Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኤርትራ ዝልግስ ኣይተሳእነን፡ መንጠልቲ ኣእዳው’የን በዚሐን

እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ፡ ዝምሕልን ዝጥሕልን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ን50 ዓመታት ካብ ክቱር ሃገራዊ እምነትን ፍቅርን ዝነቅል ዝግራህን ዝዕሾን ህዝቢ ምርካቡ ስልጣኑ ክዕቅብ ከም ጽቡቅ ዕድል ተጠቂሙሉ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሓደ ክልተ

እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ወግሐ ጸብሐ፡ ዝምሕልን ዝጥሕልን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ን50 ዓመታት ካብ ክቱር ሃገራዊ እምነትን ፍቅርን ዝነቅል ዝግራህን ዝዕሾን ህዝቢ ምርካቡ ስልጣኑ ክዕቅብ ከም ጽቡቅ ዕድል ተጠቂሙሉ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሓደ ክልተ ስሱዓትን ዮውሃትን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቀታሊ፡ ኣጽናቲ፡ ዘይሕጋዊ፡ ዓፋኒ፡ ግሃሲ መሰል ሰብን መንዛዒ ሃብትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓቀኛ ኣረሜናዊ ተግባራቱን ባህርያቱን ዓቢጦም፡ ጻድቅን ተቆርቋርን ኣምሲሎም ዝጣበቁ ስለዘለዉ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ’ዚ፡ “መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒረ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጽኩ ኣነ ስለዝኾንኩ ብዘይካይ ስልጣን ክሕዝ ዝግብኦ የለን” እናበለ ዝንየት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 40ታትን 50ታትን ንመሰሉን ንመንነቱን ተቃሊሱ ኢዩ። ካብ 1961 ክሳብ 1991፡ ን30 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ፡ ህይወት ደቁ ዝወፈየ፡ ብንብረት ብጉልበትን ብገንዘብን ንሰውራ ዘጎልበተን ዘዐወተን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ክብርን ሞሳን ነቲ ደሙ ዝፈሰሰ ኣዕጽምቱ ዝኸስከሰ ቀንዲ ዋና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ክሽየመሉን ከጉባዕባዓሉን ግቡእ ኣይኮነን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ክውስን ሕጋውነትን መሰልን እውን የብሉን።
ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ቀያድን ኣድካይን ቁጠባዊ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ባንኪ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ኣብ ወርሒ ካብ 5 ሽሕ ናቅፋ ንላዕሊ ካብ ሕሳቡ (Bank Account) ከውጽእ ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ጸገም መነባብሮ ህዝቢ ዘቃልልን ስርዓተ ደሞዝ ከምዘየለ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ የካቲት 2020 ተለፋሊፉ ነይሩ። ብርግጽ ኣብ ኤርትራ፡ ምስ ክብሪ ሃለኽቲ፡ ክራይ ገዛን ሽቅለተ ኣልቦነትን፡ እቲ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ብቀይቀይ ቆጢቡ ዝነብር ሰራሕተኛን ሰራዊትን ገዲፍካ፡ ዝበዝሕ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመማቅርቲ ወይ ናይ ጁባ ገንዘብ’ዩ ህይወቱ ዝኣሊ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር ግን፡ መራኸቢ ብዙሓንን ካድራትን ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ብዘይጠቅም ደሞዝ ዝነብር ሰራዊት፡ ሰራሕተኛ መንግስትን ናይ ብሕትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ብዓሰርተታትን ብኣማኢትን ኣሽሓት ገንዘብ ከምዘበርከተ ተገሊጹልና። ሕሉፍ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሕክምና ዝተዓቑቡ ሕሙማት ከይተረፉ፡ ኣብ ዓራቶም ኮይኖም ንመከላኸሊ ለበዳ ቫይረስ ገንዘብ ከምዘወፈዩ ሓቢሩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽጉም ወገኑ ንምሕጋዝ ብመን ሕራይን ትእዛዝ ህግደፍ ዘየድልዮን ወረጃን ለጋስን ኢዩ። እቶም ገንዘብ ንምእካብን ጁባታት ጉጅለ ህግደፍ ንምህጣርን ተዋፊሮም ዘለው ጎሓላሉ፡ ”እተን ብሃብተን፡ ብክኢላዊ ዓቅሚ ሰብን ስነ ፍልጠትን ዝምክሓ ምዕቡላት ሃገራት፡ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ገልጠምጠም ክብላ፡ ክጭነቃን ዜጋታተን ክቅዘፉን እንከለው፡ እቲ ጸገም ብምጽዋር ዝፍለጥ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣይተረበሸን፡ ነቲ ለበዳ ይቆጻጸሮ ኣሎ” ዝብል ናይ ትምክሕቲ መግለጺታት ይህቡ ኣለው። ጉጅለ ህግደፍ፡ ነታ ብቅንዕናን ብሓልዮትን፡ ብዛዕባ ጉድለታት መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልልያት ረሲዕና ቀዳምነታትና ዓቅምታትናን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካትን ህዝብና ንምሕጋዝን ይኹን ትብል ምስ ህላወ ንቡርን ተሓታትነትን ዘለዎ መንግስቲ እትትግበር ኣምር፡ ክጨውያን ኣብ ጥቅሙ ከውዕላን ይጽዕር ኣሎ። እንተኾነ፡ ነቲ ንዓመታት ዘደናገረን ንብረት ህዝቢ ዝዘመተን ጉጅለ ህግደፍ ገንዘብ ምሃብ ማለት፡ “ብደወይ ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ ኢዩ፡፡

ጠላም ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ “ንመሕወይ ግብሪ፡ ወራር ወያነ ንምምካት፡ መናበዬ ስድራ ስውኣት፡ ድራር ተጋደልቲ፡ ንስንኩላን ኩናትን ካልእን ምቁር ቃላት ተጠቂሙ፡ ገንዘብን ናውትን ክልምን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ፡ ናጻ ጉልበትን ንብረትን ወፍዩ ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ደም ተሓሊቡን ለፊዑን ጸጉም ወገኑን ንኽብሪ ሃገሩን ዘበርከቶ ገንዘብ፡ መረሸኒ’ቶም ጸገምና ይሰማዕ ዝበሉ ውጉኣት ሓርነት ማይ ሓባር’ዩ ኮይኑ። እተን ስልማት ቃል ኪዳነን ከይተረፈ ካብ ሰውተን ቀንጢጠን ወርቀን ዘወፈያ ኣዴታት፡ ደቀንን ሰብኡተንን ብጉጅለ ህግደፍ ተመንጢለን፡ ሞያአንን ለውሃትንን ተጠሊሙ፡ ብጽምዋ ተዋሒጠን ኣብ ሓዘን ይነብራ ኣለዋ። እቲ “ሕድሪ ኣያታትካ ተቀቢልካ ልኡላውነት ሃገርካ ኣውሕስ” ዝተባህለን ትምህርቱን ውልቃዊ ናብርኡን ረጥሪጡ ናብ ቅድመ ግንባር ዝምረሸ መንእሰይ ኤርትራ፡ ግዳይ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ሕማም፡ ጥሜትን ጭንቀትን ኮይኑ። ሃገር ስኢኑ ለማናይን ስደተኛን ተባሂሉ ተናዒቁን። እቲ ጉጅለ ህግደፍን ሒደት ሰዓብቱን ክጎስምዎን ክቅበልዎን ዓቀብ ዝኾኖም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነትን ሓቅን እዚ’ዩ፡፡ ሎሚ ብኣጋጣሚ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ክጸድቅን ጠባያቱ ክቅይርን ስለዘይክእል፡ ገንዘብካ ኣብ ጁባ ሰራቂ ምእታው ዕሽነት እምበር ሃገራዊ ሓልዮትን ንጽጉም ምሕጋዝን ኣይኮነን።

እቲ ምስ ገንዘብን ስልጣንን ፍሉይ ፍቅርን ሸውሃትን ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ንወርሒ ካብ 5 ሽሕ ንላዕሊ ገንዘቡ ካብ ሕሳቡ ከጥቀም ዝተኸልከለ ክፋል ህዝብና፡ ብኣጋጣሚ ኮሮና ቫይረስ ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ብግዴታን ብምፍርራሕን ገንዘብ ከዋጽእ ኣዚዝዎ። “ርሑቅ ዓዲ መሐሰዊ” ከምዝብሃል፡ እቶም ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ገንዘብን ንዋትን ወፍዮም ዝብሃሉ ዘለዉ፡ ሚኒስትሪታት፡ ትካላት፡ ማሕበራት፡ ውልቀ ሰባትን ዓድታትን፡ ዱኳናቶምን ፍቃድ ንግዶምን ክይሕደጉ፡ ኣባይቶም ከይውረስ፡ ካብን ናብን መንቀሳቀሲ ከይክልከሉን ኣብ ዓይኒ ትካላት ጸጥታ ህግደፍ ከይኣትዉን ብግዴታ ካብ ዝርካቡ ወርሓዊ ደሞዞምን እቶቶምን ዝተሰልዐ እምበር፡ ብፍቶት ከምዘይሃቡ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ብጉልባብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብመራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ተወፍዩ ዝብሃል ዘሎ ጥረ ገንዘብን ንዋትን ሓቂ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ ድኻ ስድራቤት የለን ማለት’ዩ።

ኣብ እዋን ጸገምን ባህርያዊ ሓደጋታትን፡ ኣብ ጎድኒ ህዝብናን ሃገርናን ጠጠው ክንብልን ዝከኣለና ክንገብርን ቅዱስ ሃገራዊ ግዴታ ኢዩ። እዚ ከይንሰርሕ ንኤርትራውያን ዕንቅፋትን ኣብ ክልተ ዝመቅለናን ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ህላወ ብህዝቡ ዘይግደስ ጉጅለ ህግደፍን ናትና ዘይምጥርናፍን ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ “ሰውራ ንምዕዋት” እናተባህለ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዙ፡ ካብተን ባዕሉ ዝመስረተን ሃገራውያን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያትን ሰራሕተኛታትን ከምኡ እውን ካብ ሓፋሽ ውድባት ዝግሕጦ ዝነበረ ሚልዮናት ዶላርን ንዋትን፡ ድሕሪ ናጽነት እቲ ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝተባሕተ ፍርያት ይኹን ገንዘብ ምቁጽጻር (Audit) ተገይሩሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብፍላይ ድማ (ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ስዑድያ፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያ፡ ኣንጎላ፡ ቻይና፡ ኣመሪካ) ብጉልባብ ኤምባሲ፡ ቆንስላዊ ጉዳያትን ማሕበረ ኮምን ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ስፖርታዊ ጉዳያትን ተመዲቦም ዘለዉ ጎሓላሉ፡ ሃብቲ ኤርትራ ዝዝርፉ፡ ሰለይቲ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜግነት ዘለዎም፡ ስድራቤቶም ኣብ ወጻኢ ዘቀምጡን ብስርቂ ኣባይትን ትካላትን ዘለዎም ኢዮም። ብዓቢኡ ናይቲ ካብ ከባቢታት ደንከል፡ ጋሽ ባርካን ካልእ ቦታን፡ ህዝብና ካብ መነባብሮኡ ኣፈናቂሉ፡ መሬቱን ባሕሩን በኪሉ፡ ብናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዝጋሓጥ ዘሎ ማዕድናትና እቶት ኣበይ ኣትዩ፡ እንታይ ዓቢሱልና ክንሓትት ኣለና። ትጽቢትና፡ ካብ ከርሲ መሬትና ወይ ባሕርና፡ ወዕቁር ባህርያዊ ሃብቲ ክርከብ እንከሎ፡ መነባብሮና ከነመሓይሸሉ፡ ትሕቲ ቅርጺ ክንሃንጸሉ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከነስፍሓሉ ኢዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብጉልበት ግዱድ ዕስክርና ዝኳዓት ዘሎ ዕደናን ካብኡ ዝርከብ ቢልዮናት ዶላርን፡ ብዘይካ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ምዕቃብን ህዝቢ ኤርትራ ምጭፍላቅን ካልእ ረብሓ የለን።

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዘለና ኤርትራውያን፡ ገንዘብ ብኸመይ ንረኽቦን ክብደት ናብራን ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ባዕልና ንፈልጦ ኢና። እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን መንግስትን ሰበስልጣንን እናፈለጥና፡ ነቲ ብዘይካ ኣሕዋትናን ወለድናን ዝሕየሩሉ ገለርያታትን ጎዳጉድን ዝሃንጽ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ዝዘርግን፡ ትካላት ጥዕና ዝህግርን ዝዓጹን፡ ብምርኩስ ዝኸዱ ኣረጋውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝኣስር፡ ስድራቤታት ዝበታትን ገበነኛ ውልቀመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምጥባቅናን ብስቅታ ምሕላፍናን ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ለጋስን ለዋህን ሰብ ኣይኮነን ተሳኢኑ፡ እንታይ ድኣ ዝተለገሰ ገንዘብን ንብረትን፡ ዝምንጥልን ዝሰርቅን ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ጸገም ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎን ብልቦና ክንምልሶ ዝግብኣናን ሕቶ ድማ፡ ደም ዝረሃጽናሉ ገንዘብናን ንብረትናን፡ ንሃንጎሪማ ዝብኢ ጉጅለ ህግደፍዶ ንሃቦ ወይ ነቲ ሃገር እንከላቶ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆጺሩ ዝጠምን ዝጸምእን ዘሎ ህዝብና።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 26 ሚያዝያ 2020

yakobe@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Woldegabriel April 28, 2020

    Dear Tsilal,
    I wish there were many more ” persons of substance” in Assenna.

  • Hidat April 28, 2020

    ኣዲኣ ክትህብ ዘይረኣየትሲ ሓማታ ክትህብ ምስ ርኣየት ተሓኒቃ ሞተት እዩ ናትካ ኣበጅኦም ሰረቅቲ ተኮይኖም ህግደፍ ስርቅርቅ ይዉዓልዎ ወጻእተኛታት ጥራሕ ኣይጻወትሉ

    • k.tewolde April 28, 2020

      It is blind xenophobia,you make a living in a foreign land,get paid by foreigners with foreign money and you rather pay the ones who evicted you from your own home and made you live in a foreign land. Hidat,are you one of the regime’s Embassy employees?or get a kick back from the donations for your covert services? if that’s the case,I don’t blame you for the smart post,mo money..!mo money..! HGDEF”S insatiable obsession,will do anything to get it except work for it.>>>>>Tsilal asserts, ((እቲ ምስ ገንዘብን ስልጣንን ፍሉይ ፍቅርን ሸውሃትን ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ፡..))…..indeed,including harvesting his children’s organs for sale, the homeland is screaming bloody murder,plague is grinding its teeth……it is the sign of times.

  • Hidat April 28, 2020

    k tewelde ህግደፍ ድኣ መርፍእ ዝቓጻጸር ምኻኑ መዓስ ጠፊኡካ ገለ ካብቶም ሎሚ ህግደፍ እንዳበሉ ክልፍልፉ ዝዉዕሉ ገሊኦም ዝሰረቁ ገለ ዘታለሉ ገለ ጒቦ ሂቦም ድላዮም ዘየስለጡ ገለ ክኣ ህግደፍ ከይጠፍኤ ድላዮም ክዕንድሩ ስለ ዘይክእሉ ንህግደፍ ጸለሎ ክለክዩ ይዉዕሉ ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን ወሸለ ዘዋጽእ ተረኪቡ ከይሓፈረ ከይሓነከ “” ዘዋጽእ ድኣ መዓስ ተሳኢኑ………..””ኢሉ ክጽሕፍ እዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ኣለኒ ድዩ ክብል??ነቲ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ምዉጻእ ይትረፍኩም ህግደፍ ከይሰርቀኩም ነቶም ክሕገዙ ኣለዎም ትብልዎምእንትሓገዝኩም ግን እኩል እዩ ኩሉ ትገብሩ ድኣ አይኮንኩምን እንበር ወደሓንካ

  • Woldegabriel April 28, 2020

    Selam Hidat,
    To call to people names really hurts and puts you low to their level. But you are sometimes forced to call” a spade a spade “. ” Emni Ruuba” in Tigrigna or ” yewenz dingay” in Amharic is a black or sometimes a white smooth stone impenetrable and imporous to water. However, it makes the loudest echo. It is usually ascribed to people who couldn’t see what is in front of them and devoid of understanding the simplest reality that a child of eight could comprehend. Attempting to explain to such people is absolutely hopeless because as Emni ruuba nothing goes in and yet makes a lot of noises.

  • Abrham April 28, 2020

    It really saddens me that we Eritreans cannot critique an article but jump right away to attack the author of an article. Some, jump over to disgusting and shameless profanities unheard of in the culture and language of our parents and grandparents. We became so shallow with nefarious intent.and no wonder we are at the butt of the African continent. Sad.

  • Hidat April 28, 2020

    ሰላም ወልደገብርኤል ናይ ቓንቃ እንግሊዝ ሕጽረት ስለዘለኒ ገለ ገለ በቲ ቁሩብ ዝርድኣኒ እየ ዝምልሶ እዛ መሊሽካለይ ዘለካ ድማ ግምት እምበር ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘይተረዳኣትኒ ብትግርኛ ተትጽሕፋ ጽቡቅ ነይሩ ምስናይ ይቅሬታ

  • Woldegabriel April 29, 2020

    Selam Hidat,
    Please accept my sincerest apology. Not knowing I’d not a crime and does not deserve any name calling. You are just a victim of the evil isayas and his cabals. I wish you could try again and again to open your eyes and mind to see the plait of the Eritrean people; where we are going; who is the enemy and who is the friend. There is one saying (proverb) that I love most and I am glad to share it with you. “If you are not confused then you are misinformed”. It means the more you know the more confused you become and better equipped to make the right decision. (Sorry it is difficult to translate the idea into Tigrinya, may be you ask other friends to do so. And M’s senay Y’kreta an telephone nay Tigrinya fidelat S’lezeybley B’tigrigna K’tsihfelki aykealkun).

  • Woldegabriel April 29, 2020

    Correction
    Pls read “not knowing is not” not I’d. Also “plight” not plait.

  • Hidat April 29, 2020

    ወልደገብርኤል ተገዲስካ ስለዝመለሽካለይ የቀንየለይ

  • Hidat April 30, 2020

    ዓሻ ጎረቤትሲ ዝኣቱ እምበር ዝወጽእ ዘይርኢ……የጉህየካ ይብሉ ኣቦታትና.ኢልካ ምዕጻዉ ይሓይሽ ምሕረት ንሙሉእ ዓለም

Post a Reply to Hidat Cancel Reply