Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣስመራ ካብ ማኪና ዘሊሎም ከምልጡ ዝፈተኑ ዜጋታትና ዛጊት 6- ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2016/04/ኣብ-ኣስመራ-ካብ-ማኪና-ዘሊሎም-ከምልጡ-ዝፈተኑ.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Garsay April 5, 2016

    heinous crime of the facist hgdf is enormous when is going to end ?

  • Iron fist April 5, 2016

    ስራሕ ህግደፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ”

    ብ1989 ድሮ ምሕራር ባጽዕ ዓመት ጸኒሕካ ድማ ናጽነት ኣብ ቤሄረ ዓፋር ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ምስዚ ናይሎሚ ኣብ ኣስመራ ብዓይነይ ዝራኣክዎ ከዘንትወልኩም። ኣብቲ እዋን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሰሜን ዳንካልያ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ግፋ ኣካይዱ። እቲ ግፋ ኣነዘን ዝስዕባ ዓድታት ዓፋር ተካይዱ ማለት ዙላ፡ እንገል፡ኣፍታ፡እገልዓሎ፡ዓከሎ፡መንካዕሊለ፡ኢራፋይለ፡ቦርደለ፡ቡያ፡ዓሳዒላ ፡ባዳ፡ሲሙቲ ብሰፊሕ ተካይዱ። ፎሮ ግን ኣብ ትሕቲ ደርግ ስለዝነበረት ግፋ ክካየደላ ኣይክኣለን። እዞም ካብዘን ዝተጠቅሳ ዓድታት ዓፋር ዝተገፈፉ መንእሰያት ብመራክብ ንሳሕል ክዕለሙ ንክኸዱ ናብ እገልዓሎ ኣከብዎም እንተኮነ ግን ብባሕሪ ክንወስዶም እንተፈቲንና መንእሰያት ዓፋር ንፉዓት ሓምበስቲ ስለዝኮኑ እተን መራክብ ቁሩብ ካብ ገምገም ንውሽጢ ባሕሪ ምስተበገሳ ነነጢሮም ከምልጡ ስለዝኽእሉ ፡እቲ ሓሳብ ተቓሩጹ ብመርየት ብእግሮም ክኸዱ ስለዝተሓስበ ተኸቢቦም ብሓልዋ ብእግሮም ናብ ዓሳዒላ ተኣከቡ። እቲ መደብ ጉዕዞ ብእግሮም ብመንገዲ ዊዓ ሩባሓዳስ፡ማይሰራው፡ኮዓቲት፡ሃዘሞ፡ጸሮና ገርካ ንሳሕል ንምውሳድ ዩ እቲ መደብ። እንተኮነ ግን ኣብ ዓሳዒላ ከለው እቲ ናዕቢ ተላዒሉ። ኣነ ኣብ ታሕተዋይ ናይቲ ዓዲ ማለት ጋራጅ መጎዓዝያ ነረ እቶም ግፉፋት ድማ ኣብላዕሊ መንገዲ 15 ደቃይቅ ጠሓኒት እኽሊ ዝነበረቶ ንሮም። እቶም ግፉፋት ጸላም ተኸዲኖም ፋሕ ኢሎም ከምልጡ ስለዝፈተኑ እቲ እዋን ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ሚሽት እዩ ነሩ። በቲዘጋጠመ ተኽሲ ተኸፊቱ ብዙሓት መንእሰያት ዓፋር መይቶም። ኣነ ሹዑዑ ሚሽት ኣይከድኩን ካብ ኣሃዶይ ግና ሓላፊና ዘለዎም ተዋጺኦም ከይዶም እቲ ተክሲ ክሳብ ፍርቂለይቲ ቀጺሉ። ንጽቢሒቱ ነቲ ሓላፊና ከመይ ነበረ ኢለ እንተሓተትክዎ እንዳስተንተነ ሙሉእ ለይቲ ረሳታት ክንቀብር ሓዲርና ህዝቢ ከይወገሐ ከሎ ከይርኦ ኢሉኒ። ክንደይ ሰባት ድዮም መይቶም ኢለ እንተሓተትክዎ 100 እኮኑ ኢሉኒ። ንጽባሑቱ ኣብቲ ሩባ ከይደ ኣነባዕለይ ህዝቢ ከይሪኦ ከመሳስልዎ ሓዲሮም ተባሂሉ እቲ ሑጻ ናይቲ ሩባ ካብ ንዝሕሒ ህሩማት ደም ዝፈሰሰ ቀይሕ ተቀይሩ ጸኒሑና። ህዝቢ ዓፋር በቲ ዝተፈጸመ ተግባር ስለዝተቆጠዐ ናብ ደርጊ ንባጽዕ ከይዱ ጠረዐ። ሰራዊት ደርጊ ድማ ሰፊሕ ህውፍሪ ብምክያድ ንብሙሉኡ ዓድታት ዓፋር ተቆጻጸሮ። ምዝላቅ ኮነ ህድማ ኣብ ሩባ ዒንደልሊ እትርከብ ዓዱ ራንዳኮማ ኣብ እትብሃል ዓዲ ዓረድና። እቲ ህድማ ናይቶም ዓፋር ዕውት ነሩ ፍርቆም በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሞም፡ ንሳሕል ውን ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኣተው ዳሕራይ ሰሚዐ። ህዝቢ ዓፋር ካብቁጠዐ ዝተላዕለ ቁጽሮም ዘይነዓቅ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ኣንጻር የሕዋቱ ተዋጊኡ ብዙሓት ውን ሞይቶም። ካብ ሳሕል ተላኢኩ ዝመጸ ኣላህ ይርሓሞ ላዕለዋይ ሓላፊ ነፍሲሄር ማሕሙድ ሽሪፎ መጽዪ ህዝቢ ዓፋት ነጺግዎ። እንደገና ወዲ ተወላዲ እንገል ዓፋር ዝኮነ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ እብ ዓዱ መጽዩ ነቶም ለባማት ዓበይቲ ዓዲ ከዛራርቦም ፈቲኑ ብኣንስቲ ገሮም እቲ ዘይክላእ ማይን እንገራን ሊኢኮም ንወዶም ፎእ ኢሎም ነጺጎሞ። ንዓመቱ 1990 ባጽዕ ስለዝተታሕዘት ብጭፍራ ኢሰያስ ኩሉ ተረሲዑ ብዓወት ሰኺሮም።

    ፎእ ፎእ ፎእ ህግደፍ መንደፍ

    • k.tewolde April 6, 2016

      Love your recollection. This crime against the Afar people did’t start in 1989, after the collusion of the infamous SIDOHA EELA, Shaebia left a lot of filth in the area and the Afar people were estranged to the entire Eritrean liberation struggle, few years later we tiptoed our way into the area to make mends by identifying ourselves, it was not easy,but we nurtured the relationship and amazing work was done there that make me proud as Eritrawi tegadalay, basically we cleaned up their mess simply to be repeated as mentioned above by Iron fist.The tyrant is set out to annihilate the true Eritrean from the get go and he put together a well oiled killing machine called EPLF and then morphed to HGDEF. God knows what’s to come, WGDEF, after he is done sacking the last Eritrean riffraff from the party.You saw the fast ball coming at you, you did’t swing.He got you looking.

POST A COMMENT