Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣትላንታ ህግደፋውያን ወጋሕ ትበል ለይቲ ደበስዶ ታሕጓስ?

ኣብ ኣትላንታ ህግደፋውያን ወጋሕ ትበል ለይቲ ደበስዶ ታሕጓስ? ህግደፋውያን መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ከባቢ 400 ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝጠፍኡ ደቁ ኣብ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቶም ንርእሶም ሃገራውያን፣ ካልእ ከዳዕ ጠላም፣ ወያኔ፣ ሲኣይኤ ብዝብል

ኣብ ኣትላንታ ህግደፋውያን ወጋሕ ትበል ለይቲ ደበስዶ ታሕጓስ?

ህግደፋውያን መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ከባቢ 400 ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝጠፍኡ ደቁ ኣብ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቶም ንርእሶም ሃገራውያን፣ ካልእ ከዳዕ ጠላም፣ ወያኔ፣ ሲኣይኤ ብዝብል ዜግነት ክዕድሉ ዝውዕሉ፣ ሓንቲ ልቦም (ልቢ ኢሳያስ) ህግደፋውያን  ብበዓል ዳዊት ሽላንን ወዲ ትኳቦን ዝኣመሰሉ ሕልና ኣልቦ ደረፍቲ፣ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ፣ ጥቅምቲ 6, 2013 ሂር ዝበለ ጓይላ ተኺሎም ኣብ ዕብዳንን ሳዕስዒትን ዳንኬራን ሓዲሮም።

መስከረም ነት እታ ካብ ቲቪ-ኤረ ንላዕሊ ጽቡቕ ዘይብሉ ግንከ ጽቡቕ እንተ ረኸበት  ብዘይዕረፍቲ ብዛዕባ ኢሳያስ ኮለል እትብል መርበብ ሓበሬታ፣ “ሓቂ እንተ ኾይኑ ዓገብ ማሕበረ ሰብ ኣትላንታ መዓልቲ ቀይሩ።” ብምባል ነቲ ዳንኬራ ህግደፍ ናብ ማሕበረ ሰብ ኣትላንታ ከተጸግዖ ምፍታና ዘገርም እዩ ሕፍረት ንኣኹም ከኣ ንብሎም።  ማሕበረ ሰብ ኣትላንታ ኣባል እዚ ግዕዘይ ስራሕ አይኮነን።  እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፣ ኣብቲ ጓይላ ዝግበሮ ቦታ ብምኻድ ናይ ናይ ሓዘን ክዳን ተኸዲኖም  ናይ ሽምዓ ሰልፊ፣ ብምግባር ብፍሉይ ናይ ጸሎት ኣዋጅ ገይሮም  ኣብ መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ እዩ። http://tewahdo.tv/ ህዝቢ ብጸሎትን ንብዓትን ዘኪርዎም ውዒሉ እዩ።

ህግደፋውያን ንማሕበረ ሰብ ኣትላንታ ኣይውክሉን እዮም። ከመይሲ ማሕበረ ሰብ ህዝቢ ኣትላንታ ኣካል ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ኤርትራውያን  ይትረፍ ከምዚ ዓይነት ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተፈጺሙ፣ ሓደ ሰብ ሞይቱ’ውን ረይሳ ሓመድ ከየልበሱ እኽለ ማይ ኣይለክፉን ክብረት ሰብ ዘለዎ ሕፉር ህዝቢ እዩ።

ማሕበረ ሰብ ኣትላንታ እዚ 06/10/2013 ዝሓደረ ጓይላ ኣዝዩ ዝኹንኖን ዝቃወሞን፣ ዓገብ ዝበሎን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሓዘንን ንብዓትን ጸሎትን ከም ዘሎ፣ ተካፋሊ ሓዘን ዘይኮነስ ኣካል እዚ መሪር ሓዘን ምዃኑ፣ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ንባዕሉን ድማ ጽንዓት ጽንዓት ክረክብ ኣብ ጸሎትን መሪር ሓዘንን ኣሎ።

እንተ ህግደፋውያን ግን ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ በኹራ… ከም ዝበሃል፣ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ምህላዉ፣ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እናወግሓሉ ይኸይድ ኣሎ፣ ንህግደፋውያን ግን እናዓረበቶም ትኸይድ ከም ዘላን ክፈልጡ ይግባእ። ናይዚ ኩሉ ብድዐን ኣደራዕን ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ክብለልኩም ክኸብዶ ምዃኑ ብኣግኡ ክግንዘብዎ ኣለዎም።

 

ግዱሳትን ሕዙናትን ኤርትራውያን ካብ ማሕበረ ሰብ ኣትላንታ።

ጽንዓት ይሃበና ንኹልና ኤርትራውያን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • eritrean October 9, 2013

    Who are you to scold Eritreans, you stupid agames? You will never see Eritrea. Your agame leadership we sow it in may aini . No thank you to woyane, and woyane puppy Emanuel iyassu.

    • temie October 9, 2013

      You called yr self “eritrean” u have identity crisis like yr boss isseyas. you ston head!

    • Hailom N. October 9, 2013

      HE eritrean GO AND CHECK FIRST YOUR FAMILY AND THEN YOU COME TO AS. NOTHING TO DO WITH WOYANE YOU FAGET BASTARD DID YOU NOW YOUR LEADER IS ( WEDI TENBEN SENTRAL TEGRAY )YOU ARE NOT AGAME YOU ARE ( WEDI GONDER ASK YOUR FAMILY GONDERE WAHID ).

    • MightyEmbasoyra October 10, 2013

      ethiopian,
      I think you haven’t heard that your boss has already told you not to say Agame (as you may know, he is the biggest Agame), but he allowed you to say Woyane. I am sure if you are going back home, you will be arrested. Who is going to bail you out/ Your Uncle monkey or kisha? No way. If you ask why not – they are Agame too. But, hey, you are probably junior Agame.

    • ERITRAWIT October 10, 2013

      change u name who is Eritrean? people were dancing or Amanule Eyasu? GOHAFAT please like wedi Bakaro said leave our country ZEY ADKA ADY AYKONEKAN EU.

  • Andom Woldu October 10, 2013

    Sorry Amanuel!

    correction in your text : not መስከረም ነት but መገርም ነት. The stupid chief of መገርም ነት has a biography that does not fit in a civilized siciety!

  • ERITRAWIT October 10, 2013

    Wedi Tkabo,Dawit shelan,etc… please ,please don’t sing on may 24 don’t play with us the people they sank in Meditrenan while u and u dame hgdef supporter DANCING they are Deki Swat,Deki Agelglot, Ansty Agelglot Eyom . u will pay the price take my word shame the old man he could’t change the date money is first with hgdef than Eritrean live!!!!!.

POST A COMMENT