Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ፓርላማ ሆላንድ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መሓውሩ ናብ ወጻኢ ብምዝርጋሕ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ደው ንምባል ዘሕለፎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣብነታውያን ምዃኖም ብምግንዛብ፣ ዝነብሩለን ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስዳ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ከካይዱ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ፓርላማ ሆላንድ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መሓውሩ ናብ ወጻኢ ብምዝርጋሕ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምእዳብን ውሕስነትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕላውን ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ዘሕለፎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣብነታውያን ምዃኖም ብምግንዛብ፣ እተን ዝነብሩለን

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ፓርላማ ሆላንድ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ መሓውሩ ናብ ወጻኢ ብምዝርጋሕ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምእዳብን ውሕስነትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕላውን ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ዘሕለፎም ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣብነታውያን ምዃኖም ብምግንዛብ፣ እተን ዝነብሩለን ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምታት ክወስዳ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ከካይዱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፓርላማ ሆላንድ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዜናታት ኣሰና ጠቒስናዮም ዝነበርና እማመታት ዳርጋ ንኹሎም ብምጽዳቕ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስዉራትን ቅሉዓት ትካላትን መጋበርያታት ናይቲ ስርዓትን ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ድምጹ ብምሃብ እማመታት ኣጽዲቑ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝበዝሓና ሓበሬታ ጽማቝ ናይቶም ጸዲቖም ዘለዉ እማመታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

1 ይ – ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ስርዓት ዘርብሕ ግብሪ ኣብ ምእካብ ዓቢ ተራ ከምዝጻወት ፍሉጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ኔዘርላንድስ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ 2 ሚእታዊት ግብሪ ክኸፍሉ ስለዝህድድን ዘፈራርሕን፣ ኣምባሳደር ናይቲ ስርዓት ብመንግስቲ ሆላንድ ተጸዊዑ ግብሪ ምእካብን ምስኡ ዝተኣሳሰር ናይ ምፍርራሕ ተግባራትን ደው ከብል መጠንቀቕታ ክወሃቦ፣ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግን እቲ እምባሲ ምሉእብምልእ ክዕጾ፣

2ይ – 50 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሆላንድ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽግዕተኛታት መንግስታዊ ደገፍ ብምዃኖም፣ ኤርትራውያን፣ ነቲ ስርዓት 2 ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ ከለዉ ብተዘዋዋሪ መንግስቲ ሆላንድ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ግብሪ ይኸፍል ኣሎ ማለት ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ሆላንድ ነዚ ዘይግቡእ ክፍሊት ደው ዘብለሉ እማመታት ከውጽእ

3ይ –  ስርዓት ህግደፍ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዝኸፍኡ ምልካውያን ስርዓታት ኮይኑ፣ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕጽረት ቁጠባዊ ምዕባለ ዘይኮነ ብሰንኪ ዓመጽን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ይስደዱ ስለዘለዉ፣ እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ስርዓት ክወሃብ ዝተባህለ ናይ 200 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓቝቦም ንዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕብሓብ ክውዕል

4ይ – መንግስቲ ሆላንድ ነቲ ኣሸባብ ዝብሃል ናይ ሶማል ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ መዝገብ ናይ ኣሸበርቲ ውድባት ክምዝግቦ

5ይ – እቲ ብ መርማሪ ኮምሽን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ዘሰንብድ ጸብጻብ ‘ውን ከምዘረጋገጾ፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ስለዘሎ፣ ነቲ ኩነታት ንምዕራይ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ገስጋስ ስለዘየለ፣ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ንዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ደው ንምባል ግቡእ ስጉምታት ክወስድ መታን፣ መንግስቲ ሆላንድ፣ እቲ ጸብጻብ ናይ መርማሪ ኮምሽን  ናብ ባይቶ ጸጥታ ከተሓላለፎ  ክጽዕር

6ይ – እቶም ኣብ ሆላንድ ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ካብ ዘውርዱሎም ጸቕጢ ምክልኻል ክግበረሎም ስለዝግባእ፣ መንግስቲ ሆላንድ፣ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝርከቡ ምስቲ ስርዓት ኣብ ዝተኣሳሰሩ ከም ኩርኩር ህግደፍ YPFDJ ዝኣመሰሉ ውድባት ዝርከቡ ውድባት ብንጥፈት ዝዋስኡ ሕጹያት ኣብ ዝህልዉሉ ግዜ ከምቲ ናይ COA-volunteers ጽጹይ መጽናዕትን ምጽራይን ከካይደሎም

7ይ – እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብቲ ናይ ታህዲድን ምፍርራሕን ገንዘባዊ ምዝመዛን ዕማም ናይቲ ስርዓት መሳርሒ ምዃኑ ትዕዝብቲ ስለዘሎ፣ መንግስቲ ሆላንድ እቲ ኤምባሲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናዊ ንጥፈታት ዘለዎ ተሳታፍነት ወግዓዊ መርመራ ከካይደሉ

8ይ – ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተረጋገጸ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ምፍጻሙ ከም ኣሸባብ ምስ ዝኣመሰሉ ኣሸበርቲ ውድባት ስለዝተሓባበር እቲ ናይ ዲያስፖራ ግብሪ ድማ ኣብ ምወላ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽበራዊ ንጥፈታት ስለዝውዕል እቲ ናይ ዲያስፖራ ግብሪ ኣብ ሆላንድ ከምዘይሕጋዊ ተግባር ደው ዝብለሉ መንገዲ ንምንዳይ መርመራ ከካይድ ካብ ኣማኸርቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽሪ ክውከስ

9ይ – መንግስቲ ሆላንድ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብ ሆላንድ ዝርከቡ ወከልቲ ናይቲ ስርዓት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣኪቡ ንፓርላማ ከፍልጥ

10ይ – መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፍነት ንዘለዎ ኮምሽነር ነቲ ንስርዓት ህግደፍ ክወሃብ ተወሲኑ ዘሎ ሚልዮናት ይሮ ኣደስኪሉ፣ ኣብ ክንድኡ ን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ከምዝውዕል ክገብሮ ክሓትት ዝብሉ እዮም ።

ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ቅድሚ ሓያለ እዋን ኣድላዪ ጎስጓስን ጻዕርን ብምክያድ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብታ ሃገር ዝእክቦ ዝነበረ ክልተ ካብ ሚእቲ ከም ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝኹነን ብምግባር፣ ንወኪል ናይቲ ስርዓት ናብ ኤርትራ ከምዝጥረዝ ገይሮሞ እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Berhe Tensea July 9, 2016

    This good news, the zombies who drive taxi were and are the main victims. Here in Canada the regime’s representatives were warned on many occasions, and have stopped their illegal activities.
    Here in Canada the regime is working behind community organizations, and not ias a government.
    The regime has few supporters in Winipeg , and Toronto, who are already recorded in the list of kedeat for future reference.,
    Death to the Tembenay and his coward officials.

    • tomas July 10, 2016

      more easier for us now, we send the money direct to Eritrean instead pay here in Canada, sorry about that

      • Berhe Tensea July 11, 2016

        To tomas the zombie,
        You may be too stupid to send your payment to the regime that despises and treats you more than shit.
        By the way if it is not illegal why the regime is forcing you to pay in Eritrea using expensive nethods.
        Some zombies are also paying via Germany.
        Why do you want to pay to a regime that is selling vital organs.
        The regime that destroys martyrs monument during the war for political gain…the regime that is building thousands of prisons.
        The regime is or Iseyas is blessed to have followers like you who are not better than Ahbay Mai Dima

  • Berhe Tensea July 9, 2016

    The Wube or shifta tax is under fire again, first it was in Canada, and now in Holland. The old good days for the mafia regime is over, it no longer collects donations from the zombies.
    Ato Wube is underfire from all directions , and the intense pressure is taking its toll on the worst enemy of the people.
    Next destination for the dictator is Arusha Tanzania , at the African Criminal Court.

    • tomas July 10, 2016

      we still pays in Canada and even still they will pay in Holland too sorry again, very funny from ICC Netherlands to Tanzania hahhahah i feel sorry about you

  • stefanos temolso July 9, 2016

    እዚ ኣብ ሆላንድ ተጀሚሩ ዘሎ እወታዊ ምዕባለ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክትግበር ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘገርም፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኾነ ሃገር ከምዚ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይእሩም ተግባራት ማለት ኣብ ዘይሃገርካ ንሰባት ክተፈራርሕ፡ ገንዘብ ክትእክብ፡ ባህሊዶ ገለዶ እናበልካ ገንዘብ ክትግብት ምፍታን ወዘተ ዝገብር ሃገር ፍጹም ኣይተራእየን። ሃገራት ኤውሮጳ ነዚውን ከሴውዕላሉ ኣለወን። ህግደፍ ኣብ ሃገሩ ከይኣኽሎ ኣብ ሃገር እንዳማቱ ንዜጋታቱ ከፈራርሕ ጸኒሑ እዩ። ወዮ ሎሚ ኮነ ሓምለ ኮነ ኮይኑዎ’ምበር ካልእ ነገር ክገብር ምፈተነ ነይሩ። ስለዚ፡ ሎሚ ነቕነቕ ኢሉ ከሎ ናብቲ ቀሪቡዎ ዘሎ ጸድፊ ነው ነብሎ። ብፍላይ ኣብ ኖርወይ ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ጕዳይዚ ክንጽዕረሉ ኣለና።

  • ኣርዓዶም July 10, 2016

    ኣቲ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ህግደፍ ብሓጺሩ ድርቕና ዘንቐሎ ኢዩ። ድርቕን ኡ ኣብ ህዝቡን ሃገሩን የኺሉ ኣትሪፍሉ ክነሱ፡ ቐጺሉ ቕንኢ ድርቕና ሂትለር ስለዝርኣዮ፡ ንሃገራት ዓለም ክህውኽ ብኣብአን ዝነብሩ ዝተሸቑረሩ ህዝቢ ኤርትራ ጀሚርዎ። ክገርመኩም ግን ዋላሓንቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ንዓለም ክህውኽ ምፍታኑ ኣዝዩ ጽዩፍ ድርቕና ኢዩ።
    ካብ`ቲ ዝሓለፈ 2 ሰሙናት ይገብር ዝጀመሮ ኵኗት ብውሕዱ ከተስተውዕልሉ ይግባእ። እቲ ድርቕንኡን እቲ ተንኮላቱን፡ ኩናት ከይተወልዓ ንዅናት ሓሲብሉ ስለዝጸንሓ፡ ደብዳበ ናብ ቦቶፍሊቓ`ውን ዶሮ ኣዋዲዱ ስለዝጸንሐ፡ ደብዳበ ኣብ ቦቱፍሊቓ ክትበጽሕን ኵናት ክከፍትን ሓንቲ ኮይና። እቲ ደብዳበ ድማ፡ ኢትዮጵያ ክትሃርመኒ ትመጽእ ኣላ ወዘተ ዝብል ኢዩ። ሕጂ ነዚ ከይተንከኻዮ ዝበኪ ቖልዓ፡ ሃገራት ዓለም ሸላል እንተበል ኦ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ መጋበርያ ገይሩ ይጥቐመሎም ኣሎ፡ እምበር ፍጹም ኣብዘብጽሖ የብሉን። እቲ ድርቕንኡን እቲ ዕሽነቱን ግን ዘገርም ኢዩ፡ መጠነ ሂትለር ክትበጽሕ ምድላይ፡ ሕልሚ ቐትሪ ኢዩ።
    ሕጂ`ውን ከምዚ ሆላንድ ወሲዳቶ ዘላ ኩነታት ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክበጽሕ ክንጽዕር ኣለና፡ እቶም ቐንዲ መጋበርያታት ኮይኖም ህዝቢ ዝበታትኑን ዝፈላልዩን ዘለው ፡ ኣለሊኻ ናብ ሕጊ ዝቐርብሉን ብሕጊ መሰረት፡ ካብ ሕጊ ኢሚግረይሽን ርሒቖም ነቲ ተሪሙናን ቐጥቒጡናን ኢሎም ቖረቐት ከም ዝረኽቡ ዝገበረ፡ ተመሊሶም ደገፍቱን ህዝቢ ኣብ ምጉጅጃልን ትዋፊሮም ዝለዘለዉ፡ ንዕኦም ፕሮተክሽን ናይ ካልእ ሃገር ስለዘየድልዮም፡ ዑቕባኦም እንደገና ዳገም ተራእዩ፡ ናብ ሃገርና ዝብልዎ ህግደፍ ዝምለስሉ ኣገባባት ክንምስረት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ክንጽዕር ይግባእ።
    ሓርነት ክሳብ ዘይተረኽበ ኣፎይታ ክህሉ የብሉን።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሓርነት፡ ፍትሒ` ሰላም፡ ግዝኣተ-ሒጊ

  • T belew July 10, 2016

    From one – three it’s okay for request any country even to UN if it’s true the rest is funny. Number 4? Eritrean is not Somalia
    Eritrean is not Ethiopia
    Tigray is in Ethiopia.
    IT IS WHAT IT IS.
    No one can’t changed.
    AND
    Do you now they called a president control the size of 78 Asmara?
    Lol, The Somalia Mayor.

  • PH July 10, 2016

    I feel sorry for those who pay since 90% of us are not paying any more

  • k.tewolde July 10, 2016

    The evil tenets of HGDEF should be challenged and exposed starting in every Eritrean home in every community in diaspora,it has sipped into our drinking water like a lethal poison for years,it has been consuming members of our family one by one,it is time to detox and purify the well and start drinking a pure,nourishing Eritrean spring water again. ,HGDEF is filthy,putrid,parasite,skunk,phony,a sham,a stinking carcass…………and should be fumigated from every.Eritrean home like a rodent.My gratitude to all delayi fithi who is fighting relentlessly solely or collectively to accomplish this job.The dawn will break through with its shimmering lights soon. .

  • PH July 11, 2016

    That’s true many wise people don’t live their open beer or cap of coffee behind. Specially they don’t trust bars & restaurants in asmara

  • zeray July 12, 2016

    Gerhi Eritrean people should learn from their past naivety in trusting those former so called revolutionary leaders, tegadelti and their collaborators in Europe, Canada, USA, Middle East and African countries still operating as rats and foxes for the Eritrean regime. Never trust politician people everywhere as they all have two tongues and mouths to fill and satisfy.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply