኢሉ ክቕጽል? ስርዓት ህግደፍ ውዒሉ ሓዲሩ ክወድቕ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ምውዳቑ እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድመና ግትር ምስ በለ ዓቢ ብድሆ ክኾነና ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ዝሓለፈ ጥራይ ምዝራብ ብዛዕባ ናይ ሕጂ ኵነታትን ብዛዕባ መጻኢን ምዝራብ እዋኑ ይመስለኒ። እቲ ቀንዲ ዛዕባይ ንሱ ስለ ዝኾነ ድማ ናብኡ ክሓልፍ’የ።
  • ሓደ ማሕበር ጸኒሕካ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ክልተ ሰልስተ ማሕበራት ምፍንጫል። እቲ ምፍንጫል ሕራይ ጸገመ ኣይኮነ ንበል። እቲ ዝዓበየ ጸገም ኣብ ነንሓድሕድካ ምውንጃልን ምጽልላምን ነይሩ። እዚ ድማ ብፍላይ ነቲ ክምልመል ዝግብኦ ሓድሽ መንእሰይ ተስፋ ዘቝርጽ ነይሩ።
  • ፓልቶክ ሓደ ሓያል መሳርሒ ክነሱ ብሃናጺ ኣገባብ ኣብ ክንዲ እንጥቀመሉ ከም መወናጀሊ፡ መዋዘዪ፡ መቃራሓኒን መባልሒ ግርጭትን ክንጥቀመሉ ጸኒሕና። ብሓጺሩ ፓልቶክ ከም ፍሉይ ጕዳይ እንዳ እቶ በሎ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ብሃናጺ ኣገባብ ዝጥቀሙሉ ሰባት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ግን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዅሉ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ሕጂ እናተመሓየሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ክንርዳእ ግን ግቡእ ይመስለኒ።
  • ኣብ ፈይስቡክ ኣገዳሲ ዘይኮነ ኣርእስቲ ኣልዒልካ፡ ሰብ ሓደ ዕላማ ከለኻ ኣንጻር መቃልስትኻ ሆ! ምባል። እቲ ጕዳይ ኣገዳሲ ወይ እዋናዊ እንተ ዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቂ ናይቲ ምቅርሓንን ምጽርራፍን ጓል መንገዲ ኣልዒልካ ዝብገስ’ዩ። ከም ኣብነት፡ ንባንዴራ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ፈይስቡክ ክተሃናዀቱ ኣስተውዒለ። እቲ ክትዕ ብሃናጺ መንገዲ ዝቕጽል እንተዝኸውን ኣይምተጸልአን ነይሩ። እቲ ጕዳይ ግን ናብ ጸርፍን ምጽልላምን ከድህብ ይርአ። ንምዃኑ ሓደ ነቲ ካልእ እዛ ኣሚንካላ ዘለኻ ባንዴራ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትውክልን እያ ክብሎ፡ እቲ ካልእ ድማ ናትካባ ዘይትውክል ኢሉ ክምልሰሉ ቅኑዕ ድዩ? ብዛዕባ ባንዴራ ይኹን ካልእ ሕቶታት ድሕሪ ለውጢ፡ ኣብ ሃደ ሕጋዊ ባይቶ ዝውሰን ጕዳይ እዩ። መን ሓጋዊ ስልጣን ምስ ሃበና ኢና’ሞ ኣብዚ ኴንና እዝን እትን ክንብል? መጀመርያ እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ነገር ንስራሕ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ዘገድስ ጕዳያት ኣቲና ክንዛረብ ንኽእል።
  • ክትሃርሞም ንዝደለኻ ሰባት መታን ክትረክብ ናብ ዘየድሊ ሕቶታት ብምእታው ሰውራ ሽፍትነት ድዩ ነይሩ ኣይኮነ? ኣብ ዝብል ሕቶ ኣቲኻ ምህውታት’ውን ይርአ። እዚ ሕቶ’ዚ ይዝከረኒ ቅድሚ ሽዱሽተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ’ውን ንብዙሓት ምሁራት ኣብ ክልተ ደምበ ከፋፊሉ ከም ሓዊ ተባሪዑ ዝነበረ ሕቶ’ዩ። ድሒሩ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ’ውን እድሪስ ዓወተ ሽፍታ ድዩ ነይሩ ኣይኮነን? ዝብል ተኣፋፊ ሕቶ ንክንደይ ሰብ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኣእትዩን ዘየድሊ ምቅሕሓር ምስሕሓብን ፈጢሩ ነይሩ። ኵሉ ግን ግዜኡ በሊዑ ቅሂሙ።
  • ሓደ ሓደ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጻ መርበባት ሓበሬታ ዝዝርግሖኦ ንደለይቲ ፍትሒ ዝኸፋፍል ሕቲታትውን ኣይተሳእነን። ከም ዝርድኣኒ ግን እቲ ጸገም ናተን ዘይኮነ ናትና እዩ። ነዚኣተን ዝበላ እንተበላ ጸማም እዝኒ ክንህበን እዩ ዝግብኣና። ምኽንያቱ ዕላማአን ካብ ስራሕና ከብኵራና ስለ ዝኾነ።

ሕጂ ክግበር ዘለዎ ዕማም፡

  • ኣብ እንገብሮ ምቅርራባት ይኹን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ወይ ፈይስቡክ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቈሎጥጥቖን ኣብ ጓል መንገድን ንዛረብ ክንቋየቝ ንውዕልን ንሓድነትና ኣብ ዘደልድል ነጥብታት ምትኳር። ነቶም ስም ኣልቦ ዝኾኑ ንቃልስና ክዘርጉ ዝፍትኑ ሰባት ድማ ኣብ ክንዲ ክንምልሰሎምን ክንጸርፎምን ንፍትን ጸማም እዚ ንሃቦም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ንትሕዝቶ ጽሑፎም ንደምስሶ ወይ ብሎክ ንግበሮም።
  • ኣብ ፓልቶክ ምሁራትን ምኵራትን ሰባት እናዓደምና ብዛዕባ ደሞክራስያውነት፡ ምጽውዋር፡ ኣሰራርሓ ባይቶ፡ ዓይነታት መንግስቲ፡ ንመንእሰይ ዘጋጥሞ ናይ ህይወት ብድሆታት ዝኣመሰሉ ኣርእስትታት ክንምህር ክንፍትን ኣለና። ፓልቶክ ምድፍዕናን ሮኬትናን ምዃኑ ኣሚንና ብግቡእ ንጠቐመሉ።
  • ኣብ ዘለናዮ ማሕበራት ይኹን ውድባት ብደረጃ ሃገር ንሓስበሉ ኵነታት ንኽፍጠር ድፍኢት ምግባር። ቅድሚ ሃገር ዝስራዕ ነገር ስለ ዘይብልና ብቀዳምነት ስለ ህዝብን ሃገርን ሓሲብና ክንቀሳቐስ ክንክእል ኣለና። ነቲ ዘበገሰና ዓቢ ጕዳይ ገዲፍና ኣብ ቀሊል ጕዳያት ብምድሃብ ከምቲ መራሕቲ ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ዝብሉዎ ዝነበሩ ኣብ ክዕብልለኒ እዩ፡ ክውሕተኒ እዩ ዝብል ካብ ስልጣንካ ንምቕዳም ዝግበር ድኹም ኣተሓሳስባ ተናገጊፍና ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ነጥብታት ነተኵር።
  • ተቓለስቲ እናመሰሉ እከይ ዕላማታት ክዝርግሑ ዝፍትኑ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣለዉ። በንጻሩ ገለ ውልቀሰባት ንካልኦት ውልቀሰባት ወይ ጕጅለታት ዝወቕዑ ዘለዉ እናመሰሉን ንደሞክራሲ ደው ዝበሉ እናመሰሉን መርዛም ፖለቲካ ክዝርግሑ ዝፍትኑ ኣለዉ። ህዝብና ኣብ መከራን ሕሰምን ከሎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ህልኽን እንኪሔራን ምእታው ግን ጕዳይ ህዝቢ ከም ዘይዓጠካ ዘመልክት ተግባር’ዩ።
  • ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኣፍደገ ሞትን ህይወትን ክሰሓግ ይርአ ኣሎ። ስለዚ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ማሕበረይ ማሕበርካ፡ ውድበይ ውድብካ ንብል በደረጃ ሃገር ክንሓስብ ብምጅማር ነቲ ክግበር ዝግብኦ ቀድማነታት ሰሪዕና ኣድማዒ ቃልሲ ክነካይድ ኣለና። ኣብ ጀነቫን ኣብ ኒውዮርክን ዝተራእየ ዓወታት ንህግደፍ ኣመና ኣሰንቢዱዎ እዩ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ሓደ ዝተወሃሃደ ውዳቤ ሒዝና ብደረጃ ዓለም ንጥርነፈሉ መንገዲ ምፍጣር የድሊ። ነዚ ንምግባር ግድነት ኣይኮነን ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ ክንኣቱ። እቲ ዘድሊ ብመንገዲ ውሱናት ሰባት ተጠርኒፍና ጽልዋ ንፈጥረሉ ውዳቤ ምስምራት እዩ።
  • ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ሓደ ናይ ዕርቅን ሰላምን መድረኽ ክንከፍት ካብ ሕጂ ምድላዋትና ክንጅምር ክንክእል ኣለና። ነዚ ድማ ብቀዳምነት መራሕቲ ጀብሃ ይኹኑ ህግሓኤ ንዝገበሩዎ ገበናት ብተበግሶኦም ናብ ህዝቢ ብምቕራብ ይቕሬታ ክሃቱ ኣለዎም። እቲ ዘገርም ካብ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ዛጊት ዝኾነ መራሒ ነበር ይቐሬታ ዝሓተተ ዘይምህላዉ እዩ። ሓደ ቅኑዕ መራሒ ንህዝቡ ብትብዓት ይቕሬታ ዝሓትት ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ንገዛእ ርእስና ልዕሊ ህዝቢ ንሓስባ እንተ ኣሊና ድማ ንህዝቢ ክነገግል ዘይኮነ ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክንኵደም ንደሊ ኣለና ማለት’ዩ። ንህዝቢ ግን ክንመርሖ’ምበር ክንኵብኵቦ የብልናን! ነዚ ንኽንገብር ድማ ምስ ማዕበል ክንጐዓዝ ዘይኮነ ምሉእ ሓይልናን ኣእምሮናን ኣብ ቃልሲ ጸሚድና ከም ሓደ ሰብ ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ብሓባር ክንምርሽ ኣለና።
  • ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እንነብር ዜጋታት ካብቲ ንነብረሉ ዘለና ሕብረተሰብ ክንመሃር ንፈትን። ወዲሰብ ዘለኣለም ከም ዝዕለም ዘሎ ወተሃደር ኣብ ሓደ ቦታ ጋም! ማን! ክብል ኣይነብርን እዩ። ዓሚ እንታይ ነይረ ሎምዝበንከ? ኢልና ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ኣለና። ምጽውዋር፡ ሓሳብ ሓውና ምኽባር፡ ምምኽካር፡ ክብሪ ሰብ ምሕላውን መጽሓፍ ምንባብን ዝኣመስሉ ሰናይ ባህልታትን ልምድትታን ክነዝወትር ኣለና። ወዲሰብ ኣብ ቤትትምህርቲ ኣትዩ ጥራይ ኣይኮነን ዝምሃር። ሰናይ ቅነ።

ኣብ facebook ካብ ዝወጽአ ‘ሞ ብሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ተጸሚቑ ዝቐረበ መዘኻኸሪ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • ወዲ ኣይተ November 9, 2015

    መብዛሕትና ወሃብቲ ሪኣይቶ ነተን ኣለዋ ዝብሃላ ውድባት ኢና ንሓሚ።ንነብስና ተውኪስና ግን ኣይንፈልጥን።መራሕቲ ሲኢንና ንብል።ግን፡ንሕና’ከ ተመራሕቲ ዲና? “ጨው ዘይብሉ ምግብን ባይቶ ዘይብሉ ህዝብን ሓደ”ዝበልዎ ራእስ ተሰማ የዘኻኽረና።ደጊያት ባህታ ሓጎስ ኢውን ንመሳፍንቲ
    ትግራይ ኣሚኖሞም ኣይፈልጡን።ስለዚ መራሕቲ ወይ ተመራሕቲ ክንከውን ጨው ክህልወና ኣለዎ።ብቀዳምነት ወያንየ ንዓና አሪትራውያን ጸሊም ተመን ኢዩ።ህግደፍ ከኣ
    ጻዕዳ ተመን ኢዩ።ስለዚ ኢቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ውድባት ወይ
    ማሕበራት ህዝቢ’ውን ከምዝቅልሱ ከገድዶም ዝኺእል ምስ
    ዝዋሳእ ይመስለኒ።

  • kibrom November 10, 2015

    አዝዩ ጽቡቕ ትግባረን መፈጸምትኡን የርእየና።

POST A COMMENT